ኣበይድእሎ ናይ ሓፋሽ መስተርሆ
ጡሩምባ መለኸት ዝተነፍሖ
ናጽነት ንምምጻእ ዝተባህለ ሆሆ
ጭቆና በዚሑ ሎምስ ክንድርጉሖ!

እንኳንዶ ህዝብና ኣብ ከተማ ኮይኑ
ብቕድሚ ነጻነት ከሎ ብእዋኑ
ክፍኣት ኢሰያስ ክፈልጥ ተንቲኑ።

እቲ ንሜዳ ከይዱ ዝስዋእ ዝጋደል
ኣይፈልጥን ነይሩ ጉርሒ ኢሰያስ ተንኮል
መኽንያት ነይሩዎ ሓጺናዊ መስገደል
ነቲ ዝነበረ ዘይእረም በደል
ውሽጡ ንኸይፈልጥ ኣበራቱ ከይግንጸል።

ብድሕሪ ነጻነት
ፍሪኡስ ተራእዩ ኢሰያሳዊ ስርዓት
ለይቲ ምስ መዓልቲ ሥልጣኑ ክቋመት
ብዘይ ገበን ሽቕለት ብጊላነት
እቶም ዘገልግሉ ንዓመታት
ምእካል ኣብዩዎም መንእሰያት።

ንደቂ ሰብዓ ኣሪጎም ዘይብል
ዝዕልም  ዝምልምል
ብረት ኣሸኪሙ ጋም ማን ዘብል።

መላኺ ቲራኒ ኢሰያስ ኢሎሞ
ንብዓት ህዝብና ዘይዓጅቦ ዘይገርሞ
ብመሪር መግዛእቱ ህዝብና ኤህ ኢሉ ዝረገሞ
ዕድሜኡን መዋእሉን ይሕጸር ውጽዕ ህዝቢ ክጥዕሞ።

ቅዋም ተተግቢሩ ዝምረጽ ክምረጽ
ዝነግድ ክነግድ፣ ዝሓርስ ክሓርስ፤ ነዊቱ ክረግጽ
ዝምህር ክምህር፣ ዝመሃር ክመሃር፣ ዝሃንጽ ከኣ ክሃንጽ።

እወ፣ ይግባእ ነይሩ ከምኡ’ዩ ህዝብና ትጽቢቱ
ብፍላይ እቲ ተቓሊሱ ዘወፈየ ህይወቱ።

እሰያስ ብምኽሪ ጎይቶቱ፣ኣብ ኮረሻ ስልጣን ኣራጢጡ
ንቕዋምን ሕገ-መንግስትን ኣብ ከብሒ ረጊጡ
ሓደ ርብዒ ዘመን ህዝቢ ከይመረጾ ግዜኡ መጢጡ።

ኣብ ፈለማ እዋን ሕያዋይ ተመሲሉ
ከምቲ ኣምሆ ዘመን ዝነበረ ኣመሉ
ኣብ ልዕሊ ሓረስታይ ጓሳ ዝተላመደሉ
ውዲትን ሜላን ተጠቒሙ ንህዝቢ ኣታሊሉ።

ብድሑር መግዛእቲ ዘየናሕሲ ተንቤናይ ጓና
ድከቱ ዝሰተ ሕያዋይ ህዝብና
እቲ ኩሉ ከኣ ንረብሓ ጽዮናውያን እምበር ኣይኮነን ንዓና
ንሕናስ ከምኡ ምዃኑ ኣምሆ ዘመን ፈሊጥናዮ ኔርና
ብሰንኪ ባዶ 3 ፕሮፓጋንዳ ሰማዒ ህዝቢ  ስኢና።

ህዝቢ ብዝነበሮ ህርፋን ነጻነት
ሃንቀውን ሃረርን ዝበሎ ንዓመታት
ኣየድሃበን ኔሩ ኣብ ኢሰያስ ተንኮል ንኽቋመት
ብጽዮናውያን ተዓሲቡ ከምተላእከ ኣይነበሮን ግምት
ተሰርዩ ነይሩ፣ ንየማን ንጸገም፣ ንቕድሚት፣ንድሕሪት ከይጥምት
ድሕሪ ማይ ኣብ ብዓቲ ሕጂ ክስቆሮ ጀሚሩ ተንኮል ኢሰያስ ክፍኣት።

 

ይቕጽል

ብሓልዮ መርበብ ሓበሬታ ደቀባት