ንታሪኻዊ ጅግንነትንመንነትን ደቂ ምድረ ባሕሪ ዘዛኻኽር ጽሑፍ

እቲ ብኮሎንያል ጣልያን ብ1890 ዓ.ም.ፈ. “ኤርትራ” ተባሂላ ዝተስምየት፣ ብመቐጸልታ ኮሎንያል ጣልያን ህግደፍ ከኣ “ሓዳስ ኤርትራ” ተባሂላ ዝተጠመቐት ሃገር፣ እቲ ጥንታዊ ስማ ምድረ-ባሕረ-ነጋሲ እዩ ነይሩ። ህዝቢ ምድረ-ባሕረ-ነጋሲካብ 7ይ ክፍለ-ዘመን ጀሚርሩ ክሳብ 1991 ዓ.ም.ፈ. ን1180 ዓመታት ከየዕረፈ ኣንጻር በብዓይነቶም ወረርቲ መኪቱ ክስዕር እዩ ጸኒሑ።

ካብ 1991 ዓ.ም.ፈ. ጀሚሩ ግን ብገረብ ብሃኽላ፣ ብውዲትን ሽጣራን ብሓፈሻ ምዕራባውያን መንግስታት ብፍላይ ድማ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያን፣ ኣሜሪካን፣ እስራኤልን ንስትራተጂካዊ ረብሓአን ክብላ ንህዝቢ ኤርትራ ዓዋሉን ደቓሉን ዓስኪሮም ብገረብ ብሓኽላ ኣብ ዲቕ ዝበለ ባርነት ሸኺሎሞ ይርከቡ።

እሞ ሎሚ 24-05.2020 ብዓል ነጻነት ዲና ከንብዕል ወይስ ብዓል ባርነት? ነዚ ሕቶ እዚ ግን ንተመራመርትን ንተኻታተልቲ ታሪኽን ንገድፎ። እስከ ነዚ ኣብ ታሕቲ ተገሊጹ ዘሎ ሰንሰለታዊ ወራር ባዕዳውያን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ምድረባሕሪ ብኣድህቦ ንከታተሎ። ሰናይ ንባብ 

ጥንታዊት ግሪኽ ኣብቲ ጸልማት ዘመን ዝብሃለኡ ዝነበረ ዘመን፣ ማለት ካብ 12 ክፍለ ዘመን ቅ.ል.ክ. ክሳብ 9ይ ክፍለ-ዘመን ቅ.ል.ክ. ከም ሓያልን ስልጥንትን ተባሂላ ትጽዋዕ ነበረት። ድሕሪ ውድቀት ንግስነት ግሪኽ ከኣ፣ ንግስነት ሮማውያን ተቐልቀለ። ሮማን ኢምፕያር ብላቲን ኢምፐርዩም ሮማንዩም ተብሂሉ ዝጽዋዕ ንግስነት ኣብ ከተማ ሮም እዩ ዝነበረ መደበሩ። ካብኡ ተበጊሱ ድማ ክሳብ ሰሜን ኣፍሪቃን ማኣከላይ ባሕርን (Mediterranean Sea) ኤውሮጳን ሰመን ኣፍሪቃ (ግብጺ) ምዕራባዊ ኣስያን ትገዝእ ነበረት።

ምስዞም ክልተ ኢውሮጳውያን ነግስታት ዝወዳደር ዝነበረ ንግስነት ድማ፣ እቲ ስም ንግስነት ሓበሳ ዝጽዋዕ ዝነበረ ንግስነት መጠራን፣ ኣዱሊስን ኣኽሱምን ነበረ። እዞም ክልተ ኢምፔራጦራት ኤውሮፓ ንግስነት ግሪኽን ሮማን ግን፣ ንህዝቢ ሓበሻ ደፊሮም ክወሩዎም ኣይበቕዑን። ሰነዳትን ታሪኻዊ ቅርስታት ምድረ ሓበሳ ግን ዘዘሚቶም ይምለሱ ነበሩ።

ንመረዳእታ ኣብቲ ኣብ ከባቢ 350 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ምድረ ሓበሳ ዝገዝኡ ዝነበሩ ነገስታት እዜናን ሴዛናን ዝብሃሉ ነበሩ። ንጉስ ሴዛና ኣብ መጠራን ኣብ ኣዱሊስን ክግዝእ ከሎ፣ ኤዛና ድማ ኣብ ኣኽሱም ዝገዝእ ነበረ።

