ክብርን ዋጋን ህዝቢ ኤርትራን፣ ልዑላውነት ሃገር ኤርትራን፣ ካብ ምዓስ ጀሚሩ እዩ፣ ብልኡኽ መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ክሕከኽ ጀሚሩ??

“A man may be personally ever so well off, and yet if his country be ruined, he must be ruined with it.” — Pericles (Thucydides), 423 BC

1ይ) በቲ ንልኡኽ መላኺ ኢሰያስ፣ መሃንድሳት ስለላ መርበባት ሃጸያውያን ሓንጺጾም ዘዳለውሉ ፣ ማለት ኣብዘን 3 ነገራት ዝተመርኮሰ ግድል ክፍታሕ ዘድልዮ ኣብ ሃገር ዘሎ ጸገም (Problem) ኣብክንዲ ነቲ ህዝቢ ዝጠልቦ ፍታሕ ምፍጻም፣ ዕንቅፋት ኮነ ኢልካ ምሂዝካ (Reaction) ነቲ ፍታሕ ምድንጓይ ወይ ህዝቢ ነቲ ፍታሕ ረሲዑ ኣብቲ ኮነ ኢልካ ዝተማህዘ ዕንቅፋት ዕንክሊል ብምባል ነቲ ፍታሕ Solution ከምዝብብርዕን ወይከኣ ከምዝዳናጐ ብመደብ ምግባር። ውዲታዊ መደብ ዕዮ፣ ብምምሃዝ ትርጉሙ ነቲ ህዝቢ ከም ፍታሕ (Solution) ዝርእዮ ህዝባዊ ጠለብ፣ ንኸይትግበር ንምግባር ኮነ ኢልካ ዝግበር ውዲት እዩ።

‘A system that does not believe in truth
must be overthrown by people who do’!

1.1 ብካብ ሜዳ እትው ምስ በለ፣ ኣብ ክንዲ ሕገመንግስቲ ሓንጺጽካን ኣጽዲቕካን፣ ህዝባዊ መንግስቲ ምትካል፣ ብዛዕባ ህዝቢ ዘይፈልጠን ደሴታት ሓኒሽ ዝብሃላ ኣሳቢብካ፣ ብውዲት ኣንጻር መንግስቲ የመን ኲናት ወሊዕካ ኣብ መወዳእታ ግና ብስዕረት ምውዳእ።

2.2 “ምጀሃዲን፣ ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና፣ ብመንግስቲ ሱዳን ተመዊሎም ይወሩና ኣለው” ካብ ዝብል ውዲታዊ ብልሓት ዕዮ ገዛ ወይ ህዝባው ጠለብ ኣወጊንካ፣ ንመረዳእታ፣ ከም ምሕንጻጽ ሕገ-መንግስቲ፣ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ፣ ፓርላሜንታዊ መንግስቲ ወዘተ…..ረሲዕካ ኵናት ምስ ሱዳንን ተወሊዑ፣ ዘይርከቡ  ጀጋኑ ደቂ አርትራ በሊዑ ከኣ፣ ተረሲዑ።

3.3 “ጅቡቲ ደፊራትና“ ዝብል ውዲታዊ ፕሮፓጋንዳ ብልኡሕ መላኺ ኢሰያ ንገርሀኛ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ኣወንታዊ ጠለባት ህዝቢ ንምዝንባዕ ምሂዙ። እቲ ኣንጻር ጅቡቲ ዝተወልዐ ኲናት ከኣ ዝበልዐ በሊዑ ተወዲኡ።

How do you deal with a government that declares the truth is no defense? You overthrow it, or concede that you are a powerless slave.

4.4 “ጠረርቲ መጺኦምና፣ ጭፍራ ወያኔ ወሪሮምና፣ ቅድሚ 100 ዓመታት ኣሉላን የውሃንስ ዝብሃሉ መሳፍቲ ትግራይ ወሪሮማና ነይሮም፣ ሎሚ ከኣ ደቂ ደቆም ንየውሃንስ ኣሉላን ወሪሮምና። ብሕጂ ድሕሪ 100 ዓመት እንደገና ከይወሩና ጥራይ ተጠንቅቑ።“ ዝብል እከይ ፕሮፓጋንዳ ብምንዛሕ ኲናት ምስ ወያነ ብዶብ ኣሳቢቡ ወሊዑ። ኣስታት 200.000 ደቂ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከኣ ንከንቱ ኣብቲ ዶባዊ ኲናት ዝብሃል ሃሊቖም፣ ኣብቲ ዶብ ዝነበሩ ድማ ክሳብ 200.000.000 ግዳይ ስደትን ምዝንባል ናብራን ኮይኖም።

5.5 ንሕልፈታት ዝኸይድ ወፍሪ ባርነት ግንከኣ: ብስም “ዋርሳይ ይከኣሎ ወይድማ “ሃገራዊ ኣገልግሎ” ዝብሃል ኣዊጁ። ክሳብ ሎሚ ድማ ክሳብ ሎሚ ይቕጽል ኣሎ።

6.6 ን27 ዓመታት ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ጸላኢ ዘይብሉ ዕርዲ ንኽበልዩ ፈሪዱዎም።

