ስለምንታይ ህዝቢ ኤርትራ ካብ 13 ቅ.ል.ክ. ጀሚሩ ክሳብ መዋእለ ግዝያዊ መንግስቲ ህግደፍ ብሰንሰለታዊ መግዛእቲ ይሳቐ ኣሎ? ካብ ዓለም እንታይ ዝተፈልየ መንነት ስለዘለዎ እዩ?
ስለምንታይከ ህዝቢ አርትራ፣ ካብ ቅድሚ ልደተ-ክርስቶስ ዝነበረ ዘመን (13000 – 900 BC) ጀሚሩ ብግሪኻውያን፣ ካብ 30 ክሳብ 600 ድ.ል.ክ. ብወረርቲ ሮማውያን፣ ካብቲ ንቡርን ጥንታዊን መነባብርኡ ተዘናቢሉ። ቀጺሉ ከኣ ካብ 600 ክሳብ 750 ዓ.ፈ. ድ.ል.ክ. ብባርባራውያን ኣዕራብ ካብ ሃገራት ኣዕራብ ተበጊሶም፣ ንምድረ ባሕሪ ብምውራር፣ባህሉን እምነቱን ኣርኪሶሞ፣ገዳማቱን፣ኣብያተ መቕደሳቱን ኣቃጺሎሞ፣ንዋየ ቅዱሳቱን፣መጻሕፍቲ ታሪኹን ዘሚቶም ዝቃጸል ኣቃጺሎሞ። ብድሕሪ እቶም ኣኽረርትን ባርባራውያን ኣዕራብ ኣስላም፣ ዘውረዱዎ ዘይተኣደነ ዕንወት ኣብ ምድረ ሓበሳ፣ ዓቢ ሃጓፍ ምዕባሌ ተፈጢሩ። ባርባራውያን ዓዕራብ ወሪሮም ባህልናን እምነትናን፣ ንዋየ ቅዱሳትን፣ ገዳማትናን፣ ኣብያተ መቕደስናን፣ መጻሕፍቲ ታሪኽናን ኣቃጺሎም፣ እወ፣ ንሓሰብትን ተመራመርትን ሊቃውንትን ደቀ ሓበሣ ሓሪዶም ኣጽኒቶሞም እዮም። ነቶም ዝተረፉ ድያቆናትን፣ ካህናትን፣ ኣቡናትን፣ ፓትሪያርካትን ድማ ብቐስብ ኣመስሊሞሞም እዮም።
ኣብ ምድረ-ባሕርን ምድረ-ሓበሣን፣ ኣግኣዝያንን እምብኣር፣ ብሰንክቶም ባርባራውያን ኣስላም ዝወረደ ገጂፍ ሃጓፍ፣ ነቲ ዝነበረ ምዕባሌ ህዝቢ ምድረ ሓበሣ ንድሕሪት ጎቲቱዎ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ነቲ ህዝቢ ኣዝዩ ኣደንቊሩዎ እዩ። ድሕሪ ኣዕራብ ድማ ሮማውያንን ቱርካውያንን ደጋጊሞም ንህዝቢ ሓበሣ፣ ከምዘይ ምዕብል ገሮም ሃስዮሞ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ካብ ኣስላም ተሓቢኦም ዝጸንሑ ንዋየ ቅዱሳን ንብረቱን፣ ጥንታውያን መጻሕፍቱን፣ ቅዱሳት ምልክታት መንነቱን ፊደላቱን፣ ሓውልቱን ዘሚቶሞ ንርእሶም ተጠቒሞምሉ እዮም። ጸኒሖም ማሕበር የሱሳውያን፣ ወይ ቫቲካን ብስም ሃይማኖት ካቶሊክ ኣብ ልዕሊ ቅዱስ ሃይማኖት ምድረ-ሓበሣ ዘይተኣደነ ዕንወት ኣውሪዶምሉ እዮም። እቲ ብሃገር ሲዊድን ዝተቐልቀለ ሃይማኖት ከኒሻ እንተኾኑውን፣ ኣብ ርእሲ ሓናትስ ጽግዕ ከምዝብሃል፣ካብ ሃይማኖት ካቶሊክ ዝገደደ ዘይተኣደነ ዕንወት ኣብርእሲቲ ጥንታዊን ርትዓዊን ቅዱስ ሃይማኖት ምድረ ሓበሣ ኣውሪዶም እዮም።
ካብኡ ጸኒሑ ድማ ኮሎንያል ጣልያን ብዙሕ ብልጭልጭ ዝብል ምዕባሌ እኳ ኣብ ምድረ ሓበሣ እንተኣተኣታተወ፣ኣብ ልዕሊ ጥንታዊን ብሉጽን ባህልናን እምነትናን ግና ዘይተኣደነ ጽልዋታት ኣተኣታትዩልና እዩ። ድሕሪ ኮሎንያል ጣልያን ድማ ኮሎንያል እንግሊዝ ቋንቋ ዓረብኛ ብምትእትታው፣ ብፍላይ ንቋንቋ ትግሪኛ ጸልዩዎን ሃስዩዎን እዩ።
