ህሉው ኩነታት ኤርትራ፣ ኣቦኹም ኣብ ዘደቀሱና!

ኣብዚ እዋንዚ ብወገን እንዳወያነ ጭርሖ “መዝሙር ሰላም” ክጭራሕ ክስማዕ ከሎ። እንዳ ህግደፍ ከኣ፣ “ገጂፍ ጭንቀት ኣትዩዎ ኣሎ” ይስማዓ እሎ። እቲ ውዲታዊ ተልእኾ እዚ ጉዳይዚስ እንታይ ከምዝኾነ ግና ትፈልጡዎዶ?  ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ፣ ባንዳታት ህግደፍ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ብዙሕ ሸበድበድ ዝብሉዎ ዘለውብን፣ እቲ ካብ ህዝቢ ተሓቢኡ ዝካየድ ዘሎ ውዲትን፣ ኣበይ ንምብጻሕ...

እዋናዊ ዛዕባ፣ ብሳክቲዝም ዝብሃል ብስም ብርዒ ዝፍለጥ ግዱስ ዝተዳለወ ሓተታ

ኣብ ውሽጢ 26 ዓመታት፡ ባዕሉ ደሪሱ ባዕሉ ዝዋሰአሎም ተዋስኦታት እንተዝፍቀዱ ምናልባሽ ኢሳይያስ ኣብ ዓለም እቲ መዳርግቲ ኣልቦ ብሉጽ ደራሳይን ተዋሳኣይን ምተብሃለ ኔሩ፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ኍሕክምና ስኢኑ ንሱዳን እንዳተመላለሰ ክሕከም ከሎ፣ ኢሳይያስ ግና ብዙሕ ግዜ መርመራ ሕክምንኡ ንኽገብር ዝመላለሰሉ ሆስፒታል፡ ኣቡዳቢ ዛይድ ሚሊታሪ ሆስፒታል ዝተብሃለ፡ እዚ ሆስፒታል እዚ እዩ፡፡ ከምቲ ልሙድ ደድሕሪ ዘዝፈነኹልኩም...