እቲ ነዛ ዓመት እዚኣ ፍልይ ዘብላ ከኣ፣ ልኡኽ ባዕዳውያን መለኺ ኢሰያስ ኣፈወርቂ፣ ካብ ዝነበሮ ስነኣእምራዊ ጭንቀትን ሰንፈላልን፣ ከምኡውን ካብ ህዝቢ ተሓቢኡ ብስለላ መርበባት ኢስራአልን እንግሊዝን ሲኣይኤን እንዳተጓሰየ፣ ኣብ ቍሸት ዓዲ ሃሎ ምሕካልን ምዂብላልን፣ ብምሃንድሳት ስለላ መርበብ ጽዮናውያን ዝተማህዘ ስነኣእምራዊ ሜላ፣ ንግዜኡ ክጸናንዓሉን፣ ካብ ክሳድ ንላዕሊ ስሓቕ ሓሪቕ ክስሕቀሉን፣ ኤረ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኢትዮጵያስ ከም ንጹህ ጲላጦስ ኮይኑ ዝተራእየላን  ምስ እቲ ብ1ይ ሚንስተር ዶር. ኣቢዪ ኣሕመድ ዝፍለጠ መንእሰይ ድራማ ዝሰርሓላን፣ ስሒቑ ዘይፈልጥ ጀላዕላዕ እንዳበለ ካዕካዕ ዝበለላን ዓመት ኢያ ነይራ።
እወ! ክንደይኳ እዛ 2018 ዓ.ም.ፈ. ከምተን ኩለን ዝሓለፋ ዓመታት ኣብ ኤርትራ፣ ግንከኣ ብዝያዳ ደቂ ሃገር ብጃምላ ዝተኣስሩላ፣ ኣብ ሓደ ወርሒ ካብ 5000 ንላዕሊ ደቂ ሃገር ካብታ ዝፈትዉዋ ሃገሮም ብሰንኪ ኣራዊታዊን ባርነታዊን መግዛእቲ ኢሰያስ፣ ሃጽ ኢሎም ንስደት ዘምርሑላ ዓመት፣ ማaለያ ዘይብሎም ደቂ ሃገር ዝተሰወሩላ፣ ኮብሊልኩም ተባሂሎም ዝተቐዝፉላን፣ ዝተጨውዩላን፣ ብኣስካሕካሒ መግረፍቲ ኣብ ውሽጢ ቤት ማእሰርቲ ትንፋሶም ዘሓለፈላን፡ ህዝቢ ጨቖቕ ኢሉ ዘዋህለሎ ገንዘቡ (ባጠራ ናቕፋ) ብኢሰያስ ዝተገበተሉ፣ ህዝቢ “ማይ ጠፊኣ”!፣ “ሉቸ ከኣ ቅልቅል ኢላ ተሰዊራ”!”ወድና ብስግረ ዶብ ከቋርጽ ስለዝተረኽበ 50 ሽሕ ናቕፋ ከፊልና ” ሳላ ኣብ ስደት ዝነብሩ ደቅና ንነብር ኣሎና ” ድሕሪ 57 ዓመታት ዕንክሊል ከኣ ነዛ ሃገር ኤርትራ ልዑላውነታ ንኽቕንጠጥ ምስ ኢትዮጵያ ደሚሩዋ “! ” ምድማር”! ፍቕሪ”! “ሰላም” “ይቕሬታ”! ዝብሉ ዘይፍጸሙ ተስፋታት ዝተጨሩሑላ ዓመት እያ ነይራ።
እወ፤ እቲ ብገበንን ብቅትለትን ኣእምርኡ ዝሰሓተ ኢሰያስ ኣፈወርቂ፤ ግዝዝያዊ “ፍናን” ኣብ ኢትዮጵያ ዝረኸበላ ዓመት ኢያ።