ከተማ ከረን ሎምን ኣምሆዘመንን፣

ህዝቢ ከተማ ከረን፣ ደቁ ብስም ኣዋንጣ “ሃገራዊ ኣገልግሎት” ፣ ግንከኣ ብግብሪ ሃገራዊ ባርነት ዝኾነ ወፍሪ፣ ንሳዋ ዝብሃል ምድረበዳ እንዳተዳጎኑ፣ ካብ ሳዋ ሃጽ ኢሎም ድማ ንስደት የምርምርሑ ኣለው። ዕደና ወርቁ ግና ብጽዮናውያን ይዝመት ኣሎ። ገርሀኛ ህዝቢ ከረን ድማ ምስ ጥሙይ ከብዱን፣ ዕሩቕ ዝባኑን፣ ጽርግያታት ከተማ ከረን ተገዲዱ ክጸርግ ትንፋሱ ይመሉቕ ኣሎ። ብርግጽ፣ ኩሉ ህዝቢ ከተማታት ኤርትራ ኣብ ዘመነ ኣካሒዳ፣ ዘመነ ልኡኽ ባዕዳውያን ኢሰያስ ከም ህዝቢ ከረን እዩ ስቓይ ዘሕልፍ ዘሎ። እወ፣ ካብ ዝብኢዶ ብዘይካ ዓጽሚ ካልእ ትጽበ። ወይ ገዛውቱ ብካተርቢል ህግደፍ ክፈርስ ኣለዎ፣ ወይ ጨቐቕ ኢሉ ዝኣከቦ ገንዘቡ ክህገር ኣለዎ፣ ወይከኣ ባርያ ኮይኑ ብህግደፍ ዝዓነወ ጽርግያታት ክጽግን ኣለዎ።

ምርኢት ወፍሪ ባርነት ኣብ ሳዋ ብ2016 ዓ.ም.ፈ.

ኣዛዚ ባርነታዊ ወፍሪ ሳዋ ልኡኽ መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኣብ ከርተት ንኽነብሩ ክላበዎም ከሎ ዘርኢ ስእላዊ መግለጺ። ድሕሪ ዕርበት ልእኽ ባዕዳውያን ኢሰያስከ ኣብዛ ማእለያ ዘይብሎም ደቀባት ደቃ ዝቐበረት ሃገር ኤርትራ እንታይ እዩ ክኸው? ጽዮናውያን ድዮም ክወሩዋ ወይስ ወያኔ?

“ስልጣነይ መታን ከይተግድፉኒ፣ ኣብ ሳዋ ጥራይ ብቈጻሊ ከርተት በሉ!. ኮብሊልኩም እንተትረኸብኩም ድማ ኣብታ ቤት ማእሰርትኹም።ዓወት ንሓፋሽ”! ኢሰያስ ኣፈወርቂ

መንእሰይ ኤርትራ፣ ምስጥሙይ ከብዱ ኣብ ባርነታዊ ከርፋ ሽቕለት ርሃጹን ደሙን እንዳፍሰሰ ከሎ፣ ወርቂ ሃገሩ ድማ ብጽዮናውያን ተመዝሚዙ ንወጻኢ ሃገራት ይግዕዝ ኣሎ።

ነዚ ትካል እዚ ዝሰርሐ ቲሰንን ክሩብን ዝብሃላ ካምፓኒታት ሃገር ጀርመን እየን። ነቲ ወርቂ ካብ ቢሻ ንባጽዕ ዘማላልሳ ማካይን ድማ ደጉሳ እትብሃል ካምፓኒ ሃገር ጀርመን እያ ትውንነን። ብትካል ደጉሳ ዝተባህለት ዓባይ ትካል ንግዲ ወርቂ ሃገር ጀርመን ዝውነና ድሩዓት መካይን

