ኣናፍራ ቆቛሕ ዘይፈለጥስ ኣይሃዳናይን

ስለምንታይ እዩ ኢሰያስ ኣብ ክንዲ ሕጋዊን ዲሞክራስያዊን ምሕደራ ህዝቢ ኤርትራ፣ ሓድነት ምስ ኢትዮጵያ ዝመርጽ?

ህዝቢ ኣስመራ ንሓደ ብወግዒ ዘይተሓበሮ “ክቡር ጋሻ” ግንከኣ ውላድ ኢህኣደግ ዝኾነን፣  ብመሃንድሳት ምዕራባውያን ከኣ ተመልሚሉ ዝተላእከን ቀዳምይ ሚንስተር ኢትዮጵያ፣ ንደመር! ፍቕሪ ! ሰላም! ኢሉ እንዳጨርሐ፣ ብዓጀባ ተቐቢሉዎ። እወ፣ እዚ ዶር. ኣቢዪ ኣሕመድ ዝብሃል ብህዝቢ ኢትዮጵያ ተሓርዩ ዘይኮነስ፣ ብሰልፊ ኢህኣደግ ተረቒሑ ኣብ ስልጣን ዝተሰቕለ ሰብዚ፣ ኣብዘን 100 መዓልታት ዕድመ ስልጣኑ ብዙሕ ዘብዘብ ክብል ንዕዘቦ ኣሎና።

ጴጥሮስ ሰለሙንን ብጾቱን ዝተኣስሩ፣ ነዚ ትማሊ ብኢሰያስ ዝተፈጸመ ገበን ስለዝተቓወሙ እዮም።

ህዝቢ ኤርትራ ብፍቕርን ሰላምን ሕውነትን ምስ ህዝቢ ትግራይ ይኹን ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ ተመሓዝዩ ክነብር ዝጸልእ ህዝቢ ኣይኮነን። ቅድሚ ሕጂ ግና እቲ ባዕሉ ልኡኽ ባዕዳውያን መላኺ ኢሰያስን፣ እቶም ኰራዂሩ ሰበስልጣን ህግደፍን ድኣ እዮም፣ በቲ ምዕራባውያን ብፍላይ እኳድኣ መንግስቲ እንግሊዝን፣ ኣሜሪካን ዝተዳለወ ፕሮጀክት መምርሒ ገሮም (ሕቡእ ኣጀንዳ) ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጽልእን ኣብ ህውከትን ኣእትዮሞ። ካብኡ ሓሊፉ ግና ህዝቢ ኤርትራስ ወሪዱዎ ድኣምበር፣ ካብ ጥንቲ ደላይ ሰላምን ደላይ ጉርብትናን ደላይ ፍቕርን እዩ። ግን ህዝቢ ኤርትራ ጽሕፍቶኡ ኮይኑ፣ ብማእከላይ ስለላ መርበብ ኣሜሪካን፣ ብስለላ መርበብ (ሲ.ኣይ.ኤይ,)ን፣ ብስለላ መርበብ እንግሊዝን (ኤም.ኣይ.6) ብስለላ መርበብ እስራአል (ብሞሳድን) ሰልጢኖም፣ ቀንዲ ዓላማኦምን ተልእኾኦምን፣ ድሕሪ ክንደይ ምርብራብ፣ ንነጻነት ህዝቢ ኤርትራ ንምብርዓን ጥራይ እዩ።

ድሕሪ ኣሜሪካዊ ልኡኽ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዑደት ምግባሩ፣ ስለምንታይ ብሃንደብት ኢሰያስ ኣፈወርቂ 360 ዲግሪ ብምቕያር ብኩለንተናኡ ምስ ኢትዮጵያ ወጊኑ።  ብጋዜጤኛ ኣሕመድ ሠሪፍ

https://youtu.be/5SDxQAvdo8g

እወ፣ “ዶብ ከይተሓንጸጸ  ሕጊ የልቦን”፣ ወያኔ ከለው ዕስክርና ክቕጽልዩ”፣ “ሃገራዊ ኣገልግሎት ክቕጽልዩ” ዕዳጋዳ ኣይፍቀድንዩ፣ ወያኔ ከለው ሰላም የልቦን”! ክብሃል ከምዘይጸንሐ፣ ሎሚ ግን ማስኬራ  ገሩ ዝመጸ ዶር. ኣቢዪ ኣሕመድ፣ ግንከኣ ወያኔ መልሚሎም ዘዕበዩዎ ሓዲሽ ወያኔ፣  ካብ ሰማይ ዝተላእከ  ቀዳማይ ሚንስተር ገሩ ተቐቢሉዎ።እኳድኣ። ፈጣርን መሃዝን ሰላም ኮይኑ ብዲክታቶር ኢሰያስ ተመጒሱ። እዚ ብሕጊኣልቦ ጥራይ ን27 ዓመታት ንህዝቢ ኤርትራ እንዳታለለ ከጽንትን ክኣስርን፣ ክመቊሕን ዝጸንሐ ግዝያዊ መንግስቲ ማፍያ ህግደፍ፣ ነቲ ሕቡእ ኣጀንዳኡ ምብርዓን ነጻነትቭ ኤርትራ፣ ትማሊ ዕለት 7.7.2018  ኣግሂዱዎ።

