ብሰንኪ ስሱዓት ወነንቲ ባህርያዊ ጸጋ ሃገራት ዓለም፣ ኣብዚ ዘሎናዮ ክፍለዘመን ፍጹም ዋሕስነት ዝብሃል የልቦን። እቲ ዝበለጸን ዋሕስነት ህይወት ዘለዎ ሃገር እቲ ተወለድካሉን ዝዓበኻሉን ሃገር ጥራይ እዩ። ብሰንኪ ወነንቲ ኣጽዋርን ገንዘብን ወርቅን በልዚንን ዘይትን ግና፣ እቲ ገርሀኛ ወደባት ህዝቢ ኣብታ ዝፈትዋ ሃገሩ ክነብር ዕድል ኣይረኸበን። ንመረዳእታ ከም ሃገራት ኣፍሪቃን ደቡብ ኣሜሪካን ንኽትነብሮ ዘብህግ ክሊማን ሃብትን ጸጋን ዘለዎ ኣከባቢ የልቦን።

ይኹን እምበር ብሰንኪ ገበቲ ሃብቲ ዓለም ግንከኣ ስዉራት ሓይልታት፣ ሎሚ ሰብ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ብሰላምን ቅሳነትን ክንበር ኣይከኣልን ኡዩ። ስለዝኾነ ድማ ብዙሕ ህዝቢ ካብ መነባብሮኡ ተዘናቢሉ ኣብተን ዋሕስነት ዘይብለን ሃገራት ኤውሮጳን ኣሜሪካን ይውሕዝ ኣሎ።

ካብ መላእ ዓለም፣ ኣየነይቲ ሃገር እያ፣ ወይ ኣየኖት ሃገራት እየን ወድሰብ ብሰላምን ብጸጥታን ብቕሳነትን ክነብረለን ዝኽእል??  እስከ ነዚ ዝስዕብ ቪድዮ ንከታተል  ።

እተን ዝሓሻን ዋሕስነት ህይወትን ዘለወን ሃገራት ካብ ዓለም እዘን ዝስዕባ ሃገራት እየን። ኣብአን እንተኾነውን ፍጹም ዋሕስነት ዝብሃል የልቦን።

1ይ፣ ስዊዘርላንድ

2፣ ስካንዲናቭያን ሃገራት ከም ብዓል  ስዊደን ፊንላንድ

3፣ ግሪንላንድ

4ይ፣ ችለ ጸጥታን ዋሕስብነት ዘለዋ ሃገር ክትከውን ትኽእል እያ።
5ይ፣ ኡራግዋይ
6ይ፣ ሃዋይ እየን።

ህዝቢ ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ ግና፣ ብሰንኪ መለኽትን ልኡኻት ስውራት ሓይልታትን ኣፍሪቃውያን  ገዛእቲ ወይከኣ ንጸድፊ መራሕቲ፣ ኣብ ድኽነት ብልሽውናን ስደትን ወዲቑ ስለዘሎ፣ ኣብ ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገር እዚኣ እያ ጸጥታን ዋሕስነት ናብራን ዘለዋ ኢልካ ክሕሰብ ኣይከኣልን እዩ።
ሃገራት ኣዕራብ እንተኾብናውን እቲ ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ ፍጹም ዋሕስነት ዘይብሉ ከባቢ ኮይኑ እዩ ዘሎ ።

ኣብተን ኣዝየን ገጀፍትን ምዕቡላትን ከተማታት ዓለም ድማ፣ ጸጥታ ዝህብሃል ኣብ ምልክት ሕቶ እዩ ዘሎ። መኽንትያቱ ቅትለትን፣ ሓሽሽን፣ ናዕብን ዝሙትን ስርቅን ዓመጽን ብጻዕቂ ዘለዎን ስለዝኾና፣ ኣብኣተን ምንባር ዋሕስነት የለን።

ብውድዓዊን ብሓቅን ክትርእዮ ከሎኻ ግና፣ ኣብኣተን ምዕቋብ ኣስጋኢን ሓደገኛን ክነሱ፣ በቲ ረቂቕ ውዲታዊን ስትራተጂካዊን መደብ ጽዮናውያን ግና፣ ማለት ንኽትበልዓ ዝደለኻ ኣባጉምባሕስ ዛግራ ትብላ ከምዝብሃል፣ ንጽባሕ ብጊሓት ተካኢ ዝኾነ ኣፍሪቃዊ መንእሰይ፣ ነቲ ሃብታምን ጥዕና ዘለዎን ሃገሩ ጠንጢኑ ኣብዘን ሃገራት እዚኣተን ከምዝውሕዝ ይገብሩዎ ኣለው። ጽባሕ ብጊሓት ግና እቲ ኣዝዩ ኣስጋኢን ዋሕስነት ኣልቦን ዝኸውን ሃገራት እዘን ምዕቡላት ዝብሃላ ኤውሮጳውያንንን ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካን እየን።

ኣስተብህል፣  ብፍላይ እኳድኣ እታ ንእሽቶን ውሕድ ህዝብን ዘለዋ፣ ግንከኣ ብባህርያዊ ጸጋ ዝተዓደለት ሃገር ኤርትራ፣ ካብ 1991 ዓ.ም.ፈ. ጀሚሩ፣ ህዝባ ግዳይ ስደትን ህልቀትን ኮይና ይርከብ ኣሎ። እቶም ተሓተቲ ናይጽዚ  ሽበራን መከራን ድማ ብዓቢኡ ጽዮናውያን ክኾኑ ከለው፣ እቶም ብጽዮናውያን ተመልሚሎም ዝተዓስቡ ጽሩያት ተዛረብቲ ኣቑሕት ዝኾኑ ህግደፍ ፣ ግንከኣ ኤርትራዊ ሕብርን ደምን ዘለዎም፣ ቅልውላው መወለድ ዘይብሎም።ኮራኹር ልኢኾም እዮም ብኾፎም ወርቅናን ሃብቲ ባሕርናን ዝዝምቱ ዘለው።

https://youtu.be/JdaOLeZ9jdc