ሉኡላዊነት ሃገር ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘውረደ ፡ ደረት ኣልቦ ጉጅለ..PART 5

ብመስዋእቲ ተጋዳላይ ሓምድ ሕምድ ዝዛዘምኩዎ 4ይ ክፋል ጽሑፍ ኣንቢብኩም: ሃናጺ ሪእይቶታት ዝሃብኩምኒ ወገናት እንዳመስገንኩ: ንሎሚ ከኣ ብዛዕባ ኣብ ሱዳን ዝተኻየዱ ሽርሒታት ዝምልከት ሓበሬታ ይቕጽል፡፡

ከምቲ ኣብ 4ይ ክፋል ዘንበብኩምዎ፡ ሱዳን ንኣምባሳደር ሓምድ ሕምድ ሓዊሱ፡ ብዙሓት ዜጋታትና ዝተጨውዩላን፡ ዝተቐንጸሉላን፡ ሃገር እያ፡፡ ብጀካ ሓምድ፡ ካብ ኣባላት ኢምባሲ ኤርትራ ኣብ 2004 ውን፡ መንግስትኣብ መኮነንን ዝተብሃለ ምልክት (ኦፕሬተር) ኢምባሲ ዝነበረ ካብ ቀጽሪ’ቲ ኢምባሲ ወዲ ፊተውራሪ ብዘዋፈሮም ኣባላት ተጨዊዩ’ዩ፡፡ ኣብ 2006 ከኣ ሓደ ኣብርሃ ዝተብሃለ ኣባል ክፍሊ ሕርሻ ዝነበረ ተጨውዩ’ዩ፡፡ ኣብ ሱዳን ዝተጀማመረ ምንቅስቓሳት ተቓወምቲ ውድባት ዚያዳ ንምድኻም፡ ኣብ 1980ታት ኣብ ሱዳን ዝተፈላለዩ ስርሒታት ዝፈጸመ፡ ወግዓዊ መዝነት ዘይነበሮ፡ ኣባል ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ዝነበረ፡ ዒሳ ኣሕመድ ዒሳ ዝተብሃለ ሓላፊ ናብ ሱዳን፡ ከም Head Of mission ተላኢኹ፡፡

ዒሳ ኣሕመድ ዒሳ፡ ብዙሕ ሰብ ዘይፈልጦ፡ ከም ኮ/ል ተስፋልደት ተስፋስላሰ፡ ብድሕሪ መጋረጃ ሓያሎ ስለያዊ ዕማማት ዝዓምም፡ ኣዚዩ እሙን ኣባል ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ኢዩ፡፡ ዒሳ ብ1977 ናብ ሜዳ ዝወረደ ዕባይ ኣስመራ ተጋዳላይ ኮይኑ፡ ኣብ 1980ታት ኣብ ምዕራብ ሱዳን፡ ከም ሓላፊ ወጻእ ስለያ ተመዲቡ፡ ዝተፈላለዩ ቤ/ጽሕፈታት ተኻርዩ፡ ብፍላይ ኣብ ከባቢታት ግርማይካን ከሰላን፡ ብዙሕ ስለያዊ ስርሓት ዓሚሙ ኢዩ፡፡ ካብ 1994 ንደሓር ኣብ ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ከም ሓላፊ ክፍሊ ጸጥታ፡ ደሓር ከኣ ኣብ 1998 ብጉልባብ ኣብ ወጻኢ ጉዳያት ሚኒስተር፡ ኣብ ትሕቲ ክፍሊ ሓበሬታን ምርምርን፡ ቤ/ጽ ተፈሊዩሉ፡ ከም ላዕለዋይ ሓላፊ ምክትታል ስለያ ወጻኢ ኮይኑ ኣገልጊሉ፡፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ከይተረፉ ዘይፈልጥዎ፡ ኣብ ሜዳ ብኢሳይያስ ዝድለዩ ሰባት፡ ዶባት እንዳሰገረ ዘጥቅዕ፡ ስውር ኣባል እንዳ 72 ዝነበረ ዒሳ፡ ኣብ ፖርት ሱዳን ውን ምስ ወዲ ፊተውራሪ ብሓባር ከም ሓላፊ ስለያ ብምኻን ተመዲቡ ኔሩ፡፡

