ዶናልድ ትራምፕ፣ እዚ ንባራክ ኦባማ ተኪኡ፣ ብዕለት 8 ኖቨምበር 2016 ዓ.ም.ፈ. ሓዲሽ ፕረሲደንት ሕቡራት ኣሜሪካ ንኽኸውን፣ ብህዝቢ ኣሜሪካ ዝተሓርየ፣ ካብ ዓለት 20.01.2017 ጀሚሩ ስርሑ ክጅምር እዩ።

ካብቲ ብዙሕ ንሱ ኣብ ግዜ ምርጫ ንህዝቢ ዝቃልሖ ጭርሖታቱት ድማ፣

1) ኣመሪካኒዝም ድኣምበር ጉሎባሊዝም ኣይንደልን!

2) ንኣሜሪካ ተቛጻጺሮማ ዘለው  ሃብታማት ጥራይ እዮም።  ሓፋሽ መሰሉ ክረክብ ኣሎዎ።

3)  ኣሜሪካ ትቐደም

4) እዞም ኣብ ብዙሕ ኩርንዓት ዓለም ሽበራ እንዳ ወልዑ ሰላም ከሊኦም ዘለው ከነጥፍኦም ኢና።

5) ወተሃደራት ኣሜሪካ ንዓለም ኣብ ክንዲ ዝሕልዉ ንኣሜሪካ ክሕልዉ ኣለዎም።

6) ሽግር ስደተኛታት ክፍታሕ ኣሎዎ፣ ኣብ ሃገሮም ብሰላም ክነብሩ ኣሎዎም ስደት ደው ክብል ኣለዎ ወዘተ. . .።

ብዙሓት ፍላስፋታት ፖሊቲካ ምዓራባዊ ዓለም ግና ብዛዕባ ዶናልድ ትራም ከምዚ ዝስዕብ ርእይቶት ክህቡ ይስምዑ ኣሎው።

“ነቲ ኣብ ግዜ ዑደት ምርጫ ንህዝቢ ብወግዒ ዝመደሮ ጭርሖታት፣ ኣብ ግብሪ እንተድኣ ከተግብሮ ጀሚሩ፣ ንኣሜሪካ ጥራይ ዘይኮነስ ንዓለምውን ረብሓ እዩ። ግን ከኣ ነቶም ንዓለም ተቛጻጺሮም ክሳብ ሎሚ ዝኽድምሎም ኮራኹር መራሕቲ ወይ  ፕረሲደንትታት እንዳ መረጹ ንህዝቢ ዓለም ዝላገጹሉ ዘለው ኣንጻር ረብሕኦም እዩ። እቶ ኣውራ ኣውራዝላገጹ ዘለው መሃንድሳት ሓዲሽ ኣለማዊ ስርዓት፣ እዚ ጭርሖን ፕሮግራምን ዶናልድ ትራም ኣንጻር ረብሕኦም ስለዝኾነ፣ ከምቲ ንፕረሲደንት ኬነዲ ዝቐንጸልዎ ክቕንጽሉዎ ክጽዕሩ እዮም”። “መኽንያቱ እቲ ኣውጺኡዎ ዘሎ ፕሮግራም እንተድኣ ኣብ ግብሪ ተተግቢሩ፣ እቲ መደብ ዕዮ ግሎባላይዘሽን ክብርዕን እዩ”።  እቶም መሃንድሳት ሓዲሽ ዓለማዊ ስርዓት ድማ ክስዓሩ እዮም” ይብሉ። ስለዚ ንረብሃኦም ክብሉ ብዙሕ ናዕቢ ክገብሩ ክፍትኑ እዮም።

“ገሊኦም ተዓዘብቲ ትዕዝብቶም ክህቡ ከለው ድማ ከምዚ ይብሉ፣ ባራክ ኦባማ ክምረጽ ከሎውን ንህዝቢ ኣሜሪካ ዝምስጥ ፕሮግራም ሒዙ እዩ ተበጊሱ፣ ነቲ ጭርሖታት ዝቐረብሉ ድማ ንሶም እቶም መሃንድሳት ጾናውያን እዮም። ድሕሪ ምፍርቻ ግና እቲ ጭርሖታት ኦባማ በኒኑ ተሪፉ”።

“ብፍላይ እኳድኣ ለውጢ ከምጽእ እየ ዝብል ጭርሖ ሒዙ እዩ ትዓዊቱ”፣ ህዝቢ ድማ ተደናጊሩ ተሪፉ” ይብሉ።

ንመረዳእታ ካብቲ ኣብ እዋን ምርጫ ዝግዕረሎም ዝነበረ ጭርሖታት እዞም ዝስዕቡ ነበሩ፤

1.  Vote for Change” “Yes We Can” ንለውጢ ምረጹኒ፣ እወ ንኽእል ኢና።

2. “Change We Can Believe In” እቲ እንኣምኖ ለውጢ እዩ።

3. “Our Time for Change” ግዜና ግዜ ለውጢ እዩ።
4. “Stand for Change” ንለውጢ ንልዓል
5. “Organize for Change” ንለውጢ ተወደቡ ።

6. “It’s about Time. It’s about Change” ግይዘየ ለውጢ ኣኺሉ እዩ።
7. “Stand for Change” ንለውጢ ተልዓሉ።

ዘምጽኦ ለውጢ ግና ፈጺሙ ኣይተራእየን።

“ዶናልድ ትራም ድማ ብኻልእ ሓዲሽ ገጺ ቀሪቡ ንህዝቢ ንኸታልል እዩ እምበር፣ ለውጢ ከምጽእ ኣይክእልን እዩ። እንተዘይኮይኑ ክቕንጸል እዩ” ይብሉ።

“እንተድኣ ተቐንጺሉ ግና፣ ኣብ ኣሜሪካ ናዕብን ውግእ ሓድሕድን ክባራዕ እዩ”። “እቶም ንዓለም ዝቆጻጸሩዋ ዘለው፣ መሃንድሳት ሓዲሽ ዓለማዊ ስርዓት፣ ንሓደ መራሒ ከምቲ ድልየቶም ክፍጽም ምስዘይደሊ ቀልጢፎም እዮም ዝቕንጽሉዎ። ኣብዚ እዋንዚ ግና ህዝቢ ኣሜሪካ፣ በቲ ቅንጸላ ፕረሲደንት ኬነዲ ስለዝሰክሐ፣ ንቅንጸላ ፕረሲደንት ከነዲ ድማ ሱ ትምህርቲ ስለዝኾኖም፣ እንተድኣ ዶናልድ ትራም ተቐንጺሉ፣ ኣብ ውሽጢ ኣሜሪካ ኣዝይዩ ከቢድ ናዕቢ ክባራዕ እዩ ይብሉ”

ክንብርኵት ከይንብርኵት ኣብ ማይ ንብጻሕ፣ ከምዝብሃል፣ እስከ ነዘን ኣብ ታሕቲ ቀሪበን ዘለዋ 2 ቪድዮታት ተኻታተሉወን እሞ ግምትኩም ከኣ ሃቡ።

 

TRUMP JUST SHOWED HIS CARDS – NOW WE KNOW WHO he IS፣ ካብቲ ብዙሕ መደረኡን ንህዝቢ ተስፋታት ዝሃቦን ብቪድዮ ብኸምዚ ዝስዕብ ይቐርብ።