እቲ ብመሃንድሳት ጽዮናውያን ተመልሚሉን ሰልጢኑን፣ ካብ ማእከል ወያኔ ተጎጒሉ (Googele) ወጺኡ 1ይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኮይኑ ዝተሾመ፣ ዶር. ኣብዪ ኣሕመድ፡ ብዓቢኡ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ብኸፊል ድማ ኣብ ኤርትራ ህንጡይ ስምዒታዊ ሃዋህው ከሲቱ እዩ። ንግዜኡ ድማ ባህ ክብላ ልባ ጽብሓላ ዱባ ከምዝብሃል፣ ጒዳይ ዶብ ብወግዒ ከይተተግበረ፣ ብoበሮ ገዲፍካስ ብሕጡ ዝነበሩ ደቂ ትግራይ ጣፍን ካልእ ሃላኺ ቀረብን ጽዒኖም ንኤርትራ ከውሕዙ ጀሚሮም።  ንግዜኡ ድማ ኣብ ኤርትራ ግዝያዊ ብቑጠባዊ ራህዋ ክቕልቀል ጀመረ። ከምኡውን ብፍላይ ኣብ ከበሳ ኤርትራ ቅልቅል ኢሉ ዝቕህም “ማሕበራዊን ብፖለቲካዊን ቁጠባውን” ተቐልቂሉ ዝቐነየላ 2018 ዓመት እያ። እወ፣ እዚ ስምዒት ገርሀኛ ህዝቢ ዝሰልብ ውዲት እዚ፣ ቁጠባዊን ማሕበራዊን፣ ንህዝቢ ኤርትራ ዝሓሸ ለውጢ ኣምጺኡሉ እንዳተባህለ ዝዕለለሉ ዝቐነየ ዓመት እዩ።  ዋጋታት ቀረብ ሃለኽቲ ካብ ምሕሳር ጀሚሩ፣ ዕዳጋታት ኤርትራ ክረጋጉኡ ንግዜኡ ተራእዩ እዩ። እወ፣ ቅድሚዛ ህንጥይቲ መድረኽ ምድማርን ግዝያዊ ዶብ ዛላምበሳ ምኽፋትን ግና፣ ቅድሚ እዛ “ጒያጊያ መደረኽ ምድማር” ግና፣ እቲ ማሕበራዊ  ናብራ ህዝቢ ኤርትራ፣ ዘስካሕክሕ እዩ ነይሩ። ንመረዳእታ፣ “ደቂ ሃገር ክኹብልሉን ስግረዶብ ክሰግሩን ተረኺቦም፣ ብጥይት ህግደፍ ብተመልከተለይ ተረሽኖም!” ተባሂሉ  ዝዕለለሉ ዝነበረ ውቕቲ ፣ ከምኡውን ገንዘብ ዘለዎም ዕድለኛታት ደቂ ሃገር ኤርትራ፤ ኣሽሓት ዶላራት ንኣስገርቲ ከፊሎም፣ ብህይወት ስግረዶብ ዘሳግሩሉ ዝነበረ ህሞት እዩ ነይሩ።
ኣብዘን ዝሓለፋ ሰሙናት ግና፣ ንህዝቢ ንምድንጋርን ምዕንኋልን፣ ግዝያዊ ብዘይ ዝኾነ ተፍትሽ ከይተሓተትካ፡ መን ኢኻ ዝብል ዘይብሉ ክሕለፍ ጀሚሩ ቀንዩ። እቶም የውሃት ደቂ ገርሂ ልባ ከኣ፣ “ኣሰይ! እንቋዕ እዚኣ ረኣና፣ እዚ ክልቲኡ ኣሕዋት ዝኾነ ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን፣ ግንከኣ ብሰንኪ ሸፋቱ ህግደፍን ወያኔን ተፋላልዩ ዝጸንሐ, ሎምስ እምብኣር ኣምላኽ ንጸሎቱ ሰሚዑዎ፣ ብፍቕርን ብሰላምን ተደማሚሩ” !! በሉስከ ፍጹም ምድማርን ዓወትን ይግበሮ! ክብል ጀሚሩ። ነቶም ብሰንኪ ህግደፍን ወያኔን ዝተወልዐ ግንከኣ ካብ 200 ሽሕ ደቂ ክልቲኡ ሃገር ዝመንቆሰ ዶባዊ ኲናት፣ ዝተረፉ ገለ ክፋል ስድራ ቤት ኣብ ኢትዮጵያ፡ ገለ ክፋል ስድራ ቤት ከኣ ኣብ ኤርትራ ኮይኖም ን27 ዓመታት ተበታቲኖም ዝነበሩ ስድራ ቤታት ብልç ኢሉ ዝጠፍእ ግዝያዊ ዓወት ዘበሰረት ዓመት 2018 ኢያ ነይራ።
