ህዝቢ ኤርትራ ካብ ቆልዓ ወዲ 8 ዓመት ክሳብ ኣረጊት ወዲ 80 ዓመታት ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ፣ ጎርዞ ምስ በጽሒ ኣንጻር ወራሪ ስርዓት ንጉስ ሃይለስላሰን፣ ፋሺስታዊ ደርግን ተዋዲቑ መሬቱን ባሕሩን ነጻ ዘውጽኤ ኩሩዕን ጅግናን ህዝቢ እዩ። ሰራዊት ህዝባዊ ግንባርን ህዝብን፣ ህዝብዊ ቅያ እንዳ ኣሳላሰለ፣ ድሎ ከይትዕሎ እንዳበለ ንጸላኢ ክድርዕም ከሎ፣ ጽባሕ ብጊሓት ኣንታይ ዓይነት መንግስቲ ክንተክል ኢና ኢሉ ሓሲቡ ኣይፈልጥን። መኽንያቱ ድማ ድሕሪ ዓወት እቲ ህዝባዊ መንግስቲ ምትካ ክትም ትሑዝ ገሩ ስለዝተቐበሎ እዩ።

ይኹን እምበር እቲ ኣብ ዓውዲ ኲናት ኣትዩ ዘይፈልጥ ሰላዪ ኢሰያስ ግና፣ሰውራ ክሰላሰል ሎሎ ምስ ጽዮናውያን ኮይኑ ጉዳይ ስለላን ኮለላን የካይድ ነይሩ። እው፣ ብመሃንድሳት ጽዮናውያን እንዳተማዕደን ተመኽረን ግና፣ ንረብሓ ባዕዳውያን ጥራይ እዩ ዝሓስብ ነይሩ። ነዚ ውዲታዊ ቶኽላ እዚ ግና ህዝቢ ኤርትራ ብገርሀኝ እምነት ጥራይ ኣእምሮኡ ተሰሊቡ፣ ነቲ ውዲታዊ ተልእኾ ኢሰያስ ከስተብህለሉ ኣይከኣለን። ርግጽዩ፣ ከምቲ ለኒን “ኣምነት ጽቡቕ እዩ ምቁጽጻር ግና ዝበለጸ እዩ” ሰራዊትን ህዝብን ኤርትራ ግና ንኢሰያስ ክቆጻጸሮ ዓድል ኣይረኸበን። እቶም ፈላስፋታት ደቂ ሃገር ግና ብብጊሓቱ፣ ንኢሰያስ ሰላዪ ምዃኑ ፈሊጦሞ ነይሮምዮም።

ግንከኣ ኢሰያስ ብመሃንድሳ ስለላ መርበብ ኣስራኤልን ኣሜሪካን እንግሊዝን ተማዕዱ፣ ነቶም ጀጋኑ ከይቀደምዎ ብምቕዳም ቀንጺሉዎ እዩ። ኣቲ ኣዝዩ ዘስደምም ከኣ ኢሰያስ ብፍላይ ቀንዲ ልኡኽ መንግስቲ ኣሜሪካን ኣስራኤልን ከምዝኾነ እቲ ሓፋሽ ከለልዮ ኣይከኣለን። መኽንያቱ ኣቶም ንህዝቢ ከንቅሑን ንኢሰያስ ድማ ክብድሁን ዝኽእሉ ብቕዓት ዝነበሮም ፈላስፋታት ብንግሆኣu በብሓደ ይዕንጽሎምን ኣብ ሓለው ሰወራ ይዳጉኖምን ስለዝነበረ፣ ከመይ ገሩድኣ እቲ ህዝቢ እሞ ጸላኢኡ ኢሰያስ ምዃኑ ክስቆሮ።

እቲ ሓቂ ግና፣ መሃንድሳት ስለላ መርበብ ጽዮናውያን ንኢሰያስ ካብ 1969 ዓ.ም.ፈ. ጀሚሮም እዮም፣ ንነዊሕ ዝጥምት ፕሮጀክት ፈልሲ ዝብሃል ሓንጺጾም፣ ንሓደ ትካል ጽዮንነት ዝኾነ ህ.ግ.ሓ.ኤ. መሪሑ ስትራተጂካዊ ባህጎም ንኽሕልወሎም መልሚሎም ንሳሕል ዝልኣኹዎ።