ኣብ ኣዋን ንግስነት ሴዛናን ኤዛናን ኣብ ሮም ንጉስ ኮስታንቲኖፖል፣ ንኣስታት 318 ዝኾኑ ኤውሮጳዋይያን ካህናት ኣብ ኒስያ ዝተባህለት ኣብ ሃገር ፈረንሳ እትርከብ ኣውራጃ ኣኸባ ካክየድ ኣዘዘ። ተኣከቡ ድማ። እቲ ቀንዲ ዛዕባ ድማ ብዛዕባ “የሱስ ክርስቶስ” እንታይ ዓይነት ሕብሪ ቆርበት ክህሉዎ ኣለዎ ዝብል ነበረ። ካኡ ንጉስ ኮስታንቲኖፖል ንንገስታት ሓበሳ ንንጉስ ሴዛናን ኤዛናን ልኡኻት ካህናት ኣብቲ ኣኼባ ኒስያ ንክልእሉ ተማሕጸኖም። ንሶም ግና እንታዋይ ኢኻ ንስኻ ንዓና ትእዝዘና ኢሎም እምቢ በሉዎ። ንጉስ ኮስታንቲኖፖል ግን ብቶም ዘይድፈሩ ነገስታት ሓበሳ ርዓደ ክትንክፎም ኣይከኣለን።

እዚ ንጉስ እዚ ድማ ንነገስታት መድረ ሓበሳ ከይደፈሮም ሓሊፍ። ንግስነት ሮማውያን ክሳብ 600 ዓ.ም.ፈ. ንግብጺ ይገዝኣ ነበረ። ብዙሕ ታሪኻዊ ርስታት ኣፍሪቃ ዘሚቱ ድማ ንሮማ ከግዕዝ ድሕሪ ምጽንሑ፣ ብከሊፋውያን ኣመንቲ ምስልምና ወይ ስዓብቲ ነቢዪ መሓመድ ተላዕሉሞ ክሳብ ግብጽን ከባቢኡን ወሪሮም ድማ ንሮማውያን ስዓሩዎም። ካብኡ ቀጺሎም ከሊፋውያን ካብ ግብጺ ተብጊሶም፣ ንሊብያን፣ ንኣልጀርያን፣ ንሞሮኮን፣ ንቱንዝያን፣ ንሱዳንን ወረሩወን።

እቲ ቀንዲ ውፍሮም ድማ፣ “ምስልምና ዘይኣመነን፣ ዓረብኛ ቋንቋ ዘይተዝረበን፣ ክሳዱን መልሓሱን ክቚረጽ ኣለዎ” ኣንዳበሉ፣ ነቲ ሕብሪ ቆርበቱ ሓበሳ ዝነብረ ህዝብታት፣ ግብጽን፣ ሊብያን፣ ኣልጀርያን፣ ሞሮኮን፣ ቱንዝያን፣ ሱዳንን: ብባርባራዊ ዝኾነ ጭካኔ ቋንቊኡ ገዲፉ ዓረብኛ ከምዝዛረብ ቀሰቡዎ።

ካብኡ ቀጺሎም ንኩለን ደቂ ኣንስትዮ ሰሜን ኣፍሪቃ እንዳ ዓመጹን፣ እንዳ ተጋሰሱን፣ ሕብሪ ቆርበቱ ከደራይን ጸሊምን ዝነበረ ህዝብታት ግብጽን፣ ሊብያን፣ ኣልጀርያን፣ ሞሮኮን፣ ቱኒዝያን፣ ሱዳንን  ኣዳቐሉዎም። ብሓይሊ ድማ ኣብ ምስልምና ሃይማኖት ከምዝኣምኑ ገበሩ። ክሳብ ሎም እዘን ኩለን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሳ ሃገራት ሰሜን ኣፍሪቃ፣ ብሕታዊ ወይ ብሔራዊን ጥንታዊን ቋንቊኤን፣ ብግፍዓዊ ጭቃኔ ከሊፋውያን ተገዲደን ገዲፈን፣ ዓረብኛ ኮይኑ ኣሎ ቋንቊኤን።

