ንመን ትመጾ፣ መን ይመጻ ትመጾ፣ ንመን ይመጻ ከኣ መን ትመጾ ይመጻ።

Eduardo Soteras/AFP via Getty Images
ሰለስተ ዕሱባት ሃጸይመጸይ፣ ኢሰያስ ኣፈውርቂ ፎርማጆ ገዛኢ ሶማል፣ ኣቢዪ እሕመድ ዓሊ ቀዳማይ ሚንስተር ሃገር ኢትዮጵያ።

መራሒ ሶማል ነስመራ ለኽሎኽ ዝብል ዘሎ፣ ብጎይተቱ ተላኢኹ ንኢሰያስ ክሕግዝ  ድኣ እምበር ምስ ኤርትራ ዝስራሕ ክልትኣዊ ስራሓት ስለዘለዎ ኣይኮነን። ንባዕሉ  ኣሜሪካዊ ዜግነት ዝወነነ፣ብማእከላይ ስለላ መርበብ ኣሜሪካ ዝተዓለመ ልኡኽ፣ ሓደ ካብቶም “One Team One Mission” ዝኾኑ መራሕቲ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ከም ብዓል ፈዛዝ ኢሰያስን፣ ዕሠል ኣቢዪ ኣሕመድን፣ ፓውል ጋጋመ መራሒ ሩዋንዳን እዩ። መንእሰያት ሶማላውያን ብሰንኪ ግሎባል ፕለየርስ ካብታ ብባህርያዊ ጸጋ ዝበልጸገት ሃገሮም ሶማል ሃተሰዲዶም፣ ኣብ መላእ ዓለም ተዞርዮም ግዳይ ስደት ኮይኖም ሕሱም ናብራ እንዳነበሩ፣ ፎርማጆ ግን ውራይ ምዕራባውያን ከሳላልጥ ዕንክሊል ምባሉ ኣዝዩ ዘገርም ውርደትን ሃገራዊ ክሕደትን እዩ።

እወ፣ ፈርማጆ ከም ምሓፍስቲ ጥራይ ዘይኮነ: ንባዕሉ ኣብቲ ደፋእ እናበለ ዝቕጽል መስርሕ ዘሎ ጂ ፖለቲካዊ ስትራተጂ ምዕራባውያን ኣባል ስለዝዀነ እዩ ንኤርትራ ኣትዩ። ይኣይ ነቲ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ከም ጅሆ ሒዙ፣ ንመላእ መንእሰይ ኤርትራ  ኣደንቁሩ ግዳይ ስደት ዝገብር ዘሎ ዕሱብ ሃጸይመጸይ ውልቀ መላኺ ኢሰያስን፣ ነት ዕሸል ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶር. ኣብዪ እሕመድ ዓሊን ዝተለሙዎ፣ ፍሹል ፕሮጀክት ጽዮናውያን ብኸመይ ከምዝጽገን ንኽማኸር እዩ ተላኢኹ ንኤርትራ ኣትዩ። እወ፣ እቲ “ምድማር ኤርትራን ኢትዮጵያን” : “ክልተ ሃገራት ዘይኮነስ ሓንቲ ሃገር ክኾና” ዝብል ውዲት፣ ካብ ባዶ ዝተበገሰ ዘይኮነስ፣ መዲት መሃንድሳት  ጅኦ ፖለቲካዊ ምዕራባውያን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምትግባር፣ ዝኸይድ መስርሕ ጥራይ እዩ’ምበር ንህዝቢ ሓብሻስ ረብሓ ክንዲ ፍረ ኣድሪ ትኸውንኳ የብሉን።  እቲ ውዲት ግና ኣብ “ውህደት ቀርኒ ኣፍሪቃ” ብዝብል ዝተሰርሐ ድራማ ዩ። ፋርማጆ ነዚ ክስራሕ ዝተሓሰበ ከይተተግበረ ዝበርዓነ፣ ውዑል ኢሰያስን ኣቢን ኣጸቢቑ ይፈልጦ እዩ። መኽንያቱ ንባዕሉ ኣባል እቶም ኣብ መስርሕ ተዋፊሮም ዘለው ኢሰያስን ኣቢዪን እዩ። መኽንያቱ እቲ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝብሃል፣ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጁቡትንሶማልን ዘጠቓለለ ግጂፍ ሥትራትጂካዊ ወፍሪ  ስለይዝኾነ፣ ግድነትዩ እዞም ባምቡላታት እዚኦም፣ ጉዳይ ህዝቦም ጠንጢኖም፣ ኣብ  ጉዳይ ግሎባላይዘሽን ክሕንብሱ። እዞም ካብ ብኣእምርኦንም ብሕምብርቶ ዝሓስቡ ባምቡላታት እዚኦም፣ ንጎይቶቶም እንተዘይ ተማእዚዞም  ከም መለስ ክቕንጸሉ ምኻኖም እጸቢቖም ስለዝፈልጡ ንኸዝቅንጸሉ ነቲ ህዝቦ ከጽንቱው እዮም።

ምዕራባውያን፣ እዚ ኩሉ  ኣብዚ ሰዓት እዚ ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሶማልን ንዝፍጸም ዘሎ  ውዲታት፣ ንርብሓኦም ምኻኑ ኣጸቢቖም ስለዝፍልጡ፣ ዋላ እዞም ባምቡላታት እዚኦም፣ብላሽ ም̱̱ዃኖም ኣጸቢቖም ይፈልጡዎም እንተኾኑ፣ ክሳብ ንዓላማኦም ዘተግበር፣ ገና ከምዝቕጽል ክድፍኡሉ እዮም። እዞም ዘይሕጋውያን መራሕቲ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ግን ከኣ ኮራኹር ሃጸይ መጸይ፣ ኢሰያስን፣ ፎርማጆን፣ ኣቢዪ ኣሕመድን ክሳብ ንፕሮጀክት ሓዲሽ ዓለማዊ ስርዓት ዝሰርሑ ክቒንዩ እዮም።

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ  11.10.2020