ሓምሻይ ክፋል

ክቡራት ኣንበብቲ ብድሕሪ ዕዙዝ ሰላምታይ ምቕራብ፡-

ሌላ ምስቲ ሓቀኛ ስሙን መንነቱን ሓቢኡ ብሙሴ ዮሃንስ ወ/ጣባ ዜፍለጥ፡-
እዚ ሕጂ ብሙሴ ዮሃንስ ወ/ጣባ ዜለለ ኣብ መድረኽ ፓልቶክ ዕሱብ ህግደፍ ኮይኑ፡ ዓንገረር ክብል ዝሓድር ዘሎ፡ ሓቀኛ ስሙ ኣማንኤል ገ/ብርሃን /ቴኖ/ ዜበሃል ምዃኑ የረጋግጽ። ካብ ዝውለድ ኣትሒዘ ወላዱኡ መን ምዃኑን መበቆሉ ብንጹር ከምዘይፈልጦን ኩሎም መተዒብይቱ ይምስክሩ። ቅጽል ስሙ ቴኖ ክሳብ ዜኾነ ትርጉም ናይዙ ሳጓ’ዙ ንዓኹም ምግላጽ ንቀባራይ መርድእ’ዩ። መበቆል ነፍስሄር ወ/ሮ ኣምለሰት ማለት ወላዱቱ ኣብ ትግራይ ብኺት ዜተባህለ ዒዱ ምዃኑ ይፍለጥ። ወ/ሮ ኣምለሰት ኣብ ሸዊት ዕድመኤን ብስራሕ ምክንያት ንኣስመራ ብድሕሪ ምምጽኤን፡ ንዕሱብ ኣማንኤል ገ/ብርሃን /ቴኖ/ን ንኣዛብ ገ/ብርሃን ሓፍቱን ወለዲ። ብድሕሪ ነዊሕ ግዛ ኣብ ከባቢ ባር ትብለጽ ስዋ እናሸቐጣን እቲ ብመንፈስ ይኹን ብሕጊ ውጉዝ ዜኾነ ሓረጣ እናሓረጣን ይመሓደራ’ውን ነበራ። ብርግጽ ስዋ ምሽቓጥ ሕሱም ድኽነት ዜወለዶ ብምዃኑ ነውሪ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ኣብ ከባቢ እንዲስዋ ምዕባይ ግን ናቱ ኣሉታዊ ሳዕቤንን ውጽኢትን ከም ዘለዎ ንማንም ስውር ጉዳይ ኣይኮነን። ስለዙ ዕሱብ ኣማንኤል ገ/ብርሃን /ቴኖ ወ/ጣባ/ ውጽኢት እንዲስዋን ሓረጣን ብምዃኑ፡ ኣብ ኣስመራ ልሉይ ዕዋላን ቁማርተኛን ምንባሩ ይፍለጥ።

እቶም ንዕሱብ ኣማንኤል ገ/ብርሃን /ቴኖ ወ/ጣባ/ ክንእድዎ ዜሓድሩ መሰልቱ መንነቱን ግዕዙይ ባህርያቱን ከልልዩ፡ በዙ ኣጋጣሚ’ዙ ድማ ዒደይ ካርነሽም ዘይምዃኑ፡ ድንሽ ምሻጥ ሓጥያት’ኳ እንተዘይኮነ ኣቦይ ድንሽ ካርነሽም እናሸጠ ከም ዘየዕበየኒ ሎሚ ብንጹር ክርድኡ ይግባእ።

ዕሱብ ኣማንኤል ገ/ብርሃን /ቴኖ ወ/ጣባ/ ኣብ ጉዕዝ ነጻነታዊ ቃልሲ ኤርትራ ጸረ-ሰውራ ተሰሊፉ፡ ብፋሽስታዊ ስርዒት ደርጊ ተዒሲቡ ዜለዒለ ካድር ኢስፓ ምንባሩ ድማ ዘጠራጥር የብሉን። ኣብ ከፍተኛ 01 ቀበሌ 01 ተባሂሉ ዜጽዋዕ ዜነበረ እሙን ኣገልጋሊ ፋሽስታዊ ስርዒት ዯርግን ዕሱብ ኣብዮታዊ ኢስፓን ኮይኑ ኣቦ-መንበር ማሕበር መንእስያት ነበረ። ኣብ ልዕሊ’ቲ ዕዋላዊ ባህርያቱ ብተዋሂብዎ ዜነበረ ሓላፍነት እዚኣቶም ጸረ-ኣብዮትን ደገፍቲ ነጻነታዊ ቃልሲ ኤርትራን’ዮም ብምባል ብዘሓት መንእሰያት ኣሕሊፉ ዜህብ ዜነበረ ዕሉል ባእታ’ዩ።

