እቶም ውዲታውያን ስዉራት ሓይልታብድሕሪ መጋረጃ ኢሰያስ ኮይኖም፣ ብኢደ-ኣዙር ዝምንቁሱና ዘለመንዮም? ኣብ መወዳእታ እልፋን ኦሜጋንከ ነቲ ቀይሕ ባሕሪናን ከነኣን ዓድናን ብዓልመንዮም ክውንንዎ ዝሓልሙ ዘለው?

ዝኸበርካ ሓውፎሮ“ ከመይ ኣሎኻ ጸጋ  ጥዕናኻ? ኣነኮ ብወገነይ ኣብ ቆየቛ-ፓልቶክ ዘላግስ ሰብ ኣይኮንኩን፣ መኽንያቱ እቲ ፓልቶክውን ዋናታቱ ንሳቶም ስለዝኾኑ፣ ካብ በትሪ ኣብ ኢድካ፣ ተመን ኣብ እግሪኻ ከሎ ረሲዕካስ፣ ካብ ድሎ ከይትዕሎ መኸተ ኣላጊስካ፣ ኣብ ዕንክሊል ምእታው ከምዝኾነ ገረ ስለዝርድኣኒ። ብርግጽዩ ብቐደማይ ግና፣ ኣብቲ “ኣደራሽ ስመር” ዝብሃል ብሃንደበት እልይ እንተብልኩስ፣ ገዛ “ስመር“ ብምልእታ “ፎሮ-ፎሮ“! ክትብል ሰማዕኩ እሞ፣ ኣነውን ብኣቕልቦ ነቲ ዝቐርብ ዝነበረ ሕቶን መልስን ክሳብ መወዳእታ ክሰምዖ ተገደድኩ።

ሽዑ ምሸት ድማ ሓደ ካብቶም መንእሰያት “ብፍላይ ብዛዓባ ሃጸያዊት አሜሪካን ጽዮናውያን ዝተጻወትዎን ገና ድማ ኣብዚ እዋንዚ ዝጸዋትዎ ዘለዉን ውዲታት፡ ንብድሕሪ ሕጂ ክንጥንቀቐሎምን ዝግባአና ሓበሬታ ምለገስካልናዶ“? ኢሉ ምስ ሓተተካ፡ ከምዛ ኣብ እስራአል ብሞሳዓድ ዘይሰልጠንካ፣ ነታ ሕቶ ዕሽሽ ኢልካ ምስቶም “ኣኽረርቲ-ሕልፋት    ሃይማኖት ምስልምና” ግንከኣ ልኡኻት እቶም ኣትማን ማሕበረሰይጣን ክንሶም፣ነታ መልሲ”ጎጉዱ ንቐሺ” ከምዝብሃል ምስኦም ኣተኣሳሲርካያ፣ ካብኡ ነታ ሕቶ ብሸፈጥ ሓሊፍካያ።

ይኹንምበር ኢሳያስ አፈወርቂ ድኣ ካብቶም ብዙሓት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ከም ብዓል ገዲም ወይ ኣረጊት ሰላዪ ሞጋበ ብዓል ዚንባቨን፣ ብጽዮንነት ተመልሚሎም ዘገልግሉዎም ዘለው ዕሱባት ባዳውያን ሓደ ግንከኣ ምኩር ሰላዪ ሞሳድ እዩ። እወ፣ ብብልሓት ስለላን ኮለላን ሞሳድ ዝጓሰ፣ እቲ ዝልዓለ ቢግ-ብራዘር  እሙንን ኣገልጋልን ሃገር እስራኤል እዩ። ኣብዚ ክበርህ ዘለዎ ግና፣”ኣደኺዶ ሓትኖኺ ይሕሻ ኩለን ሓደ እየን ይልሓሳ” ከምዝብሃል ምሳድን ሲ.ኣይ.ኤ.ን ኤም.እይ.6.ን ከኣ ንሓደ ፕሮጀክት ዝኽድሙ “ሰለስተ ስላሴ” ከምዝኾኑ ክንግንዘብ ኣሎና፣ ስለዚ ጎይቶት ኢሰያስ ብሓፈሻ ሲ.አይ.ኤ. ብፍላይ ድማ ሞሳዓድን ኤም.ኣይ.6ን እዮም እምብኣር እቶም ጎይቶቱ ብሪሞት ኮንትሮል ኢዮም ዝቆጻጸሩዎ። ብሓጺሩ ብጸልማት ምስኣም ኣብ ቀጠርን ዳህላክን ካርቱምን፣ብቀትሪ ድማ ንኸምስል ኣብ ቁሸት ዓዲ ሃሎ ኮብሊሉ እዩ ዕንክሊል ዝብል ዘሎ።

