Screenshot_2015-05-06-08-24-43-1.png
Screenshot_2015-05-06-08-24-43-1.png (262.71 KiB) Viewed 1074 times

ህዝቢ ኤርትራ ካብ ቆልዓ ወዲ 8 ዓመት ክሳብ ኣረጊት ወዲ 80 ዓመታት ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ፣ ጎርዞ ምስ በጽሒ ኣንጻር ወራሪ ስርዓት ንጉስ ሃይለስላሰን፣ ፋሺስታዊ ደርግን ተዋዲቑ መሬቱን ባሕሩን ነጻ ዘውጽኤ ኩሩዕን ጅግናን ህዝቢ እዩ። ሰራዊት ህዝባዊ ግንባርን ህዝብን፣ ህዝብዊ ቅያ እንዳ ኣሳላሰለ፣ ድሎ ከይትዕሎ እንዳበለ ንጸላኢ ክድርዕም ከሎ፣ ጽባሕ ብጊሓት ኣንታይ ዓይነት መንግስቲ ክንተክል ኢና ኢሉ ሓሲቡ ኣይፈልጥን። መኽንያቱ ድማ ድሕሪ ዓወት እቲ ህዝባዊ መንግስቲ ምትካል ክም ትሑዝ ገሩ ስለዝተቐበሎ እዩ። ድራረይ ድኣ! ይኹን እምበር እቲ ኣብ ዓውዲ ኲናት ኣትዩ ዘይፈልጥ ሰላዪ ኢሰያስ ግና፣ሰውራ ክሰላሰል ከሎ ምስ ጽዮናውያን ኮይኑ ጉዳይ ስለላን ኮለላን የካይድ ነይሩ። እወ፣ እዚ ሰብዚ ግና ብመሃንድሳት ጽዮናውያን እንዳተማዕደን እንዳሰልጠነን፣ ንረብሓ ባዕዳውያን ጥራይ እዩ ዝሓስብ ነይሩ። ነዚ ውዲታዊ ቶኽላ እዚ ግና ህዝቢ ኤርትራ ብገርሀኛ እምነት ጥራይ ኣእምሮኡ ተሰሊቡ፣ ነቲ ውዲታዊ ተልእኾኡ ከስተብህለሉ ኣይከኣለን።


ኣተዕባብያ ኢሰያስ
ኢሰያስ ካብቶም ርኹባትን ኮርኹር ንጉስ ሃይለስላሴ  ዝነበሩ ቤተሰብ እዩ። ሓወብኡ ደጃዝማች ሰለሙን ኣብርሃ፣ ቅድም ኣንደራሲe ወሎ ክፍለሃገር ጸኒሑ ድማ ዘውዲ ኣማኻሪ ንጉስ ሃይለስላሴ ዝነበረ ብዓል ስልጣን እዩ።

ርግጽዩ፣ ከምቲ ለኒን “ኣምነት ጽቡቕ እዩ፣ ምቁጽጻር ግና ዝበለጸ እዩ”
ዝበሎ፣ ሰራዊትን ህዝብን ኤርትራ ግና ንኢሰያስ ምእማን ጥራይ እምበር ክቆጻጸሮ ዓድል ኣይረኸበን። ተመን ኢሰያስ ከኣ ነዚ ስለዝፈለጠ፣ነቶም ፈላስፋታት ደቂ ሃገር፣ ብብጊሓቱ ጻህይዩዎም። (ንሶም ግና ብንግሁኡ ንኢሰያስ ሰላዪ ምዃኑ ፈሊጦሞ ነይሮምዮም።) ግንከኣ ኢሰያስ ብመሃንድሳት ስለላ መርበብ ኣስራኤልን ኣሜሪካን እንግሊዝን ተማዕዱ እዩ ኩሉ እከይ ተግባራት ዝፍጽሞ ነይሩ።  ስለዝኾነ ድማ ነቶም ጀጋኑ ከይቀደምዎ ብምቕዳም ቀንጺሉዎም እዩ። ኣቲ ኣዝዩ ዘስደምም ከኣ ኢሰያስ ብፍላይ ቀንዲ ልኡኽ መንግስቲ ኣሜሪካን ኣስራኤልን ከምዝኾነ እቲ ሓፋሽ ከለልዮ ኣይከኣለን። መኽንያቱ ኣቶም ንህዝቢ ከንቅሑን ንኢሰያስ ድማ ክብድሁን ዝኽእሉ ብቕዓት ዝነበሮም ፈላስፋታት፣ ብንግሆኡ በብሓደ ይቕንጽሎም ስለዝነበረን። ብጥርጠራ ጥራይ ከኣ ኣብ ሓለዋ ሰወራ ይዳጉኖም እዩ ነይሩ። እሞድኣ ከመይ ገሩ እዩ እቲ ህዝቢ ጸላኢኡ ኢሰያስ ምዃኑ ክስቆሮ። ኢሰያስ እኮ ኣብ ሜዳ ክልተ ሰውራ እዩ ዘካይድ ነይሩ። በቲ ሓደ ወገን ከኣ ጨጓር ዳንጋ ንጸላኢ ይብድህ፣ በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ ኢሰያስ ንጀጋኑን ምሁራትን ተቛሚቱ በብሓደ ይቕንጽል። እዚዩ እቲ መስርሕ ኢሰያስ ዝነበረ እምብኣር።

