ልኡኽ መላኺ ኢሰያስ ኣፈውርቂ፣ብፍላይ ነቲ ንኣስታት ሓደ ሽሕ ዓመታት ዝኣክል፣ ካብ ወራር መሓመድ ግራኝን፣ ቱርክን፣ግብጽን፣ማህድን፣ኮሎንያል ጣልያንን፣ ሜላዊ መግዝእቲ ዓባይ ብሪጣንያን፣ ብጽዮናውያንን ሃጸያውያንን ዝምወል ዝነበረ መግዛእቲ ንጉስ  ሃይለስላሴን፣ ብሶቭየት ሕብረት ዝምወል ዝነበረ ግዝያዊ ወድተሃደራዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን መኪቱ ስዒሩ። መንነቱን መሬቱን ባሕሩን ከኣ ብትብዓት ብምምካት፣ ነዛ ሎሚ ኢርትራ እትጽዋዕ ዘላ፣ግንከኣ ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ ጀሚሩ እቲ ቀንዲን ታሪኻዊ ስማን ምድረ-ባሕሪ ወይ ምድረ-ኣግኣዝያን ዝኾነነት፣ዓቂቡ ዘጽንሐ ክነሱ፣ ሎሚ ኢሰያስ ዝምንቁሶ ዘሎስ ካብ ምንታይ ተበጊሱ እዩ?

https://youtu.be/WvqkMoVt4H4

መንዮምከ ብድሕሪ ኢሰያስ ዘለው ስዉራት ሓይልታ? ብሓቂ ድዩ “እቲ ቀንዲ መኽንያትን ዓላማን ኢሰያስ ንህዝቢ ከበሳ ወይ ክርስትያ ኣጽኒቱ  ሰበኽ-ሳግምን ቀቢላን እንዳን፣ ከምኡውን ብመበቆሎምን ወለዶኦምን ዘይተኣምመኑ፣ካብ ሩባን ኩርባን ኣኺቡ “ትሽዓተ ብሄራት” ሰኒዑ ንምፍጣር እዩ” ዝብሃል? ወይስ ንረብሓ ጽዮናውያንን ሃጸያውያንን እዩ ዝሰርሕ ዘሎ? እዚ ኩሉ ኣንጻር እዚ መሰረታዊ ትሕተ ቅርጻ ዝወነን፣ እወ! ንመስርሕ ቀቢላዊን ኣንዳዊን  ብዘገምታዊ ጉዕዞ ሓሊፉ፣ ኣብ ዓዳዊን ወረዳዊን ኣውራጃዊን ሰረት ዝቐየረ፣ግንከኣ ውርዙይ ክብርታቱን ባህሉን ደሳዊ መሬቱን ኣጽኒዑ ንመዋእል ዝጸንሐ፣ እኳድኣ ቅዱስ ኣሪታዊ ሃይማኖቱን ዓቂቡን፣ ክሳብ ዘመነ ህግደፍ ዝጸንሐ ህዝቢ ኣጋኣዝያን፣ ስለምንታይ እዩ ንኽጽንት ተፈሪዱ?