እቲ ብወግዓዊ ምርጫ ዘይተመርጸ ግንከኣ ን26 ዓመታት ዝኣክል “ፕረሲደንት ሓዳስ ኤርትራ” ተባሂሉ ዝፍለጥ፣ ንዳርጋ 2 ዓመታት ዝኣክል ድማ ኣብ ሓንቲ  “ዓዲ ሃሎ” እትብሃል ንእሽቶ ቁሸት ሓኪሉ ዝነብር ዘሎ ኢሰያስ ኣፈወርቂ “Cabinet reshuffle is imminent” ብወዛ ሚንስተራት ህግደፍ ክግበርዩ ይብል እሎ።

እወ፣ ኣቦታትና ክምስሉ ከለው፣”ሓጺሩኒ እንተበልኩዎስ ተደቢሩ ይስዕስዕ” ይብሉ። እምብኣር እቲ ብሕገ መንግስት ዘይቆመ መንግስት ህግደፍ ግንከኣ ን26 ዓመታት ዝኣክል “ብግዝያዊ መንግስቲ ሓዳስ ኤርትራ” ዝፍለጥ፣ ይኣይ ምቅይያር ሚንስተራት ክገብር እየ ይብለና ኣሎ። ንሱ ድማ ነቶም ባዕሉ ዝሸሞም ምእዙዛት ኮራኹሩ፣ በቶም ካብኦም ዘይሕሹ ባንቡላታት ክትክኦም ምዃኑ፣ እቲ ካብ ከተማ ህግደፍ ኣስመራ ዝመጸና ወረ ሓቢሩ።

እቲ ወረ ህግደፍ በቲ መርበብ 03 ዝኾነ መስከረም.ኔት ዝተዘርግሐ ከምዝሕብሮ፣ ነታ ባንቡላ ፎዝያ ሓሺም፣ድሕሪ 25 ዓመታት ካብቲ ሚንስተር ሕጊ ዝብሃል ግንከኣ ዘይስርሓሉ፣ማለት ሕገ-መንግስቲ (ኮንስትውሺን) ዘይብሉ ግንከኣ ብ”ሕጊ” ኢሰያስ ጥራይ ዝኸይድ ኣውሪዱ፣ ወኪል “ሓዳስ ዔርትራ” ኣብ ውድብ ሃገራት ኣዕራብ (Arab League) ክልእካ እየ ክብል ሓቢሩ። “ዘበን ገበል ዝበሉኻ ተቐበል”። According to our sources, the Justice Minister Fawzia Hashim, who has held his post for 25 years, will be appointed Eritrea’s representative to the Arab League.

ንሓደ ሙሳ ሓሳን ናይብ (Moussa Hassan Naib) ዓሌቱ ካብ እንዳ ናይብ ኣብ ሕርጊጎን ባጽዕን ዝነብሩ ዝነበሩን ገናውን ዘለውን ዓሌት እዩ። እወ፣ወዲ ወዶም ንእንዳ ናይብ ቅያር ፎዝያ ሚንስተር ፍትሒ እንዳ ህግደፍ ኮይኑ ተሸሙ። ንሓበሬታ ዝኣክል ናይብ ማለት ወኪል ማለት እዩ። እንዳ ናይብ ኣብ ባጽዕን ሕርጊጎን ካብ ግዝኣት ቱርኪ 15 ክፍለ ዘመን ጀሚሮም ክሳብ ኮሎንያል ጣልያን ንምድረብሕሪ ዝወርር፣ወከልቲ ግብጺ ኮይኖም፣ ጸረ ህዝቢ ኤርትራ ዝነበሩ ዓሌት እዮም። እቲ ብመበቆል እዲኡን ኣቡኡን ትግራዋይ ተንቤናይ ዝኾነ፣ ግንከኣ ንህዝቢ ትግራይ ዘይውክል ኢሰያስ ኣፈወርቂ፣ተጠሊዑ ንሙሳ ሓሳን ናይብ ሚንስተር ፍትሒ ገረ ሸይመዮ ኣሎኹ ክብል ይገልጽ ኣሎ። ብርግጽ፣ ታሪኽ ምድረባሕሪ ንዝከታተሉ ሰባት፣ እንዳ ናይብ ቀንዲ መሳርሒ ወራር ቱርኪን ግብጽን እዮም ነይሮም እምበር ኤርትራውያን ኮይኖም ኣይፈልጡን። ካብቶም ንህዝቢ ምድረ-ብሕሪ፣ ህዝቢ ኣግኣዝያን ወከልቲ ኣትራዅን  ግብጽን ኮይኖም ድቃስ ዝኸልኡዎ ዝነበሩ ዓሌት ግና እዮም። እሞ፣ ካብኦም መሪጹ እዩ ንደቀባት ኤርትራ ሚንስተር ፍትሒ መሪጸልኩም ኣሎኹ ዝብል ዘሎ ኢሰያስ።

ኣስተብህል፤እዚ ብውዲታዊን ስነኣእምራዊ እከይ ዝተሰነየ ረቂቍ ዝመስል መስርሕ እንዳ ህግደፍ፣ ግንከኣ ብመሃንድሳት ባዕዳውያን ዝተኣልመ መደብዚ፣ ንሃገራዊ ኤርትራውነት ብመደብ ዝጻባእ ተግባር ከምዝኾነ፣ ነቲ ብፍላይ ታሪኽ ልኡኽ ወይ ወኪል ጽዮናውያን ኢሰያስን፣ እታ ብኦም ዝተማህዘት ትካሎም ህግደፍን፣ ብኣንጻሩ ድማ ታሪኽ ምድረባሕርን ዝፈልጥ ሰብ፣ ውዲታዊ ማእለማ ዘለዎ ፕሮጀክት ምዃኑ ገሩ እዩ ዝግምግሞ።