ክቡር “ፎሮ“ ጉዳይ ሃገርና ኣብ ኢድና ኣይኰነን ዘሎ። ስለዚ እቶም ጎይቶት ኢሰያስ ኣብ ማእከሎም ኮንና፣ኣብ ክንዲ ብድምጽናን መልክዕናን ዘሎንዮ ቦታን እንዳስኣሉናን ተቛጻጸሩናን፣ኣብ ስሓልን ባርካን ዓላን ዘሎና መሲሉና ኣብ ፓልቶክ ክንቋዮቕ ምሕዳር (ነግዲ ኣምሩ ካብ ምኻን) ታስክፎርስ መስሪትና፣ ከም ኣመልና በታ ኣብ ኢድና ዘላ በትርና፣ ነቲ ተመን ኣብ እግርና ዘሎ ክንጭፍልቖ ኣሎና። ካብኡ ሓሊፉ ዝግበር ጉዳይ ግና፣ “ኣብ ልዕሊ ዋጣ ዝዋጥስ ኣይክዋጥን እንታይ ድኣ ከውጠጢ” ከምዝብሃል፣ ኣብ ውሻጠ ኣሳፊሕካ ዓንገረር ምባል፣ኣብ ዘይሰምዓካ ደብሪ ምምህላል ግንከኣ ካብቲ ብሰንኪ ሰላዪ ኢሰያስ ሰንፈላል ገሩካ ዘሎ ስነኣእምራዊ ዘይምቕሳንካ (ፍራስትረሽካ) ንግዜኡ ዝፋኾሰልካ ኮይኑ ስለዝስምዓካ ትገብሮ ወልፊ ጥራይ ኮይኑ እዩ ዝተርፍ። ክቡር ፎሮ ኣብ መደምደምታ ከነመሓላልፈልካ እንደልዮ ንእሽቶ ሓበሬታ፣ጉዳይና ኣብ ኢድ  ዓባይ ብሪጣንያን ጽዮናዊት እስራአልን ሕብራት ሃገራት ኣሜሪካን፣ከምኡውን መላፍንቶም ቀደም ኮሎንያሊስት ሎሚ ከኣ ውሕሉላት ሕብረት ኤውሮጳን እዮም