ብድሕሪ ኮሎንያል እንግሊዝ ድማ እቶም ኣሕዋትና ዝኾኑ ሓበሣ መሳፍንቲ ኢትዮጵያውያ ትግራይን መሳርሒ ምዕራባውይን ንምኻን መሪጾም፣ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ምድረባሕሪ ኣራዊታዊ በደላት ፈጺሞም እዮም። ብፍላይ መስፍናዊ ንግስነት ኣምሓራውን፣ኣብ ልዕሊ ቋንቋ ትግሪኛ ብዙሕ ሃስያታት ኣስዒቡ እዩ።
ድሕርዞም ኩሎም ባዕዳውያን ገዛእትን ዓመጽትን ድማ፣ ህዝቢ ኤርትራ ንፍርቂ ዘመን ዝኣክል ሰውራ ዝብሃል መስርሕ ኣካይዱ ከብቅዕ፣ ኣብቲ ጥንታዊን መሰረትን ታሪኹን ባህሉን፣ እምነቱን ተመርኲስ መደብ ዕዮን መምርሕን፣ ፖለቲካዊ ትምህርትን ጠንጢኑ፣ ብኣንጻሩ ካብ ኤውሮጳውያን ዝቐድሖ ስሚ ዝኾነ ፍልስፍና ኮሚኒስትን ሶሻሊስትን ዝብል ኣተኣታትዩ ንህዝቢ ኣደንቊሩ እዩ። በዚ መኽንያት እዚ እምብኣር ዋላ ኣብ ኣዋን ቃልስን ድሕሪ ቃልስን፣ ኣብ ኤርትራ፣ ህዝቢ ምድረ ባሕሪ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ዝምዕብል ዝገደደ ደንቒሩን ንድሕሪት ተጎቲቱን እዩ። ብሓጺሩ እዚ ግዝያዊ መንግስቲ ሓዳስ ኤርትራ ዝብሃል ጭፍራ ህግደፍ፣ ነቲ እኩብ ድምር ዕንወት ብባዕዳውያን ኣብ ልዕሊ ምድረ ሓበሣ ዝወረደ ቀጺሉዎን ኣግዲዱዎን ይርከብ። ስለምንታይ ግና፣ ገለ ሕቡእ ምስጢር ስለዘሎ ደኾን ይኸውን ?
ስለምታይ ኣምሆ ዘመን መራሕቲ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ኣብ ሳሕል ከለው፣ “ፊደላት ትግሪኛ ኣብ ፊደላት ላቲን ክቕየሩ ኣለዎም” ይብሉ ነይሮም? ስለምንታይከ እቲ ን27 ዓመታት ዝኣክል ብግዝያዊ መንግስትን ብሕገ-ኣልቦን ጥራይ ጭፍራ ህግደፍ ገና ይቕጽል ኣሎ? ስለምንታይከ ከይሓነኸ ኣእዳዉ ኣብቲ ቅዱስ ሃይማኖት ኤርትራን፣ ዴሳዊ ዋንነት መሬቱን፣ኩሩዕ መንነቱን ባህሉን ህዝቢ ሓበሣ ዘእቱ ዘሎ? ስለምንታይከ ህዝቢ ኣብ ክንዲ ኣብ ምርምር ታሪኹን ጥንታዊ ምዕባሌኡን ባህሉን መንነቱን ዘድህብ፣ ወፍሪ ባርነት ኣዊጁ ንመንእሰያት ግዳይ ድንቁርናን ባርነትን ይገብሮም ኣሎ? ምስቶም ካብ ጥንቲ ጀሚሮም ብዓሌትን ብቋንቋን ሃይማኖትን፣ ሕብሪ ቆርበትን ካብ ህዝቢ ኤርትራ ዘይፍለዩ ህዝቢ ትግራይ፣ ካብ ህዝቢ ኣምሓራን ኦሮሞን ንላዕሊ ከም ቀንዲ ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ገሩ ይውንጅሎም ኣሎ? ንመን ረብሓ ከምዝኾኑ ጭፍራ ህግደፍ ዝኽድሙዎ ዘለውስ ይስቆረና ደኾን ይኸውን?
