ኢሰያስ አብ 1998 እንታይ እዩ ዝበለ? “ባድመ ክትብላ ጽሓይ ክዓርበክን እዩ” ድዩ ዝበለ? ልኡኽ መላኺ TIRANY ኢሰያስ አፈወርቂ “ዶብ አይድልን እዩ! ምስ ኢትዮጵያ ዝነበረ ኩናት ዶባዊ ኲናት አይኮነን” እንዳበለ እዩ ንህዝቢ ኣዕንጂሉ። አብ 2001 ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ግንባር ምስተአስሩ: “መእሰሪ ጉዳዮም ንህዝብን ሰራዊትን ብውዲት ክገልጽ እንከሎ ግን: ምስ መሬትና ወሪሮም ዘለዎ ተመሻጢሮም ክሕደት ሃገር ፈጺሞም” እዩ ኢሉ ነይሩ::

እዚ ኣንጭዋ ክልተ ዓንደል ሰላዪ ባዕዳውያን ኢሰያስ ኣፈወርቂ፣ ከይሓፈረ ደይኮነን ነቶም ገዳይም ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ዝነበሩ ደቀባት ኤርትራ፣ “ህዝብን ሰራዊትን ሉኣላውነት ሃገር አብ ምውሓስ ዝቃለሰሉ ዘሎግዜ: ምስ ወያነ ተመሳጢሮም ክብረት ህዝብን ሉኣላውነት ሃገርን ግሂሶም” ኢሉ ጀላዕላዕ ዝበለ። ዘይወግሕ መሲሉዋስ ኣብ ቦኽራ ትጽሕጽሕ! ሎሚኸ ድኣ እዚ ኣብ ኣዋሳን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከይዱ ዓጀውጀው ዝበሎ እንታይ ክብል እዩ? ኣእምሮኡ ብቺብ ሞሳድ ስለ ዝዘምበለ ግና፣ እዚ ዕቡድ ከልቢ ስሓል (ሹሰባት ፓራኖይድ) ነዚ ገጂፍ ሃገራዊ ክሕደትን ጥልመትንከመይ ገሩ ከቕልበሉ።

እወ እቶም ን30 ዓመታት ኣቃሊሶም ዘቃለሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ግንባር:ንኣስታት 20 ዓመታት አበይ ከምዘለዎ ዘይፍለጡ: ገሊኦም ሞይቶም ገሊኦም ድማ መሽሚሾም ይሳቐዩ ኣለው። ሎሚ ግን እዚ ሰላዪ ባዕዳውያን ልኡኽ መላኺ ኢሰያስ  ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣዋሳን ከይዱ ባዕሉ “ተደሚርና ኢና! መራሒና ንስኻ ዶር. ኣቢዪ ኣሕመድ ኢኻ”! ክልተ ህዝቢ ዘይኮና ሓደ ህዝብን ሓደ ሃገርን ኢና”! ክብል ጀላዕላዕ ኢሉ።

ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ግንባር ግና፣ “ጠንቂ እዚ ብስም ዶባዊ ኲናት  ተሓታታይ ንሱ ባዕሉ ኢሰያስ እዩ”! ክብሉ እዮም ተሰሚዖም። ብሓገዝ ስለላ መርበብ ሞሳድን ሲኣይኤን ግና ንዒራዒሮ ቤት ማእሰርቲ ከምዝዳጎኑ ተገሩ። ደቀባት ኣብ ቤት ማእሰርቲ፣ ቅልውላው መንነት ዘለዎም፣ ከም ብዓል ኪሽ የማነ ማንኪ፣ የማነ ገብረመስቀል፣ኣርኣያ ደስታ ኢሰያስ ኣፈወርቂ፣ ስብሓት ኤፍሬም ትግራዎት ግና ንሃገርና ይላገጹላ ኣለው።