ስለዚ “ሓው ፈሮ”  ኣይትተሃመል! ኣብ ፓልቶክ ኣብ ገዛ ባዕዳውያን ኮንካ፣ ንመሃንድሳት ስለላ መርበባት “ንዑ ስምዑለይ ንዑ ርኣዩለይ” እንዳበልካ ካብ ዘረባን ቆየቛን ዝርከብ ዓወት ከቶ ከምዘየለ ክትግንዘብ ይግባእ። ልኡኽ መላኺ ኢሰያስ፣ ብሕብሩን ብመልክዑን ጥራይ እዩ ኤርትራዊ ዝመስል እንበር፣ እቲ ሴረብላሙ ሓንጎሉ ብታዕልምን ስልጠናን ስለላ መርባት ሓንሳብ ንሓዋሩን (ማይንድ ኮንትሮልድ)፣ ብቕልል ዝበለ ኣገላልጻ እምብኣር ሓንጎል ኢሰያስ ብስነኣምራዊ ሜላ መሃንድሳት ስለላ ፉዞ ኮይኑ እዩ። ብፍላይ ድሕርታ ብሕማም ሴረብላም ማላርያ ተለኺፉ ተባሂሉ ኣብ እንዳ ሞሳዓድ ከይዱ ቺፕ ዝሰኽዑሉ ግዝዬ ጀሚሩ፣ ኣእምሮኡ ተቐዪሩ እዩ። ከምቲ ንሶም ዝሓስቡዎ ጥራይ እዩ ዝሕስብ።  እቲ ኣብ ጭንቅላቱ ተኸዚኑ ዘሎ መዝገበ ቃላት፣ ንመረዳእታ ክኾነካ እዞም ዝስዕቡ ጥራይ እዮም፣- ቕተል! እሰር! ጸልጽል! ቀንጽል! ኣደስክል! ካብ 100 እቶት 200 ሓሶት እንዳገበርካ ዘይፍጸም ተስፋታት ንህዝቢ ብፕሮፓጋንዳ (ድምጺ ሓሶትን ቲቪኤረን)! ወያኔ ቀኒኦምልና! ንህዝቢ ከም ጸማም ሓደ ደርፉ ኮንካ፣ዓወት ንሓፋሽ! ዝብል ፍሹል ጭርሖ እንዳጨራሕካ! ክሳብ ዝጸንት ብቐጻሊ ምዕንጃሉ! ብቀዛፊ መድሃኒት ገርካ ንዝጻብኣካ ዝዋዳደረካን፣ በቲ ካብ እንዳ ሞሳዓድ ብብልቃጣት ተዓሽጉ ዝልኣኽልካ፣ ንጀጋኑን ደቀባትን ስሚ ነስኒስካ! ትንፋሶም ምሕላፍ! ንኹሉ ነቲ ብቃንቃ ኢሰያስ  “ሓፋሽ”! ዝተጠመቐ ህዝቢ ምድረባሕሪ ኩሉ ሰራዊትን ብራዕንድን ሽበራን ከምዝነብር! ሃገራዊ ኣገልግሎት ግንከኣ ብግብሪ ጃምላዊ ባርነት መንእሰያት! ወ ዘ ተ . . . . ረ ፈ…።  

 “ሓው ፈሮ” ክገርመካ የብሉን እምበር፣ ጭራ ጽዮናውያን ነዊሕ ስለዝኾነ፣ ነዚ ኣብ ኤርትራ ዘካዪዱዎ ዘለው ፕሮጀክት ጥፍኣት ምስወድኡ፣ ንምዕራብ ሄሚስፈር ደድሕሬና ከም ማግነት ክስዕቡና እዮ። ድሮ ኣብ ፓልቶክ ብዓል መንዮም ዝምድሩን ዝምህሩን ዝቋየቑን ? ኢሎም ብማንፊት ክነፍዩዎ እዮም ዝሓድሩን ዝውዕሉን ዘለው። እሞ  ክስሓት ዘይብሉ ነገር እንተልዩ፣ ኣብ ሃገርና ነቲ ህዝቢ ማይንድ-ኮንትሮል ገሮም ስለዝተቆጻጸሩዎ፣ ዛጊትውን ሰለልቲ  ነፋጥ ኢሰያስ ክሳብ ኤውሮጳን ኣሜሪካን ተዘሪኦም ኣለው። እወ! ዘረባ የብሉን! ሎሚ ባዶ3 ጽባሕ ብጊሓት ድማ ብዕሎም እቶም ስዉራት ሓይልታት ሞሳድ ብግህዶ ከይ ጨውዩና እዩ ዘስግእ።  እንተ ተቓሊስና ግና ኣይክዕውቱን እዮም!!! እሞ ነታ ካብ ኣምሆ ዘመናት ጀመርና ዝዓተርናያ ጥንታዊት በትሪና (በትሪ ምሴ) እንደገና ንጠቐመላ እንበር ምስ ብኣል “ሓጎስ ” ምስ ብዓል “ፓይሎት” ምስ ብዓል “ኣሚቸ” ዓንገረር ምባልስ ኣይዕውተናን እዩ”

