ል ኡ ላዊ ት ሃገረ ኤር ት ራ

ኣይትድ መ ር ! ኣይትኹመር !!

ዝዓበኹም ዝነኣስኩም ክቡራት ኣንበብቲ፡ብቐዳምነት ምዉቕ ሰላምታይ ይብጻሓኩም፡
ቀጺለ ድማ ምስ “ልኡላዊት ሃገረ ኤርትራ፡

ኣይትድመር ኣይትኹመር” ትብል ሓዳስ መጽሓፈይ

ከላልየኩም ደስ ይብለኒ።እዛ መጽሓፍ’ዚኣ ነቲ ኣብ

ልዕሊ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ ግህሰትን፡ጭቆናን

ኣመልኪታ፡ታሪኽ ጀጋኑ ሰብ ቅያን፡ሰነድ ታሪኻውያን

ሰባትን ዝሓዘት ክትከውን እንከላ፡ኣስዒባ ድማ፡ሃገርና

ኤርትራ ናበይ ገጻ ትሕንበብ ምህላዋ እትሕብርን፡ህዝብና ኣውያት ካብ ዝሰድድ ልዕሊ ርብዒ ዘበን በጺሑ ምህላዉን እትገልጽ ኢያ።ኣብ ዝቐልጠፈ መዓልታት ክኣ፡ትሕዝቶ መጽሓፈይ ብዝርዝር ኣርእስትታት ከመሓላልፈልኩም ኢየ።ብዝኾነ መጽሓፍ ክትጠልቡ ወይ ሕቶ/ርእይቶ ከተቕርቡ ትደልዩ ድማ በዚ ኢሜይል’ዚ elfabarham@gmx.de ክትሰዱለይ ትኽእሉ ኢኹም።

ምስ ሰናይ ትምኒት

ዶ/ር ኣብርሃም ጳውሎስ

ካስል/ጀርመን 2019