ኣስተብህል፣- ከሊፋውያን ምስ ህዝቢ ምድረባሕሪ ንኣስታ 750 ዓመታት ተዋጊኦም። ንህዝቢ ምድረ ባሕሪ ስዒሮም ርትዓዊ ሃይማኖቱ ሎሚ ክርስትናን፣ ፊደላቱ ትግሪኛን፣ ቋንቋኡ ግእዝን ትግራይትን፣ ኣምሓሪኛን ቀዪሮም ኣብ ዓርብኛን ምስልምናን ክቕዪሩዎ ኣይከኣሉን። የግዳስ ተደምሲሶም ድኣ ብሱዳን ኣቢሎም ንዓዲ ዓረቦም ዓረቡ። ክሳብ ሎሚ ድማ ህዝቢ ምድረ ባሕሪ ብዘይካ ቆላታትን ገማግም ቀዪሕ ባሕርን ዝነብሩ ህዝቢ ሃረንደዋን፣ ሒዳረብን፣ ሚኒዓምርን፣ ሓደ ክፋል ቢለንን፣ ኣብ ሳሕል ዝነብር ህዝቢ ሳሕልን፣ ፍርቂ ሰኒሒት፣ ሳን ዓሳውርታን፣ ኲሉ ህዝቢ ከበሳ ብጥንታውያን ፊደላቱ እንዳጽሓፈን፣ ብጥንታዊ ቋንቊኡ ኣንዳ ተዛረበን፣ ብግእዝ እንዳቀደሰን መንነቱን ሃይማኖቱን ከይተድፍረ ይነብር ኣሎ።

ወራር ቱርኪ

ድሕሪ ውድቀትን ስዕረትን ከሊፋውያን: እታ ሓያል ኮይና ዝተንስኤት ቱርኪ እያ ዝነበረት። ቱርኪ ብኦስማን ዝብሃል ንጉስ ዝምራሕ ሰራዊት ንባጽዕ ወሪሮም ክገዛኡዋ ከኣሉ። ንከበሳ ክሕዙ ግን ክሳብ 13 ዓመታት ዝኣክል ፈቲኖም። ብባሕረ-ነጋሽ ዝምራሕ ሰራዊት ምድረባሕሪ ግን: ካብ ሕርጊጎ ከም ዝይሓልፍ ገሩ ይምክቶም ነበረ።

ወራር እኽራሪ ምስልምና ኣሕመድ ግርኝ  ወዲ ኣዳል

ቱርኪ በዚ ኣይደቀሰን ብሶማል ኣቢሉ ንሓደ ዕቡድ እኽራሪ ምስልምና ኣሕመድ ግርኝ ዝብሃል ወዲ ኣዳል፣ ዓስኪሮም ንኢትዮጵያ ንክወርር፣ ኣጽዋር ኣዕጢቖም፣ ስንቂ ኣስኒቖም ኣዋፈሩዎ። ኣብቲ ዘመንቲ 1529 ዓ.ም.ፈ. ንጉስ ልብነድንግልን ንጉስ ገላውዴዎስን ዝብሃሉ መሳፍንቲ እዮም ንኢትዮጵያ ዝገዛኡዋ ዝነበሩ። ኣሕመድ ግራኝ ድማ ብሃረር ኣቢሉ ንሽዋ ክወርር ውግእ ከፈተ። ንጉስ ልብነ ድንግል ድማ ተሰውኤ። ካብኡ ቀጺሉ ኣሕመድ ግራኝ ዳርጋ ንምልእቲ ኢትዮጵያ ኣብ ምስልምና ሃይማኖት ከም ትኣምን ገበራ።

ጅግና ባሕረ ነጋሽ ኢሳቕ ግን ሰራዊት ምድረባሕሪ ኣኽቲቱ ክሳብ ቀላይ ጻና በጺሑ፣ ንግራኝ  ስዒሩ ንቤተ መንግስቱ ድባርዋ ክምለስ ከሎ ድባርዋ ድማ ብቱርኪ ተወሪራ ጸንሓቶ። ዋላኳ ኣንጻር ኣሕመድ ግራኝ ክዋግኡ እንተቐነዩ ንቱርኪ ድማ መላስ ኣውያት ከምዘይብሉ ገሮም ኣብ ተከላ ስዓሩዎ: ብኡቢሉ ምስዓረበ ግና ኣይተመልሰን። እወ፣  ኣብ ተኸላ ዝብሃል መሬት ሰራየ ብባሕረነጋሲ ኢሳቕ ዝምራሕ ሓይሊ ምድረ ባሕሪ ብጅግንነት ንትርኪ ደምሰስዎ። ካብቶም መራህቲ ቱርኪ ጀርመናውያን ቱርካውያን ተመሲሎም ተዋጊኦም እዮም።

ግዝኣት ቱርኪ ኣዝዩ ባርባራዊን ሕሱምን ከምዝነበረ፣ ክሳብ ሎሚ ድማ “ግዝኣት ቱርኪ ሕሱም”! ከምዝነበረ ኣባሓጎታትና ይዘንትዉልና ኣለው። ኣንቋዕ ድኣ ዕድሜኡ ሓጸረ ምሽሙሽ ቱርኪስ!