እስከ ነዘን እብ ታሕቲ ተዘርጊሐን ዘለዋ ብክቡር ሓውናን ኣያናን መእምር (መምህር) በኽረጽዮን ዝተዳለዋ 26 ቪድዮታት፣ ግንከኣ ብፍላይ ብዛዕባ ምስጢር ፊደላት ትግሪኛ ዝገልጻ፣ ብኣቕልቦ ንከታተለን እሞ፣ ምስቲ ስለምንታይ ህዝቢ ምድረባሕር፣ ምድረ ሓበሣ፣ ወይ ምድረ ኣግኣዝያን ብገረብ ብሓኽላ ንኽጠፍእ ከምዝተወጠነ ኣዋዳዲርና ክንርድኦ ነፈትን። ብዛዕባ በዅሪ ፊደላት ዓለም ዝኾኑ ፊደላት ትግሪኛ፣ እስከ ብተገዳስነትን ብምስትንታንን ተኸታቲልና ምስጢሮም ክንግንዘቦ ንፈትን። ካብኡ ስለምንታይ እንዳ ህግደፍ ከም ዓላማ ወሲዶም፣ ንፊደላትናን ንህዝብና ከጽንቱ ይረባረቡና ከምዘለው ድማ ክንርዳእ ክንክእል ኢና።
ብርግጽ ፊደላትና ቀንዲ መሰረት ክብርታትና እዮም። መግለጺ መንነትናን ብህልናን፣ እምነትናን፣ ጆግራፊካዊ ኣቀማምጣ ዓለምናን ከኣ እዮም። ንኩሎም ከምዘይፈልጡ ዝፈልጡን፣ ባህጊ ፍልጠት ምርምርን ዘለዎም፣ ኣሓትን ኣሕዋትን ደቂ ሓበሻ ምድረ ባሕሪ (ሎሚ አርትራን ትግራይን ኢትዮጵያን) እንሆ ካብ ቀዳማይ ምዕራፍ ክሳብ መበል 26 ምዕራፋት: ካብቲ ጻዕራምን ትጉህን፣ እኳድኣ ፍቕሪ መንነት ህዝቡ ዝሰረጾ፣ ክቡር ሓውና መእምር በዅረጽዮን ዝተዳለወ ማዕከን ፍልጠትን ምርምርን ቀዲሕና፣ ብቪድዮ መልክዕ ነቕርበልኩም ኣሎናሞ፣ ንሓውና መምእር በኽረ ዕድመን ጥዕናን እንዳተመኔናሎም፣ ንተኻታተልቲ ድማ ሰናይ ምክትታልኩም እንዳተመኔና፣ ካብዚ መሰረታዊ ትምህርቲዚ ጠቓሚ ትምህርቲ ቀሲምኩም፣ ንኻልኦት ኣሓትናን ኣሕዋትናን ቀጺልኩም ክትዝርግሑሎም ንምሕጸን። ሰናይ ምክትታል ከኣ ንምነየልኩም።
ብሓልዮት መርበብ ሓብሬታ ደቀባት ኤርትራ
Pre-historic development of the languages & scripts of Eritrea and Ethiopia ብመእምር በዅረጽዮን ዝተዳለወ።
1ይ ምዕራፍ
2 ምዕራፍ
3ይ ምዕራፍ
4ይ ምዕራፍ
5ይ ምዕራፍ
6ይ ምዕራፍ
7ይ ምዕራፍ
8ይ ምዕራፍ
9ይ ምዕራፍ
10ይ ምዕራፍ
መበል 11 ምዕራፍ
መበል 12 ምዕራፍ
መበል 13 ምዕራፍ
መበል 14 ምዕራፍ
መበል 15 ምዕራፍ
መበል 16 ምዕራፍ
መበል 17 ምዕራፍ
መበል 18 ምዕራፍ
መበል 19 ምዕራፍ
መበል 20 ምዕራፍ
መበል 21 ምዕራፍ
መበል 22 ምዕራፍ
መበል 23 ምዕራፍ
መበል 24 ምዕራፍ
መበል 25 ምዕራፍ
መበል 26 ምዕራፍ
ምንጪ ሓበሬታ
Pre-historic development of the languages & scripts of Eritrea and Ethiopia ካብ መእምር በኵረ
Recent Comments