የማነ ቻርሊ ካበይ ተበጊሱ ኣበይ ንምብጻሕ እዩ ከምዚ ዝብል ዘሎ?:- “ዝያዳ ንምስራሕ ፍናን ዘስንቕ ገስጋስ”! ወይ ጉድ፣ እቲ ስነ- ኣእምራዊ ትሕዝቶ እዚ መልእኽtiዚ ግና፣  ካብ ሓራ ኮንካ ብቕሳነት ምንባር፣ ባርያ ኮንካ ብተስፋ ጥራይ ግንከኣ ብዝያዳ ክትሰርሕ ኣሎካ፣ መኽንያቱ ነቶም ጽባሕ ብጊሓት ንሃገርና ንምውራር ዝሓልሙ ዘለው ጽዮይናውያን መንገዲ ንምጥጣሕ ምዃኑስ: እቶም ካብ ኣፍንጭኦም እርሕቕ ኣቢሎም ዝርእዩስ ይርድኦም እዩ። እወ፣ ብውዲት ተኣሊሙ ብየማነ ገብረመስቀል ተዳልዩ ኣብ ሻባይት መርበብ ሓሶት ዝተዘርግሐ መርዛም ጽሑፍ ምዃኑ ግና ከይደቀስና ዝሓለምናዮ እዩ። ዥው፣ዘይፍጸም ተስፋ ዝህብ ውጽዋይ!  ሓጺሩኒ እንተበልኩዎስ ተደቢሩ ይስዕስዕ!!! ኣብታ መርበብ ሓሶትን ምድንጋርን ዝኾነት ሻባይት እትብሃል መርበብ ሓበሬታ ህግደፍ፣ በቲ ካብ 100 እቶት 1000 ሓሶት ዝኣመሉ ኩርኩር ኢሰያስ የማነ ገብረመስቀል ዝሓናጠትጦ ሃጠውቀጠው፣ ግንከኣ ናይ ቅድሚኡ ኣይፍለጥ ናይ ድሕሪኡ ዝኾነ መደናገሪ ጽሑፍ ኣንቢብና።

ከምዚ ድማ ይብል፣

ህዝቢ ኤርትራ ነጻነት ዝብሃገን ምእንትኣ ከኣ ረዚን ዋጋ ዝኸፈለን: ብሓባር ዓይነት መነባብሮኡ ከመሓይሽ ርሑቕን ቀረባን ዘይብሉ ዜጋ: ካብ ስእነትን ድሕረትን ተገላጊሉ: በሓቂ ንሰብ ዘብቅዕ መነባብሮ ክመርሓሉ መጻኢት ወለዶታት ድማ ብሉጽ ሕይወት ዘስተማቕሩሉ ስልጡን ሕብረተሰብ ንምጣፍ እዩ።

 ህዝቢ ኤርትራ ድኣሞ ረዚን ዋጋ ከፊሉ፣ ሎሚ እንታይ ወሪሱ ኣሎ?  ሰደትን ማእሰርትን ቅንጸላን ኮብለላን ደይኮነን ረኺቡ ዘሎ። ውሕሉል ቃላት ምዝራብ ድኣ ንዘየሕፍሮ ሰብ ምኣስ ነውሪ ኮይኑ፣ ዘይሕፍሮ ግና ስለዘይሓፍር፣ ተጠሊዑ ዘሕፍር ዘረባ ምዝራብ ሕፍረት ኣይስምዖና እዩ። መኽንያቱ ድማ መላኺ aiሰያስን ኮራኹሩን ዘሕፍሮም እንተዝኸውን ነይሩስ፣ብደም ስውኣት እንዳሸቀጡ ህዝቢ ካብዘደናግር እንሆ 30 ዓመታት ኮይኑ እዩ። ስለዚ የማነ ኣፍትሓላ ድኣ ነዛ መርዛም ጽውጽዋይ ዝመልኣ ዓንቀጽካ። 

 ቀጺሉ ድማ እቲ ፕረሲደንትኡ ኢሰያስ ኣፈወርቂ፣ ኣብ ሓደ ቃለ ምሕታት ኣጋጣሚ ነቲ ዓላማ በዚ ዝስዕብ ኣድሚቑ ገሊጹዎ ነይሩ ይብል።  “ልምዓት፣ ዝተሃመኹ ወገናት ብምቕዳም ንኹሉ ዘመዓራሪ ዕድላት ምርሓው ህዝቢ ኣብ ሓደ ፍትሓዊ መኣዲ ምጽንባር በዚ ርትዓዊ መገዲዚ ድማ፣ ፖለቲካዊ ርግኣት ሃገራዊ ስኒት፣ ቊጠባዊን ማሕበራዊን ልምዓትም ምርግጋጽ ንነዊሕ እዋን፣ እተቓለስናሉ ህይወት ብሉጻት ዝኸፈልናሉን ዘይቅየር ዓላማ እይ”። እወ፣ ንህዝቢ ከበሳ፣ ደቁ ዘሚትካን፣ ገዛውቱ ኣቃጺልካን፣ መርሬቱ ገቢትክላን፣መንእሰይ ካብቲ ወፍሪ ባርነት ሃጽ ኢሉ ንክስደድ እንዳገበርካስ፣ ንመን ንምእማን እዩ እዚ ኩሉ ሃለውለው?

የማነ፣ ንስኻ ኣብ ሎንዶን ነቶም ሎርድስ ሸራሙጥ  ከተማጽኣሎም ከሎኻ ጎቦዝ ጸረ ባዕዳውያን ይምክት እዩ ነይሩ። “ዘይ ኩርምትኃስ ሑጻ እንተትቚርጥመሉ”. ግበሩ ድኣ ብዓል ክናናን ምናና!!!!

እንታይ ትብል ከምዘሎኻስ ተመሊስካዶ ትርድኦ ትኸውን?፣ እንታይ ኢኻ  ትብለና ዘሎኻ? ጎይታኻ እሞ እታ ዝጸሓፍካላ ለይቲ ቀሲኑ ሓዲሩ ይኸውን እዩ። ኣይትሓንኽን ድኻ? እቲ  ኣብ 3ይ ጉባኤ ህ.ግ.ሓ.ኤ.ዝጸደቐ ቻርተር ዝብሃል ድኣ ምስቶም ኣብ ዒዒሮ ዝዳጎንኩሞም ገዳይም ተጋደልትን መራሕትን ደቂ ሃገር  ደይኮነን ተዳጒኑ ተሪፉ? ሓቂዶ ሓሶት[/button]

ካብዚ ቀጺልኩም ኣብዚ መራኺቢ እዚ፤ ጠዊቕኩም ብሰፊሑ ሃጠቀጤው ከትንብቡ ትኽእሉ ኢኹም