ክንብርኩት ከይንብርኲት ኣብ ማይ ንብጻሕ።

ኣብዚ ዘሎናዮ ህሞት፣ ህዝቢ ዓለምን መንግስታት ዓለምን፣ ብዘይካ እተን ንህግደፍን ንወያኔን ዓሲበን ኣዋፊረንኦም ዘለዋ ጎይቶቶም፣ ከም መንግስቲ ኣሜሪካን፣ ዓባይ ብሪጣንያን፣ እስራኤልን፣ ንግዝያዊ መንግስቲ ህግደፍ ክዒቡዎን ፈንፊኑዎን እዩ። እኳድኣ እታ “ሓዳስ ኤርትራ” እትብሃል ሃገር ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዝወረደትሉን፣ ወርቅናን ካልእ ማእለያ ዘይብሉ ባህርያዊ ጸጋናን ግና ባዕዳውያን ብነጻ ክዘምትዎ ንርኢ ኣሎና። መንእሰያት ኤርትራ ድማ “ብእግሪ ኣያ እቝባይ” ካብ 14 ንላዕሊ ዝዕድሜኦም መንእሰያት ኤርትራ ካብ ሃገሮም ሃጽ ኢሎም ንስደት የምርሑ ኣለው።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ፈቐዶ ኣብያተ ማእሰርቲ ተዳጒኑ፣ ብዘይ ፍርዲ ኣብ ዝተኣስሮ ቦታ መቓብሩ ኮይኑ መሽሚሹ እንዳሃለቐ ከሎ፣ እቲ ብባይቶን ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝፍለጥ ውድብ ግና፣ ነቲ ኩሉ ስቓይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ እንዳርኣዮ ኣስቂጡ ይዕዘብ ኣሎ።

እቶም ዝተረፉ ድማ ካብቶም ኣብ ልዕሊ መሬት ኤርትራ ኣብ ባርነት ዘለው መንእሰያት፣ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዘለው ይበዝሑ። ብኻልኣ ኣገላልጻ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ብግቡእ ክግለጽ እንተድኣ ኮይኑ፣ዘመነ  ስደትን ውርደትን ባርነትን እምበር፣ ዘበነ ነጻነት ኣይኮነን። እዚድማ ውድዓዊ ሓቂ ስለዝኾነ እዩ። እቲ ዘይሓፍርን ብሕማም ስነኣምሮ ዝሳቐ ዘሎ (ሺሶፓት ወይ  ማላዴቶ) መሃንድስ ህግደፍን ልእኹን ከዳምን ባዕዳውያ ቲራኒ ኢሰያስ ግና፣”ጭግራፍስ ገሪፋ ተእውዪ” ከምዝብሃል፣ ከይሓነኽ ዓመት ዓመት፣ ብስውኣት እንዳሸቀጠ፣ ንህዝቢ ብምትላል ብዓል ነጻነት ከብዕል ዛጊት 27 ዓመታት ሓሊፉ።

 ብፍላይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብሓፈሽ ድማ ቀርኒ ኣፍሪቃ ድማ ኣብዚ እዋንዚ መዓንደሪን መላገጺን መዝመዝቲ ባዕዳውያን ሃገራት ኮይነን ኣለዋ።


እቶም ንብረት እንዳማቶም ክዘምቱ ዝወዳደሩ ዘለው መንግስቲ ቻይናን መንግስቲ ኣሜሪካን፣ ንስትራተጂ ቀዪሕ ባሕርን፣ ቀርኒ ኣፍሪቃን ክሽመውሉ ከለው፣ ብዓል ክናናን ምናናን ከኣ ንመሬት ባድመ ከም ጠንቂ ኣልዒሎም፣ ሃገር እንዳሸጡ ንህዝቢ ግና ፈላሊኻ ግዛእ ዝብል ውዲት ተጠቒሞም የናቑቱዎ ኣለው።
እንዳ ወያኔ ድማ ሓደ ገጽ ክልተ ቅርሺ ምስ ህግደፍ ክነሶም፣ ንመሬት ኢትዮጵያ ድማ ኣሕሊፎም ንበላዕተኛታት ባዕዳውያን ሃገራት እንዳ- ሓረጁ፣ብባርባራዊ ተግባራት ኢሰያስ ድማ እንዳ ኣመሳመሱን፣ ብህዝቢ ኤርትራ እንዳሸቀጡን ጥራይ ዛጊት 27 ዓመታት ኣሕሊፎም ኣለው። እዚዩ እምብኣር እቲ ውድዓዊ ኩነታት ወያኔን ህግደፍን።ሓቂዶ ሓሶት?

ዋናታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ህዝቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘይኮኑ፣ ባዕዳውያን መንግስታት  ብፍላይ ወነንቲ በልዚንን ማዕድንን ባጤራ) እዮም። እቶም ጭፍራ ወያኔን ህግደፍን ግና ኣልቃሂዳ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮይኖም: ንባዕዳውያን ዝኽድሙ ሜርሲኔሪ እዮም። መስኪን ገርሀኛ ህዝቢ ኢትዮጵያን ኤርትራን ግና: ነቲ ኩሉ ውዲታቶምን ብልሓታቶምን  ኣይፈልጦን እዩ። ከማu ስለዝኾነ ድማ ግዳይ ጆግራፊካዊ ኣቀማምጣ ሃገሩ ኮይኑ ንኣስታት 200 ዓመታት ይሳቐ ኣሎ።

እቲ ልኡኽ መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ግና፣ ከም ሓደ ዲሞክራስን ፍትሕን ሰላምን ቅሳነት ኣብ ሃገር ዝኸሰተ ሰብ ተመሲሉ፣ ጉድስዩ ገዲፉ፣በቲ ኣብ ሃገር ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ፖለቲካዊ ጻጋኔታት ይውሕልል ኣሎ። ነቲ ኮነ ኢሉ በተን ሓያላት መንግስታት ዝብሃላ ተኣሊሙ፣ ዝተወልዐ፣”ብዶብ ባድመ” ዝፍለጥ ከንቱ ዝኾነ ኲናት እንዳ ኣመኽነየ ጥራይ፣እንሆ 18 ዓመታት ሓሊፎም። ነቶም ንኩነታት ወያኔን ህግደፍ ብግቡእ ዘለለይ ተኻታተልቲ ጂኦፖለቲካዊ ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ግና፣ እዚ ቀሚስ ኣደይ ሓንኲሉኒ ዝዓይነቱ ምስምስ ንህዝቢ ንምድንጋር ተባሂሉ ብስነኣእምራዊ ውዲት ዝተሰንዐ ምዃኑን፣እዞም ክልተ ጭፍራ (ወያኔን ህግደፍን) እዚኦም  ግና ክልተ ገጽ ሓደ ቅርሺ ምኻኖም፣ ካብ ኣምሆ ዘመን ጀሚሮም እዮም ፈሊጦሞ።


ዶርሆ ሂብካስ እንቋቕሖ ሃለው ምባል!  ይኣይ ኢትዮጵያ ብዓባያ ንኤርትራ ኣጥፊእ ከላስ፣ እዘን ብቀይሕ ቀለም ተመልኪተን ዘለዋ ንኣሽቱ ቍሠታት ክሳብ ክንድዚ ኣገደስቲ ኮይነ?!! ንኣስታት 19 ዓመታት ነቲ ደላይ ሰላም ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ትግራይን ኣይውግኣ ኣይሰላም ገረንኦ ዘለዋ, እምብኣር እዘን ቃጾዖታት ስለዝተወስዳ ተባሂሉ እዩ።

ቅድሚ ሓያሎ ሰሙናት ፍሉይ ልኡኽ ወጻኢ ጉዳያት መንግስቲ ኣሜሪካ፣ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጅቡትን ዑደቱ ፈጺሙ ከምዝተመልሰ ተሓቢሩ ነይሩ። እቲ ምስ እዘን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝገበሮ ኣጀንዳ ግና <ሳግላ ብላዕ  ኣይትብላዕ> ኮይኑ ሓሊፉ።