በቲ እዋን ኣጽዋራት ኣብ ምትሕልላፍ፡ ኣብ ምቕንጻል ን“ዝሃድሙ” ሓለፍቲ፡ ኣብ ምክትታልን ምልዛብን ምስ ሓለፍቲ መንግስቲ ሱዳን ተዋሲኡ’ዩ፡፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ሓያሎ ተሞኩሮ ዘለዎ ኮይኑ፡ ሕሩያ ዝተብሃለት ሰበይቱ ምስ ደቃ ውን ኣብ ሱዕድያ ኢያ ትነብር፡፡ ኣዚዩ ጎራሕ፡ ተጠራጣሪን ሰብ ዘይኣምንን ዒሳ፡ ብጀካ ሓጎስ ኪሻ ካልእ መቕርብ የብሉን፡፡ ንልዕሊ 30 ዓመታት ኣብ ሱዳን ብምስርሑን ብምምልላሱን ዘኻዕበቶ ስለያዊ ተሞኩሮ መሰረት ብምግባር፡ ሱዳናውያን ከይተረፉ “መኻቦራት ኢሳይያስ” እንዳበሉ’ዮም ዝጽውዕዎ፡፡

ኣብ ኢምባሲ ኤርትራ ካርቱም ብውግዒ ምስ ተመደበ፡ ኣቐዲሙ ብዝሃነጾ ርክባት ተጠቒሙ፡ ንሓለፍቲ ጸጥታ ብቐጥታ ሱዳን ኣእሚኑ ኣብ ሱዳን ዝነበራ ተቓወምቲ ውዳባት ኤርትራ፡ ቤ/ጽሕታተን ክዕጾን ክስጎጓን ጌሩ፡፡ ኣብቲ እዋን፡ ኣብ ኣስመራ ኮይኑ፡ ኣብ ሱዳን ዝነበረ ስርሒታት፡ ክከታተልን ናይ ኢሳይያስ መምርሒታት ከውርድን ዝተመደበ ሓላፊ ኮ/ል እምናይ ስሌማን (ወዲ ሻንበል) ዝተብሃለ ሰብ ኔሩ፡፡

ዒሳ ኣሕመድ ዒሳን ወዲ ፊተውራሪን ኣብ ካርቱም ብሓባር ድሕሪ ምጽንሖም፡ ወዲ ፊተውራሪ ናብ ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ተሳሒቡ ከም ሓላፊ “ምክትታላት ብልሽውና፡ ምክትታላት ኣታዊታት ህግደፍ ካብ ማዕዳናትን ሂንቦልን” ኮይኑ ክሰርሕ ዘይወግዓዊ ሓላፍነት ተዋህብዎ፡፡ ኮ/ል ዓንደብርሃን በርሀ (ወዲ በርሀ) ከኣ ብቐጥታ ብጉልባብ “ኣካያዲ ስራሕ” ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ካርቱም ኮይኑ ተመዲቡ፡፡ ኣብዚ እዋናት (2003/ 2004) ዓብደላ ኣደም ንሓጺር ግዜ ከም ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሱዳን ተመዲቡ ኔሩ ኢዩ፡፡ ብሓፈሻ ክሳብ ኣለም ነጋሽን ወዲ ማንታይን ዝምደብሉ እዋናት፡ ዒሳ ብዝተፈላለዩ ጉልባባት 3ተ ግዜ ናብ ሱዳን ተመዲቡ ሰሪሑ’ዩ፡፡