እዚ ህንጡይ መድረኽዚብዓይኒ ፖለቲካ ክንርእዮ ከሎናኸ እንታ የስምዕ? እዚ ብህጹጽ ጒያ ዝተሰነየ፣ ኣብ ኢትዮጵያ መጺኡ ዘሎ “መድረኽ ለውጢ ምድማር”፣ ነቲ ገርሀኛ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ትግራይንከ ብከመይ ይጸልዎም?  ብመሰረቱ፣ ምስቲ ዘሎ ዝምድና ኣሉታዊ ይኹን ኣዎንታዊ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ሃዋህው፣ ብህዝቢ ኢትዮጵያ ዝተከስተ ዘይኮነስ፣ ነቲ ብ”ቄሮ” ዝጽዋዕ ምንቅስቋስ ደቂ ኦሮሞን፣ ብ”ፋኖ” ዝፍሌጥ ምንቅስቋስ ደቀምሓራ ጎንደርን ዋልቃይትን፣ ግንከኣ ንወያኔ ይኹን ሰልፊ ኢህኣዴግ ክሓንቕ ዝጀመረ ቁጣዐ ህዝቢ ጨዊሓ፣ ንገርሀኛ ህዝቢ ኢትዮጵያ ከኣ ብስነኣእምራዊ ውዲት ኣሃሚልካ፣ ብዋጋ  ኤርትራ ሓዲሽን ግንከእ ዘይፍጸም ተስፋታት “መደመር”! “ፍቅር ያሸንፋል”! ፣ “ሰላም”! “ይቕሬታ”! “ዓሰብ መካፈል”! ዝብሉ ዘይፍጸሙ ግንከእ ጽባሕ ብጊሓት ዝፈሽሉ ጭርሖታት እንዳጨራሕካ፣ ነቲ መልሚሎም ዘምጽኡዎ መንእሰይ ሰላዪ ኣቢዪ ኣሕመድ ካብ ሰማይ ከምዝነጠበ ገርካ፣ ህንጡይ ስምዒታዊ ሰላማዊ ሰልፊ ብጉያ ጕያን ብክቱር ስምዒትን ኦርጋናይዝ ገርካ ዝተኻየደ ውዲታዊ  መድረኽ እዩ ነይሩ። እቶም ኣጋፈርትን ተዋሳእትን እዚ ድራማዚ ግና፣ መሃንድሳት ጽዮናውያን እዮም።
እዚ ድማ ነቶም ዕምሮም፣ ከም ኣፍ ዑንቊ ጸቢባቶም ዝጸንሐት መራሕቲ ወያኔን፣ ኢሰያስ ባዕሉን ጭፍርኡ ህግደፍን ኡፎይ ንኽብሉ ግዝያዊ ሃዋህው ፈጢሩሎም።እወ፣ እዛ ብፍላይ ኣብዚ ድራማ ዝካየደሉ ዘሎ መድረኽ፣  ኣብ ትሕቲ ልኡኽ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ፣ ብዘይ ዝኾነ ቀያዲ ቅዋም፣ ባይቶ ወይ ሓጋጊ ኣካል፡ ሕጋዊ ፈራዲ ኣካልን፣ ፈጻሚ ኣካልን፣ ኣብ ዘይብሉ መንግስቲ፣ ግንከኣ ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ  መግዛእታዊ ኩነታት ወዲቓ ትርከብ ዘላ ኤርትራ፣ ምስ ኢትዮጵያ ይኹን ምስ ሃገራት ኣዕራብ ተገይሩ ዘሎ ስምምዓት ብዘይካ ኣብይ ኣሕመድን ውልቀ መላኺ ኢሰያስን ዝፈልጥ የለን። ስለዚ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ውዑላትን ፌርማታትን፣ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን፣ ህዝቢ ትግራይን ዘይፈለጦ ንስትራተጂካዊ ረብሓ ሃጸያውያን ጥራይ እዩ ዝኸይድ ዘሎ።  