ሓድሽ ዓመት መጸ፣ እዚ ሰብዚ (ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዝብሃል ልኡኽ ባዕዳውያ ወይከኣ ኣባጓይላ ጥፍኣትና) መዋእል ምምጽባዕን መትሓዚ መጨበጢ ዘይብሉ ትንታነታት ምሃብ ዳርጋ ለሚድናዮ ኢና፡፡ ንመጻኢ ሓድሽ ዓመት 2017 እውን፡ ከምቲ ልሙድ ሓደሽቲ መጽበዓታት ክኣቱ፡ እንኮ ፖለቲካዊ ፈላስፋ ክመስልን ትንታነታት ክህብን ገና ብኣግኡ ኣብ ምልምማድ ይርከብ፡፡ ምናልባት ሓዱሽ ነገር እንተዘይኮነ እኳ መዘከርታ ክኾነና፡ ንታሪኽ ርብዒዘመን ኣብ ትሕቲ “መግዛእቲ ህግደፋውያንን” ፖለቲካዊ ምንዝርና ኢሳይያስን ብቆላሕታ የዕዋፍ ካብ ሎሚ ጀሚረ በቢክፋል ከቕርበልኩም፡፡

December 23, 20160196

Iranian President Mahmoud Ahmadinejad (L) and his Eritrean counterpart Issaias Afeworki (front R) review the honour guard upon the latter’s arrival at Tehran on May 19 ,2008. Afeworki is on a two-day official visit to Iran. AFP PHOTO/ATTA KENARE

ሃገርና ኤርትራ፡ ብኹሉ መምዘኒታት ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝሓሰመ ደላህመት ጥሒላትሉ ኣብ ዘላ ኣብዚ ሕሱም እዋን፡ ኩሉ ኤርትራዊ ካብ ትማል ተማሂሩ፡ ንሱር በተኽ ለውጢ፡ እንተዘይተላዒሉ ምናልባት ህዝብና ከም ኣይሁድ ኣብ መላእ ዓለም ተበታቲኑ ዝነብር ሱር ኣልቦ ህዝቢ ምኻኑ ኣይተርፍን፡፡ እንተ እቶም ኣይሁድ ግን፡ ኣብ ሓደ ስለዝሰመሩን ብትሪ ስለ ዝተቓለሱን፡ ድሕሪ 2000 ዓመት ሃገር ከም ብሓድሽ መስሪቶም ምንባር ካብ ዝጅምሩ ኣስታት 60 ዓመት ኣቑጺሮም ኣለው፡፡ ንሕና ኤርትራውያን ግን ከም ናይ ኣይሁድ ምቹእ ናይ ታሪኽ ኩነታት ኮነ ኣጋጣሚታት ክህልወና ስለ ዘይክእል፡ ኮነ ተረፈ ኣብዚ እዋን ተወዲብና፡ ኣፈላላያትና ኣጽቢብና ኣብ ሓደ ሰሚርና፡ ንሓመድ ድበ ጉጅለ ምልኪ ክንለዓል ኣማራጺ ዘይብሉ ጉዳይ እዩ፡፡

ካብዚ መሰረታዊ ዕላማ ተበጊሰ ዘደላኹዎ እዋናዊ ጽሑፍ፡ ክሳብ መወዳእታ ብዓቕሊ ክተንብብዎ፡ ክትመያየጥሉ፡ ብሃናጺ ርእይቶታትኩም ክተህብትምዎ፡ ክትዝርግሕዎን ናብ ነገራዊ ሓይሊ ክንልውጦን ተስፋ እንዳገበርኩ ብቐጥታ ናብ ሓሳባተይ ክኣቱ፡፡

ፓለቲካዊ ደልሃመት ርብዒ ዘመን
ምምስራት ሃገረ ኤርትራ ምስ ምሕራር መላእ ኤርትራ ዝመጸ’ዩ፡፡ እቲ ንናጽነት ሉኡላዊነትን ዘንቀደ ቃልሲ ተወዲቡ ጀግና ህዝቢ ኤርትራ ንዓስርታት ዓመታት ምስ ሓጻውንቲ፡ ሓዊን ሕንዛም ፕሮፖጋንዳ ጸላእን ተቓሊሱ ኣብ 1991 ናጻነቱ ኣውሒሱ፡፡ ቅድሚ ናጽነት ዝተጓነጸፍናዮ ዓወት ህዝቢ ኤርትራ ሓድነቱን ስኒቱን ኣደልዲሉ፡ ናይ ኩሉ ልዑል ተሳትፎ ዝደረኸ ሓያል ተወፋይነት ከጥሪ ምኽኣሉ እዩ፡፡ ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት ነዊሕን መሪርን ብረታዊ ቃልሲ ብ1991/93 ብጋህዲን ብእውጅን “ናጽነት” ምስ ረኸብና ዝሰዓበ ዘይተጸበናዮ ናይ 25 ዓመታት ንምግላጹ ዘጸግም፡ ጥፍኣትን ዕንወትን ምኽንያት ብኣውርኡ ኣብ ፖለቲካ ዝተፈጥረ ሃጓፍ፡ ጥልመትን ዝንቡዕ ውሳነታትን’ዩ፡፡

ቅድም ቀዳድም ን30 ዓመታት መስተንክር ቅያታት ዝፈጸመ ህዝቢ ወናኒ ስልጣን ከይከውን ዝዓንቀጾ ገና ብኣግኡ ህግደፍ ዝተብሃለ ውድብ ምምስራቱ ‘ዩ፡፡ ቀቅድሚ ምቋም “ህግደፍ” ብውሳነ “ምንጽልጻል” ዘንጸርጸረ ህዝብን፡ ብኣድማ ተጋደልቲ ዝግለጹ ተቓውሞታትን ዋላ እንተነበነሩ፡ መብዛሕትኡ ህዝቢ ኤርትራ ግን፡ ኣብ ልዕሊ ውድብ ህዝባዊ ግንባርን መሪሕነቱን ዝነበሮ እምነትን ሓልዮትን ኣይተበረዘን፡፡ ብ1994 “ሃገራዊ ኣገልግሎት” ክእወጅ እንከሎ ህዝቢ ከም ኣካል “ልምዓታዊ ፖሊሲታት ሓድሽ መንግስቲ ኤርትራ” እምበር “ፖሊሲ ጊላነት” ምኻኑ ስለ ዘይተራኣዮ፡ ኣብ ልዕሊ ውድብ ህዝባዊ ግንባርን መሪሕነቱን ዝነበሮ እምነትን ሓልዮንትን ኣይተበረዘን፡፡ ማሕበራዊን ቁጠባዊን ሕቶታት ኣንቂሎም “መንግስቲ ኣለይ መለይ ይበለና” ዝበሉ ስንኩላን ማይ ሓባር ኣደዳ መስዋእትን ዳግማይ መቑሰልትን፡ ክኾኑ እንከለው እውን መብዛሕትኡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ልዕሊ ውድብ ህዝባዊ ግንባርን መሪሕነቱን ዝነበሮ እምነትን ሓልዮትን ኣይተበረዘን፡፡ እዚ ኹሉ እምነትን ሓልዮትን ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነት ካብ ዝነበሮ ክቱር ባህጊ ዝነቐለ እዩ፡፡ ህግደፍ ነዚ ክቱር እምነትን ባህግን መዝሚዙ በቲ እዋን በጨቕ ንዝብሉ ተርእዮታት “ትሕቲ ሃገራዊ” ስሚዒታትን ዝንባለታትን እንዳበለ ዝተፈላለዩ ጨፍላቒ ስጉምታት ክወስድ ተራእየ፡፡

እዚ መስርሕ ክሳብ 1997 ዝቐጸለ ኮይኑ፡ ህግደፍ ዝወስዶም ስጉምታት ከም ምኹኑይ፡ ኢሳይያስ ድማ ከም ሓደ ብጹእ መለኮታዊ መራሒ ጌርካ ናይ ምርኣይ ዝንባለታት ቀጸለ፡፡ ኢሳይያስ እዚ ካብ ሜዳ ጀሚሩ ብቐጥታን ብተዘዋዋሪን ክሃንጾ ዝጸንሐ ተኽለ ስብእና፡ መጠኑ ናብ ዝሓለፈ ኣንነት (Ultra Nationalism) ክጥሕልን፡ ማዕረ ኣብ ትግባረን ኣፈጻጽማን ቅዋም ዘይምኹኑይ ቐጥታዊ ምትእትታው ክገብር ኣኽኢልዎ ኢዩ፡፡

ህዝቢ ኤርትራ ወናኒ ፖለቲካዊ ስልጣኑ ኮይኑ፡ ኣመሓደርቱ ክመርጽን ክኣልን ዘኽእሎ ዲሞክራሲያዊ ባይታ ንኽፈጥር ንኣዋርሕ ዝተመያየጠሉ መስርሕ ቅዋም ረጊጹ፡ ንባዕሉ ሕዙእ ባይታ ከጣጥሕ ዝጸንሐ ኢሳይያስ ብ“ወራር ወያነ” ኣሳቢቡ፡ ኣብ ከብሒ ዝደርበዮ ሓድሽ ቅዋም መበገሲ ኩሎም ስዒቦም ዝተራኣዩ ጸገማት እዩ፡፡ ርግጸት ሓድሽ ቅዋም፡ ርግጸት ኩሎም ክብርታት፡ ባህልታትን ብሉጻት ያታታትን ህዝቢ ኤርትራ እዩ፡፡ ቅዋም ምስተነጽገ፡ ህዝቢ ኤርትራ መጻኢኡ ጥራሕ ዘይኮነስ ታሪኹ እውን ጸልሚቱ’ዩ፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ንዘመናት ዝሃነጾን ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ዝዝትየሉ ክፉትን ግሉጽን ማሕበራዊ ያታ፡ ብሉጽ ሃገራዊ ባህሊን ሕጊ እንዳባን፡ ኣብ ክንዲ ዝጥቀመሉ፡ ህግደፍ ቀስብቐስ ነዞም ብሉጻት ክብርታት ባሕጊጉ፡ ሕጊ ረጊጹ ብፍርሂን ታህዲድን ዘመሓድር ግሉጽነት ዘይብሉ ውድብ ምኻኑ ተጋሂዱ፡፡

ቅድሚ ቅዋም ዝነበረ ሓድሽ መሰጋገሪ መድረኽን ሃገራዊ ቻርተርን ምስ ኣጥፈኦ፡ ምቕርሐ ስልጣንን ቁጽጽር ኣካላት መንግስትን (ሓጋጊ፡ ፈራዲን ፈጻምን ኣካላት) ከምዘይህሉ ምስ ገበረ፡ ኢሳይያስ ነቲ ሃጓፍ መዝሚዙ፡ ፖለቲካዊ መድረኽ ጨውዩ፡ ካብ 1998 ንደሓር ኣብ ሃገርና ዓይኑ ዘፍጠጠ ምልክነትን ጊላነትን ዝመለለዬኡ ስርዓት ተኸለ፡፡

ቀጺሉ ልዕልና ሕግን፡ ድቂ ህዝባዊ ዲሞክራሲያዊ ባህልታት ንከይምዕብል ብምቑጻይ፡ ሃገር ተሓታትነት ብዝገደሎ ጉጅለ ምልኪ ከምትምራሕ ብምግባር፡ ሰናይ ዕላማታት፡ መትከላት ቅዋምን ሃገራዊ ቻርተርን ደምሲሱ፡ ብስስዐ ዝንዳሕ ፍጹም ጨፍላቒ መንግስቲ (ጉጅለ) መስረተ፡፡ ኢሳይያስ ትካላዊ ኣሰራርሓን ተሓታትነትን ብምጥፋእ፡ ዕምሪ ስልጣኑ ዘናውሕ ናይ ስልጣን ምክፍፋል ብምክያድ ኩሎም ኣካላት መንግስቲ ነንባዕሎም ከይተኣማመኑ፡ ናብ ዝገብር ቅርጺ ኣልቦ ውዳቤ ሸመሞም፡፡ ዝሩግ መሪሕነት ምስተመስረተ በሰላታት ምንጻግ ቅዋምን ዝንቡዕ ውሳኔታትን ንምጥምዛዝ ብ1998 ምስ ሓው ህዝቢ ኢትዮጵያ ሓድሽ ኩናት ወለዐ፡፡