ወዲ በርሀ፡ ኣብ ትሕቲ ዒሳ ኮይኑ ናብ ሱዳን ኣብ ዝተመደበሉ እዋናት፡ ህዝብን መንግስትን ከብድን ሕቖን ኮይኖም፡ ባህርያት ኢሳይያስ ዚያዳ ዝተገሃደሉ፡ ህዝብና ስደት ከም ኣማራጺ ዝጀመረሉ፡ ዲፕሎማሲያዊ ጽምዶታት ናብ ጎነጻዊን ስለያዊን ሽርሒታት ዝተሰጋገረሉ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ስውር ናይ ህውከት ስትራተጅታት ዝተሓንጸጸሉ እዋናት ኔሩ፡፡ ካብ ምስሪ ክሳብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ጅቡቲ፡ ኬንያ ዝነበረ መስርሕ፡ ብቐንዱ ኣብ ምክትታል ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ምስግጋርን ምስላጥን ኢምባሲያዊ ወረቓቕቲ ንተቓወምቲ ጉጅለታት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ምክትታልን ምውፋርን ንኣኼባታት ተቓወምቲ ሰልፍታት ዘፍሽሉ ሃሱሳት፡ መሸጣን ምዝውዋርን ኣጽዋር ንዝተፈላለዩ ጉጅለታት፡ ከምኡ ውን ኣብ ምጭዋይን ምቕንጻልን ዜጋታት ከድህባ ተገይረን፡፡

ውርጹጽነት ዘይብሉ ስለያዊ ኣሰላልፋን ኣሰራርሓን ምስቀጸለ፡ ኣበሳ ዘይነበሮምን ኣብ ተራ “ገበን” ዝኣተው ዜጋታት ከይተረፈ ዘሕቅቕ መስርሕ ስዒቡ፡፡ ንኣብነት ኣብ 2005 ቴድሮስ ዝተብሃለ ምስ ወዲ በርሀ ከም ተሓባባሪ ዘገልግል ዝነበረ መንእሰይ፡ ተጨዊዩ ተወሲዱ ኣብ ተሰነይ ተረሺኑ ኢዩ፡፡ ደሳለ ዝተብሃለ ሓደ ዜጋ ‘ውን ብመሸጣ ብረት ተጠርጢሩ ተጨውዩ ጠፊኡ’ዩ፡፡ ኣብ 2005 ኣብ ካርቱም ንዝተፈላለዩ ኤርትራውያን መንቀሳቐሲ ከም ዝሸይጥ ዝተጠርጠረ ግደሁን (ጋዳ) ዝተብሃለ ዜጋ፡ ብወዲ በርሀን ኣባላት ምክትታል ዶባትን ተጨውዩ ናብ ኣስመራ ተወሲዱ ኮ/ል እምናይ ስሌማን ስጉምቲ ክውሰደሉ ጌሩ’ዩ፡፡

ኣብ ማዕሰከር ሸገረኣብ ውን፡ ብዙሕ ሽርሒታት ተፈጺሙ ኢዩ፡፡ ንሓደ ሓመድ ዝተብሃለ ኣባል እንዳ ዓብደላ (ወትሃደራዊ ኣዘዚ) ዝነበረ ንምቕንጻል ክልተ ኣባላት ተላኢኾም፡ ኣብ ውሽጢ ሸገረኣብ ቦምባ ተደርቢዩሉ ኔሩ፡፡ ንሱ ከይተሃርመ ጓሉ ግን ተቐዚፋ ኢያ፡፡ ነዚ ሰብ ክቕንጽሉ ዝተለኣኹ፡ ብርሃነን ንጉሰ እንግዳን ዝተብሃሉ ኣባላት’ዮም፡፡ ንጉሰ እንግዳ ድሕሪ ስርሒታት ሱዳን፡ ኣብ ከባቢ ገርሰት ኣብ ትሕቲ ምክትታል ዶባት ተመዲቡ ኔሩ፡፡ ብርሃነ ከኣ ደሓር ብስግረ ዶብ ናብ ዓዲ ጥልያን ኬዱ፡፡

