ሉኡኽ መንግስቲ ኣሜሪካ ምስ መራሒ ግይዛዊ መንግስቲ ሓዳስ ኤርትራ ኢሰያስ ኣፈወርቅን ካልኦት ሰበ-ስልጣናት ህግደፍን፣ ወተሃደራዊ ሓለፍቲ ህግድፍን ተራኺቡ ከምተዘራረበ ተፈሊጡ። እቲ ትሕዝቶ ኣጀንዳ ግና እንታይ ከምዝነበረ ክሳብ ሎሚ ንህዝቢ ኤርትራ ፍጹም ኣይተሓበሮን። ኩሉ ግዜ ተኸዊልካ ሕቡእ ኣጀንዳ ምክያድ ግና ኣመል ኢሰያስ ኣፈወርቅን፣ ህግደፍን እዩ።
ንፖለቲካ ንኸጥዕም፣ ኢሰያስ ኩሉ ግዜ ከም ምጽረይ እፉ ገሩ ዘመሳምሰሉ፣ “ኣሜሪካ ዘርያትና፣ ኣሜሪካ እገዳ ገራትልና ወዘተ ….ዝብሉ ምስምሳት እዮም። እቲ ሓቂ ግና እቲ ኣዝዩ ጽኑዕ ርክብ ህግደፍ ምስ መንግስቲ ኣሜሪካ ከምዘሎዎም እቶም ተኻታተልቲ ዲፕሎማስያዊ ርክብ መንግስቲ ኣሜሪካን ኤርትራን ዝኾኑ ክኢላታት ይገልጹ። ብተወሳኺ እቶም ክኢላታት ርእይቶኦም ክህቡ ከለው፣”ህግደፍ ድኣዩ እገዳ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ገሩ ንህዝቢ ዘሳቒ ዘሎ እምበር ብመንግስቲ ኣሜሪካ ዝተገብረ እገዳስ ክሳብ ሎሚ የልቦን” ይብሉ። ቀጺሎም ክትንትኑ ከለው ድማ፣”እገዳ እንተዝህሉስ ላዕለዎት ሰበስልጣናት ህግደፍ ከም ብዓል የማነ ገብረኣብ ወግሐ ጸብሐ ንኣሜሪካን፣ ንኤውሮጳን ኣይምተመላለሱን። ግን ኩሉ ግዜ ምስምስ ኣመሎም ስለዝኾነ። ወደን ከይ ሓምያስ ሰይቲ ወደን ከምዝብሃል፣ እቲ ጉድ ኩሉ ግዜ ንንዳወያኔን፣ ንኣሜሪካን ጥራይ እዮም ዘጸግዑዎ” ክብሉ ይትንትኑ።
እቶም ክኢላታት ፖለቲካዊ ርእይትኦም ብዛዕባ ልኡኽ መላኺ ኢሰያስ ወሲኾም ከብርሁ ከለው፣ ከምዚ ይብሉ፣-
“እቲ ኢሰያስ ምስ ኢትዮጵያ ገሩዎ ዘሎ ኣይሰላም ኣይኲናት፣ ምስ ሱዳን ዝፈጸሞን፣ ገና ዝፍጽሞ ዘሎ ዘይምቅዳውን፣ ነተን ነብሰን ክሕልዋ ዘይክእላ ሃገራት ኣዕራብ ወድባት ኤርትራ ከካርየን ከሎን፣ ንመንእሰይ ካብ መኣዲ ትምህርቱ ገገፊፉ ንመወዳእታ ዘይብሉ ባርነት፣ ብስም “ሃገራዊ ኣገልግሎት” ከርተት ኣቢሉ ኣደዳ ስደትን መከራን ገሪዎም ዘሎስ፣ እዚ ኣሜሪካ ድያ ገራቶ?
ኣስተብህል፣ብርግጽ ኢሰያስ ኣፈወርቂ፣ ካብ 1967 ዓ.ም.ፈ. ጀሚሩ ብማእከላይ ስለላ መርበብ ኣሜሪካ ተመልሚሉ ንሜዳ ኤርትራ ከምዝወፈረ ሓላፍ መገዲ ዝፈልጦ ምስጢር እዩ። ሕጂውን ኣሜሪካ ዝኣዘዝዎ ይፍጽም ከምዘሎ ግሁድ እዩ። ካብኡ ሓሊፉ ግና፣ ኩሉ ዘተግብሮ ዘሎ ፕሮጀክት ጽዮናውያን እምበር ፕሮጀክት ህዝቢ ኤርትራ ከምዘይኮነ እቶም ጨው ቆርጢምና ንፈልጥ ኣጸቢቕና ኢና እንርዳእ። ብትእዛዝ ልኣኽቱ ባዕዳውያን ኩሉ መደብ ዕዮታት እንዳፈጸመን፣ ዕደና ወርቂ ህዝቢ ብጥምዩ ከሎ፣ ብባዕዳውያን ተዘሚቱ ንባዕዲ እንዳግዓዘስ፣ እንታይ እዩ ዝብል ዘሎ እዚ ሰብዚ? ኣየሕፍሮን ድዩ? ዶስ ነቲ ህዝቢ ስለ ዝነዓቖ እዩ? ኣልዒል ኣቢሉ፣ ንኣሜሪካ ጥራይ እቲ ጉዳማቱ ዘሸክማ ዘሎስ ካበይ ተበጊሱ ኣበይ ንምብጻሕ እዩ? ንወለዶ ህዝቢ እንዳ መንቆሰን፣ ብሕገ-ኣልቦ ባርባራዊ መግዛእቲ ንህዝቢ እንዳገዝአስ፣ ንመን ከታልል ድእዩሞ እዚ ኩሉ ምስምሳት ዘመሳምሶ ዘሎ? ሰብ ይኽዕበኒ እዩ ኢሉኸ ቁሩብ ኣይሓስብን ድዩ? ነዚስ “መለበምን ኣይግበርካ መለበምን ኣይኽላእካ” ኢልና ጥራይ ኢና ንሓልፎ።
ብርግጽ፣ እዚ ኢሰያስን ዘመሳምሶ ምስምሳት ንህዝቢ ንምድንጋር እዩምበር፣ እቲ ኣምሆ ዘመን ህ.ግ.ሓ.ኤ. ዝብሃል ዝነበረ ሎሚ ከኣ ህ.ግ.ደ.ፍ. ዝብሃል ጭፍራ፣ብመሰረቱ ትካል መንግስቲ ኣሜሪካ ድኣምበር ትካል ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ ኣይፈልጥን። ብግብሪ ድማ ኣብዘን ዝሓለፋ 27 ዓመታት ተራእዩ እዩ። ህግደፍን ወያኔን ከኣ ብታሪኽን ብግብርን ክልተ ገጽ ሓደ ቅርሺ ክነሶም፣ ኢሰያስ ግና ጎጉዱ ንቀሺ ከምዝብሃል፣ንህዝቢ ኤርትራ ንምድንጋር፣ ወያኔ ከም ቀንዲ ጸላእቲ ኤርትራ ገሩ እዩ ክገልጾም ጸኒሑ። ሕጂ ከድኣ ጉዳይ ዶብ እንተተደምዲሙ እንታይ መኽንያት ከምጽእ ይኸው?
