ክሳብ ግዜ ሞቱ ኣብ ስለላን ኰለላን ዝተዋፈረ ሰላዪ!!
Image result for semere russom

…………………….
ኣብ 1943 ከም ዝተወለደ ዝፍለጥ ኮይኑ: ድሕሪ ምዝዛም ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ: ኣብቲ ፈለማ ንእስነቱ ከም መምህር ኮይኑ ዝጀመረን: ዲሒሩ ድማ ኣብ መጀመርያ 70ታት ኣቢሉ ብስርዓት ሃይለስላሰ ብዝረኸቦ ዕድል ንኣመሪካ ንላዕለዋይ ደረጃ ማህደረ ትምህርቲ ዝተላእከን ሰብ እዩ:: እዚ ሰብዚ ተወላዲ ኣውራጃ ሰራየ ኮይኑ፣ ሓወቦኡ ብፈዳይን ጀብሃ ምስተቐንጸለ፣ ኣብ መፋርቅ 70ታት ካብ USA ትምህርቱ ኣቋሪጹ ፈዳይ-ሕነ ሓወቦኡ ኮይኑ ክሰርሕ ንሜዳ ኤርትራ፣ ኣብታ ካብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ጀብሀት ኣልታሕሪር) ዝተፈንጨለት ግንከኣ ትካል ሃጸያውያንን ጽዮናያን ዝኾነት ማሕበር ጸልማት ውድብ፣ “ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ“፣ ብግብርን ዓላማን ግና፣ ህዝባዊ ግንባር ባርነት ኤርትራ ዝኾነት፣ ተኸቲቡ ከም ዝተጸንበሮም ይፍለጥ::

ሰመረ ርእሶም: ኣባል እታ ብስም ሕብእቲ ሰልፊ ህ.ግ.ሓ.ኤ.እትፍለጥ፣ ብኻልእ እዘራርባ ክኣ ጭፍራ ስለላን ቅንጸላን ኮለላ፣ ወይከ ኣባል ስርሒት ማእከላይ ስለላ መርበብ ኣሜሪክካ C.I.A. ዝኾነት፣ ብግብሪ ንሃገር ነጻን ሓራን ንኸውጽኡ ዝተሰለፉ፣ ንኑጹሃት ጀጋኑን ፈላስፋታትን ደቀባት ኤርትራን ዘሕቐቐትን ዝቐንጸለትን፣ ብስም ስውርቲ ሰልፊ እትፍለጥ፣ ወፍሪ ራዕዲን ሽበራን ዝሞያኣ፣ ጉጅለ ማፍያ እዩ:: እወ፣ ፍሉይ መዝነት ሞያ ቅንጸላ ዝተዋህቦ፣ ቀንዲ ኣጋፋርን ኣሳሳዪን ምልኪ ኢሰያስ እዩ። ሰመረ ርእሶም፣ ካብቶም ኣብ ዝልዓለ ደረጃ (Top List) ዝስርዑ ደመኛታት ህዝቢ ኤረትራ ሓደ እዩ።

ሰላዪ ሰመረ ርእሶም: ካብ USA ንኽመጽእን: ኣብቲ ብሰላዪ ኢሰያስ ዝምራሕ ጭፍራ ማፍያ፣ንኽጽንበር ዝተሓርየሉ ዕላማ ግን: ኣንጻር ወረርትን ገዛእትን ንኽቃለስ ዘይኮነስ: ቅድሚ እቶም ወረርትን ገዛእትን ኢትዬጵያውያን ምፍራሶም: ነቶም ጽባሕ ብጊሓት ተስፋ ዲሞክራስን ልዕልና ሕግን ብልጽግናን ህዝቢ ኤረትራ ዝኾኑ በላሕትን ኑጹሃት ደቀባት ኤረትራውያን፣ መደበሩ ካርቱምን ከሰላን ኮይኑ፣ ኣብ ምህዳንን ምቅንጻልን ንኽተሓጋገዝ ክነጥፍን እዩ::

