መበል 28 ዓመት ነፃነት ኤርትራ ካበይ ናበይ?

እስከ ኣብቲ ብዓል መበል 28 ዓመት ነጻነት፣ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ተገቲሮም ኣቶ ኢሰያስ ዝጸወዩወን ሓደስት ቃላት እስከ ብኣድህቦን ብንቕሓትን ነስተብህለሉ፣–

በይኑ ዝጎዪ ዝቕድሞ የብሉ፣ በይኑ ዝደርፍ ዝሰምዖ የብሉ። ወይከኣ ንሓደ ህዝቢ ውሑድ ግዜ ክተታልሎ ትኽእል፣ ብዙሕ ግዜውን ከተታልሎ ትኽእል፣ ንዘልኣለም ከተታልሎ ግና ኣይከኣልንዩ። ኢሰያስ ግና ን50 ዓመታት ንህዝቢ ኤርትራ ዘታለሎ ከይኣኽሎስ፣ ገና ንዘይተወሰነ ዝቕጽል ዓመታት፣ ማለት ክሳብ ኣብ ርሑ ብባህርያiዊ ሞት ወይ ብቕንጸላ ኣብ ጒድጓድ እትኣቱ ክቕጽሎ ንዕዘቦ ኣሎና።

እስከምብኣር፣ ነቲ ዘረባ ኣደይ ለቱ ኣየውፍር ኣየእቱ፣ ግንከኣ ብረቂቕ ዝተዳለወ፣ ትሕዝቶኡ ግና ዘይፍጸም ተስፋታትን፣ ሓቀኛ ትርጒም ዘሎዎ ሞጎስ ጅግንነትን ጽንዓትን ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ዝመስል፣ ኣብ ግብሪ ግና ዘይተራእየ መደረ፣ ግንከኣ ካብ ክሳድ ንላዕሊ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ብድሕሪ መደረ ኢሰያስ ረቀቕትን ስዉራትን መሃንድሳት እከይ ከምዘሎው፣ ነቶም ካብ ኣፍንጫና ኣርሕቕ ኣቢልና እንጥምት ሰባት ክውል ኣይኮነን፣ ኣናፍራ ቆቓሕ ዘይፈለጠስ ኣይሃዳናይ።