ድሕሪ ኣዕናዊ ኩናት ምስ ኢትዮጵያ እቲ ድሕሪ ካልኣይ ጉባኤ ህዝባዊ ግንባር፡ ኣብ ድጉል ምትፍናንን ምስሕሓብን ዝጸንሐ መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር/ህግደፍ፡ ዚያዳ ፈጢጡ ክወጽእ ጀመረ፡፡ ኣብ ሞንጎ ኣባጓይላ ኢሳይያስን፡ ንዲሞክራስያዊ ስርዓት ጻውዒት ዝገብሩ ሰበ-ስልጣናትን ዝነበረ ሃጓፍ፡ ኣብ ጥርዙ በጺሑ ርሱን ወጥረ ሰዓበ፡፡ ነቐፌታታት ካብ ኩሉ ኣንፈት ክስዕቦ ዝጀመረ ኢሳይያስ፡ ነቲ ካብ ሜዳ ጀሚሩ ዝሰነዶ እከይ መዛግብ ገናጺሉ፡ ነቶም ብስም ጉጅለ 15ን ዝጽውዑን ሰዓብቶምን ከካብ መንበሪኦምን ስርሖምን ተኣሪዮም፡ ናብ መዓሙቕ ትሕቲ ምድሪ ክድርበዩ ገበረ፡፡ ናይ ኣረኣእያ ኣፈላላይ ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ናይ ምፍታሕ ባህሪን ተሞኩሮን ዘይብሉ ኢሳይያስ፡ ምእሳር ኣባላት ጉጅለ 15 ስዒቡ ኩሎም ክተኣታተው ዝጀመሩ “ዲሞክራሲያዊ” ባእታታት ሓደ ብሓደ ክቑጸዩ ብምግባር፡ ሃገራዊ ባይቶ ኣፍሪሱ፡ ብሕቲ ፕረስ ብምዕጻው፡ ኣሰናዳእትን ጋዜጠኛታትን ብምእሳር፡ ግቡእ ከይዲ ሕግን ኣብያተ ፍርድን ብምኹላፍ፡ በይኑ ጎብለል ውልቀ መላኺ ኮይኑ መሰስ በለ፡፡

በዞም ስጉምታት ዝሃሰሰ ህብቡነቱን ተቐባልነቱን ዳግም ንምምላስ ጽዑቕ ጎስጓስን ፕሮፖጋንዳን ዘተግብሩ ውዳቤታትን ኣካላት መንግስትን፡ ብምውዳብ፡ “ንሕና ንሱ” ዝዝምሩ “ሰዓብቲ” ከፍሪ ሓደሽቲ ቆጣቑጢ ክተክል፡ ዘይውዱን ፊስካላዊን ቁጠባዊን ፖሊሲታት ከዳሉ፡ ኮታስ ሃገር ናብ ድቕድቕ ደልሃመት ዘጥሕል ቀጻሊ ስጉምታት ምውሳድ ተተሓሓዞ፡፡

እንኮ ፖለቲካዊ ሰልፊ ህግደፍ ኣብ ታሪኽ ድሕሪ ናጽነት፡ ንብሉጽ ታሪኽ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ክብርታቱን ዘመራስሑ፡ ንኸርሶም ዝሓደሩ፡ ብታሪኽ እንዳማቶም ዝብለጹ፡ ናይ ታሪኽ ዳካታትን ሓተላታትን ክምላእ ተገብረ፡፡ ህግደፍ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ብኢሳይያስ ዝተኣለመ ሃዋሁ ምስ ጠሓለ ፖለቲካዊ ህልውና ዘይብሉ፡ ኣብ ፍቕዲ ውልቀ ሰባት ዝተንጠልጠለ፡ ስሩዕ ጉባኤን ምትኽኻእ መሪሕነትን ዘየካይድ ዝበበስበሰ ሰልፊ ኮነ፡፡ ኢሳይያስ ኣብ ሞንጎ እቶም ወትሃደራውያን ጎባልል ስኒት ከይህሉ ስውር ተንኮላት እንዳኣለመ ናብ ምትፍናን ምስሕሓብን ክዛሪዩ ገበሮም፡፡ እዚ ኮነ ተባሂሉ ዝተጻወደ ናይ ፈላሊኻ ምግዛእ መስርሕ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብብሄር፡ ብኣውራጃ፡ ብኸባቢ፡ ብሃይማኖት፡ ብዋርሳይ-ገዲምን ብኣበርክቶን ክፈላለ ነንሕድሕዱ ከይተኣማመን ደሪኽዎ’ዩ፡፡ ነዚ ኣፈላላይ ኣብ ክንዲ ዘጽብቡን ናብ ንቡር ዝመልሱን ዚያዳ ዘጋፍሑ ናይ ጸጥታን ወትሃደራዊ መሓውራት መሳርሒ ብምግባር ህዝቢ ዝሽቑረረሉ፡ ዝርዕደሉ፡ ካብን ናብን ብናጻ ዘይንቀሳቐሰሉን፡ ሓያል ስነ-ኣአምራዊ ጸቕጥታት ክዓርፎ፡ ተገብረ፡፡

ብፖለቲካዊ ባህሪያትን ተግባራትን ኢሳይያስ፡ ብውህሉል ጸቕጥታቱን ዝተሰናበደ ህዝቢ፡ ትማል ኣብ ውድብ ህዝባዊ ግንባርን መሪሕነቱን ዝነበሮ ክቱር እምነትን ፍቕርን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ክፍትሽ፡ ክምርምርን ኣማራጺታት ከናዲ ምስጀመረ፡ ኩለንታዊ መንነት ህግደፍን መሪሕነቱን ምስተረድአ ከብድን ሕቖን ኮይኑ፡ ሃገሩ ገዲፉ ናብ ስደት ተቐስበ፡፡ ብሓፈሻ ዘይቅርዑይ ፖለቲካዊ መሪሕነትን መትከላትን ህግደፍ ኣብ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን ንዝተራኣዩ ምንጪ ኩሎም ጸገማት ‘ዩ፡፡

ቑጠባዊ ደልሃመት ርብዒ ዘመን
ኣብ 3ይ ጉባኤ ህግደፍ ለካቲት 1994፡ ዝጸደቐ ሃገራዊ ቻርተር “ኣብ ኤርትራ ጥሜት፡ ድኽነትን ማሃይምነትን ክውገድ፣ ሕብረተሰብ ኤርትራ መንነነቱን ፍሉይነቱን ዓቂቡ እቲ ብሉጽ ስድራቤታዊን ኮማዊን ምትሕልላይ ኣማዕቢሉ፡ ብቑጠባ ትምህርትን ቴክኖሎጅን ምስተን ዝማዕበላ ሃገራት ክስራዕ ዘይተሓለለ ጻዕሪ ክነካይድ ኢና” ይብል፡፡ ኣብ ወረቐት ጥራይ ዝተረፉ ቀጺሎም ዝተሓንጸጹ ቁጠባዊ ፖሊሲታት ህግደፍ ካብዚ ሃገራዊ ቻርተር ዝወጹ’ዮም፡፡

ፖለቲካዊ ህልውንኡ ኣብ ዝተዛብዐ ሰልፊ ጥዕና ዘለዎ ቁጠባዊ ህልውና ክህሉ ዘይሕለም ኩነት ‘ዩ፡፡ ድሕሪ ናጽነት ብሓፈሻ ህግደፍ ሰለስተ ዓይነት ቑጠባዊ ፖለሲታት ሓንጺጹ እዩ፡፡ ፈለማ “መትከል ርእሰ ምርኮሳ” ከም ቐንዲ ቁጠባዊ ቴማ ብምውሳድ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ግዳም ሓገዝ ከይተጸበየ ብረሃጹ ሃገሩ ክሃንጽ ዝብል ፖሊሲ ኣተኣታተወ፡፡ ብመሰረት እዚ ፖሊሲ ከኣ ፈለማ ኣዋጅ “ሃገራዊ ኣገልግሎት” ቀጺሉ ድማ “ወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ” ከም ቀንዲ መረጋገጺ ቁጠባዊ ትንሳኤ ብምውሳድ ቢሊዮናት ናቕፋ ሰሊዑ ገለ ፕሮጀክታት ጀመረ፡፡

“ሃገራዊ ኣገልግሎትን ዋርሳይ ይከኣሎን” ንሃልኪ ፕሮፖጋንዳ‘ምበር ብጭቡጥ ቑጠባ ሃገር ዘበራብሩን ልምዓት ዘረጋግጹን ፖሊሲታት ዘይምንባሮም ደንጉዩ ዝተረድኦ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ 2007 ድማ ብስም “ልምዓታዊ ዞባታት” ዝተግሃደ ኣብ ሕርሻን ህንጸት ዲጋታትን ዘተኩር ፖሊሲ ሓንጸጸ፡፡ በቲ እዋን “ኩለንትናዊ ልምዓት ኣብ ውሽጢ 3 ዓመት ዳግማይ ንምብርባር” ብዝብል ሃገር ናብ ሰለስተ ልምዓታዊ ዞባታት ማለት ምብራቓዊ ኣጻድፍ፡ ማእከላይ ከበሳን ምዕራባዊ ቆላን መቓቒሉ ኣብ ትሕቲ ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ሓይሊ ዕማም ንምህንድስና ደገፍ (Engineering Support Task Force) ዝብል ኣወዳድባ ፈጢሩ ኣብ መላእ ሃገር ዝተፈላለዩ መጽናዕታት ዘካይዱ 30 ላዕለዎት ኪኢላታት ብምምዳብ ዝተፈላለዩ ናይ ዲጋታትን መእለይ ወሓይዝን ክሃንጹ መደብ ሓንጸጸ፡፡

ኣብ ትሕቲ ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ዝተኣኻኸቡ እቶም ኪኢላታት፡ ብዝተፋላዩ ጸቕጥታት ብዙሕ ከይጸንሑ እንዳተበታተኑ “ውጥን ልምዓታዊ ዞባታት” ፈሸሉ፡፡ ኢሳይያስ ንመጽናዕታት ተወኪሱ ንነብሱ ከም ሓደ ኪኢላ ቆጺሩ፡ ዘይሳይንሳዊ ዲጋታት ኣብ መላእ ሃገር ምህናጽ ጀመረ፡፡ ብመሰረት’ዚ ከኣ ኣብ ምብራቓዊ ኣጻድፍ ኣብ ሩባታት መጓዕ፡ ዒን፡ ሓዳስን ዳማስን፣ ኣብ ማእከላይ ከበሳ ኣብ ሩባ ገንሰልን ከባቢታት ሃዘሞን፣ ኣብ ምዕራባዊ ቆላ ድማ ኣብ ሩባ ባርካ ዝተፈላለዩ ዲጋታት ክንሃንጽ ጀመረ፡፡ እዞም ካብ 280 ሺሕ ሜትር ኩብ ክሳብ 28 ሚሊዮን ሜትር ኩብ ማይ ናይ ምዕቋር ዓቐሚ ዘለዎም ካብ ናእሽቱ ክሳብ ዓበይቲ ደረጃታት ዝተውሃቦም ዲጋታት፡ ከም በዓል ገርሰት፡ ፋንኮ፡ ባድሚት፡ ከርከበት፡ ቃቕብዳ፡ ዲጋ ዋርሳይ፡ ዓዲሃሎን ገርገራን ድማ ብኢሳይያስ ኣፈጻምነት ብናጻ ጉልበት “ሃገራዊ ኣገልግሎት” ዝተሃንጹ እዮም፡፡ እዞም ብሃውሪ ዝተሃንጹ ዲጋታት ብሰንኪ ጠብሎቕሎቕ ፕረሲዳንት ናይ ዲዛይን ለውጥታት እንዳተገብረሎም ይትረፍ ዶ ውሕስነት ምግቢ ከረጋገጹ ኣብ ዝተሃነጽሉ ከባቢታት ንዝነብር ህዝቢ ሓደጋታት ከንጸላልዎ ገይሮም ’ዮም፡፡