ብተመሳሳሊ ሓደ ብርሃነ (ወዲ ዛግር) ተባሂሉ ዝፍለጥ፡ ኣብ ሸግረኣብ ቤት ስእሊ ዝነበሮ ዜጋ፡ ተቓወምቲ መሲሎም ብጉልባብ ዝተልኣኹ ኣባላት ተኪሶምሉ ኔሮም፡፡ ነዚ ብኮንትሮባንድን ምስግጋርን ዝተጠርጠረ ሰብ ክቕንጽል ዝተልኣኸ ድማ፡ መሓመድ ፈጊር ዝተብሃለ ኣባል እንዳዓብደላ ዝነበረ ነባሪ ሸገረኣብ ኔሩ፡፡ መሓመድ ፈጊር፡ ቀጻሊ ብዛዕባ ኣኼባታትን ኣባላትን ሓበሬታ ንወዲ በርሀ ዘቕብል እሙን ተሓባባሪ ኮይኑ፡ ወርሓዊ ክሳብ 500 ሺሕ ጅነ ይኽፈሎ ኔሩ፡፡ ከምዚኦም ንዝኣመሰሉ ኣብ ከሰላን ሸገረኣብን ንዝውሰዱ ስጉምታት፡ ምስ ኢምባሲ ኤርትራ ብምትሕብባር ዝመርሑ ምክትታል ዶባት፡ ሌ/ኮ ንኣምንን ወዲ ዳኘውን ዝተብሃሉ ኔሮም፡፡

ብሰንኪ ዝንቡዕ ስለያዊ መስርሕን ዘይምእኩል መሪሕነትን፡ ምዕራባዊ ዶባት ኤርትራ፡ መነሃርያ ዘይሕጋውያን ነጋዶን ኣብ መሸጣን ምስግጋር ደቂ ሰባትን ዝነጥፉ ኣረሜን ራሻይዳታት ክኸውን ኪኢሉ ኢዩ፡፡ ኣብ ዞባ ጋሽባርካ፡ ብምስምስ ሃገራዊ ድሕነት ህዝቢ ዘሰክሑ፡ ሰራዊት ዘጽነቱ፡ ጎባልል ሰብ ግዜ ተራእዮም፡፡ ኣብቲ ዞባ ብፍላይ ብ/ጀነራል ተኽለ ማንጁስ፡ ሓያሎ መሓውራት ወዲቡ፡ ንህዝብና ከጽንት ኩሉ ዝከኣሎ ጌሩ፡፡ ኣብ ትሕቲ ተኽለ ማንጁስ ዝተዓስከሩ በዓል ኮ/ል ዮናስ ብጹእ ኣምላክ፡ ኮ/ል ሰሎሙን በላይ (ወዲ በላይ)፡ ኮ/ል ንጉስ ሃብተጽዮን (ዱማ)፡ ሌ/ኮ መንግስትኣብ ሳሚኤል (ማርቶቭ)፡ ሌ/ኮ ዑስማን ኣቡጠዊላ፡ ኮ/ል ገረዝጊሄር ዕንቋይ፡ ኮ/ል ጸጋዝኣብ ዕቕባማርያም (ስርናይ)ን ሌ/ኮ ፍጹም ኢሳቕ (ሌኒን)ን ውን በቢዝከኣሎም ካብቲ ዞባ እጃሞም ጓሕጊሖም ‘ዮም፡፡

እዞም ሓለፍቲ፡ ምስ ኢምባሲ ኤርትራን ገለ ሓለፍቲ መንግስቲ ሱዳንን ተኣሳሲሮም፡ ሰሌዳ ብዘይብለን መካይንን ናይ ሱዳን ሰሌዳ ብዘለውን መካይንን፡ ንዝደለይዎ ዜጋ ካብ ማእከል ካርቱም ከይተረፈ፡ ሓኒቖም የምጽኡ ኔሮም፡፡ ካብ ማዕስከራት ወደል ሒለውን ሸገረኣብን ውን፡ ብዙሓት ዜጋታት ቀዚፎም’ዮም፡፡ ማዕረ ማዕረ”ቲ መስርሕ ጭውያታትን ቅንጸላን፡ በዓል ተኽለ ማንጁስ ኣብ ዶባት ሱዳንን ኤርትራን፡ ብምስምስ ዘይሕጋዊ ንግዲ ሰባት ከራስዩ፡ ጅባታቶም ከህጥሩ፡ ኣብ ኮንትሮባንዳ ክዋፈሩ ጸኒሖም፡፡ ካብ ወደብ ባጽዕ ክሳብ ዶባት ሱዳን ዝተዘርገሐ ዘይሕጋዊ ንግዳዊ መስርሕ፡ ንበዓል ተኽለ ዚያዳ ዕድላት ምስ ኣርሃወሎም፡ ምስ ኣስገርትን ሰምሰርትን ከምኡ ውን ምስ ራሻይዳ ምትእስሳር ፈጢሮም፡፡ ራሻይዳ ብናይ ምክትታል ዶባት መኻይንን መንቀሳቐሲን፡ ክሳብ ከባቢታት ሓፊር ኣትዮም ሰባት ክጨውዩ፡ ክሳብ መኻዚኖታት ተጎለል ዓሊጊደርን መኸሰራትን ኣትዮም ኣቑሑት ክዕድጉን ክሸጡን ተፈቒድሎም፡፡ ተኽለ ማንጁስ ኣብ ሓፊር ዝነብር ምስ ኣቡራሴን ዝተብሃለ ናይ ራሻይዳ ዑምዳ (ንጉስ) ምሕዝነት ፈጢሩ፡ ኣብ ታሪኽ ዓለም ብሕጋዊ ወረቐት ካብን ናብን እናተንቀሳቐሱ፡ ከምድላዮም ንጹሃን ዜጋታት ዘከላብቱ፡ ጉጅለታት ኣብ ሃገርና ተፈጢሮም፡፡ ብጀካ ናብ ስልጣኑ ዝወጣወጣ ኣእዳው፡ ካልእ ዘይዓጦ ኢሳይያስ፡ ኣብ ምዕራባዊ ሸነኽ ሃገርና ዝተዘርገሐ መሓውራት ብልሽውናን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ርኢዩ ከምዘይረኣየ ክሓልፎ ኢዩ መሪጹ፡፡

ክቡራት ተኸታተልቲ!

ምስ ጎረባብቲ ሃገራት፡ ኣብ ህድኣትን ኣብ ሓበራዊ ረብሓን ዝተሰረቱ ዲፕሎመሲያዊ ጽምዶታት፡ ኣብ ዘይሕሰበሉ ኢሳይያሳዊ መድረኽ፡ “ዲፕሎማሲ” ከም ኣምር ተሪፉ፡ መላገጺ በዓል ተኽለን ዕሱባቱን ኮይኑ፡፡ ሱዳን ምስ ሃገርና ዘለዋ፡ ባህሪያዊን ጂኦ ፖለቲካዊን ምትእስሳራት፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ረብሓና ነውዕሎ፡ መጻወቲ ውሑዳት ጎሓሉ ካብ ዝኸውን እንሆ ዓመታት ሓሊፉ፡፡ መብዛሕትኡ ህዝቢ ተሰነይን ባረንቱን ኣጸቢቑ ከምዝፈልጦ፡ ኣብ ዶባት ዝካየድ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት፡ ንግዲ፡ ዝምታ ጥሪትን ተኽለ ማንጁስ ኢዱ ከይሓወሰሉ ኣይፍጸምን፡፡ ተኽለ ምስ በዓል እዝራ ስብሃቱ ክጣላዕ እንዳወዓለ፡ ክንደይ ግፍዒን ስቓይን ከምዝፈጸመ ህዝቢ ጋሽባርካ ዝፈልጥ የለን፡፡

ፍጻመታት ተኽለ ማንጁስ ብመልክዕ ጸብጻብ፡ ብወኪል ሃገራዊ ድሕነትን ገለ ሓለፍትን ናብ ኢሳይያስ ምስተልኣኸ ውን ፍታሕ ስለ ዘይተረኸበ፡ ኣብ ምዕራባዊ እዚዝነበሩ ብዙሓት ሓለፍቲ ተስፋ ቆሪጾም ኢዮም፡፡ በቲ እዋን ሓለቓ ስታፍ ምዕራባዊ እዚ ዝነበረ ብር/ጀነራል ኣብርሃም ዓንዶም (ዓፋን) ግን፡ ነቲ ብኮ መዝሚዙ፡ ምስ ተኽለ ማንጁስ ብምትእስሳር፡ ሃብቲ ከኻዕብት መሪጹ፡፡ ከም ውጽኢቱ ድማ ተኽለን ዓፋንን፡ ካብ ማእከል ኣስመራ፡ ንሓደ ሰብ ክሳብ 3 ሺሕ ዶላር ዘኽፍላ መኻይንነ ኣስገርትን ኣዳሊዮም፡ ብኣማኢት ዝፍቀዱ ዜጋታት፡ መዓልታዊ ናብ ሱዳን (ከሰላን ካርቱምን) ኣብ ምምልላስ ጸኒሖም፡፡