ሓደ እዋን ነብሰሄር ወዲገበያ ክዋዘ እንከሎ ከምዚ በለዲክታቶር ኢሳይያስ “ብሕማም  ዓሶጭንቅላት ተለኺፉ፣ “ንኽሕከምተባሂሉ፣ ብፍልይቲ ነፋሪት ውግእ እስራኤል፣ ብነፍሰ-ሄር ሒዳሪናይ ዓሊ ሰይድ ተሰንዩ፣ ንተልኣቪቭ ተውሲዱ። “ክሕከም” ምስ ከደ ድማ፡ ነቲ ሓበሻዊ ደሙ ኣውጺኦም ብናይ ኣይሁድ ደም ኢዮም ተኪኦሞ፣(እቲ ሓቂ ግን ምስጢራዊ ውዲት ድኣዩምበር ኤለትሮኒክ ቺፕ እዮም ኣብ ቆርበቱ ሰኺዖምሉ።) ስለዚ ንሕና ኤርትራውያን ከም ፍልስጥኤማውያን ኰይና ስለንራኣዮ፣ በዝን ክንድዝንዩ ዘጽንተና ዘሎበለ። እቲ ጉዳይ ግና ሓቂ እዩ፣ ኢሰያስ ሽዑ ሰረብላም ዓሶ ኣይለኸፈቶን፣ግና መሃንድሳት ሞሳድ ብመደንዘዚ ገሮም እዮም ኣደንዚዞም ኣብ ነፋሪቶም ጽዒኖሞ በሪሮም። ኣብታ ነፋሪት ምስኣቶ ግና ተባራቢሩ፣ ካብኡ ንዓሊ ሰይድ ኣብ ሆተል ዓጽዮም ገዲፎሞ። ንኣይተ ኢሰያስ ግና እንዳ ሞሳድ ወሲዶም ቺብ ሰኺዖም፣ ንኤርትራ መሊሶም። ብድሕሪኣ ዓሊ ሰይድ ምስጢር ከየውጽእ ብኣብ ሽጋራ እትኣቱ መርዚ ሞሳዓድ ወሲዱ ተሸሚሙ። ነዚውን ፎሮ ኣይትስሕቶን ትኸውን።

ንአብነት ሓው ፎሮ ትዝ ኢሉ ዝዝከረካ እንተኰይኑ ኣብ 2007 .ም.ፈ. እታ ኣብ እዋን መበል 43 ፕረሲደንት ኣሜሪካ ጆርጅ ዳብልዩ ቡሽ፣  ወጻኢት ጉዳይ ኣሜሪካ ዝነበረት፣ ኮንደሊዛ ራይስ ትብሃል፣ ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣብ ሓንቲ ሳልሰይቲ ሃገር ንስደት ከምርሕ ኣለዎ ኢላ ክትሻባሸብ  እንከላ፣ ጽዮናዊት እስራአል ግና ብርቱዕ ተቓውሞ ስለዝገበረት እቲ መደብ ፈሺሉ።

ክምኡውን ኣብ 2011 .ም.ፈ. ሄለሪ ክሊንተን ዕልዋ መንግስቲ ኣብ ኤርትራ ምስ ፈተነት፣ ብውዲት ሞሳዓድ ከይተዓወተ ፈሺሉ ተሪፉ እዩ። ኢሳይያስ ኵርኵር ጥራይ ዘይኮነስ ንረብሓ ሃገር እስራኤል ዘገልግል ዘሎ ንብረት ሞሳዓድ (ዘ aሴት ኦፍ ሞሳኣድ) እዩ።

