እዞም ካብ 1948 ዓ.ም.ፈ. ጀሚሮም ካብ ከባቢ ምብራቕን ማእከላይን ኤውሮጳን ተኣኻኺቦም  ኣብዛ ሎሚ እስራአል ትብሃል ዘላ ንእሽቶ ሃገር፣ ግንከኣ እቲ ቀንዲ ስማ ፓለስጢና እትብሃል ዝነብሩ ዘለው ድዮም እቶም ቀንዲ ይሁዳውያን? ወይስ ኣቶም ኣብ ኢትዮጲያን ኤርትራን፣ ብሓፈሽኡ ከኣ ኣብ ከባቢ ምብራቕ ኣፍሪቃን ስሜን ኣፍሪቃን ዝነብሩ ዘለው እዮም?

እስከ ነዛ ቪድዮ እዚኣ ንከታተላ።

 

እዚኦም’ዮም እምብኣር እቶም፣ ነቲ ጥንታዊ ኦሪታዊ ሃይማኖት ሙሴን ኣሮንን ኢያሱን ክሳብ ሎሚ ዓቂቦሞ ጸኒሖም ዘለው። እቶም ቀንዲ ዘርኢ ኩሽን ደቂ ኖህን፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ከባቢ ኤርትራን፣ ኢትዮጵያን፣ ሶማልን ጅቡትን፣ ሱዳንን ፣ ግብጽን፣ ሞሮኮን፣ ቱኒዝያን የመንን ዝነብሩ ዓሌት።  ዘመን ግርንቢጥ ማይ ንዓቐብ ስለዝኾነ እቲ ዘሎናዮ ዘመን፣ “እቶም ብ1945 ክሳብ 1948 ካብ ፈቐዶ ምብራቕ ኤውሮጳን ብስም ሕሩያት ይሁዳውያን ተኣኻኺቦም፣ ኣብታ ፓሌስጢና እትብሃል ሃገር፣ ብዓመጽን ብዓሎቕን ኣትዮም።ይኣይ ንካብ መላእ ዓለም ንሶም  ጥራይ “እቶም ሕሩያት ደቂ ኣምላኽ” ተባሂሎም፣ ንህዝቢ ፓለስቲና መንቊሶም ነታ ኣስራኤል እትብሃል ስም ኣውጺኦምላ ዘለው ንእሽቶ ሃገር ብሓይሊ ይገዝኡ ኣለው።እቶም ምሩቓትን  ብኣምላኽ ዝተሓርዩ ፍጥረት ግና። እቶም  ካብ እዋን ሙሴ ጀሚሮም ክሳብ ሎሚ ኣሰራት ኦሪታዊ ባህሊ ከም በትሪ ሙሴን፣ ኦሪታዊ እምነት ሙሴን፣ ዓቂቦም ክሳብ ሎሚ ዝነብሩ ዘለው ቅኑዓት ኣመንቲ ኣምላኽ፣ ማለት ኣልፋን ኦሜጋን ብፍላይ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን፣ ብሓፈሻ ከኣ ሱዳን ግብጺ ሞሮኮ ቱኒያ ግብጺ የመንን ጅቡትን፣ እንሆ ሎሚ ግና ግዳይ ደቂ ያፌት (ጉግ-ምጉግ) ኮይኖም “ዎ ኣምላኽና ካብዞ ኣብ ድያብሎስ ዝኣምኑ ኣድሕነና”! እንዳበለ ለይትን መዓልትን ይጽሊ ኣሎ። እወ፣ “በትሪ ሓቂ ትቐጥን እምበር ኣይትስበርን”፣ ከምዝብሃል። እታ በትሪ  ሙሴን ጽላቴ ሙሴን ድማ፣ •ሃይሊ ኣምላኻ ተኣምራት ክሰርሓ እየን።