ብድሕሪ ምርግጋጽ ሃገራዊ ነጻነት ድማ፣  እንደገና ዕሱብ ገባቲ ስርዒት ህግደፍ ኮይኑ ተናዚዙን ምሒሉን ንስለላዊ ተግባራት ኣብ መጀመርያ 1996 ንኢትዮጵያ ንህግደፍ ንኽኽድም ሰገረ። ኣብዚ እዋን’ዚ ምስ ኤልሳ ዝተባህለት ብዓልቲ ቤቱ ምቕማጡ ሃገረ ኖርወይ ክርስትያን ሳንድ ዜተባህለ ከተማ ኮይኑ፡ ኣብ ኣውሮጳ ካብቶም ዝለዓሉ ኣካላት ስለላ ህግደፍ’ዩ። ካብቲ ዕሉል ጸረ-ለውጥን ጸረ-ግስጋሰን ህግደፋዊ ፖሎቲካዊ መንነቱ ብምብጋስ ድማ፡ ሕጂ’ውን ከም ኣመሉ ንደሞክራስያውን ፍትሓውን ቃልሲ ኤርትራ ንምብርዓን ንደንበ ተቓውሞ ዘይስእሉ ንምሃብ ኣብ ጸለመታት ዜተዋፈረ ኣካል’ዩ።

ካብኡ ንላዕሊ’ውን ካብቲ ጸረ-ህዝብን ጸረ-ሰናይ ሕውነትን መንነቱ እናተበገሰ፡ ነቲ ንቡር ሕውነታዊ ዝምድናን ጉርብትናን ኣህዚብ ኤርትራን ትግራይን ንምብጥጣስ መርዙ ዜተፍእ ዘሎ ምዃኑ፡ ኩሉ እቲ እከይ መዯረታቱ ንባዕሉ ዒቢ ምስክር’ዩ። ዕሱብ ኣማንኤል ገ/ብርሃን /ቴኖ ወ/ጣባ/ ብጀካ’ቲ ዕዋላውን ቁማርተኛን ባህርያቱ፡ ቅልውላው መንነትን ሓካይም ከውልድ ከም ዘይኽእል ዜሃብዎ መረዲእታን ተደማሚሩ ኣብ ከቢድ ጭንቀትን ዓዘቕትን ምህላዉ ርዱእ ክውሰድ ይግባእ።

