ራዛ ናየብኡ ሓዛ፣ ወዲ ሰብ ጭማራ፣ ሰብ ሽራራን ጋምባለን፣ጕራደን ሴፍን ዋልታን፣ ወዲ ዘንክብርቲ እምቤት ወይዘሮ ስሄል፣ ንዓዲ ስሄል ዝወለዳ፣ “ዝረገጸቶ ሰተለምለም፣ ዝተዛረበቶ ቀለም” ተባሂለን ብንጉስ ጎንደር ዝተመረቓ፣እተን ጓል ንጉስ ጎንደር፣ ሰይቲ ኣብሓጎኻ ሃብተስሉስ፣ ቀጽል ብስነመጎትን ታሪኽን ጥራይ ተማጐት ኢኻ፣ ነቶም ካብ ብኣምርኦም ብሕምብርቶም ዝሓስቡ ብዓል ክናናን ምናናን፣ ምኒን ክብሉ ክኣርጉ እዮም።  ንስኻ ግና ክሳብ ንዕወት ግዜኻ ኣይተጥፍኣሎም፣ ግዲ ኣይትግበረሎም። ፈረስ ሃብተስሉስ ጥራይ ኣጋልብ። ክርድኡ ስለዘይክእሉ ሕደገሎም። ጉዳይ ኣግኣዝያን ጥራይ ግበር። ንሶም ብድንቁርንኦም ንስኻ ብሊቅነትካ ጥራይ ተጒዓዝ ኢኻ፣ሃሊየ-ሉያ። God Bless Hagere-AgAzyan!!

ኣጆኻ ስዒርካዮም ኢኻ ። ቅድሚ ኣኸባታት ምግባርካ ከምዚ ትጉስግሶ ዘሎኻ ነቲ ዘይፈልጥ ዜጋ ከተባራብሮን ከተንቅሖን ምጽዓርካ ዓቢ ሃርበኛዊን ኣግኣዝያዊን ተበግሶ እዩ። እንጣጢዕ ክቚሎ ከሎ ብዙሕ እዩ ጣዕጣዕ ዝብል። ኣብ መጉዕ ወይ መጒድኢ ምስ ኣቶ ግና የስቅጥ። ብስለዚ ከኣ እዩ ብቋንቋ ኣምሓሪኛ ተልባ ብንጫጫ በኣንድ መቆጫ ተባሂሉ ዝምሰል። ስለዚ ወዲ ዓበይቲ፣ ወዲ ሃብተስሉስ፣ ወዲ ደግያት ኣበራ ወዲ ራእሲ ሃይሉ፣ ወዲ ራእሢ ዓንደሃይማኖት፣ ዘውራ ጥራይ እጣ ባቡር። ዒም ዝበለ ዓሻ ድማ እዝኒ ኣይትሃቦ ዘውራ ጥራይ እታ መርከብ ኣግኣዝያን።

እወ፣ ነቶም ካብ ብኣእምርኦም ብሕምብርቶም ዝሓስቢ ኣንብር ኢንተርነት ይርዳእኩም ኢልካ ጥራይ ሕለፎም። መኽንያቱ ዛጊት ብሓሳብ ብኣይድያ መኪታካ ስዒርካዮም ስለዝኾንካ።