ኣሳእልን ቪዲዮታትን እዞም ዲጋታት ብምሓዝ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ማእለያ ዘይብሉ መደናገሪ ፕሮፖጋንዳታት ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ ኣብዚ እዋን፡ ኣብ ሃገርና ዝተሃንጹ ዲጋታት ብኹሉ መለክዒታት ምህንድስናዊ ደረጃታት ዝጎደሎም ምኻኑ ተረጋጊጹ’ዩ፡፡ ንኣብነት ኣብታ “ሳልሳይ ቤ/ጽ ፕረሲዳንት” ኮይና ዘላ ከባቢ ጠቐረ (ዓዲሃሎ) ተሃኒጻ ዘላ ዲጋ ብናይ ወጻእ ኪኢለታት ብዝተገብረ መጽናዕቲ እዞም ዝስዕቡ መሰረታዊ ጸገማት ተረኺቦምዎ’ዮም፡፡

ኣብ ኣጠቓቕማ ነተጉቲ ኣብ ክንዲ ሓደ ብሓደ ነቶም ኣኻውሕ ምፍራስ (Controlled Blasting) ቀልጢፉ ክውዳእ ካብ ዝብል ድፊኢት ብሓደ ግዜ (uncontrolled Blasting) ክፈርስ ስለዝተገብረ ስነ-ምድራዊ ሓደጋታትን ነቓዓትን ተፈጢሩ’ዩ፡፡
ኣብ ምጅማር ህንጻት ፕሮጅክት ዓደሃሎ ኣብ እዋን ክረምቲ ብምንባሩ እቲ ዲጋ ብየማንን ጸጋምን ሸነኽ ክስራሕ እንዳተገበኦ ካብ ማእኸል ስለ ዝተጀመረ ኣብ መጻኢ ጸቕጢ ክብርትዖ እንከሎ ሓደጋታት ከስዕብ ‘ዩ፡፡
ኣብ ምምላእ ጃህያን ስሚንቶን እኹል ቀረብ ስለ ዘይነበረ ነቲ ዲጋ ዘይምጥኑ ደረጅኦም ዘይሓለው መሳርሒታት ብምጥቃሞም ኣብ ብቕዓትን ጽፈትን ጸገማት ተራኢዮም እዮም፡፡
እቲ ዲጋ ተወሳኺ 6 ሜትሮ ቁመት ክውስኽ ስለዝተገብረ፡ ኣብ ዲዛይን ዝተፈጠረ ለውጢታት ሕግታት ምህንድስና ዝጠሓሰ ምኻኑ ተነጺሩ’ዩ፡፡
ኣብ መወዳእታ እቶም ኪኢላታት ኣብ ሰለስተ ቀንዲ ሳይንሳዊ ጥሕሰታት ኣትኩሮም ዲጋ ዓዲሃሎ ጥሕሰት ናይ Stability analysis, specific gravity, concrete & slab filling ከምዘለዎ ብምሕባር ካብ Geo physical ክሳብ ስነምድራዊ ጸገማት ከስዕብ ስለዝኽእል ክሕሰበሉ ተላቢዮም፡፡ ኣብ መወዳእትኡ እቶም ወጻእተኛታት ብቤ/ጽ ፕረሲዳንት ብህጹጽ ካብ ሃገር ክወጹ ተገይሮም ‘ዮም፡፡
ቑጠባ ሃገር ምስ ፖለቲካዊ ሃሰያታት ተደማሚሩ፡ ሃገርና ኤርትራ ብውልቂ፡ ብሽርክነት፡ ብማሕበርን ብመንግስትን ዝተሓንጸጹ ቑጠባዊ ፖሊሲታት፡ ስትራተጅታትን ፕሮጀክታትን ኩሎም ፈሺሎም፡፡ ካብ “ወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ” ክሳብ “ልምዓታዊ ዞባታት” ማእለያ ዘይብሉ ምውላታትን ናጻ ጉልበትን ፈሲስሉ ክንሱ፡ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ካብ ድኽነትን ድሕረትን ኣይተናገፈን፡፡ ኩሎም ቑጠባዊ ውጥናት ዝለዓለ ሞያ፡ ብቕዓትን ክእለትን ብዘለዎም መራሕቲ ኣብ ክንዲ ዝምርሑ ብኣዘዝቲ ሰራዊት ስለ ዝተመርሑ ዝተረኸበ ውጽኢት ኣይነበረን፡፡ ኣብ ኩሎም ቑጠባዊ ውጥናት ዝተዋፈረ ዓያዬ ጉልበት ብሃገራዊ ኣገልግሎት ዝተሰየመ ዘመናዊ ባርነት ስለዝኾነን ብኣስገዳድ ስለዝነበረን ናይ ምስራሕ ድሌቱ፡ ፍናኑ፡ ሞራሉን ኣፍራይነቱን ስለ ዘትሓተ በዘይውጽኢት ብፍሽለት ተዛዚሙ፡፡

ኢሳይያስ ቑጠባ ሃገር ንምዕባይ ዝተኸተሎ ግጉይ ፖሊሲ፡ ምስ ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት ዝወለዖ ኩናት፡ ኣብ ልምዓታዊ ገስጋስ ሃገርና ዓብይ ሃሰያ ኣስዒቡ’ዩ፡፡ ካብ ናጽነት ክሳብ 1997 ክበጋገስ ዝጀመረ በ7 ሚእታዊት ዝግለጽ ቑጠባዊ ዕብየት፡ ድሕሪ ኩናት ምስ ኢትዮጵያ ኣዚዩ ኣንቆልቂሉ ኣብ መወዳእታ ሃገርና ኤርትራ ብዓለም ለኻዊ መለኪዒታት፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምስ ዘለዋ ሃገራት ዘይትወዳደር ን10ታት ዓመታት ዝኣክል ንድሕሪት ዝተመልሰት ሃገር ኮይና ‘ያ፡፡

ኣብ ሃገራዊ ቻርተር 1994 ንቑጠባ ኣምልኪቱ ካብ ዝተገለጹ ሓሳባት ሓደ “ኣብ ናጻ ኤርትራ እንሃንጾ ቑጠባዊ ስርዓት፡ ድልየት ዝበዝሐ ህዝቢ ዘርውን፡ መነባብርኡ ዘማሓይሽን፣ ኣብ መላእ ሃገር ምዕሩይ ዝርጋሐ ዘለዎ፣ ዝተመጣጠነ ቑጠባዊ ዕብየት ዘረጋግጽ፣ ብሕግታት ዕዳጋ ዝሰርሕ፣ ብሕታዊ ወፍርን ተበግሶን ዘተባብዕ ክኸውን አለዎ” ይብል፡፡ ኣብ ውሽጢ 25 ዓመታት ድማ እዞም መጽብዓታት ሓድብሓደ ከም ሃፋ ተኒኖም እዮም፡፡ ገለ መርኣያታት፡-

ኣብ ሕርሻ ብስም ምርግጋጽ ውሕስነት ምግቢ፡ ሓረስታይ ሃገርና ካብ ልማዳዊ ሕርሻ ክወጽእን ኣፍራይነቱ ክዓብን ዝሕግዙ ቀረባት ዘመናዊ ድኹዒ፡ ዘራእትን ቴክኖሎጂታትን ስለዘይተኣታተውሉ፣ ብቐንዱ ድማ ብሰንኪ ግዱድ ዕስክርናን ዘስዓቦ ስደትን ዓያዬ ዓቕሚ ሰብ ስለዝሰኣነ፣ መሬቱ ቃዲሩ፡ ናብርኡ ኣንቆልቂሉ፡ ተጻባይ ግዳማዊ ሓገዝን “ዘየመውት ዘየሕዊ” ህግዳዊ ኩፐን ኮይኑ’ዩ፡፡

ኣብ ጽላት ንግዲ ዝተኣታተዉ ፖሊሲታት ብቐንዱ ጁባ ህግደፍ ክህጥሩ ዝተሓንጸጹ ብምኻኖም ኣብ ውሽጢ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን ኣብ ሃገርና ብሕታዊ ወፍሪ ተዳኺሙ ኣውፈርቲ ብዝተፈላለዩ ጸቕጥታት ንዋቶም ተዘሪፎም፡ ናብ ስደት ተቐሲቦም እዮም፡፡ ብፍላይ ብስም “ብርኪ” ዝተኣታተወ መስርሕ ንግዲ ህግደፍ ኣብ ሃገርና ንኹሉ ዓውድታት ንግዲ ዝገበተ (ሞኖፖላይዝ ዝገበረ) ሰልፊ ክኸውን ኣኽኢልዎ እዩ፡፡ ብመሰረት እዚ ከኣ ህግደፍ ብደረጃ ሃገር ወናኒ ልዕሊ 13 ትካላት ህንጻ፣ ልዕሊ 10 መራኽብን ኣማእት ጀላቡን፡ ብኣሻሓት ዝቑጸራ ማሽነሪታትን መካይንን፣ 4 ዓበይቲ ሆቴላት፡ ፋብሪካታት፡ ትካላት ዕደና፡ ጋራዣት፡ ንግዳዊ ኮርፐረሽን ቀይሕ ባሕሪ፡ ባንክ ኣባይትን ንግድን፡ ሂምቦል ፊናንሳዊ ኣገልግሎት፡ ኤረ ሶክ፡ ማርግራን፡ ማሕተም ሳቡር፡ ኖቫሳሰብሪ፡ መፍረ ዕትሮ ጋዝ፡ ማርሞን ዓረን፡ ድኳናት ሕድሪን ዓበይቲ ሕርሻታትን ብምኻን ሃገራዊ ቑጠባ ቢሒቱዎ ኢዩ፡፡ ማእለያ ዘይብሎም ትካላት ቑጠባ ዝወነነ ህግደፍ ማዕረ ማዕሪኡ ከኣ ብብልሽውና ዝልለዩ ሓለፍቲ ኣጥሪዩ ኢዩ፡፡

ኣብ እንዳስቱሪ፡ ብመንግስቲ ብውልቃውያን ኣውፈርትን ዝተኣታተዉ ትካላት ካብ ስራሕ ወጻእ ኮይኖም እዮም፡፡ እንዱስቱሪ ከም ኣምር ካብተን ኣብ እዋን መግዛእቲ ካብ ዘተኣታተዋ ሓንቲ ኤርትራ ክንሳ፡ ኣብ ዘመነ ኢሳይያስ ግን ዝነበረን ዲሑሩ ዝተሃንጸን ኩሉ ፋብሪታትን ዓንዩ፡ ካብ ኣገልግሎት ወጻእ ኮይኑ እዩ፡፡ ንኣብነት ቢሊዮናት ናቕፋ ዝተሰለዓሎም ከም በዓል ፋብሪካ ስሜንቶ ገደምን ገርጉሱምን፡ ፋብሪካ ባናቶም ኣለቡ፡ ፋብሪካ ሽኮር ኣፍሂምቦል፡ ፋብሪካ ፕላስቲክ ባጽዕ፡ ፋብሪካ ኮኳ፡ ፋብሪካ ሳሙና፡ ፋብሪካ መዝሓሊን መፍረን በረድን ካልኦትን ካብ ኣገልግሎት ወጻእ ኮይኖም እዮም፡፡ ንምትእትታውን ምትብባዕን ግዳማዊ ወፍሪ ተባሂሉ ዝተበጋገሰን ብዙሓት ነበርቲ ዘፈናቐለ ኣብ 17 ብ21 ኪ/ሜ ዝተዘርገሐ ብዶ/ር ኣርአያ ዝምራሕ “ናጻ ንግዳዊ ዞባ ባጽዕ” ካብ ዝቋረጽ ኣስታት 7 ዓመታት ሓሊፉ እዩ፡፡ ኣብ ኤርትራ ወፍሪ (Investment) ከካይዱ ካብ ዝኣተው ኣስታት 50 ናይ ዕደና ትካላትን ኣስታት 100 ዝግመቱ ውልቃውያን ኣውፈርትን ካብ ሃገር ነቒሎም ወጺም ኢዮም፡፡