ድሕሪ ዑደት ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣሜሪካ ግና ኣብዚ እዋንዚ፣ኮሚቴ ስራሕ ፈፃሚ ኢህወዴግ  ኣብ ዝገበሮ ስሩዕ ኣኼብኡ ዘሕለፎም ውሳነታት ዘውፀኦ መግለጽን፣ ይኣይ ድሕሪ ማይ ኣብ ብዓቲ፣ ረብሓ ክልቲኦም ህዝብታት ኢሉ ነዚ ውሳነ ከምዘሕለፈ ኣፍሊጡ። እወ፣ <ዝወግአ እንተረስዐስ ዝተወግአ ነይርስዕ> ከምዝብሃል ግና፣ እቲ ኩሉ ብዶብ ባድመ ኣሳቢቦም ዝወልዑዎ ኲናት፣ ንረብሓ ጽዮናውያን እምበር፣ ንረብሓ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያንሲ ዕንወትን፣ድኽነትን፣  ህውከትን ጥራይ እዩ ኣስዒቡሉ። ብኣንጻሩ ግና፣ ንስልጣን ጭፍራ ወያኔን ህግደፍን መናውሒ ኮይኑ ተሪፉ። እቶም ካብ 200.000 ንላዕሊ ኣብቲ ንረብሓ ጽዮናውያን ዝተወልዐ  ኲናት ባዱመ ዝሃለቑ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ግና ዕድመ ንስውኣትና እንዳተባህሉ ጥራይ መዛናግዒ ስልጣን ጭፍራ ህግደፍን ወያነን ኮይኖም ተሪፎም ኣለው። ብሕጂ ዝመጽእ ሰላም እንተኾይኑውን ብፍላይ ብቐዳምነት ንረብሓ እተን ጎብለላት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝኾና፣ መንግስቲ ኣሜሪካን፣ ዓባይ ብሪጣንያን፣ እስራአልን፣ ብሓፈሻ ድማ ንኤውሮጳ ሕብረት ጥራይ እዩ ክውዕል። ስለዚ ከኣዮም መራሕቲ ወያኔን ህግደፍን መርሲኔሪ ባዕድውያን ስለዝኾኑ፣ ክሳብ ሎሚ ኣብ ስልጣን ተወጢሖም ትንፋስ ህዝቢ ዘምልቑ ዘለው።  ጽዮናውያን ከኣ እዞም ዕሱባት ወያኔን ህግደፍን ረብሑኦም ይሕልዉሎም ስለዘለው፣ኣይትንክፉዎምን  እዮም። ካብኡ ሓሊፎም እዞም ክናናን ምናናን ህግደፍን ወያኔን፣ካብቲ ትእዛዛት ጎይቶቶም  ቁሩብ እንተድኣ ኣጒዲሎም፣ከምታ ንሕዳሪናይ  ለገሰ ዜናዊ ዘጋጠመቶ ምስማም ተሰሚሞም ክዓርቡ እዮም። ክሳብ ዝሞቱ ግና ንጎይቶቶም ከገልግሉ እዮም።

 ጉዳይ  ኤርትራን ኢትዮጵያን ገና ብሄርማን ኮሀን እዩ  ዝዝወር ዘሎ።
<ኣቦኹም ኣብ ዘደቀሱና!>

 

ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ካብ እቲ ካብ 1998 ዓ.ም.ፈ. ጀሚሩ ብዶብ ባዱመ ኣሳቢቡ ዝተፈጥረ ዓዕናዊ ኲናት ግና ውጽኢቱ ተራእዩ እዩ። ኣብቲ ኲናት እቲ ድማ፣ ብፍላይ ቍጽሪ ካብ ሰራዊት ኤርትራ ኣብቲ ኲናት ዝሃለቑ ክንድቲ ኣብ 30 ዓመታት ሰውራ ኤርትራ ዝብሃል ዝሃለቑ እዮም ነይሮም።