ከም መርኣያ ዝተሓርየሉ ዕላማ ድማ፣ ብዘይ ውዓል ሕደር ኣብ ሱዳን፣ ከም ወኪል ሰብ ፍሉይ ስትራተጂካዊ ረብሓ ኮይኑ፣ ነቲ ስዉር ስርሓት ምቕንጸላን፣ ስርሒት ስለላን ኮለላን ከም ዝተተሓሓዞ፣ ሰነዳት ታሪኽ ይሕብሩ:: ከም ኣብነት ንምጥቃስ ዝኣክል:- እቶም ብናቱ ቐጥታዊ ትእዛዛትን ውሳነታትን፣ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሱዳን፣ ኣብ ውሽጢ ንውሕ ዝበለ ዓመታት፣ ማለት ካብቲ ዝተመዘዘሉ ግዜ 70ታት ጀሚርካ፣ ክሳብ መጀመርያ 90ታት፣ ካብ ዝተቐንጸሉን ዝተጨውዩን ኣስማቶምን ኣሳእሎምን ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ንረኽቦ:: ካብቶም ብዙሓት ጭፍራ ቅንጸላ፡ እቶም ቀንዲ ተላኣኽቱ ቀንጸልቲ ዓሳኽር ድማ፣ ወልደዝጊ ባህታ፣ ዓዱ ዓዲ ተክሌዛን፣ ሎሚ ኮለኔል መዓርግ ለቢሱ፣ ግንከኣ ምክትል ስምኦን ገብረድንግል ህዝባዊ ድሕነት ኮይኑ ብቐጥታ ብትእዛዝ ኢሰያስ ስርሒታት ቅንጸላ ዝፍጽም ዘሎ ነብሰ ገዳይ እዩ። ወዲ ፊተውራሪ ዓዱ ኣፍደዩ፣ ሎሚ ምክትል ጀነራል ካሪካረ ሓላፊ ሓይሊ ባሕሪ ዘሎ እዩ።

Image result for semere russom
Semere Russom is an Alleged notoriuos Killer of Khartoum
is now in Addis Abeba
ድሕሪ 1991 ማለት ድሕሪ ምፍራስ ስርዓት ደርግ (ይቕረታ ድሕሪ ነጽናት ዘይምባለይ: ኤረትራ ሃገርና ደጊም ናጻ ሃገር ስለዘይኮነት እየ።) መጀመርያ ወኪል ውልቀ-መላኺ ኾይኑ ኣብ ሰመን ኣመሪካን ከናዳን ተመዲቡ:: ከም ዝፍለጥ ሰሜን ኣሜሪካን ከናዳን እቲ ቀንዲ ሞዕቖቢን: ብብዝሒ ገዳይም ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ. ን ከምኡ ውን ነቲ ናይ ራዕድን ሽበራን ዝኾነ ውድብ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ራሕሪሖሞ ዝኸዱ ተብዓት ጀጋኑ ኤረትራውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዝነብሩሉ ከባቢ እዩ:: እቲ ቀንዲ ዕላማ ምምዛዝ እዚ ደመኛና ዝኾነ ውልቀሰብ ድማ ነቲ ማሕበረኮም ምስላይን መፈሓፍሒ መንገድታት ፈጢርካ ብኣውራጃ ወረዳን: ብሃይማኖትን ብብሆርን ወዘተ ምፍልላይን እዩ ነሩ: ንነውሕ ዝበለ ግዜ ድማ ነዚ ኣጀንጃ ከሳሲ ጸኒሑ::
ድሕሪ 2000 ዓ.ም. ማለት ድሕሪ ምዝዛም ኩናት ዶብን ምስ ምልዕዓል ጉጅለ 15ን ድማ፣ ከምቲ ልሙድ ውልቀ መላኺ ኣይተ እሰያስ ወዲ መድህን በራድ፣ ስግኣት ከጋጥሞ ኸሎ፣ ነቶም እሙናት ዝብሎም (ጸበብቲ ሰብ ፍሉይ ረብሓ) ኣብ ጐኑ ከሰልፎ ኣብ ዝጀመረሉ ግዜ፣ ንሰመረ ርእሶም እውን ኣብ ጐኑ ኮይኑ ክድግፎን፣ ኣብ ምሕቓቕ እቶም መራሕቲ ዝነበሩ ክዋሳእን ነስመራ ስሒብዎ:: ነቲ ቶንኮልን ክፍኣትን ስራሕ ንምስራሕ ክጥዕም ድማ፣ ሓንሳብ ኣብ ወጻኢ ጉዳያት ከም ዳይረክተር ወጻኢ ዝምድናታት: ድሒሩ ድማ ከም ከንቲባ ከተማ ኣስመራን ኮይኑ ሰሪሑ:: ድሕሪ ክልተ ዓመታት ማለት ድሕሪ ምቕፋድ ጉጅለ 15 ድማ፣ ስልጣን እናወሰኸ ክመጽእ ጀሚሩ::