ኣብ ህንጻ ካብ 2007 ጀሚሩ ኣብ ምህናጽ ኣባይቲ፡ ርሻናትን መገድን ዝዋፈሩ ዝነበሩ ብሕታውያን ኣውፈርቲ ልቸንሰኦም ተመንጢሎም እዮም፡፡ ህንጻ ምሉእ ብሙሉእ ብደረጃ ሃገር ካብ 2007 ንደሓር ተኸልኪሉ እዩ፡፡ ውሽጢ ንውሽጢ ብናይ ግዳም ሓገዝ ናይ ውልቆም ኣባይቲ ክሃንጹን ከሕድሱን ዝጸንሑ ዜጋታት ካብ 2014 ጀሚሩ ኣባይቶም ብመንግስቲ ፈሪስዎም እዩ፡፡ ብትእዛዝ ኢሳይያስ ኣስታት 5670 ኣባይትን ርሻናትን ኣብ ኣስመራ፡ ሰላዕ ዳዕሮ፡ ሕምብርቲ፡ ዓዲቀይሕ መንደፈራ፡ ደቂምሓረን ካልኦት ከባቢታትን ብዶዞራት ፈሪሱ እዩ፡፡

ገንዘባዊ ፖሊሲ ንምልዋጥ ካብ 2010 ንደሓር ኣብ ባጤራ ዝተገብሩ ለውጥታት ቑጠባ ሃገርና ዚያዳ ሃሲዮምዎ እዮም፡፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ዕዳጋታት ሰለስተ ዓይነት ሕብሪ ዘለዎ ናይ 100 ኖት ናቕፋ፡ ክልተ ሕብሪ ዘለዎ ናይ 50 ኖት ናቕፋ ይርከብ፡፡ እዚ መስርሕ መርኣያ ዘይሳይንሳዊ ገንዘባዊ ፖሊሲ ኮይኑ ብተወሳኺ ኣብ 2016 ድማ ምሉእ ህዝቢ ዘንጸርጸረ መስርሕ ምቕያር ባጤራ ብምክያድ ህዝቢ ንዓመታት ዘዋህለሎ ገንዘቡ ብሓይሊ ተመንጢሉ እዩ፡፡ ህዝቢ ኣብ ባንኪ ንዘእተዎ ገንዘቡ ንኸውጽእ ካብ ምምሕዳር ናይ ፍቓድ ወረቐት ከቕርብን ኣብ ወርሒ ካብ 5 ሺሕ ናቕፋ ንላዕሊ ከየውጽእ ስለ ዝተኣገደ፡ ህዝቢ ብኢደ እግሩ ተታሒዙ ቑጠባ ሃገር ዚያዳ ተሃሲዩ ‘ዩ፡፡

ልዕሊ 1200 ኪ/ሜ ዝተዘርገሐ ገማግም ባሕሪ ብዓለም ለኸ ደረጃ ብዝለዓለ ዝጥለቡ ከም በዓል ሽሪምፕ፡ ፕራውን፡ ክራፕ፡ ሲፔር ዓይነት ዓሳታት ከምኡ እውን ኣብ ባሕሪ ካብ ዝርከቡ ተፈጥራዊ ጸጋታት ሕድራ ሕርካ ጽፍሪ ባሕሪን ኣብ ውሽጢ 25 ዓመታት ዝተረኸበ ረብሓ የልቦን፡፡ ድራር ዕለቱ ካብ ባሕሪ ጥራሕ ከማልእ ዝግበኦ ህዝቢ፡ ባሕሪ ጾሙ ሓዲሩ መዕንደሪ ጨራሩን፡ ግዳማውያን ተበላለጽትን ብኣጻብዕ ዝቑጸሩ ወትሃደራውያን ሓለፍቲ ኮይኑ ኣሎ፡፡ ኣብ ልዕሊ ገማግም ባሕርና ኣብ ዝሓለፉ 25 ዓመታት ዝተሃንጸ ወደብ ስለዘየለን ኣገልግሎት ወደብ ብህግደፍ ስለዝተብሓተን ኣታዊን ሰደድን ባሕሪ ተዳኺሙ’ዩ፡፡

ኣብ ዕደና ፈለማ ንውፍሪ ፍቓድ ዝሓተቱ ናይ ወጻእ ትካላት ካብ ሃገር ክወጹ ብምግባር ኣብዚ እዋን ውሑዳት ናይ ቻይና፡ ኣውስትራሊያን ካናዳን ኣውፈርቲ ጥራይ ተሪፎም ኣለው፡፡ እዞም ኣውፈርቲ’ውን ኣብ ቑጠባ ሃገር ዋላ ሓንቲ እጃም ከየበርከቱ ጁባ ገለ ሓለፍቲ ኣብ ምህጣር ይርከቡ፡፡

ብሓፈሻ ቑጠባ ሃገርና ብዝተዛብዐ ኢሳይያሳዊ ፖሊሲታት እንዳተመርሐ ብናይ ወጻእ ሸርፊ ሕጽረት፡ ብስእነት ወፍሪ (ኢንቨስትመንት)፡ ብሕጽረት ኪኢላዊ ሰብኣዊ ዓቕሚን ኣዚዩ ተዳኺሙ ድልየት ውልቀ ሓለፍቲ እምበር ድልየት ዝበዝሐ ህዝቢ ዘየረዊ፡ ምዕሩይ ዝርገሐ ዘይብሉ፡ ብሕግታት ጫካ ዝምራሕ፡ ብሕታዊ ወፍሪን ተበግሶን ዝቖጺ፡ ኮይኑ ንዝሓለፈ ርብዒ ዘመን ቀጺሉ ኣሎ፡፡ ኣብዚ ናይ መወዳእታ ዘመነ ጥፍኣት’ውን ኢሳይያስን ገለ ሰዓብቱን፡ ኣብ ቑጠባ ንዘጓነፈ ክቱር ጸገማት ንምፍታሕ ብሓደ ገጽ ሉኡላዊነት ሃገር ብምጥሓስ ብስም ኪዳንን ዲፕሎማስያዊ ጽምዶን መሬትናን ባሕርናን እንዳሸጡ፡ ብኻልእ ገጽ ድማ ኣብ ልዕሊ መሬት ዝነበረ ጸጋ ጸንቒቖም ናብ ትሕቲ መሬት ዝርከቡ ባህሪያዊ ጸጋታት ብምስግጋር ምስ ግዳማውያን ተሻሪኾም ናይ ወጻኢ ሸርፊ ይምእርሩ ኣለው፡፡

ማሕበራዊ ድልሃመት ርብዒ ዘመን
ቑጠባዊን ፖለቲካዊን ሃዋሁ ኣብ ዝተዛብዐሉ ሃገር ምዕሩይ ማሕበራዊ ሂወትን ኣገልግሎትን ክህሉ ምጽባይ ኣይከኣልን፡፡ ኣብ ዝሓለፉ 25 ዓመታት መሰረታዊ ኣገልግሎታት ማይ፡ ልቺ፡ ጸዓት፡መጓዓዝያን መራኸብታትን ብኣግባቡ ኣይተዝርገሐን፡ኣብ መጓዓዝያ 115 ኪ/ሜ ዝተዝርገሐ መገዲ ባቡር ኣብ እዋን መግዛዕቲ ጥልያን ዝተሃንጸ እዩ፡፡ ኣብ መጓዓዝያ ባሕሪ ካብ ደርግ ብዝተረከብናየን 4 መራኽብ ሓዊሱ ድሕሪ ናጽነት ዝኣተዋ 5 መራክብ ዓንየንን ካብ ኣገልግሎት ወጻእ ኮይነን እየን፡፡ ኣብ መጓዓዝያ ምድሪ ንብሕታውያን ኣውፈርቲ ዘዳኽም ኣብ ቀንዲ ከታማታት ጥራይ ዝተወሰነ ግልጋሎት ብምህላው ዓበይቲ ሕጽረታት ይረአ እዩ፡፡ በቢእዋኑ ካብ ወጻኢ ተዓዲገን ብሓያሎ ጎስጓስ ተዓጂበን ዝኣትዋ ኣውቶቡሳት ብሰንኪ ብቕዓት፡ ሕጽረት መቀያየሪን ነዳዲን ኪኢላዊ ዓቕሚ ሰብን ብዙሕ ከየገልገላ ኣብ ዓሻ ጎልጎልን ጋራዣት ፈንቅልን ዝዕሸጋ እየን፡፡ ኣብ ትሕቲ ቅርጺ ጽርግያታት ድሕሪ ናጽነት ብጀካ ሕድሳትን ሓጸርቲ ምልባጥ ቅጥራናትን ዝተረኣየ ነገር የለን፡፡ እቲ ክጥቀስ ዝኽኣል ዝተሰርሐ ጽርግያ ካብ ኣስመራ ንባጽዕ ዝተዘርገሐ ናይ ቅጥራን ጽርግያ ጥራይ’ዩ፡፡

ኣብ መጓዓዝያ ኣየር ኣብ ኣፍሪቃ ካብቶም ኣዚዮም ዝተዳኸሙ መገዲ ኣየራት ሓደ መገዲ ኣየር ኤርትራ እዩ፡፡ ፕረሲዳንት ኢሳይያስ ባዕሉ ናይ ምስርን ቀጠርን ነፍረቲ ተኻርዩ ኣብ ዝጥቀመሉ ደረጃ ተበጺሑ እዩ፡፡ ካብተን ብዙሕ ዝተነግረለን ኣየራት ሓንቲ ቦይንግ 767 “ንግስቲ ንህቢ” ‘ውን ካብ ኣገልግሎት ወጻእ ካብ ትውዕል ዓመታት ኣቑጺራ፡፡ ከም በዓል ሉፍታንዛ፡ የመንን ቀጠርን ናብ ኣስመራ ዝገብርዎ በረራታት ኣቋሪጾም፡፡ ልዕሊ 90 ሚእታዊ ኤርትራውያን ኣብረርቲ ካብ ሃገር ምስ ወጹ ዝተረፈ እንኮ ኣመራጺ መገዲ ኣየር ኤርትራ ንቱርካውያን ፓክሲትናውያን ንውልቀ ነጋዶ (ናስ ኣየር) ኣሕሊፉ ብክራይ ክወሃብ ተገደዱ እዩ፡፡ ኣብዚ እዋን መገዲ ኣየር ኤርትራ ሙሉእ ብሙሉእ ወጻኢታት ነዳዲ ክሽፍን ዘይክእል ብኽሳራ ዝነጥፍ ኮይኑ ኣሎ፡፡

ኣብ ኣገልግሎት መራኸቢታት፡ ኣብ ሃገርና ካብ ፊክስድ ላይን ክሳብ ሞባይላትን ኢንተርኔትን ክኣትው ‘ኳ እንተተገብረ፡ ኣብ ኣገልግሎት ሞባይል ብወትሃደራዊ ቀይድታት ዝተዓንቀጸ፡ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ኣዚዩ ደቂቕ ስለያዊ ቁጽጽርን ጽበት ባንድ ዊድዝን ዝካየደሉ ዓውዲ’ዩ፡፡ ክሳብ ሕጂ ካልእ ይትረፍ ናይ ገዛ ቴሌፎን ዘይተባጸሐሎም ከባቢታት ብዙሓት ‘ዮም፡፡

