ህግደፍ ድዩ ቅኑዕ ወይስ ህዝቢ ኤርትራ?

ፕሮጀክት ህግደፍ ብፍልስፍና ፈላስፋታት ደቂ ምድረ-ባሕሪ ከም መብርሒ ተቐቢሉ ኣይኮነን ቃልሲ ጀሚሩ። “ኣዲኣ ገዲፋ ሓትኑኣ ትናፍቕ” ወይ ድማ “ርሑቕ ዓድስ መሓሰዊ” ከምዝብሃል፣ ህግደፍን ፍጥር ክብሉ ከለው ንፕሮጀክት ጽዮናውያንን ሃጸያውያንን ከተግብር እምበር ውራይ ህዝቢ ኤርትራን እትዮጵያን ዓጂቡዎም ኣይኮነን። እወ! ህግድፍ ኣምሆ ዘመንእኳ፣ ገና ህዝብና ብገርሁ እንከሎ፣ ነቶም መብያሕትኦም ደቂ ከበሳ ተዛረብት ትግሪኛ ጀጋኑን ፈላስፋታትን  “ስርያ ኣዲስ፣ መንካዓዕ፣ የሚንን” ብዝብል ጸለመታት ኣጸሊሙ፣ ኣብ ጎዳጊዲ ሳሕል ደፊኑውዎም እዩ ነስመራ እትይ። እቲ ወኪልን ልኡኽን እኩብ ድምር ፕሮጀክት ኮሎንያሊዝም ዝኾነ ኢሰያስ ኣፈወርቅ፣ንሜዳ ኤርትራ ከይወጸ ከሎ እዩ ስትራተጂ ባዕዳውያን ኣጽኒዑ። ብመደብን ሕቡኣ እጀንዳ ጽዮናውያን ግንከኣ ሎሚ ብግህዶ ዝግሃድ ዘሎ እብ አርትራ ንኸተግብር እዩ ንሜዳ ወፊሩ። ኢሰያስ እምብኣር ጽዮንዝም ወይከኣ እብዚ እዋንዚ ዝርአ ዘሎ ሓዲሽ ዓለማዊ ስርዕት ወኪሉ እዩ ኣምሆዘመን ንሕናን ዓላማናን እትብል ብስዉራት ሓይልታት ዝረቐቐት ብኢድ aiሰያስ ዝተጻሕፈት መራም ስነሓሳብ ተኾልኲሉ ንሜዳ ዝወፊረ፣ ኢሰያስ እምብኣር ካብቲ ፈለማ ግዜ ጀሚሩ፣ ማለት ካብ 1969 ዓ.ም.ፈ.፣ ጎይተቱ ምዒዶምን መኺሮምን ከበግስዎ ከለው፣ መጀመርያ ጠጥዑሙ ኣስማት ውድብ (  ንመረዳእታ ብስም “ሰልፊ ነጻነት፣ ጽንሕ  ህዝባዊ ሓይልታት ኤርትራ፣ ካብኡ ቀጺሉ ህ.ግ.ሓ.ኤ.፣ንህዝባዊ ግንባር ድማ ነስመራ ምስ በጽሐ ብ”ህግደፍ ” ዝብል  ማፍያዊ ጭፍራ) እንዳቀያየረ ንህዝቢ ባህጉን ድልየቱን ራእዪኡን መዝሚዙ፣ማለት  ብስነኣእምራዊ ሚላ ኣእምሮኡ ሰሊቡ፣ ብጓይላን ነቐፈታን ርእሰ ነቐፈታን ሓንጎሉ ኣደንዚዙ፣ ብዋህያዊ ስለላን ኮለላን ቀዪዱ ብምስዳዕ፣ ብብዝሒ ድማ ንህዝቢ ሓማሴን ኣሰሊፉ፣ነቲ ንስትራጀዲካዊ ረብሓ ባዕዳውያን ዝውዕል ፕሮጀክት፣ ግንከኣ ብተግባር ንጥፍኣት ህዝቢ ኣጋእዝያን ዝኾነ፣ ንስሙ ግና ” ስውራ ኤርትራ” ወይከኣ ” ህ.ግ.ሓ.ኤ” ኣብ ካብ ኣልፋ ጀሚሩ ኣብ ኦሜጋ ከብጽሖ መብጽዓ ኣእትዮሞ። ነዚ ኩuሉ ፕሮጀክት ከኣ፣ንሱ aiሰያስ  ከም ሲምቦል ኮይኑ  ግንከኣ ምስጢር ዓቂቡ፣ጥራይ ክመርሖ እምበር፣ እቲ ኩሉ ፋሲሊቲ ምወላ፣ ስልጠና ስለላን ኮለላን፣ በቶም ስዉራት ሓይልታት ከምዝካየድ፣ ንኢሰያስ ግና ንህይወቱ  ክሳብ ኣልፋን ኦሜጋን ማለት ክሳብ መወዳእታ፣ዋሕስና ኣትዮምሉ። እወ! እቲ “ህዝባው ግንባር ሓርነት ኤርትራ”  ዝብሃል ብግብሪ ግና ሎሚ  ህዝባው ግንባር ባርነት ኤርትራ፣ብኢሰያስ ክብገስ ከሎ ንኸምስል ማለት “ዓሻ መሲልካ ድራሮም ወድኣሎም”፣ ከምዝብሃል፣ ብፍልስፍና ማርክሰ ለኒን እንዳ ጨርሐ እዩ ተበጊሱ። እቲ ቀንዲ ተልእኽኦም ወይ ወፍሮም ድማ ንባህልን መንነትን ህዝቢ ምድረባሕሪ ኣጥፊኦም ብግዕዙይ ባህሊ ምዕራባውያን ንሕትክኦዎ ጥራይ  እዮም፣ባእዳውያን ንኢሰያስ ንሜዳ አርትራ ብመደብ ልኢኾሞ።