1

ዕሱብ ኣማንኤል ገ/ብርሃን (ቴኖ ወ/ጣባ) ኣብ ኤርትራ ወጽዒ ብሄራት ዜበሃል የልቦን ክብል ብዒውታ መዱሩ።
ኣብ’ዙ እዋን’ዙ ዕሱብ ኣማንኤል ገ/ብርሃን (ቴኖ ወ/ጣባ) ካብቲ ተሓቢእዎ ዜነበረ ጸልማት በዒቲ ወጺኡ፡ ብቕሉዕ ኣፍልቡ ገቲሩ ዕሉል ህግዯፍ ኮይኑ ይማጎት ክሳብ ዗ሎ፡ ምስኡ ኣብ መሰልን ማዕርነትን ብሄራት ብዜምልከት ኣብ ዗የድላዪ ክትዕ ምእታው ብዘሕ ትርጉም የብሉን። ምክንያቱ እቲ ኣብ ክልተ ተጻረርቲ ዯንበ ክንስለፍ ዜገበረ ንጹር ፍልልይ ፖሎቲካዊ መስመርን መርገጽን ብምዃኑ’ዩ። ህግዯፍ ንኩሉ ቃልስታትን መስዋእትነትን ህዜብና ጠሊሙ ብ1991 ኣብ ኤርትራ ጸረ ዯሞክራሲ ፖሎቲካዊ ስልጣን ብድሕሪ ምዕታሩ ነቲ ኣብ ግዛ ቃልሲ ”ትሽዒተ ብሄራትና ዋሕስ ሓድነትና” ዜብል ኣዜዩ ገስጋሲ ጭርሖ ጠቕሊሉ ምኽሓደ ምዜኽኻሩ ጥራይ ግን እኩል’ዩ። ኣብ ኤርትራ ትሸዒተ ቋንቋታት ዯኣምበር፡ ትሽዒተ ብሄራት የልቦን ዜብል ኣዋጅ ህግዯፍ ዯጊሙ ክውከስ ጥራይ ይዕድም። ዕሱብ ኣማንኤል ገ/ብርሃን (ቴኖ ወ/ጣባ)ን መሰልቱን፡ ህግዯፍ ኣብ ኤርትራ ዗ረጋገጾን ዗ኽበሮን መሰላት፡ ሓርነታት፡ ማሕበራዊ ፍትሒ ማዕርነት፡ ከረድኡና ቅንጣብ ሞራልን ብቕዒትን ክህልዎም ኣይክእልን’ዩ። ኣብዙ ህሞት’ዙ ይፍተዉ ይጽልኡ ግን ኤርትራ ን26 ዒመታት ዜኣክል ቅዋምን ግዜኣተ ሕግን ዗ይብላ፡ ምልክነት ሓዯ ሰብኣይ ብስንኪ ምንጋሱ ቅኑዕ ፖሎቲካዊ ምሕዯራ ተነፊጋ፡ ኩሉ ሰብኣውን ዯሞክራስያውን መሰላት ኩሎም ዛጋታታ ዜተገፈፈ ምዃኑ፡ ንዒለም ምሉእ ስውር ክውንነት ኣይኮነን። ኤርትራ ነጻነትን ማዕርነትን ኩሎም ብሄራትን ሃይማኖታትን ዗ይኽበራ፡ መሰልን ነጻነትን ፖሎቲካዊ ሰልፍታትን ነጻነት ፕሬስን ዜተሓረማ፡ ነጻ ፖሎቲካዊ ውድድርን ምርጫን ዗ይብላ፡ ፍጹም ማሕበራዊ ፍትሒ ብስንኪ ምብዃሩ፡ ዛጋታታ ብ዗ይፍርዱ ንዒመታት ኣብ ጋህስታት ዜበልዩላን ዯሃዮም ዜስወሩላን፡ ወግሐ ጸንሐ ኣብ ኲናትን ወራርን ትግስግስ ሃገር ምዃና ጸሓይ ዜወቕዖ ሓቂ’ዩ። እዙ ኣብ ባይታ ዗ሎ መሪር ክውንነት’ዙ ዕሱብ ኣማንኤል ገ/ብርሃን (ቴኖ ወይ ወ/ጣባ)ን መሰልቱን ብዒውታ ስለ ዜኸሓድዎን ዜመዯሩን ክቕየር ዜኽእል ተርእዮ ኣይኮነን።

ብቀጥታ ምስ’ዙ ነጥቢ’ዙ ዜተኣሳሰር መራሕቲ ህግዯፍ ንጉዲይ ዋሕዙ ስዯት መንእሰያት ኤርትራ ብዜምልከት ተሓቲቶም ኣብ ዜተፈላለየ ኣጋጣሚታት ዜህብዎ መልሲ ክሳብ ክንዯይ ተገላባጥን ሕድሕደ ተገራጫውን ምዃኑ ፍጹም ኣይዜንጋዕን’ዩ። ሓንሳብ ክልተ ጻሕሊ ዜለመደ ሃሱሳትን ከዲዒትን፡ ሓንሳብ ዜስዯድ መንእሰይ ኤርትራ የልቦን፡ ካልእ ግዛ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ዜኸዯ እንተኸዯ ሃገሩ ኣይርስዕን’ዩ፡ ብቁጠባዊ ጸገም እንተ዗ይኮይኑ ብፖሎቲካዊ ምክንያት ዜስዯድ መንእሰይ ኤርትራ የልቦን ይብሉ። ጽንሕ ኢሎም ድማ፡ ዶላር ሒዝም ጥራይ ይምጽኡ እምበር ዯሓን ይኺደ………..ወ዗ተ ብዜብል ከሽካዕልሉ’ዮም ዜስምዐ። ዮዱት ዜተባህለት ኣብ እስራኤል ትነብር መንእሰይ ንዕሱብ ኣማንኤል ገ/ብርሃን (ቴኖ ወ/ጣባ) እዙ ኩሉ መንእሰይ ኤርትራ ዜፈትዋ ሃገሩን ስድራ ቤቱን ራሕሪሑ ዜጠፍእ ዗ሎ ብስንኪ ስእነት ሰናይ ፖሎቲካዊ ምሕዯራ’ዶ ኣይኮነን? ዜብል ሕቶ ምስ ኣቕረበትሉ፡ ብጣዕሚ ተሃንዱደ ዒቕሊ-ጽበታዊ መልሲ ክህብ ተገዯዯ። ከም ኣመሉ ብወገነይ ንመ/ኤርትራ ብዋሕዙ ስዯት መንእሰያት ኤርትራ ዗ኽስስ መረዲእታ የብለይን ክብል ተዯሚጹ። ብዋሕዙ ስዯት መንእሰይት ኤርትራ ቀንዱ ተሓተቲ ጸላእትና’ዮም ክብል፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዗ሎ ኩሉ መዲያዊ ፖሎቲካዊ ግዕዜይና፡ ቁጠባዊ ቅልውላውን ስእነት ማሕበራዊ ፍትሕን ክኽሕድ’ውን ቅንጣብ ኣይሓፈረን። ብርግጽ ምስቲ መንእሰያት ኤርትራ መጻኢ ዕድሎም ንምውሓስ ዗ለዎም ባህግታት ሃገራዊ ኣገልግሎት ነዊሑ ክበሃል ይከኣል ይኸውን። ጸላእትና ግን ክሳብ ሕጂ ስለ ዗ይሰዒርናዮም፡ ኣብ መኸተን ምርብራብን ስለ ዗ለና፡ መንግስቲ ኤርትራ እንታይ ዗ይገበረ? ካብኡ ንላዕሊ ክገብር ኣይኽእልን’ዩ፡ እዙ ኣብ ብዘሓት ሃገራት ዒለም ዜሰርሕሉ ፖሊስታት’ዩ ክብል መዯናገሪ መልሲ ክህብን ንእከይ ተግባራት ህግዯፍ ከተባብዕን ፈቲኑ።

ኣንቱም መንእሰያት ኤርትራ፡-
እቲ ብ1997 ጸዱቁ ተባሂሉ ብዘሕ ዜዜመረሉ ቅዋም ክሳብ ክንዯይ ዯሞክራስያውን ኣሳታፍን ምንባሩ ብ዗የገድስ፡ ሞይቱ’ዩ ብዜብል ግላውን ዕዋላውን መዯረ ንህዜቢ ምሃብ፡ ብልዕልነት ሕጊ