ኣብ ትምህርትን ጥዕናን፡ ዝተፈጥረ ሃጓፍ ምናልባት ኣብ ታሪኽ ኣፍሪቃ እቲ ዝኸፍአ ‘ዩ፡፡ ብፍላይ ኣብ ኪኢላ ሰብኣዊ ዓቕሚ ዝረአ ዘሎ ፍልሰት ከቢድ ሃሰያ ፈጢሩ ‘ዩ፡፡ ዝርገሐ ትሕቲ ቅርጺታት ትምህርትን ጥዕናን ዋላ ክሳብ ምምሕዳር ዓድታት እንተበጽሐ ብሰንኪ ሕጽረት ኪኢላዊ ዓቕሚ ሰብን ቀረብን መብዛሕትኡ ኣብያተ ትምህርትን ትካላት ጥዕናን ካብ ኣገልግሎት ወጻእ ኮይኑ ኣሎ፡፡ ኣብ ዓመት ካብ ሽድሽተ ኮለጃትን ካልኦት ናይ ሞያ ትካላት ተመሪቖም፡ ካብ ዝወጹ ተምሃሮ ኣስታት 70 ሚእታዊት ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ካብ ሃገር ዝስደዱ እዮም፡፡ ንኣብነት ኣብ 2015 ብማሕበር ሓካይም ኤርትራ (ERIMA- Eritrean Medical association) ኣብ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ውሽጢ 25 ዓመታት ካብ ዝነበሩ 510 ኤርትራውያን ዶኩተራት ልዕሊ 257 ካብ ሃገር ወጺኦም ‘ዮም፡፡ ዘዝተምሃረ ናብ ስደት ኣብዘምረሓሉ ህሞት፡ መጻኢ ወለዶ ናይ ዓበይቲ ኣሕዋቱን ኣያታቱን ኣሰር ስዒቡ ካብ ሃገር ናይ ምስዳድ እምበር ራእይ ዘለዎ ተማሂሩ ንበሱን ሃገሩን ከርብሕ ዝትምነ ወለዶ ዳርጋ የለን፡፡ ምዕጻው ዩንቨርስቲ ኣስመራ፡ ምድኳን ወትሃደራውያን ኮለጃትን መርኣያ ኣብ ልዕሊ መጻኢ ወለዶን ሙሁራንን ኤርትራ ዝግበር ተጽዕኖታት’ዩ፡፡

ኣብ ቀረብ ጸዓትን ልችን ‘ውን ህዝቢ ኤርትራ ነዳድን ልችን ክጠፍእ ከሎ ዘይኮነስ ክመጽእ ከሎ ዝግረመሉ ደረጃ ተበጺሑ ‘ዩ፡፡ ድሕሪ ናጽነት 4 ግዜ ዝሓለፎም (Outdated) ነፍሰ ወከፎም 22 ሜጋ ዋት ናይ ምጽዓን ዓቕሚ ዘለወን DGU ዝተብሃላ ናይ ሰሜን ኮርያ ጀኔሬተራት ሒዙ ዝተመስረተ መምጨዊ ኤለክትሪክ ሕርጊጎ ንኣስታት 12 ዓመታት ድሕሪ ምግልጋሉ፡ ዳርጋ ካብ ኣገልግሎት ወጻእ ካብ ዝኸውን ዓመታት ኣቑጺሩ‘ዩ፡፡ ኣብ ቀረብ ነዳዲ መንግስቲ በቢሰለስተ ወርሒ ንህዝቢ ብምወላ ዘቕርቦ ዝነበረ ነዳዲ ተሪፉ መብዛሕትኡ ህዝቢ ብኣዚዩ ክቡር ዋጋ ብተሰነይ ኣቢሉ ካብ ዝኣቱ ኮንትሮባንድ ይጥቀም፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ “መንግስቲ” ኣብ ዘይምዕሩይ ቀረብ ምንካይ ዋጋ ነዳዲ ከምዝገበረ ዝተፈላለዩ ጎስጓሳት እንተገበረ እውን ብጭቡጥ ኣብ ባይታ ዝተረኣየ ናይ ዋጋ ምቕናስን ቀረብን የለን፡፡

ኣብ ኣግልግሎታት ፍርዲ፡ ፍትሒን ምሕደራን እውን ኣዚዩ ኣሰካፊ ኩነታት ይረአ ኣሎ፡፡ ቅዋም ምስ ተነጸገ ኣብ ሃገርና ብሕጊ ስልጣን ዝተዓደሎ ሓጋጊ፡ ፈራዲን ፈጽምን ኣካል ስለዘይተፈጠረ ፍትሒን ፍርዳዊ መስርሕን ንርብዒ ዘመን ተጨውዩ’ዩ፡፡ ዜጋታት ብዘይ ግቡእ ፍርዳዊ መስርሕ ዝእሰርሉ፡ ዝጭወይሉ፡ ዝስወርሉ፡ ዝቕተልሉ ኩነታት ስለዝተፈጥረ፡ ኣብ ሃገርና ኣብ ትሕቲ “ሰቪላዊ”ን ወትሃደራዊን ድጓናታትን ቤት ማእሰርታትን ዝቕየዱ ዜጋታት እንዳዛየዱ ከይዶም፡፡ ብመሰረት እዚ ከኣ ኣብ መላእ ሃገር ልዕሊ 300 ቤት ማእሰርታት ብምቋም ብተልሜደን ወትሃደራውያን ሓለፍቲ ዘይግቡእ ፍርዲ እንዳተውሃቦም ዝቕየዱ ዜጋታት በዚሖም፡፡ ብፍላይ ብስም ብልሽውናን “ፖለቲካዊ ገበን”ን ንዝጥርጠሩ ዜጋታት ዝፈርድን ዝምርምርን ኣብ ትሕቲ ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ዝመሓደር “ፍሉይ ቤት ፍርዲ” ምቋሙ ኣብ ልዕሊ ኣገልግሎታት ፍርድን ፍትሒን ዝካየዱ ጸቕጥታት መርኣያ ‘ዩ፡፡

ወትሃደራዊን ጸጥታዊን ደልሃመት ርብዒ ዘመን
ብሓይሊ ምድሪ፡ ባሕርን ኣየርን ዝቖመ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ካብዚኣቶም ብኣወዳድብኡ፡ ብዓቕሚ ሰቡን ባጀቱን እቲ ዝዓበየ ኣካል ሓይሊ ምድሪ ‘ዩ፡፡ ኣብ ሕሉፍ 25 ዓመታት ብዋርሳይን ይከኣሎን ካብ ዝሓለፉ ኣስታት ፍርቂ ሚሊዮን ዝግመቱ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ልዕሊ ሰለስተ ርብዒ ብዝተፋለለየ ምኽንያት ካብ መሳርዖም ተኣሊዩም ‘ዮም፡፡ ብመንጽር ወትሃደራዊ ሳይንስ ብኣጽዋር፡ ኪኢላዊ ዓቕሚ ሰብ፡ ሞራልን፡ ፍናንን ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ዝነበረ ሓይልታት ምክልኻልና፡ ኣብዚ እዋን ብዓቕሚ ሰቡ ጸሪሩ፡ ፍናኑን ሞራሉን ባይታ ዘቢጡ፡ መሳርዕን ጋንታን ፈሪሱ፡ ዝዓጥቆ ዝሰኣነ ወትሃደራዊ ዕጥቅታት ናብ ኤምዳዳት ይምለስ ኣሎ፡፡

ብዘይትግበሩ ናይ ደሞዝን ምምሕያሽ መነባብሮን መጽብዓታት ዝተሰላከዩ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል፡ ብፍላይ ካብ 2016 ንደሓር ብዝለዓለ ደረጃ ተስፋ ቆሪጾም ናብ ንተቓዉሞታትን ጸዕቒ ስደትን የምርሑ ኣለው፡፡ በዚ ስክፍታ ዘሕደረ ኢሳይያስ ዝተፈላለዩ ጎስጓሳት፡ መልክዖም ዝቐየሩ መጽብዓታትን ናይ ተኽሊጥ መደባትን የተግብር ኣሎ፡፡ ብፍላይ ብስም “ወሰኽ ደሞዝ” ሰራዊት ዝተፈጸመ “ምንካይ ደሞዝ” ኣብ ኣባላት ሓይልታት ምክለኻል ሓያል ቁጠዕን ነድርን ፈጢሩ’ዩ፡፡ ብተወሳኺ “ወሰኽ ደሞዝ ስለዝተገብረ ናይ ሕርሻ መሬትኩም ክምለስ እዩ” ዝብል መምርሒ ስለዝወረደ ኣብ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን ስድራቤታትን ሓያል ወጥሪ ነጊሱ ኣሎ፡፡

ኣብ ሜዳ ብሚስጢራዊነቱን ብዝሰርሖም ቅያታትን ዝለዓለ ስም ዘጥረየ ክፍሊ ስለያን ጸጥታን ድሕሪ ናጽነት ግን ታሪኹ ጎዲፉ ሓላዊ ልዳት ምልኪ፡ መህደዲን መፈራርሒን ህዝብና ኮይኑ ይነጥፍ ኣሎ፡፡ ኣብ ትሕቲ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ዝተወደቡ ኩሎም መሓውራት ጸጥታ ቀንዲ ዕላምኦም ንሃገር ኣብ ክንዲ ካብ ተጻባእቲ ምሕላውን ምክልኻልን ኣብ ምክልባት፡ ምጽንጻን፡ ምጭዋይ፡ ምስዋርን ምቕታልን ዜጋታት ይነጥፉ ኣለው፡፡

ዲፕሎማሲያዊ ድልሃመት ርብዒ ዘመን፡
ሃገራት ዓለም ብዝኽተልኦ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ መሰረት መብዛሕትኡ እዋን ብደረጃ መራሕቲ ሃገርን ወጻኢ ጉዳያተንን ተወኪለን ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ጽምዶ ይነጥፋ፡፡ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ጽምዶ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ስማዊን ኣብርክቶ ዘይብሉ ብምኻኑ ብዙሕ ክዛረበሉ ኣይደልን፡፡ ዲፕሎማሲያዊ ጽምዶ ኣብ ውህብ ክውንነት፡ ደረጃ ምዕባለ፡ እዋናዊ መድረኽ ውሽጣዊን ግዳማዊን ተደላይነት ይምርኮስ፡፡ ኤርትራ ከም ሓዳስ ሃገር ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምስ ኩለን ሃገራት ኣብ ዞባዊን ሃገራዊን ጽምዶታት ክትነጥፈሉ ዘኽእላ ውሁብ ክውንነትን ተደላይነትን ዘለዋ ሃገር’ያ፡፡ ብመሰረት እዚ ድማ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ዝተሓንጸጹ ፖሊሲታት ወጻኢ ዝምድናታት ሃገርና ናጽነታን ሉዑላዊነታን ምስ ዘኽብራን ንሓባራዊ ረብሓ ዝጽዕራን ሃገራት ጽምዶ ክትገብር ከምዝግበኣ ይሕብሩ፡፡

እንተኾነ ግን “ስርዓት ህግደፍ” ንኹሉ ፖሊስታት ራሕሪሑ፡ ናብ ፍጹም ምልክነት ምስተሰጋገረ፡ ዲፕሎማሲያዊ ፖለሲታትን ሕንጻጻትን’ውን ብመንጽሩ ተጸሊዮም’ዮም፡፡ ከም ሐዳስ ሃገር ምስ ካልኦት ሃገራት እንዛመደሉ ፖሊሲታት ወጻኢ፡ ኣብ ማዕርነት፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ጣልቃ ኣብ ዘይምትእትታውን ኣብ ምኽባር ውሽጣዊ ርግኣትን ሰላምን ክምስረት ይግባእ፡፡ እንተኾነ ኣባጓይላ ኢሳይያስ ምስ ጎረባብቲ ብፍቕሪ፡ ሰላምን ምትሕልላይን ዘናብር ታሪኻዊን ከባቢያዊ ምትእስሳር ገዲፉ ፍጹም ጎብለል ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮይኑ ንክወጽእ ካብ ዝነበሮ ክቱር ባህጊ፡ ሃገርና ኣብ ዝምድናታት ወጻኢን ጽምዶን ብኹፉእ ዓይኒ ክትጥመት ጌሩዋ ‘ዩ፡፡