ኣብ ሃገር ጀርመን ከኣ ከም ጥሙያትን ድኻታትን ተቖጺሮም መንእሰያት ኤርትራ ካብ 2013 ዓ.ም.ፈ። ክሳብ 2017 60.000 በጺሖም ኣለው። ኣብ ሃገር ጀርመን ድማ ከርፋሕ ናብራ  የሕልፉ ኣለው።

 ዕደና ወርቂ ኣብ ቢሻ፣  ብካናዳውያን ዝውነን ትካል  ጽዮናውያን፣ካምፓኒ ነቭሱስ።

ዕዳጋ ከብትን ጠለ-በጊዕን ከተማ  ከረን፣ ድሕሪ ነጻነትን ቅድሚ ነጻነትን ሓደ ዓይነት መክዕን ቅርጽን ዕዳጋ። ግራት ዓዲ ሹማ ከም ቀደማ!

 ብሰንኪ ህግደፍ ዝኣረገ ጽርግያ ከተማ ከረን

ኣብታ ምዕርግቲ ስትራተጂካዊት ከተማ ከረን፣  ጐደናታታ ኣብ ዘመን መግዛእቲ ኣምሓራ ዘይተባላሸው፣ ሎሚ ድሕሪ ፍርቂ ዘመን ቃልሲ ኤርትራ፣ ኣብ መዋእል ጭፍራ ህግደፍ፣ እሞከኣ ማእለያ ዘይብሉ ወርቂ ብሻን ሃይኮታን ብጽዮናውያን ተዘሚቱ ንወጻኢ ሃገራት እንዳግዓዘ ከሎ ዓንዩን መገዲ ውሒጅ ኮይኑ ተባላሽዩ ኣሎ። ወይዘሮ ጥዑም ኣይወጻ፣ ነዚ ክትጥሕና ዲኺን ትርህጻ! ሰውራ ኤርትራ! ንረብሓ ጽዮናውያን ኮይኑ ተሪፉ።

ሎሚ ግና ንህዝቢ ዘይኮነስ ነተን ንብረት ህግደፍ ዝኾና ማይ ዝዕድላ ቦጣት፡ ኣምቡላንሳትን ሚኒባሳት፣ ከምኡውን ነተን ህዝባዊ መጓዓዝያን“ ዝጽውዓ፣ ግንከኣ ትካላት ህግደፍ ዝኾና፣ ጸገማት ስለዝፈጠረለን፣ እቲ ባርባራዊ ገዛኢ መንግስቲ ህግደፍ ክገብሮ ዝነበሮ ክነሱ፣ መስኪን ህዝቢ ከረን ምስጥሙይ ከብዱ ሰብኣዩን ሰበይቱን ክጽግኖ ይኣይ ገልዳሕ ይብል ኣሎ።

ዋናታትን ገበርትን ሓደግትን  ወርቂ ቢሻ ትፈልጡዎምዶ? እዚኦም እዮም እምበር ህዝቢ ኤርትራ ግና ከቶ ዋና ባህርያዊ ጸግኡ ክኸውን ኣይተዓደለን!!!

 ማእቶት ምህርትን  ዕደና ወርቂ ቢሻ ብጽዮናውያን ንኸዝመት ድዩ ህዝቢ ኤርትራ ንፍርቂ ዘመን ተቓሊሱ?  ወይስ እቲ ቃልሲ ንህዝቢ ኤርትራ ንምጽናትን፣ ባህርያዊ ጸግኡ ንምዝማትን ኮይኑ እዩ ብመሃንድሳት ሃጸያውያን ተመዲቡ?