2

዗ይምግዚእ፡ ማሕበራዊ ፍትሒ ዗ይምርግጋጽ፡ ኩሉ መጻኢ ዕድል መንእሰያት ብምጽልማት፡ ኣብ ዜተፈላለየ ኲናትን ወራርን ምጥጣቕ፡ ገዚውቲ መኮንናት ህግዯፍ ብነጻ ጉልበት ክሰርሑ ምግዲድ፡ ኣብ ጸልማት ጉዲጉድን ኮንቴነራትን ምእሳር፡ ብቁጽሪ 8ተ ዜፍለጥ መቕጻዕቲ ኣብ ሻምብቆ ከበድቲ ኣጽዋር ብምንጥልጣል ምቅጥቓጥን ኣብ ቅድሚ ሰራዊት ምርሻንን ብጸላእቲ ዜፍጸም ገበናት’ዩ? ዕሱብ ኣማንኤል ገ/ብርሃን (ቴኖ ወ/ጣባ) ብ዗ይቀለ-ዒለም ቅድሚ ኩሉ ንነብሱን ሕልንኡን ብ዗ይምትላል ኣብዙ መዲይ’ዙ ንጹር መልሲ ክህብ ድፍረት ክህልዎ ኣይኽእልን’ዩ። ከምቲ ”዗ይስንኻስ ሕጻ ቆርጥመሉ” ዜበሃል ዕሱብ ኣማንኤል ገ/ብርሃን (ቴኖ ወይ ወ/ጣባ) ኣብቲ ርሱን ነጻነታዊ ቃልሲ ህዜቢ ኤርትራ ከም መንእሰይ ብሃገራዊ ስምዑታት ነዱደ ቅንጣብ እጃም ከም ዗ይብሉ ዜፍለጥ’ዩ። ብኣንጻሩ ንግላዊ ረብሕኡ ክብል ዕሱብ ፋሽስታዊ ስርዒት ዯርጊ ኮይኑ፡ ዜለዒለ ካድር ኢስፓን ጸረ ሰውራን ምንባሩ ዗ይሰሓት’ዩ። ነቲ ሕሉፍ ገስረጥ ታሪኹ ብምኽሓድ ዕሱብ ኢስፓ ዗ይምንባሩ ክማጎት ካብ ፈተነ ድማ ኣብ ውሽጢ ኣስመራ ኮይኑ፡ ብስውር ተወዱቡ ኣብ ነጻነታዊ ቃልሲ እጃሙ የበርክት ምንባሩ ክሳብ ሕጂ ብዒውታ ክምድር ፍጹም ኣይኸኣለን። ብርግጽ’ውን ጭቡጥ መርትዖታት ከቕርብ ኣይክእልን’ዩ። ብድሕሪ ምርግጋጽ ሃገራዊ ነጻነት’ውን እንተኾነ ”ሃገራዊ ኣገልግሎት” ብተግባር /ሃገራዊ ዕንወት/ ዗ይፈጸመ ክንሱ ኣብ ልዕልነት ሕጊ ዜተረጋገጸሉ ምዕቡል ሃገር ብምቾት እናተቐመጠ፡ መ/ኤርትራ’ሞ እንታይ ዗ይገበረ? ብዜብል፡ ብመንእስያት ኤርትራ ከሽካዕልልን ከላግጽን በየናይ መም዗ኒታት? ቅድም ኣብ ሳዋ ወሪደ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብተግባር /ሃገራዊ ዕንወት/ ፈጺሙ ይምጻእ’ሞ ሽዐ ብዚዕባ ልዕላውነትን መንእሰያትን ኤርትራ ክምድር መሰልን ድፍረትን ክህልዎ።