ህዝቢ ኣስመራ ብትእዛዝ ኢሰያስ ንደመር! ንደመር! እንዳበለ ክጭርሕ ውዒሉ። ጽባሕ ብጊሓት እንታይ ከምዝመጾ ግና ተረዲኡ ድዩ። ንጉስ ሃይለስላሴ ብዓዲኳላ  ኣቢሉ፣ ንመጀመርያ ግዜ ንኤርትራ ዝመጸሉ፣ ማሕበር ኣንድነት ኣእዳዎም ክሳብ ዝሓብጥ ኣጣቒዕም እዮ። ሎሚኸ ብተዛዋዋሪ መንገዲ፣ ማለት ብስነኣእምራዊ ውዲት ታሪኽ ሃይለስላሴ ዘይኮነን ዝድገም ዘሎ።

“ህዝቢ ትግራይ ወርቂ እዩ”፣ ክብል ዶር. እቢዪ ኣሕመድ ኣብ መቐለ መዲሩ።

ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ኣምሓራን መበቆሉ ሓደ ምዃኑኮ ዘጠራጥረና ኣይኮነን። ኢሰያስን መራሕቲ ወያኔን እንተኾኑውን  ኣይፈልጡውን ማለት ኣይኮነን። እግን ሓቂን ታሪኽን ሓኺኽካ፣ ንሓደ መበቆ ዘለዎ ህዝቢ ንረብሓ ባዕዳውያን ክትብል  ክሳብ ትኣርግ ንዘመናት ከተባእሶ ጸኒሕካስ፣ ንራሻይዳ ኣዕራብ ክነሶም ኤርትራውያን እዮም ኢልካ  እንዳሓቖፍካ፣ ንትግራዎት ግና እንዳጸረፍካ ደይኮነን ክኽየድ ጸኒሑ። ሕጂ ግና ከይሓኸ ኢሰያስ ምስ ኢትዮጵያ ኣሕዋት ኢና ይብል ኣሎ።  ዘስደምም ውዲት እዩ። እምብኣር ንሓና ኤርትራውያን ኢትዮጵያውያንን ትግራዎትን፣ ዋላ ሱዳንን፣ ሶማልን እንተኾኑውን ብሓቀኛ ታሪኽ እንተድኣ ተማራሚርና ክንፈልጥ ፈቲና ሓበሻ ኢና። ምፍልላይና ግና ንረብሓ ምዕራባውያን ድኣንበር ንረብሓ ኢትዮጵያን፣ ኤርትራን፣ ትግራይን፣ ሶማል ወይ ሱዳን ኣይኮነን።  እቲ ኢሰያስ ኣብ ብዙሕ እዋናት ክልፍልፍ ከሎ፣ ሰቲኹዎ ድዩ ወይስ ንዒቑና ደጋጊሙ “ሓዲሽ ዓለማዊ ስርዓት” እንዳበለ ዓጀፍጀፍ ክብል ንሰምዖ። እዚ ኩሉ መስርሕ ብፍላት ኢሰያስ ብሓፈሻ ድማ እንዳ ህግደፍን ወያኔን እምብኣር፣ ነቲ ሓዲሽ ዓለማዊ ስርዓት ወይ ጉሎባሊዝም ዘተግብር መስርሕ  ንኸሳልጡ ብግቡእ መጽናዕቲ መሃንድሳት ጽዮናውያን ዝተላእኩ እይቶም። እወ መንገዲ ሓዲሽ ዓለማi ስርዓት፣ ንመላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንጽዮናውያን ንምርካብ እዩ። እወ ኣልቃሂዳ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮይኖም እዮም ብጽዮናውያን ተመልሚሎም  እዮም ተኸቲቦም። ዋላ ዶር. ኣቢዪ እውን ቀርኒ ኣፍሪቃ እንዳበለ ዘምልቖ ዘሎ ቃላት እንታይ ተልእኾ ከምዘለዎ እዩ ዝሕብር ዘሎ።

እስከ ነዛ ኣብ ታሕቲ ተዘርጊሓ ዘላ ቪድዮ፣ ብዛዕባ መበቆል ህዝቢ ሓበሽ  ብግቡእ ንከታተላ።