ንሕዳሪናይ መዓመር ቀዛፊ እናሰለየ ሓበረታ ንጐይቶቱ የማሓላልፍ  ከም ዝነበረ ትፈልጥዶኾን ትኸውን? ስለዚ ብዛዓባ ሃጸያውያንን ጽዮናውያን ኣፍልጦ የብለይን ክትብል እንከሎኻ ዓገብዩ። እዚ ድኣሞ ነቶም ጎይቶት ኢሰያስ ከይተንከፍና ነቲ ብሪሞት ኮንትሮል ዝዝወር ሰላዪ ልኡኾም ከም “ብዓል-ዓቢ-ሃይለስልጣን” ቆጺርና፣ ዕንክሊል ምባል እንተዘይኮይኑ ፍታሕ ዘምጽእ °ዓይነት ቃልሲ ኣይኮነን። እዚ ፓልቶክ ንባዕሉ እቶም ስለላ መርበብ ካብ ዘመን ኣልቃሂዳ ጀሚሮም ንተቓለስቲ ንምህዳን ዝፈጠሩዎ ሜላዊ ውዲት ኮይኑ፣ ብፍላይ ኣብኡብስምዒት ዘይኮኑስ ሓቀኛታት ተቓለስቲ ክረሕቡ መታን ኢሎም ዝመስረትዎ ሓደ ብድምጽኻን ብስእኻን ትልለየሉን ትስለየሉን ትካል ስለላ መርበብ እዩ።

መንኣሰይ ወለዶ ሓዲግ-መዲግ ተርፉ ንስደትን ጥፍኣትን መታን ከምርሕ፣ መዓስከር ሳዋ ንከምስረት ንኢሳይያስ ዝመኸረ ጽዮናዊ አሊት ፕሮፈሶር ኤርልኽ ሃጋይ ከምዝኾነ ኣፍልጦ ኣሎካዶ? ፕሮፈሶር ሃጋይ ማኣለያ ዘይብሉ መጻሕፍቲ ብዛዕባ ምስልምናን ቀርኒ ኣፍሪቃንን፣ ማእከላይ ምብራቍን ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ታሪኽን መበቆልን ኢትዮጵያን ኤርትራን፣ እኳድኣ ንጅግነት ደቂ ምድረባሕሪ ኣብ ዶጓሊ ዝትተፈጸመ ዓወትብሓደ ሸቃ እሉላ ተኪኡ፣ መጽሓፍ ዝጸሓፈ ብታርኽ ፕሮፈሶር ዘበለ- ኤሊት ኮይኑ፣ ሓደ ካብቶም መሃንድሳት ሞሳዓድ እዩ።

ሓውፎሮ“!ሓቅን ወጋሕታን እንዳሓደረ ይግለጽ ከም ዝበሃል፡ ዕድመን ጥዕናን ይሃበና እምበር፣ ጉድ ጥራይ ዘይኮነስ ጉዳት ወዲ መጋረጃ ኢሳይያስ ኣጸቢቑ ክቕላዕ እዩ።

Haile Tekie (Hagos) September 23. 2016 in Eritrean Smerrr for Change Room1 ብዕለት 23. 2016 ውድድር ሓው “ፎሮን“ ሃይለ ተኪኤንኣደራሽ ስመር ኣየናይ እዩ እቲ ሓቂ? ስለምታይከ ኣብ ጥራይ ጎልጎል ኣብቲ ፓልቶክ ዝብሃል ብድምጽን ብስእልን ዝዝርጋሕ መርበብ ሓበሬታ እውሓስ ኣግብእ ዝብሃል? መን ክርኤልካን ክሰምዓልካን እዩ እቲ ዓላማ?

ወልደዝጊ ኪዳነ

ዓወት ንቃልሲ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንስዋአትና