ከተማ ከረን ሎምን ኣምሆዘመንን፣
ህዝቢ ከተማ ከረን፣ ደቁ ብስም ኣዋንጣ “ሃገራዊ ኣገልግሎት” ፣ ግንከኣ ብግብሪ ሃገራዊ ባርነት ዝኾነ ወፍሪ፣ ንሳዋ ዝብሃል ምድረበዳ እንዳተዳጎኑ፣ ካብ ሳዋ ሃጽ ኢሎም ድማ ንስደት የምርምርሑ ኣለው። ዕደና ወርቁ ግና ብጽዮናውያን ይዝመት ኣሎ። ገርሀኛ ህዝቢ ከረን ድማ ምስ ጥሙይ ከብዱን፣ ዕሩቕ ዝባኑን፣ ጽርግያታት ከተማ ከረን ተገዲዱ ክጸርግ ትንፋሱ ይመሉቕ ኣሎ። ብርግጽ፣ ኩሉ ህዝቢ ከተማታት ኤርትራ ኣብ ዘመነ ኣካሒዳ፣ ዘመነ ልኡኽ ባዕዳውያን ኢሰያስ ከም ህዝቢ ከረን እዩ ስቓይ ዘሕልፍ ዘሎ። እወ፣ ካብ ዝብኢዶ ብዘይካ ዓጽሚ ካልእ ትጽበ። ወይ ገዛውቱ ብካተርቢል ህግደፍ ክፈርስ ኣለዎ፣ ወይ ጨቐቕ ኢሉ ዝኣከቦ ገንዘቡ ክህገር ኣለዎ፣ ወይከኣ ባርያ ኮይኑ ብህግደፍ ዝዓነወ ጽርግያታት ክጽግን ኣለዎ።
ምርኢት ወፍሪ ባርነት ኣብ ሳዋ ብ2016 ዓ.ም.ፈ.
ኣዛዚ ባርነታዊ ወፍሪ ሳዋ ልኡኽ መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኣብ ከርተት ንኽነብሩ ክላበዎም ከሎ ዘርኢ ስእላዊ መግለጺ። ድሕሪ ዕርበት ልእኽ ባዕዳውያን ኢሰያስከ ኣብዛ ማእለያ ዘይብሎም ደቀባት ደቃ ዝቐበረት ሃገር ኤርትራ እንታይ እዩ ክኸው? ጽዮናውያን ድዮም ክወሩዋ ወይስ ወያኔ?
“ስልጣነይ መታን ከይተግድፉኒ፣ ኣብ ሳዋ ጥራይ ብቈጻሊ ከርተት በሉ!. ኮብሊልኩም እንተትረኸብኩም ድማ ኣብታ ቤት ማእሰርትኹም።ዓወት ንሓፋሽ”! ኢሰያስ ኣፈወርቂ
መንእሰይ ኤርትራ፣ ምስጥሙይ ከብዱ ኣብ ባርነታዊ ከርፋ ሽቕለት ርሃጹን ደሙን እንዳፍሰሰ ከሎ፣ ወርቂ ሃገሩ ድማ ብጽዮናውያን ተመዝሚዙ ንወጻኢ ሃገራት ይግዕዝ ኣሎ።
ነዚ ትካል እዚ ዝሰርሐ ቲሰንን ክሩብን ዝብሃላ ካምፓኒታት ሃገር ጀርመን እየን። ነቲ ወርቂ ካብ ቢሻ ንባጽዕ ዘማላልሳ ማካይን ድማ ደጉሳ እትብሃል ካምፓኒ ሃገር ጀርመን እያ ትውንነን። ብትካል ደጉሳ ዝተባህለት ዓባይ ትካል ንግዲ ወርቂ ሃገር ጀርመን ዝውነና ድሩዓት መካይን
ኣብ ሃገር ጀርመን ከኣ ከም ጥሙያትን ድኻታትን ተቖጺሮም መንእሰያት ኤርትራ ካብ 2013 ዓ.ም.ፈ። ክሳብ 2017 60.000 በጺሖም ኣለው። ኣብ ሃገር ጀርመን ድማ ከርፋሕ ናብራ የሕልፉ ኣለው።
ዕደና ወርቂ ኣብ ቢሻ፣ ብካናዳውያን ዝውነን ትካል ጽዮናውያን፣ካምፓኒ ነቭሱስ።
ዕዳጋ ከብትን ጠለ-በጊዕን ከተማ ከረን፣ ድሕሪ ነጻነትን ቅድሚ ነጻነትን ሓደ ዓይነት መክዕን ቅርጽን ዕዳጋ። ግራት ዓዲ ሹማ ከም ቀደማ!
ብሰንኪ ህግደፍ ዝኣረገ ጽርግያ ከተማ ከረን
ኣብታ ምዕርግቲ ስትራተጂካዊት ከተማ ከረን፣ ጐደናታታ ኣብ ዘመን መግዛእቲ ኣምሓራ ዘይተባላሸው፣ ሎሚ ድሕሪ ፍርቂ ዘመን ቃልሲ ኤርትራ፣ ኣብ መዋእል ጭፍራ ህግደፍ፣ እሞከኣ ማእለያ ዘይብሉ ወርቂ ብሻን ሃይኮታን ብጽዮናውያን ተዘሚቱ ንወጻኢ ሃገራት እንዳግዓዘ ከሎ ዓንዩን መገዲ ውሒጅ ኮይኑ ተባላሽዩ ኣሎ። ወይዘሮ ጥዑም ኣይወጻ፣ ነዚ ክትጥሕና ዲኺን ትርህጻ! ሰውራ ኤርትራ! ንረብሓ ጽዮናውያን ኮይኑ ተሪፉ።
ሎሚ ግና ንህዝቢ ዘይኮነስ ነተን ንብረት ህግደፍ ዝኾና፡ ማይ ዝዕድላ ቦጣት፡ ኣምቡላንሳትን ሚኒባሳት፣ ከምኡውን ነተን ብ“ህዝባዊ መጓዓዝያን“ ዝጽውዓ፣ ግንከኣ ትካላት ህግደፍ ዝኾና፣ ጸገማት ስለዝፈጠረለን፣ እቲ ባርባራዊ ገዛኢ መንግስቲ ህግደፍ ክገብሮ ዝነበሮ ክነሱ፣ መስኪን ህዝቢ ከረን ምስጥሙይ ከብዱ ሰብኣዩን ሰበይቱን ክጽግኖ ይኣይ ገልዳሕ ይብል ኣሎ።
ዋናታትን ገበርትን ሓደግትን ወርቂ ቢሻ ትፈልጡዎምዶ? እዚኦም እዮም እምበር ህዝቢ ኤርትራ ግና ከቶ ዋና ባህርያዊ ጸግኡ ክኸውን ኣይተዓደለን!!!
ማእቶት ምህርትን ዕደና ወርቂ ቢሻ ብጽዮናውያን ንኸዝመት ድዩ ህዝቢ ኤርትራ ንፍርቂ ዘመን ተቓሊሱ? ወይስ እቲ ቃልሲ ንህዝቢ ኤርትራ ንምጽናትን፣ ባህርያዊ ጸግኡ ንምዝማትን ኮይኑ እዩ ብመሃንድሳት ሃጸያውያን ተመዲቡ?
Recent Comments