ዕደና ወርቂ ኤርትራ ዘይተኣደነ ምንጪ ማእቶት ጽዮናውያን ኮይኑ ኣሎ።

ምህርቲ ዕደና ወርቂ ኤርትራ ካብ 2011 ዓ.ም.ፈ. ጀሚሩ ክሳብ 2018 ዓ.ም.ፈ. ካብ 200 ቢልዮን ዶርላር ንላዕሊ በጺሑ ከምዘሎ ተመራመርንትን ክኢላታት ቑጠባን  ሓቢሮም። ህዝቢ ኤርትራ ድማ ዝስተማይን፣ ዝበርህ መብራህትን ጨኒቑዎ ኣብ ድኽነትን ኣብ ስቋይን ይነበር ኣሎ።

ካብቲ ሳዕቤን ብባዕዳውያን ዝተዘወረ ኲናት ባድመ ድማ፣ ኣብቶም ዝሓለፉ 20 ዓመታት ኣብ ሞንጎ እቲ ኣሕዋት ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብፍላይ እኳ ድኣ ምስቲ ሓደ ቋንቋ ትግሪኛ ዝዛረብ ህዝቢ ትግራይን ኤርትራን ዘይወጽእ ቅርሕንትታት ተፈጢሩ እዩ። እዚ ስሚ ዝኾነ ምፍልላይ ድማ ብሰንኪ እቶም ክናናን ምናንና ህግደፍን ወያኔን  ዝተኸስተ እዩ።
እወ፣ ዘይተኣደነ ማሕበረ ቑጠባዉን ፖለቲካዉን ቅልዉላዋት ኣብ ልዕሊ ክልቲአን ሃገራት ፈጢሩ እዩ።

እቲ ባይታ ከምኡ ስለዝኾነ ድማ፣ንሓዋሩኸ ርክብ ክልቲኤን ሃገራት እንታይ እዩ ክኸዉን ዝብል ሕቶታት ኣብ ኣምሮ ኩሎም ደቂ ኢትዮጵያን ኤርትራን ክዝንቢ ጸኒሑ እዩ። ሕጂ ከኣ ጥሩምባ ምቅርራብን ስምምዕን ዝብሉ ወሬታት ክንዝሑ ንሰምዕ ኣለው። ግርም፤ <ዝብኢ እንታይ ትደሊ ሥጋ፣ ዓይኒኸ ብርሃን> ከምዝብሃል፣ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ድኣ እንታይ ብሃላይ ኮይኑ፣ ድልየቱን ባህግን ሰላምን ቅሳነትን ኮይኑ፣ ባህርያዊ ጸግኡ ድማ ካብ ብባዕዳውያን ዝዝመት፣ ባዕሉ ክውንኖን ክቆጻጸሮን  ጥራይ እዩ። ካልእ ሕልምን ራእዪን የብሉን። ብሰንኪዞም ካብ ብኣእምርኦም ብሕምብርቶም ዝሓስቡ መራሕቲ ወያኔን ህግደፍን ግና ክልቲኡ ህዝብታት ኣብ ዘርምዘርሞ ተሳጢሑ ይርከብ ኣሎ። እቶም ባዕዳውያን ጎይቶት ህግደፍን ወያነን ግና፣ ባህርያዊ ሃብቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ይዘምቱ ኣለው።

ስለዚ <ክንብርኲት ከይንብርኲት ኣብ ማይ ንብጻሕ> ከምዝብሃል፣ ንኹሉ ከኣ ግዜ ስለዘለዎ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን “ሓቂ ይግበሮ፣ ብቐደሙስ ኣብ ምንትምንታይን ስለምንታይn ተዋጊእኩም፣ ብዘይካ ሞትን ዕንወትን ድኽነትንከ ክልቲኡ ህዝብታት ኣንታይዶ ረኺቡዩ? ሕጂ ከኣ ነዚ ተተስፉውና ዘሎኹም ክንጽበዮ ኢና መፈጸምትኡ ድማ የሪኤን” ይብል ኣሎ።

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ 05.06.2018 ዓ.ም.ፈ.