እቲ ሓቂ ግና፣ መሃንድሳት ስለላ መርበብ ጽዮናውያን ንኢሰያስ ካብ 1969 ዓ.ም.ፈ. ጀሚሮም እዮም፣ ንነዊሕ ዝጥምት “ፕሮጀክት ፈልሲ” Seed Plantation ዝብሃል ሓንጺጾም፣ ንሓደ ትካል ጽዮንነት ዝኾነ ህ.ግ.ሓ.ኤ. መሪሑ ስትራተጂካዊ ባህጎም ንኽሕልወሎም መልሚሎም ነቲ ኣEርትራ ዘይትብጽሖ ተንቤናይ ተመናይ ንሳሕል ዝልኣኹዎ። ብርግጽ ከኣ እቶም ዝዓሰብዎ ብዓል ሪቻርድ ኮፐላንድን ፓውል ሂንሰን “ጥራይ ዝበልናካ፣ ነዚ ንውጽኦ ዘሎና ስትራተጂካዊ ፕሮጀት ፈልሲ መሪሕካዮ ንኽትቅጽሎ ሐራይ በለና እንበር፣ንውሕስነትካን  ነቲ ኩሉ መደብ ዕዮታት ግና ባዕልና ኣሎናዮ” እዩ ተባሂሉ (ምስክርነት ተስፋሚካኤል ጆርጆ 1978 ዓ.ም.ፌ.
 Iseias’s hypocrisy concerning Anti-Americanism and CIA.)One of the political deceptions which the public should know about is Issays’s hypocritical anti-Americanism. The story of Issays’s connection with the CIA goes back to April 1970 and to the Kagnew, US. base, in Asmara.

ነዚ ረቂቕን ጸረ ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ፕሮጀክት እዚ ግና፣ ህዝቢ ኤርትራን ሰራዊትን ከስተብህለሉ ኣይከኣለን፣ ግንከኣ እቶም ዘስተብሃልሉ ምሁራትን በላሒት ምሁራት ደቂ ሃገር፣ ካብ 1973 ዓ.ም.ፈ. ጀሚሩ፣ ሓንሳብ ብመንካዕ (1973 ዓ.ም.ፈ. ንጹሃት ፈላስፋታት ግንከኣ ዲሞክራስያውያን ደቂ ሃገር፣ ካብቶም ብዙሓት ነቶም ውሑዳትን ኣውራ ተዋሳእትን ዝነበሩ ንምጥቃስ፣ ከም ብዓል ፈላስፋ ኣፈወርቂ ክፍሉ (ዕባይ ኣዲስ ኣበባ፣ ግንከኣ መበቆል ኣቡኡን ኣዲኡን ዓዲተከሌዛን ድንበዛን ሓማሴን ዝኾነ፣ ከም የውሃንስ ሰብሃቱ “ብረይን“ በሊ ብዓል ሰገነይቲ ወዘተ…) ደቂ ሃገር፣ ብስም “መንካዕ” ኢሉሸሚሙዎ) ሓንሳብ ብየሚን (ን1977 ዓ.ም.ፈ.ንጹሃት ፈላስፋታት ደቂ ሃገር ከም ብዓል ፈላስፋን ሊቅን ዶር. እዮብ ገብረልዑል ብዓል ደፈረ ሓማሴን፣ ብስም “የሚን” ኢሉ መንቊሱዎም።) ትማሊ 2001 ዓ.ም.ፈ. ድማ እቶ ገዳይም ላዕለዎት ሓለፍቲ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ግንከኣ ሰራዊት መሪሖም ነስመራ ዝኣተዉ ብስም ጂ15 ዝፍለጡ ኣብ ኣብ ሽንጭሮ ዒራኢሮ ዝብሃል ብመሃንድሳት ሲ.ኣይ. ኤ. ዝተሃንጸ ቤት ማእሰርቲ ብዘይ ፍርዲ ተዳጒኖም ኣለው።