እዚ ጥዕና ዘይብሉን ፋሉላዊን ድራማ ኢሰያስን ኣቢዪ ኣሕመድን እምበኣር ኣዝዩ ሓደገኛን እንዳ ጸንሓ ዝትኮስ ፈንጂ ኣብ መላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘኸትል ውዲታዊ ፕሮጀክት እዩ።
እወ፣ ትዕድልትን ጽሑፍቶን፣ ሕማቕ ኣጋጣሚን ኮይኑ፣ ነዚ ጅግና ህዝቢ ሓበሻ ዘርኢ ክርዳድ ዝኾኑ፣ ወያኔን ህግደፍን ብባዕዳውያን ስዉራት ሓይልታት ስለ ዝተዋፊሮምልና፣ እንሆ ዓመት ዓመት ጽቡቕ ክንምነን ግን ከኣ ጽቡቕ ክንሰርሕ ብፍናን ክንትንስእ ኣይከኣልናን። ውልቀ መላኺ ኢሰያስ፣ ሕማቕን ሰነፍን ሰብ ክነሱ ካብኡ ዝሓምቕ ህዝቢ ብምርካቡ ግን ዕድለኛ ኢዩ። ስልጣን ኢሰያስ ኣብ መንበር ክፍኣትን ተንኮልን ተኾይጣ ኢያ ንህዝቢ ኤርትራ ሸይሸይ ትብለሉ ዘላ። ኢሰያስ ቀታሊ እምበር ፖለቲከኛ ኣይኮነን፣ ኣብ 54 ዓመት ፖለቲካ ህይወቱ ብተንኮልን ብቓጻን ብውግእን ዘጥፍኦ ህይወት እምበር፣ ብፖለቲካን ዲፕሎማስን ዘዐረዮ ወይ ዘምጸኦ ሰላም የብሉን። ብቐንዱውን ኢሰያስ ከም ፖለቲከኛ ፖለቲካዊ ባህሊ ዘይፈልጥ፣ ፖለቲካዊ ዲስኩር ክገብር ዘይክእል፣ ኩሉ ኣዘራርባኡ ኣመላልሳኡን ዘይተማህረ ጓሳ ምዃኑን ዝገልጽዩ። እዚ ድማ ኣብ ኩሉ ዝገብሮ ዕንኪላሎ ቃለ መሕትት እንዕዘቦ ጉዳዩ። ኣብዚ ሓጺር እዋናት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዝኸደሉ ግዜ “ኣይተዳለኹን” ክዛረብ ኣይክእልንየ እንተዘይኮይኑ ንህዝቢ ዘእምን ወይ ዘዕግብ መደረ ክገብር ዘይክእል፣ኣብ ክፍኣትን ተንኮልን እምበር ኣብ ፖለቲካን ሓልዮትን ዲፕሎማስን ዝደየድህብ ንህዝቢ ኤርትራ ዝረግጽ ዘሎ ደንቆሮ ZOOMIE ሰብዩ።