 

 ሓለውትን ዋርድያታትን፣ ነቲ ብጽዮናውያን ተጋሒጡ ዝዝመት ዘሎ ወርቂ ቢሻ።

እወ ፣ ህዝቢ ከረን ዝፈትዎም ደቁ፣ ብጭፍራ ህግደፍ ብቐስብ ብጉልባብ “ሃገራዊ ኣገልግሎት” ንሳዋ ተዘሪዖም ጽርግያታት ደቂ ራሻይዳን ኣብዳውን እናከደሙ ከለው፣ ብዓሶን ብስደትን ይምንንቆሱ ኣለው። እቶም ካብኦም ዝድሓኑ ድማ ንስደት የምርሑ ኣለው። “ሃገራዊ ኣገልግሎት” እንዳተባህለ ግና ብኣፈጨለ ህግደፍ ወግሐ ጸብሐ ጡሩምባ ይንፋሕ ኣሎ። ሓጺሩኒ እንተበልኩዎስ ተደቢሩ ይስዕስ!!

እሞ ከተማ ከረን ድኣ ኣካል ሃገር ኤርትራ ዘይኮነትን? ስለምንታይ ደኣሞ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘይትረክብ? ብኣንጻሩ ግና ውጹዕ ህዝቢ ከረን፣ ደቁ ንጓኖት ከገልግሉ ኣብ ምድሪ ዓሶን ኣጻምእን እንዳከርተቱ ከለው፣ ደቂ 80 ዓመት ኣቦታቱን ኣደታቱን ግና፣ ምስ ጥሙይ ከብዶን ህዙብን ልቦምን፣ ንጽርያ ከተማ ከረን  ክጽግኑን ክጸርጉን ትንፋሶም  ይመሉቕ ኣሎ። ዘኢይትነገር!

 መንእሰያት ደቂ ኩናማ፣ ኣብ ገዛእ መሬቶም፣ ኣብ ወረዳ ቢሻ፣ ነቲ ባዕዳውያን ዝዘምትዎ ወርቂ፣ ስራሕ ባርነት እንዳሰርሑ  ክሓጽቡዎ ከለው ዘርኢ ስእላዊ መግለጺ። እቲ ካብኩሉ ዘስደምም ግፍዒ ድማ፣ ካብቲ ዝሓጽቡዎ ዘለው ወርቂ፣ ሓንቲ ግራም  ወርቂ እኳ ትኹን እንተድኣ ኣልዒሎም፣ ሃሱሳት ወተሃደራት ኢሰያስን ሓጎስ ኪሻን ብጥዪት ተመልከተለይ ኢሎም ስለዝቖልውዎም እዩ።

እወ፣ እቲ ኣማሓዳሪ ከተማ ከረን ኮይኑ ንኢሰያስ ዝኽድም ዘሎ፣ ኩርኩር ኢሰያስ የማነ ዘርኣይ  ዝተባህለ ግና፣ ተጠሊዑ ክገልጽ ከሎ፣  “ኣብ እዋን ድሮ ልዕሊ 40 ኪሎሜተር ጐደናታት ከተማ ከረን፣ ብወለዲ ብምሩጽ ሓመድ ተጸጊኑ፡ ስሉጥ ኣገልግሎት ክህብ በቒዑ ኣሎ“ ክብል ዋጥዩ። 

 እዚኦም ከኣ መሳኪን፣ ካብ ግራቶም  ምሉእ መዓልቲ ወርቂ ንኽረኽቡ ክፍሕሩን ክኹዕቱን ድሕሪ ምውዓል፣ ሓንቲ ግራም ወርቒ ኣጻርዮም እንተረኺቦም፣ ወይልኦም፣ እቲ ወርቂ ዋናታቱ ጽዮናውያን ስለዝኾኑ፣ ከም ሰረቕትን ዘመትን ተቖጺሮም፣  ብወተሃደራት ኢሰያስ ወርቆምን ነብሶምን ይግፈፉ።