እቲ ዘገርም ድማ እቲ ዝውሰኾ ዝነበረ ስልጣንን መዝነትን ኣብ ርእሲ እቲ ዝነበሮ መዚታት ተደራራቢ እዩ ነሩ:: ንኣብነት ከንቲባ ከተማ ኣስመራ እንከሎ ኣማሓዳሪ ዞባ ማእከል ኮይኑ ክሰርሕ ተመዚዙ:: እዚ ክልተ ዓበይቲ መዝነት እቲ ህዝቢ ዝፈለጦ እዩ: እቲ ቀንዲ ሞይኡን ሰብ ብወግዒ ዘይፈልጦን ስርሒት ሰላሕታዊ ምሕቓቕን ቅንጸላን: ነቲ ሰይጣን ዝመስል ነዊሕ ጋውና፣ ኣማኻሪ ክፍኣትን እከይ ስርሓትን ምንባሩ ግን ከም ርዱእ ውሰድዎ::

እዚ ከምዚ እሉ እንከሎ ኣብ 2007 ድሕሪ ሞት እቲ ገዲም ተጋዳላይ ኣብ ሓለዋ ሰውራ ክንደይ ንጹሃት ተጋደልቲ ዘሕቐቐን: ኣብቲ ዘይረብሕ ኩናት ናቕፋ ን6 ወርሒ ሙሉእ ሙሁራት መናእሰይ ብዕላማ በብቁሩብ ህጀሙ እናበለ ብሂወት ኣሽሓት ዝላገጽ ዝነበረ: የማናይ እድ ወዲ መድህን በራድ ሒዳሪናይ ነብስሀር ዓሊ ሰይድ ዓብደላ: እታ ሚንስተር ወጻኢ ጉዳያት ትበሃል መዝነት፣ ብኣስላማይ ክትካእ ስለዘለዋ፣ ነዚ my our president ዝብል ጎሳስ ሰሓብ ገመል፣ ኣቶ ዑስማን ሳሊሕ፣ ካብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ተሳሒቡ፣ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ክኸውን ከሎ: እታ ቦትኡ ድማ ንኣቶ ሰመረ ርእሶም: ኣብ ርእሲ እቲ ዘለዎ ወግዓዊ መዝነት፣ ከንቲባ ኣስመራን፣ ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከልን፣ ከም ተወሳኺ ድማ ሚኒስተር ትምህርቲ ክኸውን ብሰላዪ ኢሰያስ ተሸሙ።

