ሕግን ምሁርን ዘይብላ ሃገር፣ መዓንደሪ ሕገኣልቦ ሽፍታ፣ ኮይና ጥራይ እያ እትተርፍ። እስከ ኣብዛ ኤርትራ ሃገርና ዘሎ ስርዓት ብኣድህቦ ነስተብህለሉ። ኣብ ኤርትራ ጭፍራ ስለላን ኮለላን እምበር፣ ስርዓት ዘለዎ መንግስቲ የልቦን። ህዝቢ ኤርትራ ን30 ዓመታት ተቓሊሱን፣ ንጸላኢኡ ስዒሩን ነጻነት ዘምጽአ ክነሱ፣ እንደጋና ከኣ ን30 ዓመታት ዝኣክል ብግዝያዊ መንግስቲ ዝብሃል ብጭፍራ ህግደፍ ይግዛእ ኣሎ። እወ፣ ብባርባራዊ መግዛእቲ ይግዛእ ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ከም ባርያ ብህግደፍ ተወኒኑ እዩ ዝነብር ዘሎ። ስለዝኾነ ድማ መንእሰይ ኤርትራ ሃገር ገዲፉ ንስደት ይውሕዝ ኣሎ። ዕደና ወርቅን ካልእ ክቡራት ማዕድናትን ድማ፣ ብጽዮናውያንን ተዘሚቱ ይግዕዝ ኣሎ። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝነብር ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ዝስተ ማይ ዝበርህ መብራህትን ስኢኑ ከርፋሕ ናብራ የሕልፍ ኣሎ። ኢሰያስ ግና፣ ግቡእ ሕቶታት ካብ ህዝቢ ክቐርቦ ከሎ፣ “ሓባእ ቊስሉስ፣ ሓባእ ፈውሱ” ከምዝብሃል፣ ንህዝቢ ኤርትራ ክፍወስ ስለዘይደlዮ፣  ካብቲ ዝቈረበሉ ሕቶታት፣ ሃዲሙ፣ ብሓሶትን ብሓንካስ መኽንያታትን እንዳ ገበረ ዕንክሊል ይብል።  ስለምንታይ ካብ ሓቂ ንምህዳም። እሞ ክሳብ መዓስ ድኣ እዩ ኢሰያስ ብሓንካስን ዓንክሊሉን ዝኾነ መልሲ እንዳ መለሰ ክነብር? እዚ መልሲ እዚ እምብኣር ንተኻታተልቲ ግዛያዊ መንግስቲ ህግደፍ ጥራይ ንገድፎ

ንቡር ዝኸልእ ስርዓት ማለት፣ ንቡር ጸረ ንቡር ዘይንቡር ካብ ዝብል ድያለክቲካል ስነ መጎት እዩ። ኣብ ሃገርና ኣብ ባህልን፣ ሕገንዳባን፣ ጅግንነትን፣ ሃይማኖትን ዝተመርኮሰ ውርዙይን ንቡርን ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ካብ ወለዶ ኣብ ወለዶ እንዳተማሕላለፈ ዝጸንሐ እዩ። ነዚ ንምፍራስ ግና ውድብ ሻዕብያ ከም ጸረ ንቡር ኮይኑ ሃልኪ ዘለዎ ቃልሲ ኣካይዱ፣ ነቲ ንቡር ዝነበረ ኣፍሪሱ ድማ ጸረ ንቡር ዝኾነ ግዕዙ ስርዓት መስሪቱ ኣሎ። ብኸምዚ ተወሊዱ ዝዓበ ውድብ፣ ንቡርን ሕገንዳባ፣ ቅዱስ ሃይማኖትን፣ ውርዙይ ባህልን፣ ክኸልእ እምበር ከፍቅድ ኣይካልን እዩ። መኽንያቱ ድማ እቲ ዘይኑቡርነት መደብ ዕዮኡን ቀንዲ ባህርያቱ ስለዝኽነ እዩ። ግን ክርሳዕ ዘይብሉ ሓደ ስዉር ሓቂ፣ ግንከኣ ኣብዚ እዋንዚ እንዳተጋህደ ዝኸይድ ዘሎ፣ ነዚ ህግደፍ ዝብሃል ጭፍራ፣ ብመደብ ጽዮናውያንን ሃጸያውያንን እዮም ዓሲቦም ልኢኾሞ ፣ እምበር ትምህርትን ፍልጠን ፍልስናን ሄገል ስለ ዝቐሰመ ኣይኮነ። ብሓጺሩ ህግደፍ ንብረት ጽዮንነት እዩ። ብውግእን ብመኸተን እንተዘይኮይኑ ድማ ካብዚ ዝፍጽሞ ዘሎ እከይን ባርባራዊ ተግባርን ደው ክብል ኣይክእልን እዩ።

እስከ ነዘን ኣብ ታሕቲ ተዳልየን ዘለዋ ቪድዮታት ብኣድህቦ ነስተብህለለን

ስለምንታይ ቤት ፍርድን ጥብቅናን ኣብ ሃገርና ዘይፍቀድ? ንዝብል ሕቶ ብኢሰያስ ከምዚ ዝብል መልሲ ተዋሂቡዎ።

“ዩኒቨርሲቲ ኣብዚ ሃገር ክህሉ ትርጉም የብሉ። ኣሎና ንምባል ስለዘይኮነ፣ ብቐንዱ ትርጉም የብሉን። ክብል መሊሱ። መህለኽን ዕንክሊል ዝኾነ መልሲ ኢሰያስ ኣፈወርቂ፣ ህዝቢ መሰሉን፣ ውሉድዱን፣ ንብረቱን፣ መሬቱን ብሂግደፍ እንዳተዘምተ፣ ኢሰያስ ግና ስርዓትና ከም ብዓል ናይጀርያን ኬንያን ክኸውን ኣይንፈቅድን ኢና። ብቐትሩ ማኪና ክስረቓን ኣይንፈቅድን ኢና። እቶም ተማሂርና ባጂላ ኣሎና ዝብሉ ሰባት፣ ዓቕሊ ገሮም ትዕግስትን ተመኩሮን ክቐስሙ ኣለዎም። ተማሂረ እየ ምባል ፣ ጨለነት ቤት ፍርዲ ተንማሂረ እየ ምባል ምሳና ኣይከይድን እዩ። ጠበቓታት ቤት ፍርዲ

ሕቶ ብሓደ ምሁር፣ 34 ምሁራት መማህራን ዶክቶራትን መማህራን ዩኒቨርስቲ ተብኢስትያስ ተሰናቢቶም  ብምኻድ ንሃገር ዘጎድእ ኮይኑ ይርድኣኒ። ንሓዋሩ እቲ ዩኒቨርሲቲ ከመይ ገሩ ከምዝቕጽል ንዓይ ኣይርኣየኒን እዩ።

መልሲ፣ ናይ ደገ ክኢላታት በቲ ዘለዎ ክብቕዓት ክኽጽል ኣይካልን እዩ። ስርዓት ትምህርትን መማህራንን ክቕየር ኣለዎ ካብ ዝብል ውሳኔ ተፋኒዮም። ኢሰያስ ብቕዓት ስለዘይብሎም ማለቱ እዩ።