ድሕሪ  ቱርኪ ድማ: ድሕሪ ሞት ባሕረ ነጋሲ ኢሳቕ መድረ ባሕሪ መሳፍንቲ ትግራይ ካብ 1735 ክሳብ 1889 ክትድፈር ጸንሐት!

ድሕሪ መሳፍንቲ ትግራይ ድማ ወራር ግብጺን ኮሎንያል ጣልያንን ስዓበ።

ወራር መሳፍንቲ ትግራይ ብሚካኤል ስሑል ዝተባህለ ሽፍታ ካብ 1735 ክሳብ 1800 ተመረ

ወራር ግብጺ

ወራር ግብጺ ክሳብ ዓይላ ጉንደት በጺሑ ብመሪሕነት ንጉስ የውሃንስ 4ይ ዝምራሕ ሰራዊት ምድረባሕሪ 1875 ወራር ግብጺ ተሳዕረ።

ካብቶም መራ

ግብጺ ጀርመናውያን ግብጺ ተመሲሎም ተዋጊኦም እዮም።

ብ27.01.1887 ኣብ ድጓሊ ድማ 75 % ደቂ ምድረባሕሪ ብመሪሕነት ራእሲ መኮነን ወዲ ራእሲ ወልደሚካኤል ሸቃ ኣሉላን ኣብ ኲናት ዶጓሊ ተሳዕረ። ድሕሪ ውድቅት ጣልያን ኣብ ኲናት ዶጓሊ ሰራዊት ኮሎንያል ጣልያን ግን፣ ብሓገዝ ስለላ መርበብ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ካብ ሱዳን ሰራዊት ኣስላማዊ ሓይሊ ተበጊሱ ንጎንደር ክኣቱ ኣብ መተማ ተሳዕር። ኣብቲ ዂናት ብጀጋኑ ደቂ ምድረ ባሕሪ ትግራዎትን ኤርትራውያንን ዝተዓብለለ እዩ ነይሩ። ኣብኡ ንንጉስ የውሃንስ ክሳዱ ተቖርጸ። ተመራመርቲ ታሪኽ ከምዝሕብሩዎ ግና፣ እቶም ንንጉስ የውሃንስ ክሳዱ ዝቖረጹዋ፣ ኣስላም ዘይኮኑስ ስለላ መርበብ እንግሊዝ እዮም ይብሉ። ክእመን ዝኻል ታሪኽ ከኣ እዩ። ካባኡ ንጉስ የውሃንስ ከምዝሞተ ምስ ኣረጋገጽጹ ስለላ መርበብ እንግሊዝ፣ ነቲ ኣብ ዶጓሊ ዝተዳህለ ኮሎንያል ጣልያን ነስመራ ክወርር በቕዐ።

ኣስተብህል፣- መኽንያቱ ኩሎም ጀጋኑ ኤርትራ ኣብ ውግእ መተማ ኣንጻር ማህዲ ስለዝውዓሉ ሃገሮም ግን ብጣልያን ተወረት።

ኮለንያል ጣልያን ንእንግሊዝ ጠሊሙ ምስ ኣዶልፍ ሂትለር ዲፕሎማስያዊ ምሕዝነት ጀመረ። ሂትለር ድማ እብ መላኣ ኤውሮጳ ዓሌታዊ ውግእ ወልዐ፣ ንብዙሓት ሃገራት ድማ ወሪሩ ተቖጻጸረን፣ ንፖላንድ፣ ንሆላንድ፣ ንፈረንሳ፣ ንበልጁም፣ ንእውስትርያ ወዘተ. . .ውግእ ወልዐ፣ ንሃገር እንግሊዝ ድማ ብነፈርቲ ገሩ ኣሳናበዳ። ካባኡ መራሒ እንግሊዝን ኣሜሪካን ሩስያን ፈረንሳን ተላፊኖም ንሂትለር ስዓሩዎ።