ኣብ ዓለምና ንዝረኤ ዘሎ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ውጽኢታት ወድሰብ ዝሰርሖ ምዃኑ ንምእማኑ ኣብ ዘጸግም ደረጃ በጺሑሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ኩሉ ዓቕሙን ተፈጥሮኣዊ ሃብቱን ጸጋታቱን ንኣፍሪቃ ጥራይ ዘይኮነ፣ ክሳዕ ማእከላይን ምብራቕን ርሑቕ ምብራቕ ኤሽያን ኤውሮጳን ፍርያቱን ባህርያዊ ጸግኡን ብሰደድ ከዋፍር ዝኽእል ህዝቢ ክነሱ፣ ከም ሓንቲ ዘይብሉ ኣብ ፈቐዶ ኩርንዓት ዓለም ዝዝክሮ ዘይብሉ ይግፋዕ ኣሎ። ኣዝዩ ዘሕምምዩ። ተኣሲሩ ዘፍትሖ የለን፣ ሓሚሙ ዘሕክሞ የለን፣ ሞይቱውን ዝቕበረሉ ቦታ ተነፊግዎ፣ ኣስከሬኑ ኣብ ፈቖዶ መኽዘን ኣብ ሰናዱቕ ተዓጽዩ ወይ ኣብ ሓደ ጋህሲ ተጓሒፉ ኣሎ። መንዩ ተሓታቲ? ኢሰያስን ደቀ መዘሙርቱን? ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ደረጃ እዚ ክበጽሕ ዝገበረ ኢሰያስ ጥራይ ኣይነበረን? ግንከኣ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣእምርኡ ብጓይላን ዳንኬራን ሰሊቡ፣  ንዝቐበረሉ ጉድጓድ ባaሉ ከምዝኽዕት ገሩ ኣሰልጢኑዎ እዩ።  ንነዚ ሰብዚ (ኢሰያስ)  ከም መሎኮታዊ ብዓል ዕቢዪ ስልጣን ገሩ ከምዝርእዮ ኮይኑ ተመልሚሉ እዩ።
ካብ ክፉእ ዝገብሩኻ ክፉእ ዘልምዱኻ!!   ኣብ ልዕሊ ካልኦት ማእሰርቲ፡ ሞት፣ ምስጓግ ስጉምትታት ክወስድ ከሎ፣  ዋላኳ ብዙሓት ደቂ ሃገር ነዚ ስለተቓወሙ ኣብ ትሕቲ ጉድጓድ ተዳጒኖም እንተሃለው፣ እቶም ብዙሕ ህዝቢ ግና ትም ኢሉ ከምዝዕዘብ ብስለላን ኮለላን ተገሩ እዩ። እኩም ድምር እዚ እከይ ተግባራትዚ ድማ ንኢሰያስ ኣብዚ ሕጂ በጺሕዎ ዘሎ ፉጹም ውልቀ መላኽነት ክበጽሕ ድርኺትን ሓይልን ኮይንዎ ኢዩ።
“ላለፈው ዓመት ቤት ኣይሰራም” ይብሉ ኣምሓሩ። ዝሓለፈ ሓሊፉ ኢዩ ኣይምለስንዩ ማለትዩ። ህዝቢ ኤርትራ ን27 ዓመታት ዘጋጠሞ ህይወትን፣ ንብረትን፣ ፖለቲካዊን፣ ማሕበራውን ቁጠባውን ክሳራታት ዝምለስ ኣይኮነን፣ ብዛዕባ ዝሓለፈ ድጉዓ ምድጓዕ’ውን ዓቕሚ ከምዘይብልካ ምርኣይ እንተዘይኮይኑ ዘምጽኦ ለውጢ የብሉን፣ ለውጢ ክመጽእ እንተኮይኑ፣ ቅድም ቀዳድም እቲ ለውጢ ዝደሊ ሰብ ንገዛእ ርእሱ ንምልዋጥ ድልውነቱ ከረጋግጽ ክኽእል ኣለዎ፣ ብድሕሪኡ እውን ኣብ ከባቢኡ ምስ ዘለዉ ብምትሕብባር ለውጢ ከምጽእ ክጅምር ኣለዎ። ነብስኻ ከይተለወጥካ፡ ኣተሓሳስባኻ ከይተቐይረ፡ ንቕሓተ ሕልና ከይወነንካ፡ ንምንታይ ከም እትቃለስን እንታይ ዓይነት ለውጢ ከተምጽእ ከም እትደሊ ከይፈለጥካ ከተምጽኦ እትፍትን ለውጢ፡ ሕልሚ እምበር ጋህዲ ክኸውን ዘይሕሰብዩ።እቲ ዘሕዝን ድሕሪ 27 ዕመታት ኣሰቃቒ  ባርነታዊ ዓመታት፡ ሕጅውን ህዝቢ ኤርትራ ካብ በለካን ለኻዓካን ወጺኡ ዝጭበጥ ዝድህሰስ ስራሕ ክሰርሕ ክኽእል መድረኽ ይጠልቦ ኣሎ።  እስኪ ሓሳብና ንኣክብ እንታይ ክንገብር ከምእንደሊ ከኣ ንፍለጥ።
