ክቡራት ተኻታተልቲ መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ፣ ኣብዚ እዋንዚ ብዙሓት ብህዝቢ ኤርትራ ንግደስን ንሓልን ኢና ዝብሉ፣ እሞከኣ ኤርትራውያን ኢና ከኣዝብሉ፣ ደጋጊሞም ብዛዕባ ወገንን ዓሌትን፣ብዛዕባ ብሔርን ኣብ ዩትዩብ ኮነ፣ ኣብ ፓልቶክ ብዙሕ ግዜ ክምድሩ ይስምዑ እዮም። ብፍላይ ድማ “ንሕና ጀበርቲ ብሔር የድልየና እዩ” “ብሰልፊ ኣልናህዳ” ተማእኪልናን ተመሪሕናን ድማ ንመስል ብሔር ጀበርቲ ክንቃለስ ኢና፣ንቃለስ ከኣ ኣሎና” ክብሉ ይስማዕ እዩ።

ርግጽዩ ዘረባ ክልተ ከይሰማዕካ ብዘረባ ሓደ ጥራይ ኣይትፍረድ ከምዝብሃል፣ እስከ ነዚ ሓደ ካብቶም ገዳይም ተጋዳላይ ተጋድሎ ሓርነትን ህዝባዊ ግንባርን ነበር፣ሞሓመድ ብላታ ዝተባህለ ኤርትራዊ  መበቆል ዘለዎ ጀበርቲ፣ ግንከኣ ነቲ ሓቀኛ ክውንነት ህዝቢ ጀበርቲ ብርእሰ ተኣማንነት፣ ብቪዶ ኣቀራርባ ክገልጾ ከሎ እስከ ንከታተሎ። ብድሕሪዚ ኣብ ዝቕጽል ግዜ፣ ኣብ ታሪኽ ዘተመስረተ ጭብጥታት እንዳቕረብና፣ እቲ ሓቀኛ ታሪኽ መንነትን መበቆልን ህዝቢ ኤርትራ ከመይ ከምዝመስል ክንዝርግሕ ኢና።