እሞ ከመይ ኢሉ ድኣ እዩ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ዕቡድ ሰላዪ ባዓዳውያን ኢሰያስ፣ ልኡኽ ብዕዳውያን ምዃኑን ከለልዮ። ወረ ሎምስ ባዕሉ ኩርኩርን ልኡኽን መንግስቲ ኣሜሪካ ክነሱ፣ ሕሉፍ ሓሊፉ ንህዝቢ ንኸሃምል ንኣሜሪካ ክዘልፍ ብዙሕ ግዘ ይስማዕ እዩ። ነታ ቀንዲ ንፕሮጀክት ሳዋ ዝብሃል ዝመሃዘት መንግስቲ እስራአል ግና ብዛዕብኣ ሓንቲ ቃል ተዛሪቡ ኣይፈልጥን እዩ። እዚ ድማ ብምኽሪ መሃንድሳት ጽዮናውያን ገርሀኝ ህዝቢ ኤርትራ፣ ህዝቢ ኤርትራ ንኢሰያስ ከም “መሎኮታዊ ብዓል ዓቢ ሃይለስልጣን” ገሩ መታን ከነምልኾ ኢሎም ዝምሃዙዎ ኣከይን ረቂቕን ውዲት እዩ። እዚ እከይ ሜላ እዚ ግና ብሰንኪ ግዜ እንዳፈሸሎም ይኸይድ ኣሎ። ንሶም ግና ዋላ ትንፈር በጊዕ እያ እንዳበሉ ንህዝቢ ኤርትራ የራባርብዎ ኣለው።

እዚ ብሰላዪ ኢሰያስ ዝምራሕ፣ ንቕዱስ ባህልና ዘየኽብር ስርዓተ-ኣልቦ ህግደፍ ፍጥር ክብል ተግባራቱመዓልታዊ ሓጥያት ዝኾነ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነ ንባዕዳውያን ወኪሉ እዩ ንህዝቢ አርትራ ኣላሽ ዘብሎ ዘሎ። እዚ ስርዓተ ኣልቦ ዝኾነ ክናናን ምናና ጊጅለ እዚ፣ ሎሚ ዕደና ወርቂ ኤርትራ ብባዕዳውያን ተጓሕጒሑ ንኽዝመት ዋርድያ ኮይኑ ዘገልግል ዘሎ ጉጅለ ዕርበት እዩ። እዚ ሰላዪ ጽዮናውያን ዕቡድ ዝኾነ ሓለቓ ህግደፍ ኢሰያስ፣ እቲ ሰላም ዝብሃል ክህሉ ዘይደሊ፣ ግንከኣ ብዘይ ውግእ ክነብር ዘይደሊ ፍጡር እዩ። እዚ ባህርያት እዚ ግና እቶም ብድሕሪ ኮይኖም ቾፕላ ዝብሉዎ መሃንድሳት ዝዮናውያን እዮም ዝዝውሩዎ እምበር ንሱስ ወሪዱዎ ዝፈልጦ የብሉን። ሓንሳብ ብድንቁርንኡ ከሎ ሐራይ ስለዝብሎም ግና፣ ሎሚ መዋጽኢ ስኢኑ ኣብ ምጽላልን ኣብ ዕብዳንን ኣትዩ ህዝቢ ለኪሞ ክጠፍእ ይቀራረብ ኣሎ።

ስለዚ እቲ መብዛሕትኡ ህዝቢ ዘይፈለጦን ዘየለልዮን ዘሎ ሕመሬት ጕዳይ ህዝቢ ኤርትራ፣ ኢሰያስ ንጽዮናውያን ከገልግል ተመልሚሉ ንሜዳ ኤርትራ ዝወፈረ “የኛ ሰው በደማስቆ” ድኣምበር፣ ክንዲ ፍረ ኣድሪ ትኸውን ብዛዕባ ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ዝሓሊ ሰብ ኣይኮነን።

እዚ ሰብዚ ልኡኽ ባዕዳውያን ከምዝኾነ ብቐሊሉ ሰብ ክርድኦ ዝኽእል ድማ፣ ሎሚ ዕደና ወርቂ ብሻን ሃይኮታን ብናቱ ዋርድያታት እንዳ ተሓለወ፣ ባዕዳያን ክዘምትዎ ክትርኢ ከሎኻ እዩ።