ነዞም ኣብ ቃልሲ ዝነጥፉ ዘለዉ ምንቅስቓሳት ውድባት ንዳህስሶም፣ መን ንህዝቢ ኤርትራ ዝጠቅም ዓላማ ሒዙ ይንቀሳቐስ ኣሎ፣ ንገምግም ንስዓቦ ንደግፎ ድማ ፣እንተዘይኮይኑ ከምቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዘይምትእምማንን፣ ኣብ ነንሕድሕድካ ኣብ ምውንጃልን ከነሕልፎ እንተዀንና፣ ንዝመጽእ ዘሎ ዓመታ እውን ከም ሎሚ ብዘይ ገለ ለውጢ ከይንሕልፎ ዘሰክፍ እዩ።ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ፡ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽኩዎ ፍቕሪ ኣብይ ኣሕመድን ውልቀመላኺ ኢሰያስን ኣብ ልዕሊ ልኡላዊ መሬት ኤርትራን ህዝባን ዘውርድዎ ዘለዉ ጉድኣት ክሳዕ ሒጂ መጠኑ ኣይተፈልጠን።ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን መሬቱን፣ ብስርዓት ህግደፍን ደገፍቱን፣ መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድን ብሄረ ኣምሓራን ዝወርድ ዘሎ ስነ ኣእምሮኣዊ ጉድኣትን፣ ስግኣትን ብቐጻሊ ንዕዘቦ ኣሎና። ኣብ ትግራይ ዘሎ ህዝቢ ትግርኛ ይኹን ጀበርቲ፣ ኩናማ ይኹን ሳሆ ኣካል እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ማሕበረሰብ እምበር፣ ኣካል ኢትዮጵያ ኣይኮነን ኣይነበረን’ውን። ኣብ ሞንጎ ተጋሩን ኢትዮጵያን ኩናት ሰዓርን ተሰዓርን ታሪኽ እምበር፣ ንሓድነትን ንሰላምን ንዘኽርዕ ሓበሻዊ ታሪኽን ኣይነበረን የለን ከኣ።
ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ትግራይን ግን ኣማኢት ዘይኮነስ  ንኣሽሓት ዓመታት ሓድነትን ምትሕግግዛትን ኩሩዕ ሓበሻዊ መንነትን ባህልን እምነትን፣ መሰረት ዘለዎ ሓደ ህዝቢ ኢዩ ነይሩ።