ዕሱብ ኣማንኤል ገ/ብርሃን (ቴኖ ወ/ጣባ) ግጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዜተበገሰሉ ህሞት፡ ሰዯግኤ ባድመ ናይ መን ምዃና ፍጹም ኣፍልጦ ኣይነበሮን። ሓዯ ኣብ ቃልሲ ምህላዉ ዜኣምን ውድብ ዶባት ኤርትራ ብግቡእ ክፈልጥ ይግባእ ክብል መዱሩ።
ዕሱብ ኣማንኤል ገ/ብርሃን (ቴኖ ወ/ጣባ) ብድሕሪ ምርግጋጽ ሃገራዊ ነጻነት ንሉልያት መራሕቲ ፖሎቲካዊ ውድባት ንምቕንጻል ብህግዯፍ ዜተዒሰበ ሕጂ’ውን ንዯለይቲ ዯሞክራስያዊ ለውጢ ብሓፈሻ ንሰዯግኤ ድማ ብፍላይ ንምጽላም ዜተዋፈረ ምዃኑ ምንም ዘጠራጥር የብሉን። ኩሉ’ቲ ብጎይቶቱ ተዋሂብዎ ክሰርሖ ዜፍትን ድራማታት’ውን ክሳብ ክንዯይ ተገራጫውን ኣብ ሕድሕደ ዜፋለስን ምዃኑ፡ ብዘሕ መረዲእታ ተዋሂብዎ ክልብም ኣይመረጸን። ኣብ መድረኽ ፓልቶክ፡ ኣጆኻ እንተበልዎ ሓቂ እናመሰሎ፡ ንነብሱ ከም ዒቢ ፖሎቲካዊ ፈላስፋ ብምቁጻር፡ ዘሎን ዘየሎን ሓሶታት ክትንትን ይሓድር። ዕሱብ ኣማንኤል ገ/ብርሃን (ቴኖ ወ/ጣባ) ዒጀውጀው እንተጽዘይኮይኑ፡ ኣብ ፖሎቲካዊ ጉዲይ ይኹን ታሪኽን ተመክሮን ክንዱ ፍረ-ጣፍ ዜኣክል ፍልጠት ዜውንን ባእታ ዘይምዃኑ ብዘሕ መርትዖታት ምቕራብ ይኸእል’ዩ። ጉዲይ ባድመ ተመሊሱ ንዕኡን ንጎይቶቱን ዜሕተትን ዘሕትትን ሕቶ ምዃኑ’ውን ከስተውዕል ዜኽእል ስነ-ኣእምሮ የብሉን። ሰዯግኤ ምስቲ ንኡስ ዒቕምታቱ ግጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዜተበገሰሉ ህሞት፡ ኣብ ዋንነት ባድመ መጽናዕቲ ዜጎድሎ እንተነይሩ፡ ነውሪ ወይ ሓጥያት ክኸውን ኣይኽእልን’ዩ። ኣብ ዒለምና ክንዯይ መንግስታት መጽናዕቲ ዜጎዯሎም ብጉዲይ ዶብ ክሰሓሓቡ ዘይተዓሰብና።

ሰደግኤ ባድመ ንተሓኤ ህወሓትን ዘሰሓሕብ ዝነበረን ብሳዕቤኑ ናብ ግጭት ዝምርሕሉ እዋናት ምንባሩን ኣጸቢቑ ይፈልጥ ነይሩ’ዩ። ጉዲይ ዶብ ብሰላማዊ ዘተን ልዜብን ካብኡ ንላዕሊ ድማ ብሕጋዊ ኣገባብ መዕለቢ ዜግበረሉ ዯኣምበር፡ ኣብ ሓዯ ረፋድ ኲናትን ወራርን ብምብራዕ፡ ንመንእሰያት ኣዯዲ ህልቂት ምፍራድ፡ ንዘበናት ብሓባር ተዚሚዶምን ተፋቒሮምን ዜነብሩ ኣህዚብ ግዲይ ዕንወትን ምዜንባልን ክኾኑ ፈጺሙ ዝቕበሎ ፖሊሲ ኣይነበረን። ሎሚ’ውን ነቲ ሃዋሁ ኣይሰላም ኣይኩናት ብሰላማዊ ኣገባብ ዘላቒ መፍትሒ ዜረኽበሉ ኩነታት ክፍጠር ክቃለስ ጸኒሑን ኣሎን፡፡ ብዜኾነ እቲ ንነብሱ ከምሓዯ ዒቢ ፖሎቲካዊ ፈላስፋ ዜወስዲ ዕሱብ ኣማንኤል ገ/ብርሃን /ቴኖ ወ/ጣባ/ ማንም ውድብ ኣብ ቃልሲ ምህላዉ ዜኣምን፡ ካብ ጫፍ ክሳብ ጫፍ ዶባት ሃገሩ ክፈልጥ ይግባእ ዜብል ሞጎት ክሳብ ዘልዒለ፡ ተመሊሱ ንጎይቶቱ ሓቲቱ ነዝም ዜስዕቡ ሕቶታት ብቁዕ መልሲ ክቕርብ ይዕድም። ተሓኤን ህወሓትን ብባድመ ኣብ ዜዋጠጥሉ ዜነበሩ እዋን፡ ፖሎቲካዊ መርገጽ መሪሕነት ህ/ግንባር እንታይ ነይሩ? ህ/ግንባር ካብ 80ታት ጀሚሩ ንምንታይ’