ከተማ ከረን ኣምሆ ዘመን፣ ቅድሚ ተካል መንግስቲ ህግደፍ ከምዚ እያ ነይራ።

Keren - 2008-11-01.jpg

“ተሳተፍቲ ብወገኖም፡ ዓመት ዓመት ጻዕሪን ከቢድ ወጻኢታትን ዝሓትት ዘሎ  ሓመድ ጽርግያ መሰረታዊ ፍታሕ ክግበረሉ ኣለዎክብሉ ተላቢዮም። ኣብ ዘይ ሰምዓካ ደብሪ ኣይትማህለል። ቀጺሎም እቶም ተሳተፍቲ ቅረታኦምን ለበዋኦምን ክገልጹ ከለው ከምዚ ይብሉ፣ “ኣብ ምምሕዳር ከባቢና እኹል ናውቲ ማእቶት ክቕረበልና ኣሎዎ፣ ደቅና ድማ ከምቲ ትጭርሑዎ ንከተማና ሃገራዊ ኣገልግለቶም ከበርክቱ ኣለዎም ኣምበር ንራሻይዳንን ንምነዓምርን ከገልግሉ የብሎምን“ ክብሉ ብቝጣዐ ኣዘኻኺሮም። ዝሰምዕኦም ኣእዛን ህግደፍ ግና ኣሎዋ ድየን? ኣብ ዘይ ሰምዓካ ደብሪ ኣይትማህለል!!

ብሓዲሽ ህንጻ ከይትህነጽ ብህግደፍ ንዓመታት ዝተኣገደት፣ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ሚካኤል ላዕላይ ከረን፣

Street life in Keren - Camels carrying firewood to the market

 ካብ ዝብኢዶ ዓጽሚ፣ ወርቂ ብሻ ባዕዳውያን ሓፊሶም ንባዕዲ እንዳ ኣግዓዝዎስ፣ ይኣይ ህዝቢ ከረን ከኣ ብጥራይ ጅብኡ ጽርግያታት ከረን ክጽግንን ክጸርግ!!!

ቅድሚ መግዛእቲ ህግደፍ ዝሃንጸ ሆቴል ባስኩሲ

The Keren hotel in Keren - Eritrea

ብድሕሪ መግዛእቲ ህግደፍ፣ ብሃብታማት ደቂ ሃገር ዝተሃንጸ ሆቴል ኮስቲና፣ ጽባሕ ብጊሓት ግና ብህግደፍ ክህገር እዩ።

 እወ፣ ህዝቢ ከተማ ከረን፣ ብዝባኑን ብኢዱን ዘምጽኦ ሑጻ ገሩ፣ ነቲ ብሰንኪ ሸለልትነት ምሕደራ ጠላም ህግደፍ ዝተባሕጎጐን ዝኣረገን ጽርግያ ከተም ከረን፣ ምስጥሙይ ከብዱ፣ ክደፍንን ክጽግንን ትንፋሱ ይመሉቕ ኣሎ።

ማርያም ድዓሪት

St. Mariam Dearit's shrine Keren, built into a huge boabab

ቀጽሪ ማርያም ድዓሪት ከረን

The entrance to the compound of the sanctuary of Mariam Dearit.

እቲ ወይጦ ኣማሓዳሪ ከተማ ከረን ክወራዘ ከሎ ግና፣ “ህዝቢ ከተማ ከረን ምስ ምምሕዳር ከተማኡ ብምርድዳእ፡ ብማሽነሪ ተደጊፉ ዝኣረገ ጽርግያ ከተም ከረን ይጽግኖ ኣሎ“ ከብል ይስማዕ ። እቶም መንእሰያት ከተማ ከረን ኣበይ ኣለው ዝብል ሕቶ እንተድኣ ቀሪቡልከ እንታይ ኢሉ ክምልስ እዩ??

ካብ ሳዋ ኮብሊሎም ዝመጹ መንእሰያት፣ ገና ተስፋ ከይቆርጹ ፣ብዘመናዊ ስነስርዓት መርዓ ክምርዓዉ ከለው ዘርኢ ስእሊ

The wedding cake at the wedding in Keren Eritrea.

መግለጺ ከተማ ከረን ብቪድዮ መልክዕ ብቋንቋ ብሌን (ከረን ሂና ወረና፣
እንት ግን ሂና ከባሪ)

VIDEO

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት አርትራ 5.09.2017 ዓ.ም.ፈ.