ድሕሪ እቲ ድራማዊ መድረኽ ጒያ ጒያ፣ መሰረታዊን ፕሮቶኮላዊን ውዕላት ዘይተገብረሉ ሃታታ፣  “ሰላም” !”ፍቕሪ!” “ምድማር”! “ዕርቂ”! ወዘተ… ኤርትራን ኢትዮጵያን”፡ ኣብ ኤርትራ ሕገ-መንግስቲ  ዘይተተግበረ፣ “ሃገራዊ ኣገልግሎት” => (ሃገራዊ ባርነት) ደው ዘይበለን፣ ወይ መንእሰያት ኣብ ንቡር ህይወቶም ዘይተመልሱn? እሱራትከ ስለምታይ ዘይተፈትሑን? ዝብሉ ሕቶታት፤ መልሶም እምብኣር እዞም ተጠቒሶም ዘለው ኣገደስቲ ነገራት እንተድኣ ተተግቢሮም፣ እቶም ጎይቶት ኢሰያስ ጽዮናውያንን ሃጸያውያንን፣ ንኢሰያስ ከይውዓሉ ከይሓደሩ ከልግሱዎ ወይ ክቕንጽሉዎ እዮም። ኢሰያስ ህዝቢ ኤርትራ ዝሕጎሰላ ሓንቲ ንእሽቶ ኣወንታዊት ነገር እንተድኣ ኣተግቢሩ፣ ብቕጽበት ካብ ስልጣኑ ከምዘውርዱዎ እጸቢቑ ይፈልጥ እዩ። ስለዝኾነ ድማ ኢሰያስ ብሕይወቱ ንህዝቢ ኤርትራ እንዳተላገጸሉ መታን ክነብር፣ ኣይክትግበርን እዩ። ኢሰያስ ክሳብ ኣብ ስልጣን ዘሎ፣ እሱራት ኣይክፍትሑን እዮም። ሃገራዊ ባርነት ደው እይክብልን እዩ። ወያኔዶ! ኣመሪካዶ! ዝብሉ ምስምሳት፣ ዛጊት ሞዴሎም ወዲቑ፣ ትማሊ ኣብ መበል 28 ዝኽሪ ነጻነት ኢሰያስ ኣብ ጽንዕትን ልምዓትን ቀዩሩወን፣ ጽንዕት ክሳብ መዓስ፣ ልምዓት ብዘይ ዩኒቨርሲትን ኢንስቲትዊሽንን በየናይ ኣገባብ፣ በየናይ መንገዲ??? ንዓይ ነንጭዋስ ኣብ ልቖታ። ስለዚ ንኢሰያስ መኪትና ክንቅዪሮ እንኽእል ፣ ንሓና ኤርትራውያን ጥራይ ኢና። ከምቲ ኣቦታትና ክምስሉ ከለው “ንተሓዋወስ ዘመን ክምለስ”! ዝብሉዎ፣ ንሕና ኤርትራውያን ኣስላምና ክርስትያና፣ ምስ 8 ኣውራጃታትና፣ እንተሓቢርና ጥራይ ኢና ክንምክቶ እንኽእል። ካልእ ኣማራጺ መንገዲ ከቶ የልቦን። “ውድበይ ውድብካ”! “ብሔረይ ብሔርካ”! “ሃይማኖተይ ሃይማኖትካ”! እንተኾይኑውን ከምቲ ኢሰያስ ኣሜሪካዶ ወያኔዶ እንዳበለ ሃለውለው ዝብሎ ዝነበረ፣ ሃለውለው ጥራይ እዩ። ስለዚ ነዚ ሃለውለዋት ገዲፍና: “ሃገርና” “መሬትና “! “ባሕርና”! ዝብሉ መሰረታውያን ጭርሖታት ሒዝና፣ እንተድኣ ተላዒልና፣ ነዞም እካብ ወዲ እካብ! ፍልሖ  ሳሕል! ንኽንምክቶም ዝዓግተና የለን። ካብኡ ሓሊፉ ግን፣ ኢሰያስ ከም ብዓል መዓመር ጋዳፍን: ሳዳም ሑሴንን፣ ኡዑመር ኣልበሽርን፣ መለስ ዜናዊን፣ ንኽጋጥሞ፣ ኣንጻር ሃጸያውያን ምስ ዝኸይድ ጥራይ እዩ። ነዚኣ ክገብራ እንተድኣ መዓንጣ ረኺቡ ግና፣ (መዓንጣ ድኣ የብሉን እምበር) ንጽባሒታ ሞይቱ ኣሎ ማለትዩ። ስለዚ ኢሰያስ ከሎ፣ ሓገ መንግስቲ ኣይትግበርን እዩ! እሱራት ኣይፍትሑን እዮም! “ሃገራዊ ኣገልግሎት” ብግብሪ ግና ባርነታዊ ኣገልግሎት፣  ደው ክብል እዩ ማለት ገመል ብዓይኒ መርፍእ ክትሓልፍ ትኽእልያ ማለትዩ!! ስለዚ ኢሰያስ ኣብዚ ዝኽሪ መበል 28 ዓመት ነጻነት፣ “ጽንዓት ምስ ልምዓት”! ኢሉ ዝተዛረቦ፣  ንዘስተውዕል ሃገራዊ፣ ክሳብ ንጸንት ጽንዓት ክንገብር ኣሎና! ምስ ባዴላና ገረወኛና! ዲግሪ ኣየድልየና፣ ዲፕሎማ!  ስደትና! ኣብ ሳሃራ ምዕራብና! ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ምጥሓልና! ክንጸንዕ ሎና! ማለት እዩ ብህለቱ።

ነቲ መልሲ መደረ ኢሰያስ ብስነመጎታዊ ትንተና ብፕሮ ኮንትራ ኣገባብ  ኣብ ዝቕጽል ከነቕርቦ ኢና። ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ 25 ግንቦት 2019 ዓ.ም.ፈ.