ነዚ ረቂቕን ጸረ ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ፕሮጀክት እዚ ግና፣ ህዝቢ ኤርትራን ሰራዊትን ከስተብህለሉ ኣይከኣለን፣ ግንከኣ እቶም ዘስተብሃልሉ ምሁራትን በላሒት ምሁራት ደቂ ሃገር፣ ካብ 1973 ዓ.ም.ፈ. ጀሚሩ፣ ሓንሳብ ብመንካዕ (1973 ዓ.ም.ፈ. ንጹሃት ፈላስፋታት ግንከኣ ዲሞክራስያውያን ደቂ ሃገር፣ ካብቶም ብዙሓት ነቶም ውሑዳትን ኣውራ ተዋሳእትን ዝነበሩ ንምጥቃስ፣ ከም ብዓዕል ፈላስፋ ኣፈወርቂ ክፍሉ (ዕባይ ኣዲስ ኣበባ፣ ግንከኣ መበቆል ኣቡኡን ኣዲኡን ዓዲተከሌዛን ድንበዛን ሓማሴን ዝኾነ፣ ከም የውሃንስ ሰብሃቱ “ብረይን“ በሊ ብዓል ሰገነይቲ ወዘተ…) ደቂ ሃገር፣ ብስም “መንካዕ” ኢሉሸሚሙዎ) ሓንሳብ ብየሚን (ን1977 ዓ.ም.ፈ.ንጹሃት ፈላስፋታት ደቂ ሃገር ከም ብዓል ፈላስፋን ሊቅን ዶር. እዮብ ገብረልዑል ብዓል ደፈረ ሓማሴን፣ ብስም “የሚን” ኢሉ መንቊሱዎም።)

ትማሊ 2001 ዓ.ም.ፈ. ድማ እቶ ገዳይም ላዕለዎት ሓለፍቲ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ግንከኣ ሰራዊት መሪሖም ነስመራ ዝኣተዉ ብስም ጂ15 ዝፍለጡ ኣብ ኣብ ሽንጭሮ ዒራኢሮ ዝብሃል ብመሃንድሳት ሲ.ኣይ. ኤ. ዝተሃንጸ ቤት ማእሰርቲ ብዘይ ፍርዲ ተዳጒኖም ኣለው። እሞ ከመይ ኢሉ ድኣ እዩ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ሰላዪ ባዓዳውያን ኢሰያስ ሰላዪን ልኡኽ ብናዕዳውያን ምዃኑን ከለልዮ። ወረ ህሉፍ ሓሊፉ ባዕሉ ኩርኩርን ልኡኽን መንግስቲ ኣሜሪካ ክነሱ፣ ንህዝቢ ንኸሃምል ንኣሜሪካ ክዘልፍ ብዙሕ ግዘ ይስማዕ እዩ፣ ነታ ቀንዲ ስዋ ዝብሃል ፕሮጀክት ዝመሃዘት መንግስቲ እስራአል ግና ብዛዕብኣ ሓንቲ ቃል ተዛሪቡ ኣይፈልጥን።

እዚ ብሰላዪ ኢሰያስ ዝምራሕ፣ ንቕዱስ ባህልና ዘየኽብር ስርዓተ-ኣልቦ ህግደፍ ፍጥር ክብል ተግባራቱመዓልታዊ ሓጥያት ዝኾነ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነ ንባዕዳውያን ወኪሉ እዩ ንህዝቢ አርትራ ኣላሽ ዘብሎ ዘሎ። እዚ ስርዓተ ኣልቦ ዝኾነ ክናናን ምናና ጊጅለ እዚ፣ ሎሚ ዕደና ወርቂ ኤርትራ ብባዕዳውያን ተጓሕጒሑ ንኽዝመት ዋርድያ ኮይኑ ዘገልግል ዘሎ ጉጅለ ዕርበት እዩ። እዚ ሰላዪ ጽዮናውያን ዕቡድ ዝኾነ ሓለቓ ህግደፍ ኢሰያስ፣ እቲ ሰላም ዝብሃል ክህሉ ዘይደሊ፣ ግንከኣ ብዘይ ውግእ ክነብር ዘይደሊ ፍጡር እዩ። እዚ ባህርያት እዚ ግና እቶም ብድሕሪ ኮይኖም ቾፕላ ዝብሉዎ መሃንድሳት ዝዮናውያን እዮም ዝዝውሩዎ እምበር ንሱስ ወሪዱዎ ዝፈልጦ የብሉን። ሓንሳብ ብድንቁርንኡ ከሎ ሐራይ ስለዝብሎም ግና፣ ሎሚ መዋጽኢ ስኢኑ ኣብ ምጽላልን ኣብ ዕብዳንን ኣትዩ ህዝቢ ለኪሞ ክጠፍእ ይቀራረብ ኣሎ።

ስለዚ እቲ መብዛሕትኡ ህዝቢ ዘይፈለጦን ዘየለልዮን ዘሎ ሕመሬት ጕዳይ ህዝቢ ኤርትራ፣ ኢሰያስ ንጽዮናውያን ከገልግል ተመልሚሉ ንሜዳ ኤርትራ ዝወፈረ “የኛ ሰው በደማስቆ” ድኣምበር፣ ክንዲ ፍረ ኣድሪ ትኸውን ብዛዕባ ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ዝሓሊ ሰብ ኣይኮነን።