እታ ቦት ሚንስተር ወጻኢ ጉዳያት ያኢ፣ second top job ኮይናስ: ንሙስልይነት ማለት ኣብ ሃገርና ኤረትራ እቲ ዝለዓለ 2 ስልጣን ፕረስደንትን ወጻኢ ጉዳያትን ኣብ ሞንጎ ኣስላምን ክስታንን: ትግርኛን ካልኦት ንኣሽቱ ብሆራትን ሙዑሩይ ምምቅራሕ ስልጣን ኣሎ ክብሉ፣ ዝጥቀሙላ ሕማቕ ሽጣራን ተዋስኦን ሙኻኑ መቸስ ዘይርድኦ ሰብ ዘሎ ኣይመስለንን::

ካልኤይቲ ናይዛ ትካል ድማ እታ መንእሰይ ዘብላ ትካል ማሕበር መናእሰያት ወይ ሃማማትኤ እያ:: ኮነ እሎም ካብ ብሄራት ማርሞ ኣቦ መንበር ይምዙዙለን።: እዚ ኣሰራርሓ እዚ ከኣ፣ ካብ ኣሰራርሓን ሜላንምትካላት ዓለምለኻዊ ማፍያ ኣስራርሓ ዝቀድሕዎ እዩ: ኣብ ማፍያ እቲ ቀንዲ ወሳኒ ሰብ እቲ ዓለም ትፈጦ Boss ዘይኮነ፣
ብ underboss ወይ ብምኽትል እዩ ዝካየድ:: እቲ ዕላማ ድማ ካብ ዓይኒ ፈተውትን ጸላእትን ተኸዊልካ፣ ነቲ ኣጀንዳ ሰብ ፍሉይ ረብሓ የሳስን ይውስንን:: እቲ ኣሰራርሓ ካብ ቀደም ጀሚሮም ኣብ ህግሓኤ.እውን ክሳብ 1987 ዓ.ም.ፈ. ማለት ካሳብ ድሮ ምፍራስ ስርዓት ደርግን፣ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ እቲ ህዝቢ ዝፈልጦ መራሒ ሮሞዳን እዩ ነሩ: እቲ ቀንዲ ወሳኒ ሰብን ነቲ ስራሕ ውድብን ሕቡእ ሰልፍን ዝመርሐ ማለት ከምቲ ናይ ማፍያ underboss ዝበሃል ኣሰራርሓ እቲ ወሳኒ ስራሕ ዝስርሕ ዝነበረ ወዲ መድህን በራድ ምንባሩ ሎሚ ቅሉዕ ምስጢር ኣደባባይ ኮይኑ  እዩ::

ኣቶ ሰመረ ራእሶም  እምበኣር ካብ 2007 ክሳብ እዚ ሓድሽ ለውጢ ዝምድና ምስ ኢትዬጵያ ዝመጽእ፣ ነዘን ገዘፍቲ መዝነታት ሕዞም ኣብ እርጋኖም ኣክንዲ ንቤት ክርስትያን ንምልኪ ከሳስዩ ጎሰስ ክብሉ ጸኒሖም:: ዘገርምን ዘስሕቕን እዩ:: እቲ ዘገርም ዝገብሮ እቲ ብዝሒ መዝነት ንሓደ ውቀሰብ እሞ ኽኣ ኣፍራዪ ዕድመ ዘይኮነ ንሓደ ቆንቋን ኣረጊት ምሃቦም:: እቲ ዘስሕቕ ዝገብሮ ድማ ኣብ ሃገርና ሎሚ ኢሰያስ እንተፈትይካ ሚኒስተር ክትከውን ከም ዝከኣል እዩ:: እቲ ንቡር ፖሎቲካዊ ስልጣን ሓደ ዜጋ ኣባል ፈጻሚት ኣካል ወይ ምንስተር ኮይኑ ክሽየም እንተኾይኑ ኣባል ባይቶ ወይ ሰነት ክኸውን እለዎ:: ኣብ ሃገርና ኤረትራ ግን ንቡር ዘይብሉ መስሓቕ እዩ:: እዚ ድማ መርኣያ ሃገር ሙሉእ ንብረት ሓደ ውልቀ ሰብ ምኻና እዩ ዘረጋግጸልካ::