ንህዝቡ ማሕበራዊ ፍትሒን ርግኣትን ኣብ ዘየስፈነ መሪሕነት ምስ ጎረባብቲ ሰላም ክፈጥር ዘይሕለም ‘ዩ፡፡ ብመንጽር እዚ ኣብ ሕሉፍ ርብዒ ዘመን ብሰንኪ ዘይቅርዑይ ፖሊሲታት ወጻኢ ዝምድና ኢሳይያስ ዳርጋ ምስ ኩሎም ጎረባብቲ ሃገራት ኣናኺሱ፡ ናብ ናይ “ጽልኢ ደሴት” ቀይሩና ‘ዩ፡፡ ብዝረብሕን ዘይረብሕን ጉዳያት ምኽንያት እንዳናደየ ምስ ኣሕዋት ህዝብታት ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ጁቡትን፡ የመንን ናብ ኣዚዩ ኣዕናዊ ኩናትን፡ ውግእን ሸሚሙና እዩ፡፡ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ንቡር ሰላም ከይምለስ ርቡጽ ዘይርጉእ ዞባ ንምግባር ኣብ ሶማል፡ ደቡብ ሱዳንን ዳርፉርን ኢዱ ብምእታው ሰላምን ርግኣትን ዘሪጉ ‘ዩ፡፡

ኩሎም ግዳማውያን ከም ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራን ገበቲ ባህሪያዊ ጸጋታት ሃገር ጌሩ ዝጥምት ኢሳይያስ፡ ኣብ ሓባራዊ ረብሓታት ኣድሂቦም ምስ ዝንቀሳቐሱ ዞባውያንን ኣህጉራውያን ውድባት፡ ኣብ ዝሓለፉ ርብዒ ዘመናት ዘለዎ ርክብ ኣዚዩ ሓርፋፍ ‘ዩ፡፡ ካብ ሕብረት ኣፍሪቃ ክሳብ ኢጋድን ኮሜሳን ዘለው ኣህጉራውያን ውድባት ተነጺሉ እዩ፡፡ ብተወሳኺ ኣብ ፈለማ ዓመታት ድሕሪ ናጽነት ኣብ ሃገርና ኣብ ዝተፈላለዩ ጽላታት ክነጥፉ ዝኣተው ናይ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኤንጀንሲታትን ልዕሊ 50 ዝኾኑ ዘይመንግስታውያን ትካላትን ካብ ሃገርና ሰጊጉ እዩ፡፡

ርጉእ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ስርዓት ዘይብሉ መንግስትን ሕ/ሰብን ልምዓት ኣየረጋግጽን፡፡ ምስ ካልኦት ‘ውን ግቡእን ርጉእን ዝምድና ክህልዎ ኣይክእልን፡፡ ማሕበረ-ሰብ ዓለምን ኣህጉራዊ ውድባትን ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ኢሳይያስ ዘንበርዎ እገዳታትን ተነጽሎን ኢሳይያስ ንግብረ ሽበራውያን ጉጅለታት ብዝገብሮ ሓገዝ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ውሽጢ ሃገሩ ርጉእ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ስርዓት ከይተኸለ ንህዝቢ ኤርትራ ግዳይ ጥሜት፡ ድሕረት፡ ግዱድ ዕስክርና፡ ዓመጽ፡ ስቅያት፡ ሞትን ምስዋርን ስለ ዝገበሮ ‘ዩ፡፡

ንጹር፡ ርጉእን ሰላማዊን ዲፕሎማሲያዊ ጽምዶ ብመትከል ዝቃወም ኢሳይያስ፡ ኣብ ዕንክሊል ኩናትን ወረ ኩናትን ተወቲፉ፡ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ካብ ዘለዎ ባህጊ፡ ምስ ግብረሽበራውያን ጉጅለታት ተሻሪኹ፡ ብዝፈጠሮም ጸረ ሰላም ፍጻመታት ኣህጉራዊ ውድባትን ማሕበረሰብ ዓለምን ካብ ምኹናንን ምንጻግን ሓለፉ ዝተፈላለዩ መቐየዲ እገዳታት ኣንቢርሉ ‘ዩ፡፡

ብውሽጥን ግዳምን፡ ሽርሕን ተንኮልን ዝዓብለሎ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ኣብዚ ናይ መወዳእታ ናይ ዕርበት ግዚኡ ድማ ተገላባጢ ዝምድናታት ወጻኢ የተግብር ኣሎ፡፡ ካልእ ሓዲግና ትማል፡ ናይ ፕረሲዳንት እስላማዊት ሃገረ ኢራን ኣሕመዲን ነጃድ ዓርኪ ተቖጺሩ ኣብ ዝተፈላለዩ መራኽቦ ብዙሃን ከምዘይተረኣየ፡ ሎሚ ድማ “ብኽልተ መኾስ” ክሕብር ንጸላእቲ መንግስቲ ኢራን ባብ ከርህው ጀሚሩ ኣሎ፡፡ ብስም መግለጺታት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ብዕለት 2 ሚያዝያ 2015 ዝወጸ መግለጺ “መንግስቲ” ኣብ መበል ቁጽሪ 8ን 9ን ዝስዕብ ሓሳብ ሰፊሩ ኣሎ፡፡ “(8) ኤርትራ ዴሴታታ ወደባታን መሬታን ንኽራይ ኮነ መሸጣ ዘይተፍቅድ ሃገር እያ፡፡ ኣብዚ ዞባ ናጽነታ ካብ ዝኣወጅትሉ ዕለት ጀሚራ ባባታ ንግዳዊ ምትእትታውን መደባራትን ዘየፍቀደት ሃገር እንተላ ኤርትራ ጥራይ ምኻና ድማ ደጊማ ተነጽር፡፡ (9) ኤርትራ ኣብ ፖሊሲ ኪዳናት ኣይትኣምንን፡፡ ስለዚ ድማ ኣይትጽንበርን- ኣይትድግፎን እውን፡፡ በዚ ምኽንያት ኣብዝኾነ ይኹን ተመሳሳሊ ምትእኽኻባት ኣባልነት ከምዘይብላ ደጊማ ተረጋግጽ” ይብል፡፡

እምበኣር ትማል ዝሓንጸጾ ሎሚ ዘፍርሶ ኢሳይያስ፡ መግለጺኡ ነጺጉ፡ ኣብ ዲፕሎማሲ ዘርኣዮ ናይ ልኽብጥና ባህሪ ብጭብጢታት ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ተፈዲሑ’ዩ፡፡ ፈለማ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቀጻሊ ብዝገብሮ ምትኹታኽ ኣብዚ ህዝቢ ዝፈንፈኖ መድረኽ ዕድሚኡ ከምዘሕጽረሉ ስለዝፈለጠ ናብ ምስሪ ተጓዓዙ ቤተ መንግስቲ ኣልሲሲ ክሳለም ተራእየ፡፡ ንኣስታት 21 ዓመታት እትው ውጽእ ዝብል ዝነበረ ዲፕሎማሲያዊ ጽምዶታት ህግደፍን ምስርን ድሕሪ 2012 ሓደሽቲ እማመታት ተሓንጊጡ ክረአ ጀመረ፡፡ እዚ ብቐንዱ ኣብ ህንጸት ዓቢ ዲጋ ኢትዮጵያን፡ ወትሃደራዊ ናቑጣታት ቀይሕ ባሕርን ዘተኮረ ጽምዶ ብሃውሪ ዝተተግበረን ኣብ ቀጻሊ ዞባዊ ዘይምርግጋእን ምትፍናንን ከምዘስዕብ ግሉጽ እዩ፡፡ ብተወሳኺ ስርዓት ህግደፍ ኣብ መፋርቕ 2015 መንግስቲ ሱዳን ኣብ ጉዳይ ዲጋታት ኢትዮጵያ ዘለዎ መርገጺ ምስ ኣነጸረ፡ ኣብ ከባቢታት ጋሽ ባርካ ኣብ መንጎ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ዝርከብ ስሉስ ኩርናዕ ከባቢታት ናይ 300 ሄክታር መሬት ብሊዝ ንሚ/ሪ ሕርሻ ምስሪ ኣረኪቡ ኣሎ፡፡

ርጉእ ውሽጣዊን ግዳማዊን ፖለቲካዊ ፖሊሲን ስትራተጅን ዝተሓረመ ጉጅለ ኢሳይያስ ኣብ ቀረባ ብምስምስ የመን እንዳተግበሮ ዝርከብ ኣዚዩ ኣሰካፊ ዲፕሎማስያዊ ጽምዶ ድማ እቲ ዝዓበየ ተርእዮ እዩ፡፡ ሃገር ብምልእታ ኣብ ጸልማት ኣጥሒሉ፡ ፍትሒን ሓቅን ረጊጹ፡ ብህዝቢ ምስተፈንፈነ፡ ጎረባብቲ ሃገራት ምስ ነጸግኦ፡ ኣብ ርሙስ ቑጠባዊ ህሞት ዝጠሓለ ኢሳይያስ፡ ከም እንኮ ኣማራጺ ዝወሰዶ ውሳነ ካብ ህዝቢ ተኸዊሉ፡ ሉኡላዊነት ሃገር ንግደማውያን ምሻጥ ኮተታሓሒዝዎ ኣሎ፡፡ ብምስምስ ምድምሳስ “የመናውያን ግብረ-ሽበራውያን ኣል ሑቲን ዳዕሽን” ብዓረባውያን ሃገራት ኣብ ዝቖመ ወትሃደራዊ ኪዳን ተጸምቢሩ ነታ ጎረሮ ህዝቢ ዓፋር ዝኾነት ዓሰብን ከባቢኣን ብሚሊዮናት ኣብ ዕዳጋ ኣውዒልዋ ኣሎ፡፡ ብሰንኪ ኢሳይያስ ርሙስ ቑጠባዊ፡ ፖለቲካዊን ዲፕሎማስያዊን ሃዋሁ ኣብ ዝሰፈነላ ኤርትራ ቀዋሚ ፖሊሲ ዝበሃል የለን፡፡ ትማል “ምምሕዳር ዋሽንግተን፡ ሽርሒታት ማወስ” እንዳበለ ከም ታሪኻ ውያን ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ጌሩ ዝጥቅኖም ዝነበረ ኣመሪካውያን እውን ብስዑዲ ዓረብ ኣቢሉ ብካንሸሎ ገዲፉ ብሕጓ ክጸጋግዖም ይፈታትን ኣሎ፡፡

ክቡራት ኣንበብቲ!!

ብሓፈሻ ንርብዒ ዘመን፡ ኣብ ኩሎም ጽላታት ዝተጋሃደ ጥፍኣትን ደልሃመትን ዘነጽር እዚ ጽሑፍ፡ ዚያዳ ብጭብጥታት ንምድራኽ ብናይ ግዜ መቓን (Time table) ክግለጹ ዝግበኦም ኣገደስቲ ተርእዮታት ክወስኽ፡፡

