ታሪኽ ይድገም ኣሎ። ዘመነ ባርነት ሓሊፉስ፣ ዘመነ ኮሎንያል ኣርኪቡ፣ ንሱ ድማ ኣብቂዑ ዘመነ ሓዲሽ ኮሎኒ ወይከኣ ኒዮ-ኮሎንያሊዝም ኣርኪቡ። ንሱ ተወዲኡ ከብቅዕ ከኣ፣ ሎሚ ማይ ዘይሓለፎ፣ ብዘይካ ምግባት ካልእ ዓላማ ዘይብሉ፣ግሎባላይዘሽን፣ ወይከኣ ሓዲሽ ዓለማዊ ስርዓት ዝብሃል ስርዓት መጺኡ። እዚ ኩሉ ላዕልን ታሕትን ድማ ንመላእ ኣፍሪቃ ንምቍጽጻር ጥራይ እዩ። እቲ ካብ ኩሉ ዘስደምም ድማ ኩሎም እቶም መለኽቲ ኣፍሪቃውያን፣ ግንከእ ንብረት ጽዮናውያንን ዝኾኑን፣ ካብ ብኣእምርኦም ድማ፣ ብኣእምሮ ምዕራባውያንን፣ ብፍላይ እዃድኣ ብኸብዶም  ጥራይ ዝሓስቡ  ገረብ ብሓኽላ ኮይኖም ንህዝቢ ኣፍሪቃ ኣሕሊፎም ንጽዮናውያን ይህቡዎ ኣለው። እንዳ ህግደፍን እንዳ ወያኔን  ድማ እቶም ዝገደዱ ንዋት ጽዮናውያን ምዃኖም ክቡራት ተኻታተልቲ መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ ክትግንጽዘቡ ኣሎኩም። ነቲ ውዲት እንድህግደፍን እንዳ ወያኔን፣ሎሚ እንተዘይ በጻሕኩሞ ድማ፣ ጽባሕ ብጊሓት ከተርክቡሉ ኢኹም።

ክትበልዓ ዝደሌኻ ኣባ ጉንባሕስ ዛግራ ትብላ። እዞም ኣብዳው መራሕትቲ ምዕራብ ኣፍሪቃ፣ ምስቲ ጽዮናዊ መራሕ መንግስቲ ፈረንሳ ንሃገሮም ክሕግዞም ይኣይ ኣኼባ ድሕሪ ምክያዶም ዝተሳእሉዎ ንመዘከርታ ስእሊ።

ኣብጅቲ  ጂ5 ጉጅለ ሳሕል ዝብሃል ውድብ ካብ ምትእታው ወተሃደራዊ ጎንጺ ዝገደደ እዩ።

እዞም ኣብታሕቲ ዘለው ካብ ብኣእምርኦም ብኸብዶም ዝሓስቡ መሳኪን ወተሃደራት እዚኣቶም፣ ንረብሓ ጽዮናውያን፣ ንወገንኩም  ቅተሉ ሕረዱ እንተተባህሉ ድሕር ዘይብሉ ኣራዊት እዮም።

ኣብ ኤርትራ እውን፣ ህጭፍራ ህግደፍ እቲ ቀንዲ ትካልን ኩባንያን ጽዮናውያን እዩ።

ንማውሪታንያን ማሊን ኒጀር፣ ጫድን፣ ከማu ከኣ ቡርኪና ፋሶን፣ ብክቡር ማዕድናት ኣዝየን ብልጹጋት ስለዝኾና፣ ነቲ ማዕድናት ንምምዝማዝ፣ ድሮ መንግስታት ፈረንሳን ጀርመንን፣ ወተሃደራተን ኣዋፊረን ኣለዋ።

ኣደ 6 ቆልዑ፣ ወይዘሮ ፎን ደር ላይን፣ ሚንስተር ምክልኻል ሃገር ጀርመን፣ ኣብ ማሊ ወሪሩ ዘሎ ሰራዊት ሃገር ጀርመን ክትበጽሕ ድሕሪ ምኻዳ፣ ምስቲ ዓናን መላኺ ሃገር ማሊ ክትንቀሳቐስ ከላ። ዘርኢ ስእሊ።

Mali Verteidigungsministerin von der Leyen in Bamako | mit Tiéna Coulibaly, Verteidigungsminister (picture-alliance/dpa/B. Pedersen)
እቶም ከርፋሕ ናብራ ጸሊኦም፣ ሃገሮም ገዲፎም ንኤሮጳ ዝስደዱ ዘለው መሳኪን ደቀባት ሃገር ማሊ። ኣብቲ ሃገሮም ብሰንኪ ጽዮናውያን ክነብሩ ከምዘይክእሉ ይግበር ኣሎ።

Libyen Flüchtlinge aus Seenot gerettet (Reuters/I. Zitouny)

ደቂ ሊብያ ብኤውሮጳውያን NGO እንዳተመወሉ ንስደተኛታት ኣፍሪቃውያን ከመሓላልፉ ክለው።

ኣብዚ ዓመትዚ  ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ብሊብያ ኣቢሎም ንሃገር ጣልያን ዝግጓረቱ ዘለው ቍጽሮም  ስለዝዛየደ መንግስቲ ጣልያን ኣብቲ ወደባት ሊብያ መራኵብ ክትሰድ ተዳልያ ኣላ። እቲ ጉዳይ ግን ንህዝቢ ዓለም ንምድንጋር እዩ እምበር፣ ጽዮናውያን ምስ ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ ተሰማሚዖም ዝገብሩዎ ዘለው፣ ሓዲሽን ረቂቕን ዘመናዊን ኮሎንያሊዝም ኣብ ኣፍሪቃ ጥራይ እዩ።

እቶም ኣዛብእ ዲክታቶራት ሃገራት ኣፍሪቃ ድማ፣ከደምቲ ምዕራባውያን ኮይኖም፣  ንደቂ ሃገር ንኽስደዱ ቀንዲ መሳርሒ ኮይኖም ኣለው።

ኢሰያስ ኣፈወርቂ ድማ ሓደ ኣባልን ስሩዕን መንግስታት ኤውሮጳ እዩ።

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ 5 ንሓሰ 2017 ዓ.ም።ፈ.