መሳጥን ሃገራዊን ትሕዝቶ  ዘለዋ ሙዚቃ

ብተፎኖ ምስ በጸይቱ እንዳ ተቋባበሉ ዝደረፉዋ መሳጢት ደርፊ፣ ሎሚ ነቲ ፍረነገር እታ ሙዚቃ ከነስተብህለሉ ከሎና፣ ብምልኡ፣ ንህግደፍ ዝወቅዕ ኮይኑ ንረኽቦ። ኣብቲ እዋንቲ እዛ ደርፊ ክትድረፍ ከላ ግና መብዛሕትኡ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ እኳድኣ እቲ ኣብ ከተማታት ዝነብር ዝነበረ ውዲት ሻዕብያ ስለዘይፈልጦ፣ ገጂፍ ህርፋን ነጻነት ከኣ ስለዝነበሮ፣ ከምቲ ህርፋን ጸባ ዘለዎስ ጓጒድ  ማይ ወድኤ ዝብሃል፣ እዛ ደርፊ እዚኣ ክትድረፍ ከላ ንህግደፍ ዝምልከት ትሕዝቶ ኣሎዋ  ኢሉ ፍጹም ኣይሓሰበን።  ካብ ዉዕዉዕ ስምዒት ተላዒሉ ግና ብሳዕሳዒትን ዝላን ይኣይ ” ስምዒታዊ ሓጎሱ” ይገልጽ ነብረ።

እቲ ኣብ ሃገረሰባት ዝነብር ህዝቢ ግና፣ ካብ ኣምሆ ዘመን ጀሚሩ፣ ብዋህዮታትን ጀማሂርን ሻዕብያ፣ ላሕ ይብል ስለዝነበረ፣ ብ ብጊሓቱ ጀሚሩ፣ ሻዕብያ ካበይ ተበጊሱ ኣበይ ንምብጻሕ ከምዝኾነ ሕልሙ ኣጸቢቑ ይፈልጦ ነይሩ እዩ። ንሱ ድማ እዞም ሎሚ ቶዃሉ ኣምሆ ዘመን ግና “ሓላላት ኣባጊዕ” ዝመስሉ ዝነበሩ፣ ሕጂ ግና ዝወጸሎም ጭፍራ ማፍያ ኮይኖም ዘለው፣ ምድሪቤቱን ውሻጠኡን ከምዝጣሒሱን፣  ሓዳሩ ከምዝረመሱዎን፣ ወግዒ እንዳባ ከምዘርከሱን፣ ባይቶ ዓዲ ከምዘፍረሱን፣ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ስለዝኾነ ድማ ኣብ ከባቢ ድንበዛንን፣ ዓንሰባን፣ ካርነሽምን ዝነብሩ ዝነበሩ ወራዙት ዓበይቲ ዓዲ፣ ድሮ ብ1977/1978 እዮም ንውዲት ሻዕብያ ኣለለዮሞ ግንከኣ ተኣሲሮምን ተመቚሖምን።

ስለዝኾነ ድማ፣ በዚ ሎሚ ወኪል ልኡኽ መላኺ ኢሰያስ፣ ይኣይ “ኢንባሲ ሃገረ ሓዳስ ኤርትራ” በቲ ቡዳ ጎይትኡ ተሸሙ፣ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኮይኑ፣ ከም ኣመሉ ንኣብ ወጻኢ ዘለው ኤርትራውያን ዝስሊ ዘሎ፣ ኮንስል ኢስቲፋኖስ ወዲ ኮሎኔል ሃበማርያም (ወዲ በላዕ ጣዕዋ) ዝብሃል፣ ተኣሲሮምን፣ ተቐንጺሎምን እዮም።

ስለዚ ኣብ ከባቢ ድንበዛንን ዓንሰባን፣ ካርነሽምን ዝነብር ህዝቢ፣  ነዛ ደርፊ እዚኣ፣ ቀንዲ መልእኽታዊ ትሕዝቶኣ፣ ንእንዳ ህግደፍ ከምዝምልከት ኣጸቢቖም ይፈልጡ ስለዝነበሩ ግዳያት ገበነኛ ኮለኔል እስቲፋኖስ ወዲ ኮለኔል ሃብተማርያም ወዲ ኮማሪት ሂማንን ኮይኖም ተሪፎም። ንመሬት ህዝቢ ኤርትራ ሃይለስሴ ኣይዕመጸን ኣይግሃሰን፣ ደርጊ’ውን ኣይዓመጸን ኣይግሃሰን፣ ጥልያንውን ዓይዓመጸን ኣይግሃሰን። ኩሎም ወረርቲ ምስ ኮሎንያል ጣልያን ሓዊስካ፣ ንክቡር ባህልን፣ ሕጊ እንዳባን ኤርትራ ኣይደፈሩን። ንሃይምኖት ኣየነወሩን። ሞባእ ካብ ኣብያተ መቕደሳት ኣይመንጠሉን። ስለዚ እዛ ደርፊ እዚኣ ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ ንህግደፍ ትምልከት እዋናዊት ደርፊ ኣያ። ተዓወት ተፈኖ!”