ንርሑቕ ዝዓለመ ተልእኾ ኢሰያስ ኣፈወርቂ

እስከ ቁሩብ ኣብ ምርምርን መጽናእትን ዝተመርኮሰ ሓተታ ከነቕርብ

ንሓደ ህዝቢ ውሑድ ግዜ ከተታልሎ ቀሊልዩ፣ብዙሕ ግዜ ከተታልሎውን ይከኣል ኡዩ፣ ንዘልኣለም ከተታልሎ ግና ዘበትዩ። ኣብርሃም ሊንኮልን………………… (Abraham Lincoln elected president of the USA, 1860, By the time of Lincoln’s inauguration on March 4, 1861, seven states had seceded, and the Confederate States of America had been formally established, with Jefferson Davis as its elected president. One month later, the American Civil War began when Confederate forces under General P.G.T. Beauregard opened fire on Union-held Fort Sumter in South Carolina. In 1863, as the tide turned against the Confederacy, Lincoln emancipated the slaves and in 1864 won reelection. In April 1865, he was assassinated by Confederate sympathizer John Wilkes Booth at Ford’s Theatre in Washington, D.C. The attack came only five days after the American Civil War effectively ended with the surrender of Confederate General Robert E. Lee at Appomattox.) ኢሰያስ ኣፈውርቂ ሎሚ፤ ብመሃንድሳት ጽዮናያን ( ስለላ መርበብ ዓባይ ብሪጣንi MI6ን CIAን MOSSADን) ተመሪሑ ንዘልኣለም ግንከኣ ክሳብ ህዝቢ ምድረ-ባሕሪ (ኤርትራ) ዝጸንት ተልእኾ ዓሰብቱ ንኸተግብር ገልዳ ይብል ኣሎ።

ድሕሪ ስዕረት ኲናት ደጓሊ ማለት  በዅሪ ወራር ኮሎንያል ጣልያን ንምጽዋዕን ዓሰብን ብዕለት 27.01.1887 ዓ.ም.ፈ. ህዝቢ ኣገኣዝያንን ወይ ህዝቢ ምድረ-ባሕሪ ኣብ መጻወድያ ጽዮናውያን ኣትዩ። ቀጺሉውን ህዝቢ ኣገኣዝያንን ህዝቢ ኢትዮጵያን ብድሕሪ ኲናት ዓድዋ፣ ማለት ኮሎንያል ጣልያን ንምድረ-ባሕሪ (27.01.1887 ዓ.ም.ፈ.)  ኣብ ዳግማይ ወራር ኮሎንያል ጣልያን ግዳይ ጽዮናውያን ኮነ። ካብኡ ጀሚሮም ድማ ጽዮናውያን ረቂቕ መጽናዕትን ምርምርን  ብምክያድ፣ ንመላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ መታን ኣብ ዝተናውሐ እዋን ንኽግብቱ ወይ ክሻመዉ፣ ን100 ዓመታት ዝኣክል ፕሮጀክት ኣውጺኦም።  እቲ ፕሮጀክት እቲ ድማ ንደቂ ኣገኣዝያን  ብስለላን ስነኣምራዊ ሜላን ገርካ፣ ዓሊምካን ኣሰልጢንካን እንተዘይኮይኑ፣ ብኣካል ወሪርካ ንመላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምቁጽጻር  እይከኣልን እዩ ብማለት፣ ብኻላ ኣገላልጻ ደቂ ኣገኣዝያን ኣብ ዶጓልን ዓድዋን ፈቲናዮምስ ስዒሮምና እዮም፣ ስለዚ እንደገና ክንጋገ የብልናን፣ብኣካል ወሪርና ብዝሓጸረ እዋን ክንስዕሮም ስለዘይንኽእል፣ (ንመረዳእታ. ክነስተብህለሉ ዘሎና፣ ኣብ ኲናት ደጓሊን ዕድዋን ምስተሳዕሩ ሓዲሽ ፕሮጀክት ኣውጺኦም ማለትዩ።) ብስለላን ኮለላን ገርና ጥራይ ብሓዲሽ ወፍሪ ክንስዕሮም ኣሎና። እቲ ሓዲሽ ወፍሪ ድማ ካብ ትግሪኛ ተዛረብቲ ብፍላይ ከኣ ደቂ ትግራይ፣ ማለት ካብ ተንቤንን ዓድዋን እንደርታን ዝተመልመሉ፣ግንከኣ ምስጢር ክዕቅቡ ዝኽእሉን ህርፋን ገንዘብ ድማ  ዘለዎምን፣ እንተኣዋፈርና ጥራይ ኢና ንዕወት ካብዝብል ርእዪን መደብ ዕዮን፣ ንኢሰያስን ዝዘርዩሉ መራሕቲ ወያኔን ኣዳልዮም ኣዋፊሮሞም።

ይቕጽል።

ብኣካየድቲ መርበብ ሓበሬታ ደቀባት -ኣጋኣዝያን

 

እስከ ነዚ ብሓውና ተስፋጽዮን ዝቐርብ ዘሎ ታሪኻዊን ስነፍልጠታዊን ተንተና ብኣቕልቦን እድህቦን ንከታተል።