ብሰንኪ ሃገር ሶርያ ኣሳቢብካ 3ይ ኲናት ዓለም ግና ይፍጸምዶ ይኸውን?

DO YOU HAVE TIME TO PRAY THAT WORLD WAR 3 DOESN’T START TODAY?

ብ2003 ዓ.ም.ፈ. መንግስቲ ዒራቕ ንህዝቢ ዒራቕ ቀዛፊ ስሚ ነስኒሱ ስለዝቐዘፈ ዓለም ስጉምቲ ክትወስደሉ ኣለዋ ብዝብል ውዲት፣ መንግስቲ ኣሜሪካ ካብ 33 ንላዕሊ ዝቚጽረን ሃገራት ዓለም ወዲባ ንፕረሲደንት ሃገር ዒራቕ ቀንጺላ ንህዝቢ ዒራቕ ድማ ዘርምዘርሞ ተሪፉ።

ብ2013 ዓ.ም.ፈ. ከኣ መዕመር ቓዛፊ ፕረሲደንት ሃገር ሊብያ፣ ፋሺስታዊ ዲክታቶር ስለዝኾነ፣ ረጂም ቼንጅ ክግበር ኣለዎ ህዝቢ ሊብያ መታን ክርህዎ ተባሂሉ ብሜድያታት ዓለም ንህዝቢ ዓለም ኣእዛኑ ድሕሪ ምጽማም፣ ነታ ልዑላዊት ሃገር ሊብያ፣ መንግስቲ ኣሜሪካን፣ እንግሊዝን፣ ፈረንሳን፣ ናቶን ተላፊኖም ወቒዖማ። ድሕሪ መዓመር ቓዛፊ ግና፣ ህዝቢ ሃገር ሊብያ ኣብ ዘርምዘርሞን ገብረ ሽበራዊ ሕይወትን ይነብር ኣሎ። ሎሚ ከኣ ብፍላይ መንግስቲ ኣሜሪካን፣ እንግሊዝን፣ ፈረንሳን፣ እንሆ ብዛዕባ ሃገር ሶርያ፣ ብዙሕ ውዲታዊ ፕሮፓገናድ ክገብሩ ንዕዘብ ኣሎና።

ብሰንኪ ሃገር ሶርያ ኣሳቢብካ 3ይ ኲናት ዓለም ግና ይፍጸምዶ ይኸውን? እስከ ነዘን ኣብ ታሕቲ ተዘርጊሐን ዘለዋ ቪድዮታት ብኣድህቦ ንከታተለን።

ግድነት ክስማዕ ዘለዎ ኣዝዩ ኣገዳሲን፣ ንህዝቢ ዓለም ከኣ ሓደገኛ  ዝኾነ ን3ይ ውግእ ዓለም ዘምርሕ ኩነታት ዝገልጽ ትንተና። ምንጪ ሓበሬታ ብቪድዮ  Source 

1ይ. መንግስቲ ሶርያ ቀዛፊ ስሚ ወይከኣ ሳሪን ጋዝ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሶርያ ስለዝፈጸመ፣ ብኻልእ ኣገላልጻ፣ ንገዛእ ህዝቡ ቀዛፊ ስሚ ነስኒሱ ስለዝቐዘፈ፣ ከምቲ ንሃገር ዒራቕ ዝፈጸምናዮ መውቃዕቲ ክንወቕዖ ኣሎና ካብዝብል ፕሮፓጋንዳ፣ መንግስቲ ኣሜሪካን፣ ፈረንሳን፣ ዓባይ ብሪጣንያን፣ ብፍላይ ድማ እቶም መሳርያታoም ዝኾኑ ሜድያ ማዕከን ዜናታት ድሕሪ ምዝርጋሕ፣ ባይቶ ሕቡራት መንግስታት ብዛዕባዚ ጉዳይዚ መጋባኣያ ገሮም። ነዚ ተበግሶ እዚ ግና ብዙሓት ተቓወምቲ ሜድያታትን ክኢላታትን ርእይትኦም ሂቦምሉ እዮም። እዚ ብእንግሊኛ ቋንቋ ኣብ ታሕቲ ተዘርጊሑ ዘሎ ቪድዮ፣ብበንጃሚን ፉልፎርድ ዝተዳለወ ኮይኑ ተኻታተልቲ ክትከታተሉዎ ንጋብዝ።

1ይ. መንግስቲ ሶርያ ቀዛፊ ስሚ ወይከኣ ሳሪን ጋዝ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሶርያ ስለዝፈጸመ፣ ብኻልእ ኣገላልጻ፣ ንገዛእ ህዝቡ ቀዛፊ ስሚ ነስኒሱ ስለዝቐዘፈ፣ ከምቲ ንሃገር ዒራቕ ዝፈጸምናዮ መውቃዕቲ ክንወቕዖ ኣሎና ካብዝብል ፕሮፓጋንዳ፣ መንግስቲ ኣሜሪካን፣ ፈረንሳን፣ ዓባይ ብሪጣንያን፣ ብፍላይ ድማ እቶም መሳርያታoም ዝኾኑ ሜድያ ማዕከን ዜናታት ድሕሪ ምዝርጋሕ፣ ባይቶ ሕቡራት መንግስታት ብዛዕባዚ ጉዳይዚ መጋባኣያ ገሮም። ነዚ ተበግሶ እዚ ግና ብዙሓት ተቓወምቲ ሜድያታትን ክኢላታትን ርእይትኦም ሂቦምሉ እዮም። እዚ ብጀርመንኛ ቋንቋ ኣብ ታሕቲ ተዘርጊሑ ዘሎ ቪድዮ፣ብበንጃሚን ፉልፎርድ ዝተዳለወ ኮይኑ ተኻታተልቲ ክትከታተሉዎ ንጋብዝ።

3ይ. መንግስቲ ሶርያ ቀዛፊ ስሚ ወይከኣ ሳሪን ጋዝ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሶርያ ስለዝፈጸመ፣ ብኻልእ ኣገላልጻ፣ ንገዛእ ህዝቡ ቀዛፊ ስሚ ነስኒሱ ስለዝቐዘፈ፣ ከምቲ ንሃገር ዒራቕ ዝፈጸምናዮ መውቃዕቲ ክንወቕዖ ኣሎና ካብዝብል ፕሮፓጋንዳ፣ መንግስቲ ኣሜሪካን፣ ፈረንሳን፣ ዓባይ ብሪጣንያን፣ ብፍላይ ድማ እቶም መሳርያታoም ዝኾኑ ሜድያ ማዕከን ዜናታት ድሕሪ ምዝርጋሕ፣ ባይቶ ሕቡራት መንግስታት ብዛዕባዚ ጉዳይዚ መጋባኣያ ገሮም። ነዚ ተበግሶ እዚ ግና ብዙሓት ተቓወምቲ ሜድያታትን ክኢላታትን ርእይትኦም ሂቦምሉ እዮም። እዚ ብእንግሊኛ ቋንቋ ኣብ ታሕቲ ተዘርጊሑ ዘሎ ቪድዮ፣ ብዳቪድ  ኣይክ ዝተዳለወ ኮይኑ ተኻታተልቲ ክትከታተሉዎ ንጋብዝ።