እዚ ሎሚ ንኤርትራ ዝበጽሐ ሉኡኽ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣምባሳደር ያማሞቶ እንተኾነውን፣ እቲ ካብ 1952 ዓ.ም.ፈ. ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ዝቕጽል ዘሎ ፕሮጀክትን መርገጽን መንግስቲ ኣሜሪካ ድኣዩ ሒዙ መጺኡ እንበር፣ ባዕሉ ዝመሃዞ ሓዲሽ ፕሮጀክት ተኾልኲሉ ኣይኮነን።
እዚ ልኡኽዚ ቀንዲ ዓላማኡ ድሕሪ ኤርትራ ንጅቡቲን ኢትዮጵያን ክበጽሕ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ። ተኻታተልቲ ፖለቲካዊ ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝኾኑ ክኢላታት ርእይቶኦም ክህቡ ከለው፣ “ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኢትዮጵያ ሓዲሽ ቀዳማይ ሚንስተር ዶር. እቢዪ ኣሕመድ ዝብሃል ኣብ ስልጣን ምስ መጸ፣ መዝሙር ሰላም ክዝምር ጀሚሩ ስለዘሎ፣ መንግስቲ ኣሜሪካ ድማ ንግዝያዊ መንግስቲ ህግደፍ፣ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝዛረበሉ ዘሎ “እማመ ሰላም” ክቕበሎ ከምዘለዎ ተጽዕኖ ገረሙሉ ኣለው” ዝብል እዩ።
በወሳኺውን፣ ቅድሚ ሉኡኽ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣምባሳደር ያማሞቶ ነስመራ ምምጽኡ፣ ኢሰያስ ኣፈውርቂ ብሕቡእ ካብ ኣስመራ ንሃገር ጣልያን ንሓጺር ግዜ ተጠሊቡ ብዛዕባዚ እማመ ሰላም ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተጽዕኖ ከምተገብረሉ ተፈሊጡ እዩ። ከምኡውን፣ ኣብዚ እዋንዚ ኢሰያስ ከም መጽረይ ኣፉ ገሩ ዝዛረበሉ ዘሎ ብዛዕባ ሰላም ምስ ኢትዮጵያ እዩ። ኣናፍራ ቆቛሕ ዘይፈለጠስ ኣይሃዳናይ።
ህዝቢ ኤርትራ ንኣስታት 70 ዓመታት ግዳይ ጆኦጋፊካዊ ኣቀማጣ ሃገሩን፣ ባህርያዊ ጸግኡን ኮይኑ ላሕ ኢሉዩሞ፣ እስከ ሎሚ ዘመን 2018 ሲ ኣምላኽ ካብኩሎም ጸላእቱ ይገላግሎ።
ተወሳኺ ሓበሬታ እብዚ መራኸቢዚ ጠውቑ
ስቴት ዲፓርትመንት መንግስቲ ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ፣ ብቐዳም ዕለት 21 ሚያዝያ 2018 ዓ.ም.ፈ. ብወግዒ ከምዝገለጾ፣ ካብ ዕለት 22 ሚያዝያ ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 26 ሚያዝያ 2018 ዓ.ም.ፈ. ሉኡኽ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣምባሳደር ዶናልድ የ. ያማሞቶ ኣብ ሃገር ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ኣብታ ንእሽቶ ቁሸት ጂቡቲ ዑደት ከምዝገብር እዩ። እዘን ሃገራት እዚአ እዚየን ስትራተጂካውያን ሃገራት ስለዝኾና፣ ጽዮናውያንን ቻይናን ሩስያን ክሻመውለን ህርድግ ይብሉ ኣለው። ሰይቲ ዕዉር ብኾፉ ይስዕምሉ፣ ሰይቲጸማም ከኣ ብኾፉ ይጽውዑሉ።
ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ
24.ሚያዝያ 2018 ዓ.ም.ፈ
Recent Comments