ተዘክሮታት ነገስታት ኩሽ ካብ ቅድሚ 5000 ዓመታት ቅ.ል.ክ. ክሳብ 500 ዓ.ም.ፈ. ድ. ል.ክ

ካብ ሃገር ኡጋንዳ ጀሚሮም ክሳብ ግብጺ የማሓድሩ ዝነበሩ ነገስታት ደቂ ኩሽ እዞም ነይሮም። ቅድሚ ወራር ባርባራውያን ሮማውያንን ኣጋንንቲ ኣዕራብን፣ብሰላምን ብፍትሕን ብርትዕዊ ሃይማኖትን ዘማሓድሩ ዝነበሩ ነገስታት ደቂ ኩሽን ወይ ደቂ ሓበሻ እዮም ነይሮም። ነገስታት ኩሽ ካብ 5000 ቅ.ል.ክ. ክሳብ ምቕልቃል ወረርቲ ሮማውያን፣ ካብ ከባቢ ኡጋንዳ ጀሚሮም ክሳብ ግብጺ ብፍትሓዊ ምሕደራ ይመሓድሩ ነበሩ። ካብቶም ንደቂ ሓበሻ...