መርዓ ውዒልካ፣ መርዓትን መርዓዊን ሒዝካ  ድማ ንዳስ እንዳቦ ክትኣቱ ከሎኻ፣ ሽቦ ሌጋብ ሽቦ! ሃ! ሃ! ሃ! ሌጋብ ሽቦ! ሃ! ሃ! ሃ!ጽቡቕ መውስቦ! እንዳበልካ ንዳስ እንዳቦ ክእቶ ከሎስ ክንደይኮን ይምዕርግ ነይሩ። እወ፣ ኣዴታት “ክኣ መጸ መጸ ኣንበሳ ይመስል ካብ ዱር ዝወጸ”። ብዕልልታ ዝተሰነየ፣ “መጺኢካለይዶ! መጺእካለይዶ ክጽበየካ! እንዳበላ መርዓትን መርዓውን ከሳዕ-ስዕኦም ከለዋስ ክንደይኮን ጥዑም ነበረ። ኣየወ! ባህሊ ኣግኣዝያን ክሳብ ኣምሆዘመን  ክንደይ ጭዋን ምዕሩግን ነይሩ! ። ሎሚ ድማ ብዓል ክናናን ምናናን ጭፍራ ህግደፍ፣ ጸረ ባህልን መንነትን ኮይኖም፣ ኣነዊሮሞ ኣለው!!!! ግዓት ስርናይ  ውጻእ! ግዓት ሓምሊ እቶ! እቶ እንድዩ ኮይኑ። ዘመን ግርንቢጥ ማይ ንዓቐብ።

እውሎ ባህላዊ ኣግኣዝያን እዩ።