ንምርምርን ንመጽናዕትን ተባሂሉ ዝቐረበ ሓጺር ዓምዲ ግንከኣ እዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ

ካብ 15 ክፍለ–ዘመን ጀሚሮም፣ ኣባሓጎታትና፣ ደቂ ኣግኣዝያን (ሎሚ ኤርትራውያንን፣ ትግራዎትን) ብሓባር ኮይኖም ንወራር ግርኝን፣ ንወራር ቱርክን፣ ንወራር ግብጺ ኣብ ኲናት ጎዳጉድን፣ ጉራዕን፣ ጉንደትን ብቅያ ዝመልኦ ጅግንነት ስዒሮሞ። ንወራር ማህዲ ገላብት ከኣ ክልቲኦም ደቂ ኣግኣዝያን ኣብ ኲናት መተማ ብ1889 ኣብ መንጎ 2 ምዓልታ ደምሲሶሞ። ከምኡውን ንኮሎንያል ጣልያን፣ በቲ ምዕቡል ኣጽዋሩ ከይርዓዱ: ወዲ...

ፖለቲካዊ ምንዝርና ርብዒ ዘመንን መጻኢ ሓድሽ ዓመትን : ሓድሽ ዓመት መጸ መዋእል ምምብጻዕን መትሓዚ መጨበጢ ዘይብሉ ትንታነታት ምሃብ ዳርጋ ለሚድናዮ ኢና- ሃገርና ኤርትራ፡ ብኹሉ መምዘኒታት ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝሓሰመ ደላህመት ጥሒላትሉ ኣብ ዘላ ኣብዚ ሕሱም እዋን፡ ኩሉ ኤርትራዊ ካብ ትማል ተማሂሩ፡ ንሱር በተኽ ለውጢ፡ እንተዘይተላዒሉ ምናልባት ህዝብና ከም ኣይሁድ ኣብ መላእ ዓለም ተበታቲኑ ዝነብር ሱር ኣልቦ ህዝቢ ምኻኑ ኣይተርፍን፡፡

  ሓድሽ ዓመት መጸ፣ እዚ ሰብዚ (ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዝብሃል ልኡኽ ባዕዳውያ ወይከኣ ኣባጓይላ ጥፍኣትና) መዋእል ምምጽባዕን መትሓዚ መጨበጢ ዘይብሉ ትንታነታት ምሃብ ዳርጋ ለሚድናዮ ኢና፡፡ ንመጻኢ ሓድሽ ዓመት 2017 እውን፡ ከምቲ ልሙድ ሓደሽቲ መጽበዓታት ክኣቱ፡ እንኮ ፖለቲካዊ ፈላስፋ ክመስልን ትንታነታት ክህብን ገና ብኣግኡ ኣብ ምልምማድ ይርከብ፡፡ ምናልባት ሓዱሽ ነገር እንተዘይኮነ እኳ መዘከርታ ክኾነና፡ ንታሪኽ...