ሓቂ ንምዝራብ ንቀይሕ ባሕሪ፣ ንምድሪ ባሕሪ /ባሕሪ ነጋሲ/ ካብ ወረርቲ ዝከላኸሉሉ ዝነበሩ፣ እቲ ጸላኢ ብኤርትራ ሰጊሩ ንኢትዮጵያ ክወርር ይመጽእ ስለዝነበረ እቲ ገጂፍ ኲናት ብደቂ ኤርትርራን ምትሕብባር ትግራዎትን እዩ ዝነበረ። ርግጽዩ መሳፍንቲ ተጋሩ ከም ደጃዝማች ውቤ ከም ሚካአል ስሑል፣ ከም ደግያት ሽማጋድሽን፣ ሸቃ ኣሉላን ንጉስ የውሃንስ 4ይን፣  ንህዝቢ ምድሪ ባሕሪ ቅሳነት ከሊኦሞ ከምዝነበሩ ዘይክሓድ ታሪኽ እዩ። ይኹን እምበር፣ ወራር ግራኝ ክወርር ከሎን፣ ወራር ቱርኪ ክወርር ከሎን፣ ወራር ግብጽን ማህድን ክወሩ ከለው፣ ኮሎንያል ጣልያን ክወርር ከሎን፣ እዚ ትግሪኛ ተዛራቢ ህዝቢ እዩ ብጅግንነት ንኢትዮጵያ ሓልዩ ጸኒሑ።  ተጋሩ እምበር ኤርትራውያን ኣይነበሩን ዝብል መሰረት ዘይብሉ ታሪኽ ምምጻእ ግን ጻዕዳ ሓሶት እዩ።
ንጉስ የውሃንስ ኣንጻር ወራር ግብጺ ዝተዋግአ ግብጺ ንኤርትራውያን መኪቱ ንትግራይ ንከኣቱ ኣብ ዓይላ ጉንደት ምስ በጽሐ እዩ ንነብሱ ክከላኸል ተዋጊኡ። እዚ ሓቀኛ ታሪኽ እዩ። ወራር ቱርኪ ከኣ ክሳብ ድባርዋ ክበጽሕ ከሎ ብጅግና በሓርነጋሲ ኢሳቕ ዝምራሕ ሓይሊ ጥራይ እዩ ኣብ ዓዲ ቆራይ ዝተባህለ ኣብ ሰራየ ኣውራጃ ዝርከብ ስዒሩዎሕጂ ግና ታሪኻት ከይጸባጸብና፣ ሎሚ ክኸውን ዘለዎ ህጹጽ መድረኽ እዞም መበቆሎም ሳባውያን ዝኾኑ ትግሪኛ ተዛረብቲ ብምዕራባውያን ክጠፍኡ ተፈሪዶም ስለዘለው፣ ብከመይ ገይሮም ኣብ ሓድሕዶም ከም ዝመጹን፣ ሓቢሮም ከምቀደሞም ንህላዌኦም ክምክቱን ከምዘለዎም ዝብል ጥራይ እዩ።  እዞም ኣብ ኤርትራ ይኹን ኣብ ትግራይ ዘለዉ ካልኦት ብሄራትን እምነታት እውን ብማዕረ ተጠቀምቲ ናይዚ ሓድነት እዚ ደኣ እምበር፣ ሓደ ኣብ ልዕሊ እቲ ካልእ ዝጉይትተሉ፣ እቲ ካልእ ድማ ከም ካልኣይ ዜጋ ዝረኣየሉ፣ ዜግነት ንምፍጣር ስለዘይኮነ፣ ንሓድነትክልቲኡ ህዝብታት ኣብ ዝግበር ቃልሲ፣ ተሳተፍቲ ክኾኑ መድረኽ ይጠልቦም ኣሎ።ብርግጽ፣ እዚ “ብምንቅስቓስ ኣሕዋት ኣግኣዝያን”፣ ብተስፋጼን/ ዝምራሕ ጉጅለ፣ ንሓድነት ኩለን ኣብ ኤርትራን ትግራይን ዝርከባ ቀቢላታትን እንዳታትን ከምኡውን ብሄረ ትግሪኛን፣ ብዘይ ሃይማኖታዊ እምነታት ኣፋላላይ ዝሓቁፍ ምንቅስቓስ ስለዘይኮነ፣ ብንዑኡ ዝትክእ ንኹሉ ዝሓቁፍ ንሓድነትን ሰላምን ህዝቢ ሓበሻ ዝሰርሕ ሓይሊ ክትካእ ኣለዎ።