3

ንባድመ ከመሓዯራ ዘይኸኣለ? ህግዯፍ፡ ኣብ ኤርትራ ፖሎቲካዊ ስልጣን ምስ ጨበጠ ክሳብ ግንቦት 1998 ስለ ምንታይ ንባድመ ኣብ ልዕላውነት ኤርትራ ከእትዋ ዘይበቕዏ? ባድመ ዋንነት ኤርትራ ምዃና ኣብ 1998 ድዩ ተረዱኢዎ? ህግደፍ ሕነሽ-ሰቁር ዋንነት የመን ምዃኑ እናፈለጠ ንምንታይ ኲናት ኣካይደ? ፖሎቲካዊ ፈላስፋ ህግደፍ ኮይኑ ኣብ ፓልቶክ ዜምድር ዘሎ ዕሱብ ኣማንኤል ገ/ብርሃን (ቴኖ ወዱ ጣባ) ብጉዲይ’ቲ ንኤርትራን ጂቡቲን ዘዋጥጥ ዘሎ ዶብ መብርሂ ክህብ ትጽቢት ይግበር። ካብኡ ንዯሓር ብወገነይ ብመብርሂታቱ መሰረት ክብሎ ዜኽእል ከም ዜህልወኒ ርደእ ክውሰድ ይግባእ።

ዕሱብ ኣማንኤል ገ/ብርሃን (ቴኖ ወ/ጣባ) ካብ ኢትዮጵያ ዜተባረሩ ዛጋታት ኤርትራ ብሰዯግኤን መሪሕነቱን ብፍላይ ብልኡልን ነፀረኣብን’ዮም ተባሪሮም። ካብ ምብራር ከንድሕነኩም ኢና እናበሉ ድማ መዒት ዘይተኣዯነ ገንዘብ ይበልዐ ነይሮም ይብል።

ሓጺራትኒ እንተበልኩዋስ ተደቢራ ትስዕስዕ ድዩ ዝበሃል? ዕሱብ ኣማንኤል ገ/ብርሃን (ቴኖ ወ/ጣባ) ነቲ ሓሶትን ድራማን ገደብ ግበረሉ እንተተባህለስ መመሊሱ ኣብ ዓዘቕቲ ከኹድድ ምዕዛብ ዘገርም ኣይኮነን። ምክንያቱ ብህግደፍ ተዒሲቡ መቓልሕ ሓሶትን ድራማን ምቕላሕ እንተዘይኮይኑ፡ ካልእ ቁም-ነገር የብሉን። እዝይ ባእታ’ዚ እቲ ኩሉ ምሁራዊ ዓቕሙ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ ልዕልነት ሕጊ፡ ዲሞክራሲ፡ ማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ዝሰፈኖ ሃገር እናተቐመጠ፡ ከም መጽሓፍ ቅደስ ተጋሩ /ወያኔ/ ዝብል መዝሙር እናዘመረ ብርቱዕ ጽልእን ቅርሕንትን ክነዘሕ እንተዘይኮይኑ፡ ንመንእሰይ ኤርትራ ጭዋነት ዝመልኦ ትምህርቲ ክምህር ፍጹም ኣይተዓደለን። ቅዋምን ልዕልነት ሕግን ንሓደ ሕ/ሰብ ዘለዎ ዓቢ ትርጉም፡ ምህናጽ ዲሞክራስያዊ ስርዓት፡ ምውሓስ ሰናይ ፖሎቲካዊ ምሕደራ፡ ምርግጋጽ ማሕበራዊ ፍትሕን ግስጋሰን ንዜጋታት ክህልዎ ዝኽእል ጭቡጥ ረብሓታት ክምህር ቅንጣብ ብቕዓት የብሉን። ብርግጽ ካብቲ ጭዋ ህዝቢ ትግራይ ዝውለድ ምዃኑ ብሓበን ተቐቢሉ፡ ጽኑዕ ድልድል ሰናይ ሕውነታዊ ጉርብትና ክልቲኡ ኣህዚብ ኤርትራን ትግራይን ክኸውን’ውን ኣይበቕዖን’ዩ። ብሓቂ ሕማቕ ትዕድልቲ ንዕኡ ዜወለደት ኣደ ጉድ ረኺባ።

