ክሳብ መዓስዮም መሃንድሳት ጽዮናውያን፣ ንኢሰያስ ከም ባምቡላ ኣንዳተጠቕሙ፣ ኣብ ልዕሊ ደላይ ሓርነትን ሰላምን ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ፣ ብስነኣእምራዊ ወፍሪ እንዳገበሩ፣ ክረባረቡ?

“ጽንዓት ንጽንዓት ንልምዓት”! “ንወሽለኽ-ለኽን ቆልመጽ-መጽን ክብረይን ክብሪታተይን ኣይሸይጥን”! ክብል ከሎስ ኣንታይ ማለቱ እዩ?? ክሳብ መዓስዩ ኣሰያስ ብህዝቢ ኤርትራ ክላገጽ! እንታይ እዩ ረብሓኡ ኢሰያስ! መንዮም እቶም በዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ስቓይ ዝረብሑ? እንታዮም ክረብሑ !

እዛ “ጽንዓት“! እትብሃል ጭርሖ: ብግቡእ እንተድኣ ክንርድኣ ደሊና፣ ብኣድህቦ ትርጒማን ኣተጋባብርኣን ክንፈልጣ ይግባእ። እወ! ከምቲ ኢሰያስ ዝበሎ፣ “ጽንዓት ንጽንዓት ንልምዓት“፣ ትርጒሙ እንታይ ማለትዩ? እቲ “ንወሽለኽለኽን ቆልመጽመጽን ክብረይን ክብሪታተይን ኣይሸይጥን”! መንዩ ወሽለኽለኽን ቆልመጽ መጽን ዝበለ?? ህዝቢ ኤርትራ ድዩ ምስ ዶክቶር ኣቢዪ እሕመድ ዓሊ ኮይኑ: ኣብ ኣዋሳን ኣብ ኣዲስ ኣበባን ወሽለኽለኽን ቆልመጽ መጽን ዝበለ? ወይስ ኢሰያስ?

ብህለቱ እምብኣር፣ እታ ጽንዓት እንተዘይ ጸኒዓ እንደገና ክትጸንዕ ክሳብ ንመውት ክንራባረብ ኣሎና ማለትዩ። መኽንያቱ ከኣ  እዛ ጽንዓት እትብሃል ጭርሖ ኢሰያስ፣ ካብ ትጭራሕ ካብ ሜዳ ጀሚራ ቅድሚ 40 ዓመታት እያ። ሽዑ ግና ኢሰያስ ሰላዪ ዘይኮነስ እቶም ዝሓለፉ ጀጋኑ እዮም ነታ ሓቀኛ ፅንዓት ጨሪሖማ፣ ኣተግቢሮማ ድማ። እዝዝ ሎሚ ኢሰያስ ዝዋጢየላ “ጽንዓት”! ግን ንህዝቢ ኣዓንጂልካ ንስልጣን ኢሰያስ ንምንዋሕ ጥራይ እያ።  እወ፣ እዚ ስነኣምራዊ ወፍሪ እዚ ኢሰያስ ነፋጥ ዝመሃዞ ዘይኮነስ፣  ብመሃንድሳት ጽዮናውያንን ትኣሊማ ዝተፈትለ ውዲት እዩ። መኽንያቱ ንሳቶም፣ ህዝቢ ኤርትራ ከም ካልኦት ሃገራት ዓለም፣ ነጻነት ረኺቡ ቀሲኑ ክነብር ስለዘይደልዩዎ፣ ክሳብ ዝጸንት ዘይፍጸም ተስፋ እንዳተተስፈወ፣ ብጽንዓት ክመውት  እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ እዋን ቃልሲ ብጽንዓት ነቲ ገጂፍ ጸላኢን ወራርን ምስ መሻሪኽቱ መኪቱ ስዒሩ፣ ነታ ሃገር ድማ መሬታን ባሕራን ካብ ወራር መንግስቲ ኢትዮጵያን ዓንገልቱን ሓሪሩዋ። ድሕሪ ስዕረት ጸላኢ ግን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልምዕትን ምዕባሌ ሃገር ካብ ክንዲ ዝዋፈር፣ እንደገና ብሰንኪ ኢሰያስን ኣምኸርቱ መሃንድሳት ሃጸያውይንን፣ ሓዲሽ “ዶባዊ ኲናት“ ተባሪዑ። እዚ ትርጒም ኣልቦ ኲናት እዚ እንዳተኻየደ ከሎ ድማ እንደገና፣ ጽንዓት እትብል ጭርሖ ገኒና ነይራ። እቲ ትርጒም ኣልቦ “ዶባዊ ኲናት“ ብውዕል ኣልጀሪስ ብዘይ እግባይ ምስ ተደምደመ ድማ፣ እቶም ክልተ ገጽ ሓደ ቅርሺ ምስ ህግደፍ ዝኾኑ መራሕቲ ወያኔ፣ “ከይተዛቴና ደምዳሚ ዕርቂ ኣይንገብሮን ኢና ዕጭ ሓንፈፍና“ ኢሎም። እት መልሲ ጭፍራ ወያኔ ድማ ንኢሰያስ መሸደኒኡ ኮነ፣ “ወያኔ ስለዝዓንቀፉና፣ ጽንዓት“! ብምጭራሕ፣ ንሰራዊት ኣብ ሕልማዊ ውግእ ምስ ወያኔ ኣብ ዶብ ትግራይን ኤርትራን ከምዝዳጎን ገበረ። ኣይ ኲናት ኣይ ሰላም ኮይና ድማ ብ“ጽንዓት“ ብወርሒ ሰን 2018 ዓ.ም.ፈ. ድማ ምስቲ በኺር ወዶም ንወያኔ፣ 1ይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቢዪ ኣሕመድ ዘይወግዓዊ ውዕል ምድማር ገበረ። ይኹን እምበር ሕጂ ድሕሪዚ ምድማር ዝብል ሕልማዊን ዘይወግዓዊን ውዕል ድማ፣ ገና “ጽንዓት ንጽንዕት ንልምዓት“! ዝብል ጭርሖ ክንጭርሕ ይደልየና ኣሎ። ን28 ዓመታት ጽንዓት እንዳበልና ድሕሪ ጸኒሕና፣ ኣብዘን 28 ዓመታት ድማ ብዙሓት ጽንዓት እንዳበሉ ነቲ ድሕሪ ጽንዓቶም ዘርክቡሉ ዓወት ከየርከቡሉ ሞይቶም። ሕጂ ድማ ነዞም ዝተረፍና ክሳብ ንመውት ገና ጸማም ሓደ ደርፉ ጽንዓት እንዳበልና ክንመውት ኣሎና ማለትዩ። ሓቂዶ ሓሶ??

ክንጸንዕ ከምዘሎና ይደልየና ኣሎ። ከድና። ዕንክሊል እዚ ግን ምስ ኣብቅዐ ድማ፣ ውያኔ ዓንቂፎምና ሕጂ ግን ድሕሪ ሰለፋ እንታይ ተረፋ ስለዝኾነ፣ ብሓቀኛ ጽንዓት ጸኒዕና ይ ኣ ክ ል! ንበሎ። ሽዑ እዩ ኢሰያስ ትርጒም ጽንዓት ክስቆሮ ዝኽእል።

 

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ
29 ግንቦት 2019 ዓ.ም.ፈ.