እወ፣ንዓሻን ደርጒሓሉ፣ ንለባምን ኣምተሉ፣ ከምዝብሃል፣ ኢሰያስ ኣቐዲሙ በዘን ዝስዕባ ወሰንቲ ነገራት ሓቢሩና እዩ።
1ይ. ቅዋም ነጺጉዎ
2ይ. መንእሰይ ንባርነት ኣስፊሩዎ
3ይ. ሰራዊት ኣደስኪሉን ጸልጺሉን ነቲ ዝተረፈ ከኣ ኣብ ጸላኢ ዘይብሉ ዶብ ንሕልፈታት ከምዝዕስከር ገሩዎ።
4ይ. ሕገመንግስቲ እንተዘየልዩ፣ ሓጋጊ ኣካል፣ፈራዲ ኣካል፣ ፈጻሚ ኣካልን የልቦን። በዚ መኽንያትዚ ኢሰያስ ዝኽሰሰሉ ሕጊ ስለዘየሎ  ይፈርድን ይሓርድን ኣሎ።
5ይ. መሬት ህዝቢ መንጢሉ መሬት መንግስቲ ኢሉ ኣዊጁ።
6ይ. መንግስቲ ገዛውቲ ሃኒጹ ንጽጉማት ክሕግዝ ዝግብኦ፣ ሕሉፍ ሓሊፉ ድኻታት ዝሰርሑዎ ገዛውቲ ኣፍሪሱ።
7ይ. ገንዘብ ህዝቢ ባጤራ ናቕፋ ሃጊሩ ኣብ ባንኩ ሸጒሩዎ
ወዘተረፈ…….ካብዚ ንላዕሊ ድኣ እሞ እዚ ልኡኽ ባዕዳውያን ኢሰያስ ኣፈወርቅ 
እንታይ እዩ ክብለና?

ትማሊ ድማ ኣግህድ ኣቢሉ: “መራሒና ዶር. ኣቢይ ኣሕመድ ኢኻ”! ሓደ ህዝቢ ሓደ ሃገር ኢና ! ” ተደሚርና ኢና”! ክብል ኣዊጁልና።  ድሕሪ ሰለፋ እንታይ ተረፋ! ንሕና ግና ንባዕልና፣ እሱራትናን፣ ሰራዊትናን፣ ስደተኛታትናን፣ ምስ ህዝብና ምስተደመርና ኢና ብድሕሪኡ ምስ ጎረባብትና ንድመ። በዚ ንስኻ ጀላዕላዕ ትብሎ ዘሎኻ ግና፣ ሎሚ ኣይንድመር! ጽባሕ ኣይንድመር! ንብለካ ኣሎና። 

“ተደሚርና ኢና”! “ሓደ ህዝቢ ሓደ ሃገር ኢና”! “ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ዶር. ኣቢዪ ንስኻ ኢኻ መራሒና”! እንዳበለ ጀላዕላዕ ኢሉ።እቲ ኣዝዩ ዘስደምም ድማ፣ እዚ 6 ኪሎ ጥረ ስጋ ኣብ መዓልቲ ዝበልዕ ከም ኣሞራ ጉዴላ ኣቢዪ ኣሕመድ፣ ምስ ብሕጊ ዘይተመርጸን፣ ምስ ሕገ- መንግስቲ ዘይብላ ሃገር ዝመርሕ ዘሎ ጽሉል ኢሰያስ ውዕል ምግባሩ እዩ። ብቐደሙስ ካብ ጋላን ኣምሓራንዶ ንቕሓት ክርከብ፣ ክበልዕ ዝበለስ ገደል ኣፉ ከም ዝብሃል ብኸምዚ ግና ኤርትራ ኣይትድመር ኣይትደማመር!።

ምሳርያ እንተ ተሳእነኮ በትሪ ሙሴ ኣላ። ንሳ እንድያ ንደቂ እስራኤል ንባሕሪ ኤርትራ ዘሳገረት 

ዋልታን ጭማራን፣ ሴፍን፣ ጉራዴን መለለዪ ደቀባት ኤርትራ እዩ።

ባንዴራ ህግደፍ ካብቲ ተሰናኒዓ ብዝሓረረት ቆጽሊ ከም ወግዓዊት ባንዴራ ህግደፍ ዝኾነት፣ጽባሕ ብጊሓት ድማ እታ መለለዪ ህዝቢ ኤርትራ ሰማያዊት ሕብራን፣ ቆጽላዪት ቆጽሊ ኣውሊዕ ምልክታን ወግዓዊት ባንዴራና ክትከውን እያ።