ብ1992 ብ “ምንጽልጻል” ዝፍለጥ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ከካብ ስራሕ መደቦም ክፈናቐሉ ብምግባር ብቦቶም እሙናት ኣገልገልቲ ክትክኡ ተገብረ፡፡
ብ1993 ማሕበራዊን ቁጠባዊን ሕቶታት ኣንቂሎም ዝተልዓሉ ኣባላት ሜካናይዝድ፡ ኣሃዱ ኮማንዶ 07ን ካልኦትን ብምስምስ “ኣድማ ተጋደልቲ” ክእሰሩ፡ ክድስክሉን ክበታተኑን ተገብረ፡፡
ብየካቲት 1994 ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ብህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን (ህግደፍ) ተተከአ፡፡
ብግንቦት 1994 ስንኩላን ማይሓባር ንዝሓተትዎ ዲሞክራሲያዊ ሕቶታት ብሓይሊ ኣፈሙዝ ክምለስ ብምግብር 12 ተቐቲሎም ብዙሓት ዳግማይ ሰንኪሎም ብዙሓት ከኣ ተጨውዮም ንዓመታት ተኣሲሮም፡፡
ብሓምለ 1994 ንመዋእል ኣብ ጊላነትን ግዱድ ዕስክርናን ዝሸምም ኣዋጅ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተበሰረ፡፡
ብታሕሳስ 1994 ብዘተን ልዝብን ክፍታሕ ዝግበኦ ዝነበረ ምስሕሓብ ኢሳይያስን ኣልበሽርን ናብ ኩናት ኣምሪሑ ብዙሓት ዜጋታት ኣህሊቑ፡፡
ብታሕሳስ 1995 ብምስምስ ደሴት ሓንሽ ዜጋታትና ኣብ ኹናት ምስ የመን ሃሊቐም፡፡
ብ1996 ሚዛናዊነት ዝገደሎ ምዕዳል ወትሃደራዊ ማዕርግ ብምክያድ ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ኣብ ሞንጎ ላዕለዎት ሓለፍቲ ክሳብ ሕጂ ዝቐጸለ ወጥርን ምትፍናንን ኣንጊሱ፡፡
ብ1996/97 ብምስምስ ግብረ ሽበራውያን፡ ጥሩፋትን ጨሓማትን ብዙሓት ኣመንቲ ምስልምና ከካብ ገዝኦም፡ መሳጊድን ዑላማታትን ተጨዊዮም ጠፊኦም፡፡
ብ23 ግንቦት 1997 ዝጸደቐ ብደረጃ ሃገር ማእለያ ዘይብሉ ማልን ሰብኣዊ ጻዕርን ዝፈሰሰሉ ሃገራዊ ቅዋም ብምስምስ “ወራር ወያነ” ንመወዳእታ ግዜ ከይተተግበረ ተሪፉ፡፡ ብውጽኢቱ ሓጋጊ፡ ፈራዲ፡ ፈጻሚ ኣካላት መንግስቲ ተሪፉ እቲ ዝነበረ ሃገራዊ ባይቶ ፈሪሱ ሕገ ምልኪ ኢሳይያስ ብዕሊ ተጋሂዱ፡፡
ብግንቦት 12/ 1998 ኣብ ታሪኽ ዓለም ካብቶም ኣህለቕትን ኣዕነውትን ኩናት ሓደ ዝኾነ ኩናት፡ ምስ ኢትዮጵያ ተጀሚሩ፡፡
ብ1999 ኣብ ታሪኽ ሃገርና እቲ ዝሓሰመ መስርሕ ቁጽጽር ምንቅስቓስ ካብን ናብን፡ ጽዑቕ ግፋታትን ተጀመረ፡፡
1999- 2001 ብሰለስተ “ወራራት” ኣብ ዝጽዋዕ ኣዕናዊ ኩናት ብ10ታት ኣሻሓት ዝቑጸር ዜጋ ተሰዊኡ፡ ማእለያ ዘይብሉ ቆሲሉ፡ ብኣማእት ኣሻሓት ዝጽብጸብ ህዝቢ ተፈናቒሉ፡ ሃብቲ ሃገር ባኺኑ፡፡
ብ2000 ወኪል ሃገራዊ ድሕነት “መንፈሳውያን” ክለቅምን ኣብያተ ቤተክርስትያኖም ቀስብቐስ ክዓጹ መደብ ተዓደሎ፡፡
ኣብ 2000/2001 ካብ መላእ ሃገር ዝተኣራረዩ 170 ኣሕዋት ኢትዮጵያውያንን ሱዳናውያንን ኣብ ኣጻምእ ማይኣጣል ብወኪል ሃገራዊ ድሕነት ተረሺኖም፡፡
ኣብ 2001 ኢሳይያስ ናብ ፍጹም ውልቀ መላኽነት ተሰጋጊሩ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ዘይምርድዳእ ምስ ዝነበሮም ላዕለዎት ሓለፍትን ኣሰናዳእቲ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታትን ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ኣሲሩ ክሳብ ሕጂ ዳሃዮም ሰዊሩ፡፡
ኣብ 2001 ኩሎም ጋዜጣታት ብሕትን ናጻ ፕረስን ብወግዒ ዓጽዩ፡፡ ዲሞክራሲያዊ ሕቶታት ንዘንቀሉ ተምሃሮ ዩንቨርስቲ ኣስመራ፡ ብጃምላ ዓፊኑ ናብ ኣጻምዕ ዊዓን ገላዕሎን ብምግዓዝ ዝተፈላለዩ ኣካላዊን ስነ-ኣእመራዊ ጸቕጥታት ክውርዶም ብምግብር ክርዕዱን ክበታተኑን ጌሩ፡፡
2002/2003 ኣብ ልዕሊ “ወያነ ሕነና ክንፈዲ ኢና” ብምባል ብግፋታት ዝተኣኻኸበን ካብቲ ርሱን ኩናት ዝተረፈን ሰራዊት ሕለቱ ኣብ ዘምሉቕ ቀጻሊ ወትሃደራዊ ታዕሊማት ኣብ ከባቢታት ሓሽፈራይ፡ ኪሎማ፡ ኮርመናዕን ሳዋን ተኻየደ፡፡
ብ2004/05 ዘይትግበሩ መጽብዓታትን ፕርፖጋንዳዊ ዘመተ ምዕባይ ተኽለ ስብእና ኢሳይያስ (Personality Cult) ብሚ/ሪ ዜና ብጻዕቒ ክትግበር ጀመረ፡፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ኣቤቶ ክሃድሙ ዝፈተኑ ግፉፋት ብጥዩት ተቐዚፎም፡፡
ብ2006 ቅሉዕ ሓገዝ ንዓለም ለኸ ግብረ-ሽበራዊ ጉጅለታት እስላማዊ መጋብእያን ኣልሸባብን ምግባር ተጀመረ፡፡
ብ2006 እታ እንኮ ዓለም ለኻዊ ኣፍልጦ ዝነበራ ኣስመራ ዩንቨርሲቲ ተዓጽያ፡ ኣብ ሩሑቕ ከባቢታት ብዝተደኮና ቅንጥሻራ ኮሎጃት (Mushroom Colleges) ተተኪኣ፡፡ ካብ ትምህርቲ ራእይ ዘይሰንቕ፡ ተስፋ ዘይገብር፡ ንስደት ዝትምነ ወለዶ “ሀ” ኢሉ ምፍራይ ተጀመረ፡፡
ብጥሪ 2007 ፓትሪያሪክ ሃገረ ኤርትራ ኣቡነ ኣንጠንዮስ ኣብ መንበሪ ገዝኦም ተሓይሮም፡፡ ብዙሓት ኣገልገልቲ ብሃገራዊ ድሕነት ተጨውዮም፡፡
ኣብ መፋርቕ 2007 ፕረሲዳንት ኢሳይያስ ዶብ ክሰግሩ ዝተረኸቡ ዜጋታት ብጥይት ክቕተሉ ንኹለን ኣሃዱታት መምርሒ ኣውሪዱ፡፡
ብ2007 “ሃብታም ኤርትራ እምበር ሃብታም ኤርትራዊ ኣየድልየናን…ውሽጣውያን ተበላለጽቲ” ብዝብል ኢሳይያሳዊ ፍልስፍና ብስም ብርኪ ብዙሓት ውልቀ ነጋዶ ሃብቶም ተመንጢሎም፡ ተኣሲሮም፡ ተቐቲሎምን ካብ ሃገር ተሰዲዶምን፡፡
ብሚያዝያ 2007 26 ኣባላት ብሄረ ኩናማ ኣብ ከባቢ ማይ ዲማ ብስሚ ተቐቲሎም ኣብ ሓደ ጋህሲ ተቐቢሮም፡፡
ወርሒ 8/2007 ባህር ስ-ጥበባዊ እድሪስ መሓመድ ዓሊ ዝርከቦም ኣብ ካርሸሊ ተኣሲሮም ዝነበሩ ዜጋታት ብጸላም ኣብ ማይ ኣጣልን ኣብ ግዋ (ከባቢ ዓዲ ኣርዓዳን) ብወኪል ሃገራዊ ድሕነት ተረሺኖም፡፡
ኣብ ወርሒ ሰነ 2008 ብጠርባሽ ምኽንያት ካብ ህዝብና ዝተኸወለ ኩናት ኣብ ከባቢታት ራስ ዱሜራ ምስ ሃገረ ጁቡቲ ተኻየደ፡፡
ኣብ 2008/2009 ብዓንቀጽ 1844 ከምኡ 1907/2009 ዝጽዋዕ እገዳ ኣጽዋር፡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ተበይኑ፡፡ “መንግስቲ ኤርትራ ብዝተፈላለዩ ኢ-ሰብኣዊ ተግባራትን ሓገዝ ንግብረ ሽበራውያንን ኣብ መጽናዕታት ኣህጉራዊ ውድባትን መንግስታትን ስሙ ክርቋሕ ጀመረ፡፡
ብ2008/09 ባይቶ ጸጽታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣጻራይት ኮሚቴ ኣጣይሱ ጉጅለ ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘብጸሖም ግፍዕታት ከጽንዕ ጀመረ፡፡
ብ2010 ሃገራዊ ኣገልግሎት መበል 24 ዙርያ በጺሑ፡፡ በዚ እዉጅ ጊላነት ኣንጸርጺሮም ቁጽሪ ካብ ሃገር ዝስደዱ መንእሰያት ብውልቅን ብጉጅለን ዚያዳ ወሺኹ፡፡ ስደት ኤርትራውያን መዘራረቢ ማሕበረ ሰብ ዓለምን ሚዲያታትን ብምኻን ኣብ በረኻታት ሲናይን ማእከላይ ባሕሪ ዜጋታትና ክጥፍኡ ጀሚሮም፡፡
ብ2011 “20 ዓመታት ሓበን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ጽንብላት መበል 20 ዓመት በዓል ናጽነት ክኽበር ብምግባር ብዝተሰንዑ ስታስቲካዊ ኣሃዛት ሓያል ፖለቲካዊ ጎስጓሳት ተኻየደ፡፡
በየካቲት 2012 ካብ 40 ክሳብ 75 ዕድመ ዘለዎ ኩሉ ዜጋ ክዓጥቕ ዘገድድ መምርሒ ብቤ/ጽ ፕረሲዳንት ተዘርጊሑ ብብርጋዴር ጀነራል ተኽለ ማንጁስ ዝእዘዝ “እዚ ህዝባዊ ሰራዊት” ብምቋም ቑጠባ ሃገር ዘዕነወ፡ ብዙሓት ወለዲ ዘከላበትን ዝቐዘፈን ወትሃደራዊ እዝን ቁጽጽርን ኣብ መላእ ሃገር ተዘርገሐ፡፡
ዕለት 3 ጥቅምቲ 2013 ብፖሊሲታት ህግደፍ ተማሪሮም ካብ ሃገር ዝተሰደዱ 368 ዜጋታትና ኣብ ማእካለይ ባሕሪ ከባቢ ላምፔዱሳ ጥሒሎም ሞይቶም፡፡
ብዕለት 21 ጥሪ 2013 ንክልተ 10 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ተስፋ ዝቖረጹ ውሑዳት ወትሃደራውያንን ፖለቲካውያንን ሓለፍቲ ብ“ስርሒት ፎርቶ” ዝፍለጥ ዕልዋ መንግስቲ ኣካየዱ፡፡ ብውጽኢቱ ድማ ልዕሊ 100 ዜጋታትን ሓለፍትን ተኣሲሮም ገሊኦም ሞይቶም፡፡
ብሚያዝያ 2014 “ሓውካ ኣበይ ኣሎ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ተቓዉሞታቶም ንምግላጽ 9 ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ ቅሉዕ ወረቐት ዘርጊሖም፡፡
ብመስከረም 2014 ኣብ ሓደ ደብሪ ወይ ቤተክርስትያን ብጀካ ክልተ ኣቕሽሽትን 3 ዲያቆናትን ኩሎም ዜጋታት ናብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክውርዱ ዝጽውዕ ወግዓዊ ሰርኩላር ናብ ኣብያተ ክርስትያናት ተዘርጊሑ፡፡
ብሕዳር 2015 ኢሳይያስ ምስ ኣንጻር የመናዊ ጉጅለ ሑቲ ዝቖማ ኪዳን ሃገራት ዓረብ ብምጽንባር ኣብ ቀይሕ ባሕርን ከባቢታት ዓሰብን ወትሃደራዊ መዓሰከራት ክቐውም ፍቓድ ሂቡ፡፡
ብዕለት 03 ሚያዝያ 2016 ካብ ኮርመናዕ ናብ ግንባር ዓሰብ ተገፊፎም ዝተወዝዑ መናእሰያት ኣብ ኣስመራ ካብ መካይን ክነጥሩ ብጥዩት ተቐቲሎም፡፡
ብዕለት 26 ሰነ 2016 ዓለም ዘስደመመ ኣብ ጀኔቫን ዝተፈላያ ሃገራትን ኣንጻር ህግደፍን ንጸብጻብ ተቆጻጻሪት ጉጅለ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት መንግስታት ዝድግፍ ውዕውዕ ተቓዉሞታት ተኻይዱ፡፡
ብዕለት 10 ሕዳር 2016 ብቑጽሪ 2317/2016 ዝጽዋዕ ብይን ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህግደፍ ዘንበሮ እገዳ ንሓደ ክናዋሕ ወሲኑ፡፡
ኣብ ታሕሳስ 2016 ኢሳይያስ ምስ መዘንኡ ፕረሲዳንት ኣልሲሲ ተራኺቡ ኣብ ቀይህ ባሕሪ ናይ ሓባር ወትሃደራዊ መዓስከራት ከቑሙ ተሰማሚዖም፡፡

ክቡራት ኣንበብቲ!!