መሬት ኩሉ እያ! መሬት ትንፋስ እያ! መሬት ብርኪ እያ

መሬቱ ዝተዓመጸ፣ ከብዱ ክመልእ፣ ሰላም ረኺቡ ናብራኡ ክቐስን ማለት ዘበት፣

ክብረት ዕብየት፣  መሬት ሒዝካ እዩ፣ መሬት፣
እታ መሬተይ፣ መሬተይ፣ ኣሆይ መሬተይ፣ ዋሕስ ክብረተይ፣
እታ መሬተይ፣ መሬተይ፣ ኣሆይ መሬተይ ዋሕስ ክብረተይ፣

ምድሪቤት ተጣሒሱ፣  ሓዳረይ ተረሚሱ ወግዒ እንዳባ በሪሱ፣ ባይቶ ዕዲ ፈሪሱ መሬተይ፣ መሬተይ ተወሪሱ።
ቘጥቚጠ ዝሓርሰላ ዘሪአ ዘብቊለላ፣ እኺደ ዝሓርሰላ፣ ጎሮሮይ ዘጥልለላ መሬተይ፣ መሬተይ ዓንዲ ሕቖይ ትንፋሰይ።
እታ መሬተይ፣ መሬተይ፣ ኣሆይ መሬተይ ዋሕስ ክብረተይ፣

ባይታ ዘቢጠ ከምጽኣ፣ ካብ ኢድ ዓመጽቲ ልከውጽኣ እታ መሬተይ ዝብላ፣ ብግደይ ክጽዕረላ ዝኸፍአ ክጾረላ፣ ዋላ ባይታ ዘቢጠ ከምጽኣ፣ ካብ ኢድ ዓመጽቲ ከውጽኣ፣ዝይናቱ ዝመረጻ፣ ኣይቕሰን ዝረገጻ ። እታ መሬተይ፣ መሬተይ፣ ኣሆይ መሬተይ፣ ዋሕስ ክብረተይ፣

ኣታ እየቀባጥርን ሃቡኒ ኢለ ኣይልምንን መሬተይ ናየቦታተይ ርስተይ፣ ኩሉኻ ወዲ መሬት፣ ተዓሚትካ ኣይትዘመት ዝከኣለካ ኣበርክት፣ ኣብ ዘሎኻዮ መክት፣ እቲ ኽብረት መሬት ሒዝካዮ። እታ መሬተይ መሬተይ ኣሆይ ዋሕስ ክብረተይ፣ ኣሆይ መሬተይ ዋሕስ ክብረተይ

እታ መሬትና  ኤርትራ ዋሕስ ክብረትና ስለዝኾነት ካልእ መተካእታ የብልናን እሞ ሃየ ኣእምሮና ንኽርዳእ ንግበሮ። እንዳ ህግደፍ ጉዳዮም ብሳላን ይገብሩ ኣለው፣ ንሕና ግና ጉዳይና ባዕልና፣ ብሓብርን ውህደትን ንኸነሳልጥ ንጽዓር፣ ጽባሕ ብጊሓት ከየጠዕሰና።

እቲ ካብ ኩሉ ዘስግእ ዘሎ ከኣ እንዳ-ህግደፍ ከምቲ ተልእኾኦም ከይፍጽሙ ጥራይ እዩ። ንሱ ድማ ነታ ሃገር ንባዕዳውያን ኣረኪቦማ ከይዓርቡ ጥራይ እዩ።እወ፣ ነዞም እካብ ወዲ እካብ፤ ካብ ደቂ ወሰን ደቂ ማእከል ኮይኖም ህዝቢ ዘጽንቱ ዘለው፣ እቲ ምሬት ኤርትራ ስለዘይብጽሖም ንባዕዳውያን ኣኽሊፎም ንኽህቡዋ ኣይሓንኩን እዮም።

ኣብዛ ቅልውላው ዝኾነ፣ ጽዮናውያንን ሃጸያውያንን፣ ርእሰማላዊት ቻይናን፣ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ክሻመውላ ዝርኣዩሉ ዘለው እዋን፣ ማለት ቻይና ኣብ ጁቡቲ መዓስከርን ካልእ ቍጠባዊ ወፍሪን፣ ኣብ ኢትዮጵያን ድማ ንግዳዊን ስትራተጂካውን ወፍሪታት ካብ ተካይድ ድሮ እዋን ኮይኑ እዩ። ኣሜሪካን ኤውሮጳን ድማ፣ በቲ መልሚሎም ዘዕበዩዎን ዘሰልጠኑዎን፣ ልኡኽ መላኺ ኢሰያስ፣ ኣብ ኤርትራ ዓቢ ስትራተጂካዊ መዓስከር፣ ማለት ምስቲ ኣብ ቀጠር ዘሎ ዓቢ መዓስከር ስለላን ኮለላን ተላፊኑ ዝሰርሕ ቃኘው ስተሽን ክትኽሉ ድሮ ህዝቢ ዘይፈልጦ ብስዉር ስምምዕ ተፈጺሙ እዩ ይብሃል ኣሎ። ስለዚ ድሕሪ ሰለፋ እንታይ ተረፋ ከምዝብሃል፣ ከምዛ ኣዛ ደርፊ ትሕብሮ እምብኣር፣ “መሬቱ ዝተዓመጸ፣ ከብዱ ክመልእ፣ ሰላም ረኺቡ ናብራኡ ክቐስን ማለት ዘበት” ስለዝኾነ፣ ክብረትን ዕብየትን ድማ፣ መሬት ሒዝካ ስለዝኾነ፣ ኩሉኻ ወዲ መሬት ኤርትራ፣ ተዓሚትካ ኣይትዘመት ዝከኣለካ ኣበርክት፣ ኣብ ዘሎኻዮ መክት!!! ዝብል ጭርሖ ተመርኲስካ መክ!

እታ መሬትና፣ መሬትና፣ ኣሆይ መሬትና ዋሕስ ክብረትና!!!!

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ 24.10.2017 ዓ.ም.ፈ.