ካባኡ ወተሃደራት 4 ሕቡራት ሃገራት ኣኽቲቱ ንኮሎንያል ጣልያን ካብ ኤርትራ ሰጎጎ።

ኣስተብህል፣- ድሕሪ ኮሎንያል ጣልያን ኤርትራ ነጻ ከይትወጽእ ብድፍኢት ዓባይ ብሪጣንያን ኣሜሪካን ምስታድሕሪ ኤርትራ ሃገር ዝኾነት መስፍናዊት ሃገር ኢትዮጵያ፣ ጸንበሩዋ። ካብኡ ብ1961 ዓ.ም.ፈ. ገድሊ ኤርትራ ብስምዒት ተባርዐ። ስለላ መርበብ ኣሜሪካን እንግሊዝን ድማ ደድሕሪኡ ስዒቦም ቋንቃኡ ትግሪኛ ዝዛረቡ ሰለልቶም ከም ብዓል ኢሰያስ ዓስከሩ። ቃልሲ ኤርትራ ምስ ክንደይ ሓጎጽጎጽ ቀልቲፉኳ ክዕወት ይኻል እንተነበረ፣ ብሰንኪ እንግሊዝን ኣሜሪካን እስራኤልን፣ ብረቂቕ ስለላ ከም ፍልሖ ኣብ ውሽጡ ሰፊሮም: ክሳብ ጀጋኑን ፈላስፋታትን ደቀባት ዝዓርቡ ጎሪላዊን መደብኛን ኲናት 30 ዓመታት ወሰደ። ድሕሪ 30 ዓመታትህዝቢ ኤርትራ “ነጻነት ተረኺቡ” ኢሉ ምስ ጨፈረን ሳዕሰዐን፣ ብ1991 ኣሜሪካን እንግሊዝን ከም ኣመሎምን፣ ከምቲ ፕሮጀክት ዘውጽኡውን፣ ንጻነት ኤርትራ ከምዝብርዕን መደብ ምስ ኢሰያን መለስን ኣብ ለንደን ኣውጽኡ።

እንሆ ድማ ህዝቢ ኤርትራ 30 ዓመታት ኣብ ሰውራ ጸኒሑ ብ1991 ነጻነት ረኺበ ክብል ከሎ፣ ዛጊት 29 ዓመታት ኮይኑ ሎሚ 24.05.2020 ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ስደትን ኣብ ቤት ማእሰርትን ክነብር ጸኒሑ። ስለዚ ዋላኳ እዛ መዓልቲ እዚኣ 24.05.2020 መዓልቲ ነጻነት ተባሂላ ኣንተተጸውዐት፣ ህዝቢ  ኤርትራ ግን ብሰንኪ ጎይቶት ኢሰያስ  ሎሚ ኣብ ባርነት ተቐዪሩ እዩ ዘሎ። 

ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ተርእዮ ብሃንደበት ዘይኮነስ ብመጽናዕትን ብመደብን ጥራይ እዩ። ጒዳይ ኤርትራ ድማ ኣብ ከምዚ ሎሚ ውዲቑዎ ዘሎ ኲነታት ክወድቕ ብሃንደበት ዘይኮነስ፣ ብመደብ ውነንቲ ርእሰማልን፣ ረቀቕቲ ሰብ ረብሓን ጥራይ እዩ። ንምርምር ዝኣክል እስከ ነዘን ኣብ ታሕቲ ተአቒሰን ዘለዋ ረቀቕቲ ምሉእ ሓሳብት ነስተብህለለን።

These = Antithese => Synthese ንቡር <=> ጸረ ንቡር = ዘይንቡር

Problem => Reaction Solution ገድሊ<=> ጸረ ገድሊ= ፍታሕ

Imperialist= Subjectively= Imperialist but objectively is  = Communist
ኢምፐርያሊስት ማለት ትሕዝቶኡን ውዲታዊ ምስጢሩን = ኢምፐርያሊስት ዘይኮነስ = ኮሚኒስት እዩ።

Communist is Sbjectively Communist but objectively is Imperialist

ኮሚኒስት ማለት ኮሚኒስት ዘይኮነስ, ትሕዝቶኡን ውዲታዊ ምስጢሩን =ኢምፐርያሊስት እዩ።

There is no Communism or Imperialism there is only Zionism ኮሚኒዝም ዝብሃል ወይ ኢምፔርያሊዝም ዝብሃል የለን። እቲ ብድሕሪ መጋረጃ ኮይኑ ዝዝውሮን ዝቓንዮን ዘሎ ጽዮንነት ጥራይ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ክውሕድ እዩ’ምበር ክዕወት እዩ!!!

ብመምህር ቀለተ ኣስፋሃ

መርበብ ሓበሬታ ደቀባት

24 ግንቦት 2020 ዓ.ም.ፈ.