7.7 ካብ ኮሎንያል ጣልያን ክሳብ ዘመነ ንጉስ ሃይለስላሴን መንግስቱ ሃይለማርያምን ተሳኢኑ ዘይፈልጥ ማይን ሉቸን፣ ህዝቢ ከተማታት ኤርትራ ተሳቒዩ።

8.8 “ገዛውቲ ብዘይ ሕጊ ተሰሪሑ“ ብዝብል ጉልባብ: ብኽንደይ ሽግር ዝተሃንጸ ገዛውቲ ንኽፈርስ ኣዊጁ እቲ ገዛውቲ ህዝቢ ፈሪሱ።

9.9 ገንዘብ ህዝቢ ኣብ ባንክ ህግደፍ ንኽህገር ኣዊጁ። ብዘይ ንሕስያ ከኣ ገንዘብ ህዝቢ ኣብ ባንኪ ክቕመጥ ከሎ ህዝብን ነጋዶን፣ ከኣ ንሃላኺ ኣቝሑት ንኽዕድግ ሓሲሙዎ ኣሎ።

10.10 ዝብጥርጠራ ጥራይ፣ ብቤት ፍርዲ ከይተወሰነሎም ብጭፍራ ስለላን ኮለላን ህግደፍ፣ ተሓፊሶም ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝተዳጎኑ ደቂ ሃገር ብዘይፍርዲ ንሕልፈታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝበልዩ ኮይኖም። ንመረዳእት ኣብ ኤርትረ ካብ 1991 ዓ.ም.ፈ. ክሳብ ሎሚ 360 ኣብያተ ማእሰርቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኣለው።

Your judge is corrupt, your state is criminal, and your odds of being found innocent by conventional means are minimal.

እዞም ኩሎም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ነጥብታት፤ ብኣቕልቦ እንተድኣ ኣስተብሂልናሎም፣ ልዕላውነት ሃገር ኤርትራ ከምዘየድሊ ከምዘመልክቱ ክንርዳእ ንኽእል። ትማሊ ከኣ ኢሰያስ ኣፈወርቂ፣ ነቲ ቅድሚ ሎሚ ከም መእተዊን መሃመልን፣ ግንከኣ ብመደብ ክፍጽሞ ዝጸንሐ ጸረ ልዑላውነት መስርሕ፣ ህዝቢ ውዲት ምኻኑ ኣለልዩ ብሓባር ተቓዊሙ ስለዘይመከቶ፣ “እዚ ህዝቢ እዚ ነተን ኩለን ጸረ ልዕላውነት ኤርትራ ዝኾና ብግህዶ ክተግብረን ከሎኹ ክስቆሮ ስለዘይከኣለ፣ ሕጂውን ኣግህድ ኣቢለ፣ ምስ ኢትዮጵያ ሓደ ህዝቢ ከምዝኾናን፣ ካብ ሎሚ ንድሓር መራሒና ከኣ ዶር. ኣቢዪ ኣሕመድ ዓሊ ምዃኑን፣ ከግህዶን ብድፍረትን ክውስኖ ክኢለ”። “ነቲ ብግህዶ እሞክኣ ብቋንቋ ትግሪኛ ዝተዛረብኩዎ ከስተብህለሉ ስልዘይከኣለ፣ ከይተቓወሞ “ፍቅር ያሸንፋል፣ ተደምረና“ል! እንዳበለ ብጭርሖ ስለዝደገፎ፣ ኣነ ከምድላየይ ክውስን ከምዝኽእል ኣረጋጊጸ እየ“። ስለዚ ብሕጂ ንሰራዊት ኤርትራ ኣጣይሰ፣ ብወተሃደራዊ መሪሕነት ኢትዮጵያ ከምዝትካእ ክገብር እየ። እታ ባንዴራ ኤርትራውን ከምቲ ኣብ ፈደረሽ ዝወረደት ኣውሪደ፣ ብባንዴራ ኢትዮጵያ ክትክኣ እየ“። ካብኡ እቲ ምድማር ዝብል ውዲታዊ ኣምር፣ ግንከኣ ጽባሕ ብጊሓት ዝፈሽል ኣብ ግብሪ ክትግበር እዩ”። ኤርትራ ድማ ከምቲ መንግስቲ ኣሜሪካ ብ1952 ዓ.ም.ፈ. ዘውጽኦ ፖሊሲ፣ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ክትጽንበር እያ። እቲ ካብ 1969 ዓ.ም.ፈ. ጀሚረ ብፍላይ ንስትራተጂ ኣሜሪካ፣ ብሓፈሻ ድማ ንረብሓ ኢትዮጵያ ኢለ ዝተቓለስኩዎ ኣብ ግብሪ ክትግበር እዩ“!° ኢሰያስ ኣፈወርቂ።

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ
24.09.2018 ዓ.ም.ፈ.

 

 

 

 

 

 

ሐ. ወተሃደራት ከም ሜርስኔሪ ኮይኖም ንኮንጎን ሶማል ተዋፊሮም። ብደም ደቂ ሃገር ድማ ቑጠባ ህግደፍ ካዕቢቱ።