አብ ኩናት ባድመ ካብ ልዕሊ 15 ዕድመ  ክሳብ 65 ዝተሳተፉ አቅሺሽትን መሻይኽን ከይተረፉ ዝተሳተፍዎ አሻሓት ሂወት ዝበለዐን ሚልዮናት ዶላራት ዘባኸነን ትርጉም ዘይብሉን ግንከኣ ብመሃንድሳት ጽዮናውያን ዝተማህዘ ትርጉም ኣልቦ ኲናት እዩ ነይሩ።ብዘይሽምግልና አብ ሓደ ለይቲ አይከሰርናን ኢሉ ክዕረቕ ክትርእይ እንከለኻ ለካስ አብ 1998 ዝበሎ ኢሰያስ “ካብ ባድመ ወጺእና ማለት ጻሓይ ዓሪባ ማለት እዩ”! ዘይኮነስ “ባድመ ኢለ ባድመ እንደልክን ክዕርበክን ድሓር ከኣ ክድምረክንን እየ”! ማለቱ እዩ።

ሰላም ዝጸልእ ጽሉል ከም ኢሰያስ (ሹሰፓት ፓናሮይድ)ጥራሕ እዩ።እዚ ሰላም ተባሂሉ ብኢሰያስ ዳንኬራ ዝህረመሉ ዘሎ ድራማ ሙሉእ ሰላም ክኸውን እንተድኣ ኮይኑ፣ ቅድም ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ነንሓድሕዱ ክሰምርን ክድመርን ኣሎዎ። ድሕሪኡ ህዝቢ  ኤርትራን ከም ቃሕ ዝበሎ ምስ ኢትዮጵያ ትኹን ምስ ትግራይ ወይ ምስ ሱዳን ዶቡን ወሰኑን ምስኣረጋገጸ ንኽድመርን ዲፕሎማስያዊ ርክብ ክገብር ጸገም የብሉን።  ሕውነታዊ ምሕዝነት ህዝብታት እቲ ህዝቢ እዩ ዝውስኖ እምበር ካብ ጸጸራት ዝወጹ ጽሉላት ኣይኮኑን ዝውስኑሉ። ዶብ ተሓንጺጹ ዶብካ ፈሊጥካ ማለት፣ ነጻ ምንቅስቓስ ምስ ደለይቲ ሰላም ክልተ ወይ 3  ጎሮባብቲ ኣሕዋት ዝኾኑ ህዝቢታት ምድማር ጸገም የብሉን።  ስጋብ ሚያዝያ 10 2018 ዓ.ም.ፈ. “መሬትና ከይተመልሰ ዶብ ከይተሓንጸጸ”! እንዳበለ ዓጀውጀው ክብል እኮ ንህዝቢ ከደናግር ድሕሪ ምጽናሕ፣ አብ 20ሚያዝያ 2018 ዓ.ም.ፈ. አብ ዓሰርተ ማዓልቲ ዘይመልእ ግዜ “ዶብ አየድልን እዩ”! ክብል ከሎ ማዕረ ክንደይ ንዕቀት ክሕደትን አብቲ ዝተከፍለ መስዋእቲ ከምዘሎዎ ተረጋጊጹ እዩ። ስለ`ዚ ኣንቱም ደለይቲ ሰላምን ደቀባት ኤርትራ!! ብዝያዳ ክትነቅሑ ዘለኩም ሕጂ እዩ!! እቶም ኣሕዋትና ግሩሃትን ደገፍቲ ህግደፍ ድማ: በጃኹም እዚ ዝብኢ ቀትሪ፣ ኣዝዩ ዝጎድኣኩም ንዓኹም ጥራይ እዩሞ በጃኹም ሕጂስ ይኣክል በሉዎ!!! ዋልታን ጋሽን ጭማራን ዓደቦና ሒዙ ኣበይ እዩ ዝህውትት ዘሎ ኢልኩም ሕሰቡ። ድሕሪ ሰለፋ እንታይ ተረፋ እዩ ተፈጺሙ ዘሎሞ ሎሚስ በጃትኩም ተበገሱ፣ መክቱ!!!!

ፍቕሪ ሃገር ብንቅሓት ኣተዘይኮይኑ መፍቶት ጽዮናውያንን፣ ኢትዮጵያውያንን ጥራይ aዩ ክኸውን። ንቃሕ! እንተዘይነቃሕካ: ኤርትራ ንኤርትራውያን መላገጺ ጽዮናውያን ጥራይ aያ ክትከው!

እወ! ማዕርንተን ክብርን ሓርነትን ሰብኣዊ መሰልን ዘለዋ ሃገር ንኽትከውን ኩልና እጃምና ነበርክት!

ኤርትራ ርስቲ ኤርትራውያን እምበር፣ ንሰላዪ ኢሰያስ ርስቲ አይኮነትን!!

 

ዓወት ንህዝቢ ኤርርትራ!!
06 መስከረም 2018 ዓ.ም.ፈ.