እሞ እቶም ደቂ ኣከለ ጉዛይ ብሕጊ እንዳባ ኣድግና ተገልባ፣ ደቂ ሰራየ ከኣ ብሕጊ እንዳባ ኣከለ ምልጋእ፣ እቶም ደቂ ሓማሴን ድማ ብሕጊ ለጎጭዋ፣ ሕጊ ዓዲ ቆንጽን፣ ሕጊ 7 ድንበዛንን፣ 7ዓንሰባን፣  ከምኡውን እቶም ደቂ ሰንሒት ቤት ኣብርሀን ቤት ሻሕቀንን፣ደቂ መንሳዕ ብሕጊ መሓሪ፣ ክልኤ መንሳዕን ተመልሚሎም ዝዓበዩ ተሳኢኖምሲ፣ ካብቶም ብሕጊ ቱርክን ግብጽን ተማእዚዞም ጸረ ህዝቢ ምድረ ባሕሪ ዝነበሩ ዓሌት ናይብ ሃለው ኢሉ ረኽቡስ፣ ንስኹም ስለዘይትረብሑ ሙሳ ናይብ ዝሓሸ ኮይኑስ ሚንስተር ፍትሒ እንዳ ህግደፍ ኮይኑ ባዕለይ መሪጸልኩም ይብል ኣሎ ተንቤናይ ኢሰያስ። “ሰብ ጸውዓለይ እንተበልኩዎስ ብዓል በለስ”።

Moussa Hassan Naib, the current director general of the Ministry of Education, is a likely replacement. This veteran of the liberation war, from a family of Tigray/Negede Belew chiefs from Massawa-Herguigo, is a lawyer by training. After Eritrea gained independence from Ethiopia in 1993, Naib served as Attorney General and sat, with his sister Amna Hassan Naib – of the commission that drafted the new country’s constitution”.

ብሓደ ወገን ድማ፣ነቲ የማነ ገብረመስቀል (ቻርሊ) ወኪል ስለላ መርበብ ሃገር እንግሊዝ ኤም.ኣይ.6 ኮይኑ፣ ግንከኣ ከም “ዳይረክተር ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ኢሰያስ” ን26 ዓመታት ዝኣክል ስለላዊ ጸብጻቡ ንሃገር እንግሊዝ ከመሓላልፍ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ሎሚ ቅያር እቲ ሕዳሪናይ ግርማይ ኣስመሮም ኮይኑ ተሸሙ ይብሃል ኣሎ። እወ፣ ብቐዳማይ ሕዳሪናይ ግርማይ ኣስመሮም ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ክቕበር ከሎ፣ ኣብቲ ግዜ ቀብሪ ስነስርዓት ግና ፕረሲደንት ፈንፊኑዎ ንቐጠር ዝገሸ እዩ። ካብታ ንናይዝጊ ክፍሉ ዝገበራ ውዲት ግና ንግርማ ኣስመሮም ዝገበራ ትሓይሽ። እዚ የማነ ገብረመስቀል ዝብሃል ሰብዚ በዲኡ ትግራዋይ ዝኾነ፣ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ብራሾ ማይ ዘየቐበለ፣ ክሳብ ግዜ ነጻነት፣ኣብ ሃገረ እንግሊዝ ብስለላን ኮለላን ዝሰልጠነ፣ ሎሚ እምብኣር ቅያር ሒዳሪናይ ግርማ ኣስመሮም ተሸሙ ወኪል ሓዳስ ኤርትራ ኮይኑ ድማ ኣብ ሕብራት መንግስታት ዝልዓለ ስለላዊ ቤት ጽሕፈት ከምተዋህቦ ተሓቢሩ። እዚ ውዲታዊ ብወዛ ሚንስተራት ህግደፍ ብታሪኽን ብሕጊእንዳባን ዓይኒ ክርአ ክሎ ግን፣ እዞም ጁጅ ማጁጅ ጋንታ ህግደፍ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ዘይውክሉዎ፣ማለት ብሕገ-እንዳባ ተማእዚዞም ሃገር ክሳብ ዘየማሓደሩ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ዋላ ብወዛ ሚናተራት ጌርናልካ እንተበሉዎ፣ ከም ውግዓውያንንን ሕጋውያንን ገሩ ኣይቅበሎምን እዩ። እወ፣ እዞም ማሕበር ጸልማት እዚኦም፣ ክሳብ ዘለው ከምድላዮም ሽመት ክቀያየሩ፣ ህዝቢ ኤርትራ ትም ኢሉ እዩ ክዕዘቦም። ካብኡ ሓሊፎም ካልኣ ክገብሩ ስለዘይክእሉን፣ ልኡኻት ህዝቢ አርትራ ዘይኮኑስ ልኡኻት ባዕዳውያን ኮይኖም፣ ንባዕዳውያን የገልግሉ ከምዘለው ስለዝርዳእ፣እዚ በቲ ዘይሓንኽ ኢሰያስ ዝተሓበረ ብወዛ ሚንስተራት ህግደፍ እምብኣር፣”ንመን ትመጾ መን ይመጻ ትመጾ፣ ንመን ይመጻ ድማ መን ትመጾ ይመጻ” ኢሉ ጥራይ እዩ ዝገልጾም።

“Another important player is the current Minister of Information and Government Spokesman Yemane Gebremeskel. He will take the lead in Eritrea’s mission to the United Nations, which has been vacant since the death of Girma Asmerom in October”.

ብሓልዮት መርበብ ደቅባት-ኣግኣዝያን 29 ጥሪ 20167 ዓ.ም.ፈ.