 እቲ ንስሙ ብጽሒት ኤርትራ ዝብሃል ክፋል መሸጣ ወርቂ ድማ፣ ብቐጥታ ኣብቲ ብጎይተቱ ዝውነን ባንክታት ዓለም፣ ብፍላይ እኳድኣ ብOffshore Bank Account ከዝፍለጡ፣ ከምኡ ከኣ ከምቲ ኣብ ስዊዘርላንድ ከተማ ባዝል ዝርከብ The Bank for International Settlements (BIS)፣ ከምኡ ድማ ቀንዲ መደበሩ ኣብ ከተማ ለንዶን ዝርከብ ኣብ ዱባይን ሎንዶንን ዝርከብ HSBC (Hongkong & Shanghai Banking Corporation Holdings PLC) ተኾሚሩ ይርከብ።  ነዚ ባንኪዚ ዝቆጻጸሩዎ ግና እቶም ንዓለም ዝገእዝዋ ዘለው ጽዮናውያን እምበር ተውሳኺቱ ኢሰያስ በየናይ ኣእጋር በየናይ ኣሰጋጋር!! “ኣየኻ ናይና ክንድዚ ገንዘብ ድማ ተዋህሊሉልካ ኣሎ”፣ ጥራይ እዩ ዝብሃሎ። እምበር ካብቲ ገንዘብሲ ካብዝብኢዶ ዓጽሚ። ከይኣልዓለሉ ግና ከም ብዓል መቡቱ ሴሰ- ሰስኮ፣ ፋሺስታዊ ገዛኢ ኮንጎን፣ ከምኡውን ሞባራክ ገዛኢ ግብጽን ኮይኑ ጥራይ እዩ ዝተርፍ። ካብ ኩሉ ዘስደምም ግና፣ ኢይሰያስ ነቲ ገንዘብ ከይርኣዮን ከይተጠቕመሉን፣ ኣብ ሽንጭሮ ዓዲ ሃሎ ክውዕል ክትርእዮ ከሎኻ ጥራይ እዩ። ስለዚ እቲ ካብ ኩሎም መራሕቲ ኣፍሪቃ ብዝረቐቐ ሜላ መሃንድሳት ጽዮንነት፣ ከም ድኻን ተጋዳላይ ኮይኑ ክሳብ ዝመውት መሳርሒኦም ኮይኑ፣ ግንከኣ ንገርሀኛ ህዝቢ ኤርትራ ለኪሙ ንኽዓርብ ዝተጻወትሉ ሰብ እንተድኣ ሃልዩ ኢሰያስ ጥራይ እዩ።

“ኣብ ዓዲ ዕውራት ብዓል ሓንቲ ዓይኒ ይገዝእ” ከምዝብሃል፣ እንሆ እምብኣር ን50 ዓመታት ዝኣክል ብህዝቢ እንዳ ኣሽካዕላል እንዳተጻወተን፣ ካብ 100 እቶት 100 ሓሶት እንዳዘመረን፣ተቓላሳይ እንዳመሰለንን፣ ከምዝርአ ገሮም ይጻወትሉ ኣለው። ዓስቢ ኢሰያስ እታ ዋሕስነት ህይወት (ኢንሹራንስ) ጥራይ እያ። ንሳ ድማ ማንም ኤርትራዊ ንኸይቀትሎ ብሞሳድን ሲኣይኤን ስለላ መርበብ ሃገር እንግሊዝን፣ ካብ ሜዳ ኤርትራ ጀሚሩ ብኣኣቶም እንዳተሓለወን፣ ተጓሰየን ክሳብ ብባህርያዊ ሞት ዝሽመም ምንባርት ጥራይ እያ።

እዚ ዘሎናዪ ዘመን ግዳ፣ዘመነ-ዲጂታላይዝድ ዝኾነ፣ ዘመን ስለላን ኮለላን እንድዩ። ንኢሰያስ ደፊሩ ክቐትሎ ዝኽእል ዳርጋ የልቦን ክብሃል ኣጸጋሚ እዩ። እቲ ረቂቕ ስለላን ኮለላን መሃንድሳት ዝዮናውያን ግና ከቢድ ምኻኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን፣ እንተድኣ ፈሊጥካዮ ግና ቀሊል እዩ። መኽንያቱ ከኣ ገና ንኢሰያስ ክቐትል ዝሓልም ሰብ፣ ገና ሕልሙ ከይወድኤ ዝሽመመሉ ስዓት ኢና በጺሕና ዘሎና። ብዝኾነ ግን ሓንቲ ምዓልትስ ሓንቲኣ ኣላ። ከምዚ ሎሚ ውሑዳት ሰባት ንጉድ ኢሰያስ ኣለልዮሞ ዘለው፣ ገለ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝነብሩ ጀኣጋኑ ኤርትራውያን እንተድኣ ክበጽሑዎን ከለልዩዎን ክኢሎም ግና፣ ሕጂስ በል ይኣክል ኢሎም፣ ትንፋሱ ከሕልፉዎ ይኽእሉ እዮም። ክሳብ ሽዑ ግና ጎይቶቱ ለይትን ምዓልትን ዕደና ወርቂ ህዝቢ ኤርትራ ብሳልኡ እንዳዘመቱ ድኣሞ፣ ንኢሰያስ ምሕላውን ምጉሳይንዶ ኽጨንቆም ኮይኑ።

ፍልጠትን ንቕሓትን ንህዝቢ አርትራ