ኣብ መወዳእታ ግን ክኣ ኣገዳሲ ጉዳይ ናይዞም ኣቶ ሰመረ ራእሳም: ድሕሪ ምምሕያሽ ዝምድና ኤረትራን ኢትዬጵያን ከም ወኪል ውልቀ-መላኺ ኮይኑ ክሰርሕ ተመዚዙ (ንሶም ኣምበሳደር እዬም ዝብልዎ):: ኣብቲ ፈለማ ኣዋርሕ ድሕሪ እቲ ለውጢ ዝምድና ክልቲኡ ሃገራት: ሰብ ከታልሉ ሓደ ካብቶም ካብ ስልጣኖም ብወለንትኦም ዝወረዱ: እዚ ዝኸይድ ዘሎ ካብቶም ደስ ዘይበሎምን ክብሉ በታ ድኺምቲ ናይ 03 ናይ ሑሹኽሹኽ ዘርጊሖም ነሮም: ብዙሕ የዋህ ኤረትራዊ ብፍላይ እቲ ነዞም ዓቢ ሰብኣይ ታሪኾም ዘይፈልጥ ሓቂ መሲልዎ ተስፋ ገሩ ነሩ:: ድሒሮም ግን ብወግዒ ከም ዝመዘዝዎን ወረቀት ስርሖም ሒዞም ሓድሽ ጸሊም ታሪኽ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ሱዳን ዝሰርሕዎ ስራሕ ክሰርሑ ብሓድሽ መብጽዓ ካብ ኣስመራ ተፋንዬም ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምተበገሱ ብዜና ሰሚዕና: ገሪሙና::

እዞም ሰብኣይ እዚኦም ግን ወኪል ህዝቢ ኮይኖም ዝምድና ክልተ ኣህዛብ ንምምስራትን ንምሕያልን ዘይኮነ ተመዚዞም: እቲ ዝመልክዎን ዝኣምነሉን ሞያ ምቕንጻልን ምሕቓቕን ንጹሃት ኤረትራውያን ዜጋታት ነበርቲ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ከምኡ ውን ኣብ ስደት ዝነብሩ ኤረትራውያን ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ንኢትዬጵያ ዝገሹን ክቅጽልዎን እዬም ተመዚዞምን ተሓርዬምን:: ድሮ እኳ ድኣ ስርሖም ጀሚሮምስ ክንደይ ንጹሃት ኤረትራውያን ጋዜጠኛታትን ኣብ ፖሎቲካን ሲቪካዊ ማሕበራት ዝነጥፊን ዜጋታትና ካብ ኢትዬጵያ ከም ዝተጨውዩን ደሃዬም ከም ዝጠፊን ይፍለጥ::

ከም መተሓሳሰብን ሕውነታዊ መጠንቀቕታን: ኩሉኹም ደለይቲ ፍትሒ ብፍላይ እቶም ኣብ ፖሎቲካ ሃገርርና ማለት ኣብ ምንዳይ ፍትሒን ምምካት ዲክታቶራዊ ስርዓት እሰያስ ጉልባብኩም ቀሊዕኩም ስምን ተፈላጥነትን ዘትረፍኩም ኤረትራውያን ዜጋታት ሎሚ ንኢትዬጵያ ምጋሽ ይትረፍኩም: ህወትኩም ኣብ ሓደጋ ኣይተእትዉ: ስድራ ቤትኩምን ደቅኹምን ቅድም ስርዑ: family comes first before nation, specially a nation full of stupid people (obviously ህግደፍን ባሮቶምን) doesn’t deserve your sacrifice 😆

ተኽለሃንስ ክብሮም ተስፋልደት ይበሃል
ተወላዲ ብሆረ ብሌን
ዕባይ ምጭውቲ ከተማ ከረን