“ህዝባዊ ሰሚና ለንደን”፣ ኣደ ንጉሰ ኣደኻ ኣይኹና፣ ንሱ ሕረድ ንሰን ይቚነና።

 እምኒ ዝረገጸ ኣሰር የብሉ፣ ማይ ዝሰተየ ሽታ የብሉ፣ ምስ ህግደፍ ዝኸደ ድማ ልብን ዓላማን የብሉን። ኣደ ንጉሰ ኣደኻ ኣይኹና፣ ንሱ ሕረድ ንሰን ይቚነና።The so called failed London “Public Seminar”!!!  እዚኦም’ዮም እምብኣር፣ ነቶም ሎሚ ቅነ ብሰንኪ ኢሰያስ በጃ ሃገሮምን ህዝቦምን ዝሓለፉ፣ሓርበኛታት ደቂ ሃገር ከምኒ ሃይለ ወልደትንሳኤ ዑቕቡን (ድሩዕ)፣ ሓጂ ሙሳን...

 መግለጺ ሓዘን ክቡር ሓርበኛ ወላዲና ሓጅ ሙሳ መሓመድ ኑር

ክቡር ሓርበኛ ወላዲና ሓጅ ሙሳ መሓመድ ኑር፣ኣብ 2017 ዓ.ም.ፈ. ንተግባራት ልኡኽ መላኺ ጭፍራ ህግደፍ  ብትብዓት ዝተቓወሙ ጅግና ሃገራዊ እዮም። ህግደፍ ግና በቲ ሓቦኦምን ትብዓቶምን፣ ራዕዲ ስለዝኣተዎ ከም ኣመሉ ኣብ ምእሳሮም ተጓዪዩ፣ ብዘይንሕስያ ድማ ንቤት ማእሰርቲ ዳጒኑዎም። ጅግና ኣቦና ሸኽ ሙሳ መሓመድኑር፣ ብሰንኪ ገፋዒ ልኡኽ መላኺ ኢሰያስ፣ ምእንቲ ሃገሮም ክብሉ ሎሚ ንግሆ ዕለት 03 መጋቢት 2018...

መመክሕን ኣይግበርካ መለበምን ኣይኽላእካ።

ኣብ መዋእል እቲ ንንቡር፣ ብጸረ ንቡር ኣጥፊኡ፣ ዘይንቡር ዝፈጠረ ልኡኽ መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቂ፣ስለላን ኮለላን ቅትለንት ቅንጸላን ግብረሽበራን ቀንዲ መደብ ዕዮኡ እየን። ኣምባሳደር እስቲፋኖስ ሃብተማርያም፣ ሎሚ ወኪል ህግደፍ ኮይኑ ኣብ ሃገር ዓባይ ብሪጣንያ ስለላን ኮለላን ዘካይድ ዘሎ፣ ኣብ እዋን ሰውራ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ድንበዛንን ካርነሽምን፣ ዓንሰባን ማእለያ ዘይብሉ ቅትለትን ቅንጸላን ዝፍጽም ዝነበረ ገበነኛ...