ከምቲ ዝገለጽኩልኩም ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2017 ዘዳለኹዎ ‘ዚ ጽሑፍ ገለ ተወሳኽቲ ሓሳባትን ለበዋታትን ወሲኸ ከጠቓልል፡፡

ብኹሉ መለኪዒታት ንርብዒ ዘመን ዝዓነወት ሃገርን ዝተበታተነ ህዝብን ሓቑፍና ኣብ ትሕቲ ኢሳይያስ ብሩህ መጻኢ ዘመን ክመጽእ ዘይሕሰብ እዩ፡፡ ሓድሽ ዓመት 2017 እውን ምስዞም ጠላማት ህግደፋውያን ዘሕጉስ ብስራት ዘይኮንስ፡ ዕንወትን ምጽናት ወለዶታትን፡ ሒዙልና ዝመጽእ ዓመት ምኻኑ ርዱእ ‘ዩ፡፡ ከምቲ ክብ ኢሉ ዝተገልጸ ካብ ፖለቲካ ክሳብ ዲፕሎማሲ ዝተዝርግሑ ዝተደጎሉ ጸገማት ኣብ መ ጻኢ ዓመት’ውን ከምቲ ልሙድ ስደት፡ ፍልሰት፡ ምጽናት ወለዶታት፡ ዓፈና፡ ምስዋር ቅትለት ብዚያዳ ከስዕቡልና ‘ዮም፡፡

“ኣነ እንተሞይተ ዳንዴር ኣይብቀል” ብዝዓይነቱ ኢሳይያሳዊ ፍልስፍና ካብ 2016 ጀሚሩ ዝበኣሰ ግዳማዊ ጸገማት የምጸኣልና ኣሎ፡፡ እታ መረበት ቅያ ኣያታትናን ማሙቕ ቤትናን ኤርትራ መዕንደሪ ግዳማውያን ሓይልታት እንዳኾነት ትመጽእ ኣላ፡፡ ድሕሪ ሓመድ ድበ ስርዓተ ህግደፍ ኤርትራና ቀሲና ክንበርላን፡ ግምጃ ክነልብሳን ክንሃንጻን ንትምነያ እንተኾይና፡ ኣብዚ ናይ መወዳእታ ዘመን ኣብ ልዕሊ ሉኡላዊነት ዝካየድ ዘሎ ሽርሒታትን መጻኢ ሳዕቤናቱን ብኣግኡ ክነስተብሃለሉ ይግባእ፡፡ ብምስምስ ዳዕሽን ሑቲን ኣብ ሃገርና ዝግበር ዘሎ ምትእትታው ሃገራት ኣዕራብ፡ ምስ ዘለወን ታሪኻዊ ምትፍናንን ጸገማትን ሓያሎ ሳዕቤናት ክህልዎ’ዩ፡፡

ኣብ ሃገርና መንጠሪ ባይታ ዘይነበሮ ካብዘን ሃገራት ዝልሑኽ በሽዓን ሱኒን ዝግለጽ ሃይማኖታዊ ኣፈላላይ ሓድሽ ብድሆ ክፈጥረልና ተኽእሎ ኣለዎ፡፡ ጥሩፍነትን ግብረ ሽበራን ብኸቢድ ምስ ዘንጸላልወን ሃገራት ብወትሃደራዊ ኪዳን ምትሕብባርን መዓስከራት ምፍቃድን ንሓዋሩ ሓዲግዎ ዝሓልፍ በሰላ በቐሊሉ ዝረአ ኣይኮነን፡፡

ብፍላይ ምስተን ክልተ ኣብ ርኡይ ዲፕሎማስያዊ ምትፍናን ጢሒለን ዘለዋ ንግስነት ሱዑዲ ዓረብን ምስሪን በቢኣንፈቱ ዝግበር ርክባትን፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝካየድ ዘሎ ምፍጣጥ፡ ኣብ ልዕሊ ሉኡላዊነት ሃገርና ሓያል ሓደጋ ከንጸላሉ ይገብር ኣሎ፡፡ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ኢትዮጵያ፡ ሱዳን ጁቡትን ተጻቢእኻ፤ ምስ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ደቡብ ሱዳንን ሶማልን ተሳሓሒብካ፤ ክኖ ቀይሕ ባሕሪ ምስ ዘሎ ከቢድ ጅኦ ፖለቲካዊ ወጥሪ ጠላዕ ምጽዋት፤ ህግፋውያን ኣብዚ ናይ መወዳእታ ዘመኖም ዝኽተልዎ ዘለው ኣዕናዊ ዲፕሎማስያዊ መስርሕ እዩ፡፡ ኣብዚ መስርሕ ሃገራዊ ድሕነትን ረብሓን ተረሲዑ መሬትን ሰማያትን ኤርትራ መፈጻሚ ሃገራዊ ረብሓታት ምስሪን ሱዕዲያን ብምኻን ዕጫ ክልተ ዝበኣሱ ሓራምዝ ኣብ ሃገርና ከንጸላሉ ጌርዎ ኣሎ፡፡

ወርሒ ጥርን የካቲትን ኣብ ታሪኽ 25 ዓመታት “ህግደፋዊ መግዛእቲ” ኢሳይያስ ገጹ ኣሲሩ፡ ኣብ መሳኹቲ ኤረ ቲቪ ክመጻባዕ፡ ክሕሱ፡ ጎብለል ኣፍሪቃን ፖለቲካዊ ፈላስፋን ክመስል፡ ሃገራዊ ኣጀንዳ ሓዲጉ ዚያዳ ኣብ ግዳማዊ ኣጀንዳታት ክህውትት፡ ዝረኣየሉ ኣዋርሕ’ዩ፡፡ ናይ 25 ዓመታት ድጉል ቃንዛን መረረን ህዝቢ ገዲፉ፡ ኣብ ተራ ህውተታ ከሕልፎ ሕጂ እውን ንቃለ መሕተት ሓድሽ ዓመት 2017 ይዳሎ ኣሎ፡፡

ዓሚ ብዘይትግበሩ ተስፋታት “ጋዓት ምሸላ” ኣሰኒዩ ብዛዕባ ባጤራ፡ ወሰኽ ደሞዝ፡ ምንጋስ ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ምምሕያሽ መነባብሮ፡ ተጻብኦታትን ብድሆታትን ከህተፍትፍ ተዓዚብናዮ ኢና፡፡ ቅድሚኡ ኣብ ዝነበሩ ዓመታት ድማ ከይሓነኸ ብዛዕባ ምሕንጻጽ ሓድሽ ቅዋም ሃውቲቱ እንተብቅዕ፡ ዛጊት ምንዳፍ ቅዋም ከይተጀመረ ሰለስተ ዓመታት ኣቑጺሩ፡፡ ትማል ዝተዛረቦ ሎሚ ዘይድግሞ ኣባጓይላ ጥፍኣት ኢሳይያስ፡ ኣብ ሓድሽ ዓመት 2017 ድማ ዘይትግበሩ መልክዖም ዝቐየሩ መጽብዓታት ክኣቱ፡ ህዝቢ ከደናግር ዝተኾሓሓሉ ቃላት ኣራሪዩ ናይ ፖለቲካ ፈላስፋ ክመስል ይዳሎ ኣሎ፡፡

እቲ ቀደም ኣምልኾና ኣብ ቦትኡ እንከሎ፡ መግለጺታት ኢሳይያስ ክንዕዘብን፡ ቃላቱ ክንደጋግምን፡ ጸሓይ ይዓርበና ኔሩ፡፡ ዘመን ኮር ተገምጠል ኮይኑ፡ ዝኣመናዮ ምስ ጠለመና ግን፡ ይትረፍ ዶ ቃላቱ ክንደጋግም ምስሉ ምርኣይ ዒቕ ካብ ዝብለና ዓመታት ሓሊፉ’ዩ፡፡ ከምቲ ልሙድ ኣብ ሓድሽ ዓመት ዋላ ሳማዒ እንተዘይሃለዎ ንውሑዳት ሰዓብቱ ከደናግር ምፍታኑ ኣይተርፍን፡፡ መብዛሕትና እንፈልጦም መጽብዓታት ወሲኹ፡ ብዛዕባ ምምሕያሽ ቑጠባ ሃገር፡ ምቕያር ወረቐታዊ ባጤራን ውጽኢቱን፡ “ወሳኽ” ደሞዝ፡ ምኽዛን ማይን ጸዓታዊ ምድላዋትን፡ ምድላው ሓደስቲ ሰነዳት ሕጊ፡ ዲፕሎማሲያዊ ጽምዶ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕርን ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ህልው ኩነታት ኢትዮጵያን እገዳታት ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ድማ ናይ ሎሚ ዘመን ኣጀንዳታት ቃለ መሕተት ኢሳይያስ ከምዝኾኑ ትጽቢት ይግበር፡፡ ቃለ መሕተት ዘካይዱ ናይ 2017 ጋዜጠኛታት ድማ ንህውታተ ኣብ ዝዕድሙ ዓውድታት ዘይኮነስ ቀጥታ ስለ ዝመሓላለፍ ን25 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ውጽዕ ህዝብና ዝወረዱ ግፍዕታት ኣልዒሎም ክሓትዎ ይግባእ፡፡

ብዝኾነ ኢሳይያስ ሃውተተ ተመጻብዐ፡ ድሕሪ ሕጂ ዝመጽእ ለውጢ የልቦን፡፡ ንርብዒ ዘመን ኣብ ደልሃመት ዝሸመመና ኣባጓይላ ኢሳይያስ ብባህሪያዊ ሓደጋ ወይ ብኢድ ሰብ ምጥፍኡ ኣተርፍን፡፡ ክኖ ጥፍኣቱ ሓዲጉልና ዝሓልፍ በሰላን መዘዝን ግን ብኣግኡ ክንሓስበሉ ይግባእ፡፡ ከም ሃገር ኣብ ኩሉ ዓውድታት ዝበረሰት ኤርትራ ሒዝና፡ ድሕረ ኢሳይያስ ኣብ ዘሎ ዘመን፡ ብሓደ ገጽ ኣብ ዘጋጥም ናይ ስልጣን ሃጓፍ ኣብ ሞንጎ እቶም ወትሃደራውያን ጎባልል ናይ ስልጣን ቁርቁስ ተፈጢሩ ሃገርና ናብ ዝርገትን ምብትታንን ከይተምርሕ ዘይተሓለለ ጻዕሪ ክንገብር ኣለና፡፡ ብካልእ ገጽ ድማ “ህዝብና ባሕሪ፡ ደቁ ከኣ ዓሳ” ኮይና እታ ቅድሚ 25 ዓመታት ዝተተምነናያ ሰላማዊትን ዲሞክራሲያዊትን ሃገር ክንምስርት ሕጂ እውን ኩሉንትናዊ ጻዕርታት ክንገብር ይግባእ፡፡

Source: