ራዛ ናየብኡ ሓዛ፣ ወዲ ሰብ ጭማራ፣ ሰብ ሽራራን ጋምባለን፣ጕራደን ሴፍን ዋልታን፣ ወዲ ዘንክብርቲ እምቤት ወይዘሮ ስሄል፣ ንዓዲ ስሄል ዝወለዳ፣ “ዝረገጸቶ ሰተለምለም፣ ዝተዛረበቶ ቀለም” ተባሂለን ብንጉስ ጎንደር ዝተመረቓ፣እተን ጓል ንጉስ ጎንደር፣ ሰይቲ ኣብሓጎኻ ሃብተስሉስ፣ ቀጽል ብስነመጎትን ታሪኽን ጥራይ ተማጐት ኢኻ፣ ነቶም ካብ ብኣምርኦም ብሕምብርቶም ዝሓስቡ ብዓል ክናናን ምናናን፣ ምኒን ክብሉ ክኣርጉ እዮም። ንስኻ ግና ክሳብ ንዕወት ግዜኻ ኣይተጥፍኣሎም፣ ግዲ ኣይትግበረሎም። ፈረስ ሃብተስሉስ ጥራይ ኣጋልብ። ክርድኡ ስለዘይክእሉ ሕደገሎም። ጉዳይ ኣግኣዝያን ጥራይ ግበር። ንሶም ብድንቁርንኦም ንስኻ ብሊቅነትካ ጥራይ ተጒዓዝ ኢኻ፣ሃሊየ-ሉያ። God Bless Hagere-AgAzyan!!
ኣጆኻ ስዒርካዮም ኢኻ ። ቅድሚ ኣኸባታት ምግባርካ ከምዚ ትጉስግሶ ዘሎኻ ነቲ ዘይፈልጥ ዜጋ ከተባራብሮን ከተንቅሖን ምጽዓርካ ዓቢ ሃርበኛዊን ኣግኣዝያዊን ተበግሶ እዩ። እንጣጢዕ ክቚሎ ከሎ ብዙሕ እዩ ጣዕጣዕ ዝብል። ኣብ መጉዕ ወይ መጒድኢ ምስ ኣቶ ግና የስቅጥ። ብስለዚ ከኣ እዩ ብቋንቋ ኣምሓሪኛ ተልባ ብንጫጫ በኣንድ መቆጫ ተባሂሉ ዝምሰል። ስለዚ ወዲ ዓበይቲ፣ ወዲ ሃብተስሉስ፣ ወዲ ደግያት ኣበራ ወዲ ራእሲ ሃይሉ፣ ወዲ ራእሢ ዓንደሃይማኖት፣ ዘውራ ጥራይ እጣ ባቡር። ዒም ዝበለ ዓሻ ድማ እዝኒ ኣይትሃቦ ዘውራ ጥራይ እታ መርከብ ኣግኣዝያን።
እወ፣ ነቶም ካብ ብኣእምርኦም ብሕምብርቶም ዝሓስቢ ኣንብር ኢንተርነት ይርዳእኩም ኢልካ ጥራይ ሕለፎም። መኽንያቱ ዛጊት ብሓሳብ ብኣይድያ መኪታካ ስዒርካዮም ስለዝኾንካ።
ክሉ ትብሎ ዘለኻ ካብ መጠን ንላዕሊ ፈቴዮ ከምኡውን አደኒቀዮ keep it up the good work my brother ከምኡውን ማይጋይላ እየ
ክቡር ልዑል ወዲ ልዑላን፣ ወዲ ማይጓይላ ወዲ ማይፈለጋ፣ ወዲ ሃብተስሉስ፣ ወዲ ራእሲ ዓንደሃይማኖት፣ ጎይታ ዓድዋን ወሎን ተከዘን፣ ከመይ ኣሎኻ? ኣገናዕ! ከመይድኣ ዘይትፈትዎ፣ ትፈትዎ እምበር። መግለጺ እቲ ኩሩዕን ጭዋን ዝኾነ መንነት እብሓጎታትካን ናትካካ ደይኮነን!!! ንሓና እኮ ደቀባት ክንብል ከሎና፣ ንጽውጽዋይን ንይምሰልን ኣይኮናን። ካብ ልብናን ቀልብናን መንነትና ተበጊስና ኢና። ንዓኻን ዝኸማኻን ሒዝና ከኣ ኢና ደቀባት ንብል ዘሎና። ነቶም እካብ ወዲ እካብ፣ መወለዶምን መንነቶምን ዘይፍለጥ፣ ብዓል ክናናን ምናናን ደቂ መበለትን ጸመቕቲ ስዋን ሜስን እኮ ኣይኮናን። ህዝቢ ኣጽኒትና፣ ንሃገር ንባዕዳውያን ንኸበረክብ ገልዳሕ ንብል ኩባንያ ህግደፍ እኮ ኣይኮናን።