ብዜኾነ ኣብቲ ዘቕረቦ ኣጉል ፈጠራዊ ጸለምታት ቅድሚ ምምላሰይ፡ ብኲናትን ወራርን ህግድደፍ ሂወት ኣሽሓት ክልቲኡ ዛጋታት ምጥፍኡ ብጣዕሚ ዘሕዝን’ዩ። ምንጪ ምስጓግ ዜጋታት ካብ ክልቲኡ ሃገራት ግን ህግደፍ ምዃኑ ስውር ጉዳይ ኣይኮነን። ህግደፍ ካብ 1991-1998 ዘሎ እዋን ምስ ኩሎም ጎረባብቲ ሃገራት በብእብረ ኣብ ዘካየዶ ኲናትን ወራርን ሂወት ኣሽሓት መንእስያት ጠፊኡን ብዘሓት ዛጋታት ከም ዜተፈናቐሉን ዝተበሳበሱን ማንም ዜፈልጦ ክውንነት’ዩ።

ዕሱብ ኣማንኤል ገ/ብርሃን (ቴኖ ወ/ጣባ) ህዜብን መንእስያትን ኤርትራ ብድሕሪ ሃገራዊ ነጻነቱ ምጭባጥ ብጀካ’ቲዲሞክራስያዊ ስርዓትን ሰናይ ፖሎቲካዊ ምሕደራን ምስኣኑ፡ ብሰንኪ’ቲ ተደጋጋሚ ኲናትን ወራርን ህግደፍ ሰላምን ቅሳነትን ተነፊጉ፡ ፍቆድኡ ይብተንን ይዓርብን ምህላዉ ካብቶም ኣዓርዮም ዘፈልጡ ባእታታት ሓደ’ዩ። ኮይኑ ግን ግዜያዊ ረብሓታቱን ቁራስ ፖሎቲካዊ ስልጣንን ብምምዕዳው፡ ኣብ ዓለም ምሉእ ንመንግስትና ዜወዲደር የለን፡ ህዝብና ድማ ኣብ ገነት’ዩ ዝነብር ዘሎ ክብል ዘይሓፈረስ፡ ንሰደግኤን መሪሕነቱን ምጽላምን ፍጹም ክዓብጦ  ኣይኽእልን’ዩ። እዚ ባእታ’ዚ ኣብ ባዶ ትሕዜቶኡ ክሳብ ክንደይ፡ ሓሳውን ትዕቢተኛን ምዃኑ ንምግንዛብ ዝኣኽል፡ ወያኔ ዓቕምታት ስለ ዘይብሉ ኩሉ መዜገብ ኣስማት ኣብ ኣ/ኣበባ ዝቕመጥ ዝነበረ ኣካል ህዝብናን ኣባላት ማሕበረ-ኮምን ንሰደግኤ’ዩ ሂብዎ ክብል ጻልጣ ሓሶት ክሕሱ’ውን ተደሚጹ። ዓዘፍዘፍ ዕሱብ ኣማንኤል ገ/ብርሃን (ቴኖ ወ/ጣባ) ንጎኒ ብምግዳፍ፡ ሰደግኤ ብክንድ’ቲ ዓቕምታቱ ዘፍቕዶ ነቶም ካብ ስለላን ኲናት ዝድገፉን ነጻ ዝኾኑ ዜጋታት ካብ ምስጓግ ንምድሓን ዘካይዶ ዜነበረ ጻዕርታት ብዘሓት ዜምስክርዎ’ዩ። እንተ’ቲ ብልሽውና፡ ምንዝርናን መንእሰያት ብዶላር ዶብ ምስጋርን ብቀንደ ዕለታዊ ተግባራት መኮንናት ህግደፍ ምዃኑ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ’ዩ። ስለዚ ብወገና ብርግጽ ፍጹም ዘይንስከፈሉ ጉዳይ ምዃኑ የረጋግጽ።

ክሳብ ብሻድሻይ ክፋል ንራኸብ ሰላም ቅነ ብነፀረኣብ ኣስመላሽ
07 ታሕሳስ 2017

4