ምንቅስቓስ ሪፖብሊክ ሓበሽ ጥራይ ኢዩ፣ እንኮ መፍትሒ ኮይኑ ንክብርታት ህዝቢ ትግሪኛ ተዛረብትን ካልኦት ምስኡ ዝርከቡ ኣሕዋቶምን ብሄር ብሂረ ሰባትን እምነታትን ከኽብር ዝኽእል። በዚ እንኸዶ ዘሎና ግን ንዝሓለፈ 100 ዓመታት ታሪኽ ምድረ ሓበሻ ምድረ ሳባውያን ምድረ ባሕሪ፣ ኣብ ውግእን ወረ ውግእን ሓሊፉ ሕጂውን ለቢምና፣ ክብርታትና ብሓድነት እንተዘይ ኣምሊስና፣ ከምቲ ምዕራባውያን ኣብ ላሌና ካብ ቅድሚ ኣሽሓት ዓመታት ጀሚሮም ክረባረቡና ዝጸንሑ፣ ሎሚ ከኣ ገረብ ብሓኽላ ዝዓላምኡ ንወያኔን ሻዕብያን ብሰይጣናዊ ፍልስፍና ማርክሰ ለኒን ተጠቒሞም ንሓዋሩ ንኸጽንቱና ይረባረቡና ኣለው።
ክፍለጥ ዘለዎ መበቆል ልኡኽ ባዕዳውያንን ሰላዪን ኢሰያስ ኣፈወርቂ።
እቶም ዓጋመ ኢልኩም ትጻረፉ ንመን ትጸርፉ ከም ዘለኹም ክትግንዘቡ ይግባእ። ሓረግ ወለዶ ኢሰያስ ኣፈወርቂ
1. ደጃዝማች መርጫ ወልደ-ኪዳን 4 ቆልዑ ወለደ
ንሳቶም ድማ:
ሀ. ደጃዝማች ጉግሳ መርጫ ወልደ-ኪዳን
ለ. ሃጸይ ዮውሃንስ መርጫ ወልደ-ኪዳን
ሐ. ራእሲ ሐጓስ መርጫ ወልደ-ኪዲን
መ. ደጃዝማች ማሩ መርጫ ወልደ-ኪዳን
ራእሲ ሐጓስ መርጫ ወልደ-ኪዳን
1 ወለደ ንሱ ድማ ኣብራሃ ሓጓስ መርጫ ወልደ-ኪዳን ይብሃል::
ኣብራሃ ሓጓስ መርጫ ወልደ-ኪዳን 4 ቆልዑ ወለደ ንሳቶም ድማ:
1. ደጃዝማች ሰለሙን ኣብርሃ ሓጓስ
2. መኮነን ኣብርሃ ሓጓስ
3. ሓጓስ ኣብርሃ ሓጓስ
4. ኣፈወርቂ ኣብርሃ ሓጓስ ኣፈወርቂ ኣብርሃ ሓጓስ 7 ቆልዑ ወለደ ንሳቶም ድማ:
1.ኣማረ ኣፈወርቂ ኣብርሃ
2. ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኣብርሃ
3. ኣማንኤል ኣፈወርቂ ኣብርሃ
4. ኤርምያስ ኣፈወርቂ ኣብርሃ
5. ዮናስ ኣፈወርቂ ኣብርሃ
6. ጽገሬዳ ኣፈወርቂ ኣብርሃ
7. ኣርያን ኣፈወርቂ ኣብርሃ
ብዝኾነ፤ ሓደ ክንፈልጦን ክንሰማማዓሉን ዘለና ኣገዳሲ ነገር ብዛዕባ ደመኛ ኢሰያስ ኣፈወርቂ፣ ኣብ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ክክቱር ጽልኢ ከምዘለዎ፣ ክሳብ ህዝቢ ኤርትራ ጨሪሱ ዝጸንት ተዓጢቑሉ ዘሎ ዕላማ ምኳኑ ክንፈልጥ ይግባእ። ዓዱ ቴንቤን ላዕላይ ዓዲ
ርሑስ በዓል ልደተ ክርስቶስብሩኽ ሓድሽ ዓመት ይግበረልና!!!!
ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