ሓዲሽ ኮይኑ ዝነበር ነገር የለን። ውዲት ምዕራባውያን፣ ድሕሪ 148 ዓመታት ወይድማ ድሕሪ ወራር ዓባይ ብሪጣንያ ኣንጻር ንጉስ ቴድሮስ፣ ሎሚ ብገረብ ብሓኽላ ንህዝቢ ሓበሻ ዘጽንቱዎ ዘለው ሃጸያውያንን ጽዮናውያንን ምዃኖም ዝሕብር ቪድዮ።

ሓቂ ብርእሳ እንተቐበርካያስ ብእግራ ትወጽእ!

HIDDEN AGENDA OF ERITREA
THE ELIMINATION OF ERITREAN LIBERATION FRONT (E.P.L:F) IS THE HIDDEN AGENDA OF THE WEST.

 

እቶም ቅድሚ እቲ ዶክተር ኣቢዪ ኣሕመድ ዝብሃል፣ 1ይ ሚኒስተር ሃገር ኢትይጵያ ምምራጹ ኣብ ስልጣን ዝነበሩን ሎሚውን ዘለውን፣ ላዕለዎት ሰበስልጣን ወያኔን ኣባላት እቲ ብወያኔ ዝውነን ኢህኣዴግ ዝብሃል ሰልፍን እዮም። እዞም ላዕለዎት ሰበስልጣን እዚኦም ምዕራባውያን ዝኣዘዝዎም ዝፍጽሙ ዘለው ብስለላን ኮለላን ምዕራባያን ዝሕለው እዮም።

ሓደ ካብቶም ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ዓቢ ተራ ዝተጻወቱ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ፣ ጆርጅ ቡሽ እዩ ዝነበረ። እዚ ሰብዚ ንብዙሕ ዓመታት ብመዓርግ ነቪን፣ ፓይሎትን ንሃገሩ ኣሜሪካ ድሕሪ ምግልጋል፣ ኣባል ማእከላይ ስለላ መርበብ ኣሜሪካ ኮይኑ ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ምዕራብ ጀርመንን ቻይናን ድሕሪ ምግልጋሉ፣ ብድሕሪኡ ከኣ ሓለቓ ማእከላይ ስለላ መርበብ ኣሜሪካ ኮይኑ ንብዙሕ ዓመታት ኣገልጊሉ። ኣብ መውዳእታ ድማ ብ1980 ዓ.ም.ፈ. ፕረሲደንት ሃገር ኣሜሪካ ተመሪጹ ን4 ዓመታት ኣገልጊሉ። እንደገና ድማ ንወዱ ፕረሲደንት ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ ከምዝምረጽ ሓጊዙዎ።ጆርጅ ቡሽ ሓደ ካብቶም ብንግዲ ፔትሮሎዪም ዝሃብተሙ ሰባት ኣብ ዓለም ሓደ እዩ። ካብቲ ኣብ ኤርትራ ዝፈጸሞ ስውር መደብ ዕዮ ድማ ንሰውራ ኤርትራ ንምሕቃቕ ዝተጻወቶ ዓቢ እጃም ነበረ። ንሱ ድማ ንተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብወያኔን ህ.ግ.ሓ.ኤን ገሩ ካብ ሜዳ ኤርትራ ንኽትወጽእ ዝገበረ፣ ብዓል ስልጣን ማእከላይ ስለላ መርበብ ኣሜሪካ ነበረ። ዓለም ስለዘርከበቶ ግና ብዕለት 20.11.2018 ዓ.ም.ፈ. ዓሪፉ። ህዝቢ ኤርትራ ድማ ገና በቲ ንሱ ዝፈጸሞ ስዉር እከይ ግብሪ እንዳተሳቐየ ይጸንት ኣሎ።