ኣብ ወርሒ 4 2009፡ ኢሳይያስ ናብ ፍሊስጤማዊ ጉጅለ ሓማስ ኣጽዋር ከመሓላልፍ ምስ ኢራን ምስተሰማምዐ፡ ነቲ ስውር መስርሕ ከካይድ ዝሓረዮ ሓላፊ፡ ተኽለ ማንጁስ ኢዩ ኔሩ፡፡ በቲ እዋን ምስ ሓደ ዓብዱ ለጢፍ ኣሽካር ዝተብሃለ ኣባል መሪሕነት ጉጅለ ሓማስ ተላዚቦም፡ ፋጅር 3 ዝተብሃለ ካብ ኢራን ብስውር ብባሕሪ ዝኣተወ ሮኬታት፡ ናብ ሓማስ ንምልኣኽ ተሰማሚዖም ኔሮም፡፡ ነቲ መስርሕ ኢሳይያስ ብዕቱብ ዝከታተሎ ዝነበረ ኮይኑ፡ ጸብጻባት ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ከምዘረድእዎ፡ ኣስታት 35 ብተኽለ ማንጁስ ዝተወደቡ ኣስገርቲ፡ ነቲ ኣጽዋር ብጉልባብ ምስ ስግረ ዶብ ዝኸዱ ሰባት ብሓባር ጺዒኖም፡ ካብ ሱዳን ናብ መገዲ ግብጺ ምስበጽሑ፡ ብናይ እስራኤል ደብዳብ ነፈርቲ ከምዝተቓጸለ ይገልጽ፡፡ ኣብቲ ጸብጻብ ሓያሎ ዜጋታትና ግዳይ እቲ ደብዳብ ከም ዝኾኑ ውን ሰፊሩ ኣሎ፡፡ ኣብ’ቲ እዋን ብዛዕባ ናብ ሓማስ ዝተልኣኸ ኣጽዋር ዝምልከት ሓበሬታ፡ ብማ.ወ.ስን ስለያ ሱዳንን ስለ ዝተፈለጠ፡ ኢምባሲታት ሱዳንን ኣመሪካን’ውን ናብ ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ብተደጋጋሚ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ መብርሂ ይሓታ ኔረን፡፡ ብሓፈሻ ተኽለ ማንጁስ ኢዱ ዘይሓወሰሉ፡ እኩይ ግብሪ ዳርጋ የለን፡፡ ኣብ 2014 ስደት ኤርትራውያን ብማሕበረሰብ ዓለም ኣብ መጋባእያታት መዘራረቢ ምስ ኮነ ውን፡ ን”ማዕስከራት ሱዳን ምብታን” ዝብል ውጥን ስለዝወጸ፡ ብ24 ታሕሳስ 2014 ማዓስከር ሸገረኣብ ንምፍራስ ተኽለ ማንጁስ ሃሱሳት ኣዋፊሩ ከቃጽሎ ፈቲኑ ኔሩ፡፡

ኣብ 2017ን ተወሳኺ ጽፍሒታት ዝተመጠወሉ ተኽለ ማንጁስ፡ ሕጂ ውን ምስ ወዱ (ስሙ ብዘየግድስ) ብሓባር ኣብ ምስግጋር ደቂ ሰባት ተጸሚዱ ይርከብ፡፡ ምስቶም በላዕቲ ሰባት ሰምሰርቲ ራሻይዳ ዝነበሮ ርክብ ውን ዚያዳ ብምድልዳል ምስ ንጉስ (ናዝር) ራሻይዳ ሃገረ ሱዳን፡ ኣሕመድ ሑመድ ኣልባራኺ፡ ጥቡቕ ርክባት መስሪቱ ኣሎ፡፡ ስለዚ ዲፕሎማሲያዊ ርክባት ሃገረ ሱዳንን ኤርትራን ብዲፕሎማሲያዊ ርክባት ተኽለን ኣሳሰይቱን ተቐይሩ ኣሎ፡፡

ይቕጽል……….