ንሕና ደቂ ቃልኪዳን፣ ደቂ ሔማ፣ ደቂ ጀጋኑ፣ ደቂ ጭዋታት ኢና። ካብ በየናይ ዓሌትን ካበየናይ ዘርእን መበቆልን ከምንዋሰብ ድማ ብዅርዓት ኣጸቢቕና ንፈልጥ ኢና። ነዚ መትከልዚ ድማ ኣዳዕዲዕና ንኾርዕሉን ንኣምነሉን። ኣብ ግብሪ ነውዕሎን እምበር ኣይንፈርሓሉን፣ ኣይንሓንከሉን ከኣ ኢና። ንሕናኳ ወክረና ዝመጽእ ብትብዓት ብድሎ ከይትዕሎ መኪትና ኢና ብዝመጾ ከምዝወጽእ ወይ ከም ዝማረኽ ንገብር። ዘይናትና እይንደሊ ናትና ድማ በውረርትን ዓመጽትን ክውሰድ ኣይንደልን። ንሕና ከምዚ ህግደፍ ንኽሽቅጡን ክውቅጡን፣ „ሓደ ህዝቢ ሓደ ልቢ ኢና“! ዝብሉዎ፣ ወዲኒ እንዳ ህግደፍ ግና ነቲ ዝብሉዎ ንኸጥፍኡ ብባዕዳውያን ንኸብዶም ጥራይን ተዓስቡ፣ ካብ ብኣእምሮኦም ብሕንብርቶም ዝሓስቡ ወኻሩ ሳሕል እዮም። ንሕናኳ ብዓል በሓርነጋሲ ኢሳቕ ጎይታ ድዘድባርዋን፣ መላእ ምድረባሕርን፣ እወ ጎይታ ወራር ቱርክን መሳፍንቲ ትግራይን ኣምሓራን ኢና። ንሕናኳ ደቂ ራእሲ ዓንድሃይማኖት፣ ደቂ ደግያት ኣበራ” ከሺ ኣማራ እንድ ኣበራ” ዝብሃሉ ነቲ ዙሉ ንጉስ ዳግማዊ መነሊክ ስልጣኑ ዘደልደለ፣ ኣብ ኲናት ደጓልን ዓድዋን ዝውዓለ ጀጋኑ ኢና። ዋላኳ ሎሚ ኮነ፣ ሓምለሰነ ኮነ። እንተኾነ፣ ገና እታ በትሪ ሙሴ ትማሊ ንጭፍራ ደርጊ እግሪእግሮም ዝኮሽመደቶም፣ ገና ሎሚውን ኣይተሰብረትን ኣላ። እንቱም ደቀተሽምን ማይ ጓይላን ፈለጋን እስከ ክተቱ!! እንቱም ድንበዛንን ዓንሰባን፣ ካርነሽምን በጎስን መንሳዕን ክተቱ!! ኣንቱም ለጎ-ጭዋን ከበሳ-ጭዋን ክተቱ!! ኣቱም መረታ ሰበነን ቀያሕትን እስከ ክተቱ፣ ኣንቱም ጽንዓይን ደግለልን ቶርዕና ሓላይን ሰገነይትን እስከ ክተቱ፣ ኣንቱም ሽመጃና መጠራን ቆሓይቶን በጃኹም ክተቱ፣ ኣንቱም ዓረዛን፣ መራጉዝን ተኸላን እስከ ከም ቀደምኩም ክተቱ፣ ኣንቱም ዓሳውርታን ሳሆን ከም ኣመልኩም ክተቱ፣ እንተዘይከተትኩም በዞም እካብ ወዲ እካብ፣ ክናናን ምናናን ህግደፍ ከይትመቱ! ደም ሰብ ለሚዶምዮም ክሳብ ዝመቱ። እወ፣ ክቡር ውዲ ማይ-ጓይላ እዚዩ እቲ እዋጅናን ጭርሖናን! ከምዚ ኢልና ከኣ ከቶ ኣይንጠፍእን ኢና። ግዲየብልካን ገና ክንዕወት ከኣ ኢና! ነቶም ሰተይቲ ደምን ግንከኣ ልኡኻት ባዕዳውያንን ኩባንያ ህግደፍ በብሓደ ከነረኻኽበሎም ኢና። ግዲ የብልካን ካብ ጀጋኑ ዝተወለድና ኢና። ኣብ ሎሚ በጺሕና ስሬና ኣይንፈትሕን ኢና!! ራዛ ናየቡኡ ሓዛ እዩሞ ኣጆኻ ርእስኻ ኣይትድንን! ሓዲሽ ኮይኑ ጥራይ ዝነብር የልቦን! እንዳ ህግደፍ ድማ ዝወሰዱ ወሲዶም ዘመኖም “ነበረ” ክብሃል እዩ! ሃልየ ሉያ።
ከምዚ ፍንጂ ዝሀረመኒ ፍሕፍሕ እየ ኢለ በቲ ዝመለስካለይ ፍቴዪ ከምኡ ውን አደኒቀካ ክብር ሐወይ and I highly appreciate it ከምኡ ውን እንዳባ ትብል website ፍሊቲ እያ ምኽንያቱ ንስኹም ትብልዋ ተምጽእዋ ፍልይ አዮ and admire that a lot
ሰላም ክቡር ልዑል ሓውና! ነመስግነካ በቲ ዝሓብካን ዘሕብን መጎስ! ክብረት ይሃበልና ድማ!
እወ፣ ብዝከኣለና መጠን ብዛዕባቶም ዘዅርዑ ስርዕተ-ክብርታትናን፣ ማለት ጭዋ ዝኾነ ባህልናን፣ ቅዱስ ዝኾነ ሃይማኖትናን፣ ዘዅርዕ ጅግንነት ኣቦሓጎታትናን ኣቦታትናን፣ ኣብ ታሪኻዊን መጎታዊን ሓቅን ዝተመርኮሰ ገርና ንተገድስቲ ሃገራውያን ብፍላይ እኳድኣ ነቶም ደቀባት ክንሕብር ሓላፍነትና እዩ። እተን ካልኦት ጠጥዕሙ ስም ዝተጠመቓ መርበብ ሓበሬታታት ተልእኾአንን ኣቀራርብአንን፣ ጥቓ ደቀባት ከምዘይቀርባ ንኣምን ኢና። ግንከኣ ከምድላየን ይግበራ እንታይ ገደስና ንግዜ ዘይንገድፎ። ኣብ መወዳእታ ግና እቲ ደላይ ሓቂን ፍትሕን ቅኑዕ መንነትን ዝኾነ ወዲ ሃገር ፍርዱ ክህበን እዩ። ንግዚኡ ግና ይጎያ ኣለዋ። ገሊአን ምስ ወያኔ፣ ገሊአን ምስ ህግደፍ፣ ገሊኤን ከኣ ምስቶም ኣቦይን ኣደይን በበይኑ ጸሎትም ዝኾኑ ውድባት ሓሸውየ ክብላ ንዕዘበን ኣሎና። ግዜ ግና ክምህረን ክምህረናን እዩ ግዲ የብልካን።
ክብር ሐወይ የቀንየለይ ሕቶ አላትኒ አብ ሐምሳታት ንኤርትራ ወኪሎም ናብ UN ዝኸድ ኤርትራኤን ኔሮም ሐደ ካብኦም ፍተውራሪ ወልደስላሰ እዮ በዚ እንታይ አፍልጦ አልካ ብትሕትና ይሐተካ
ክቡር ሓው ኣለምሰገድ፣ ይቕሬታ፣ ክሳብ ሎሚኳ ብዛዕባ ክቡር ፊትወራሪ ወልደስላሴ ዝረኸብናዮ ሓብሬታ የልቦን፣ ብዝኾነ ምናልባት ግን፣ ኣብ “ኣይንፋላለ” ዝብል መጽሓፍ ብኣቶ ኣለምሰገድ ዝተጻሕፉ 1ይን 2ይን መጽሕቲ፣ ከምኡውን ብኣቶ ዘውዴ ረታ ዝተጻሕፉ “የአርትራ ጕዳይ” ዝብሉ መጻሕፍቲ ተኻታቲልና ኣብኣተን ኣይረኸብናዮምን። ኣብ ድያሪ መዝገብ Leaug of Nations ሎሚ UN እንተ ትኸታቲልካ ግና ክርከብ ይክኣል ይኸውን።