እዚ ሰብዚ ልኡኽ ባዕዳውያን ከምዝኾነ ብቐሊሉ ሰብ ክርድኦ ዝኽእል ድማ፣ ሎሚ ዕደና ወርቂ ብሻን ሃይኮታን ብናቱ ዋርድያታት እንዳ ተሓለወ፣ ባዕዳያን ክዘምትዎ ኮይኑ ኣሎ። እቲ ንስሙ ብጽሒት ኤርትራ ዝብሃል ክፋል ድማ ብቐጥታ ኣብቲ ብጎይተቱ ዝውነ ባንክታት ዓለም ብፍላይ እኳድ Offshore Bank Account ከዝፍለጡ፣ ከምኡ ድማ ከምቲ ኣብ ስዊዘርላንድ ከተማ ባዝል ዝርከብ The Bank for International Settlements (BIS) ከምኡውን ኣብ ዱባይን ሎንዶንን ዝርከብ HSBC (Hongkong & Shanghai Banking Corporation Holdings PLC) ቀንዲ መደበሩ ድማ ኣብ ከተማ ለንዶን ዝርከብ ተኾሚሩ ይርከብ።

ነዚ ባንኪዚ ዝቆጻጸሩዎ ግና እቶም ንዓለም ዝገእዝዋ ዘልው ጽዮናውያን aምበር ተውሳኺቱ ኢሰያስ፣ ክንድዚ ገንዘብ ተዋህሊሉ ኣሎ እዩ ዝብሃሎ እምበር ካብቲ ገንዘብ ከይኣልዓለሉ ግና ከም ብዓል መቡቱ ሴሰ- ሰስኮ፣ ፋሺስታዊ ገዛኢ ኮንጎን፣ ከምኡውን ሞባራክ ገዛኢ ግብጽን ኮይኑ ጥራይ እዩ ዝተርፍ። ካብ ኩሉ ዘስደምም ግና፣ እይሰያስ ነቲ ገንዘብ ከይርኣዮን ከይተጠቕመሉን፣ እእብ ሽንጭሮ ዓዲ ሃሎ ክውዕል ክትርእዮ ከሎኻ ጥራይ እዩ። ስለዚ እቲ ካብ ኩሎም መራሕቲ ኣፍሪቃ ብዝረቐቐ ሜላ መሃንድሳት ጽዮንነት፣ ከም ድኻን ተጋዳላይ ኮይኑ ክሳብ ዝመውት መሳርሒኦም ኮይኑ፣ ግንከኣ ንገርሀኛ ህዝቢ ኤርትራ ለኪሙ ንኽዓርብ ዝተጻወትሉ ሰብ እንተድኣ ሃልዩ ኢሰያስ ጥራይ እዩ።

ኣብ ዓዲ ዕውራት ብዓል ሓንቲ ዓይኒ ይገዝእ ከምዝብሃል፣ እንሆ እምብኣር ን50 ዓመታት ዝኣክል ብህዝቢ እንዳ ሓጨጨን፣ተቓላሳይ እንዳመሰለን ከምዝርአ ገሮም ይጻወትሉ ኣለው። ዓስቢ ኢሰያስ እታ ዋሕስነት ህይወት (ኢንሹራንስ) ጥራይ እያ። ንሳ ድማ ማንም ኤርትራዊ ንኸይቀትሎ ብሞሳድን ሲኣይኤን ስለላ መርበብ ሃገር እንግሊዝን ካብ ሜዳ ኤርትራ ጀሚሩ ብኣኣቶም እንዳተሓለወን ተጓሰየን ክሳብ ብባህርያ ሞት ዝሽመም ምንባርት ጥራይ እያ። እዚ ዘሎናዪ ዘመን ግዳ፣ዘመነ-ዲጂታላይዝድ ዝኾነ፣ ስለላን ኮለላን ተማሂዙሉ ዘሎ፣ ንኢሰያስ ደፊሩ ክቐትሎ ዝኽእል ዳርጋ የልቦን። መኽንያቱ ከኣ ገና ንኢሰያስ ክቐትል ዝሓልም ሰብ፣ ግና ሕልሙ ከይወድኤ ዝሽመመሉ ስዓት ኢና በጺሕና ዘሎና። ብዝኾነ ግን ሓንቲ ምዓልስ ሓንቲኣ ኣላ። ከምዚ ሎሚ ውሑዳት ሰባት ንጉድ ኢሰያስ ብጺሖሞ ዘለው፣ ገለ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝነብሩ ጀኣጋኑ ኤርትራውያን እንተድኣ ክበጽሑዎ ክኢሎም ግና፣ ሕጂስ በል ይኣክል ኢሎም፣ ዕምሪ ኢሰያስ ክሸምዋ እዮም። ክሳብ ሽዑ ግና ጎይቶቱ ለይትን ምዓልትን ዕደና ወርቂ ህዝቢ ኤርትራ ብሳልኡ እንዳዘመቱ ድኣሞ፣ ንኢሰያስ ምሕላውን ምጉሳይንዶ ክጨንቆም ኮይኑ።

ፍልጠትን ንቕሓትን ንህዝቢ አርትራ