መብራህቱ ታእዛዝ እቲ ቀንዲ ስሞም እዩ፣ ብላታን ጌታን ሎሬንሶ ታእዛዝ ግና ክብሪ ስም ከም ሎርድ ማለትዩ፣ መኽንያቱ ኣብተን ዝተማህሩለን ዩኒቨርሲታት ብብሉጽ ትምህርቲ ስለዝተመረቑ እዩ እቲ መኽንያት። ክቡር መብራህቱ ፕሮፈሶር ሎሬንሶ ታእዛዝ ኣብ ዓዲ ቀዪሕ ኣከለግ)ዛይ ዝተወልዱ ወደባት ኤርትራዊ እዮም ።

ሎንሬንሶ ታእዛይ ውሩይ ጸሓፋይ ስለዝነበሩ፣ ኩሉ ግዜ ከኣ ነታ ዝጽሕፉላ ፒሮ  ቍሩብ ከዕርፉ ከለው፣ ነታ ፒሮ ኣብ ኣብ ኣፎም ብከንፈሮም ይነኽሱዋ ነበሩ። ነዚ ዘጽንዑ ንጉስ ሃይለስላሴ ድማ፣ ምስ መሃንድሳ እከይ ዝኾኑ እንግሊዛውያን ተማሳጢሮም፣ ሓዳስ ፒሮ ሰለምዎም እሞ፣ ሎሬንሶ ታእዛዝ ነታ ፒሮ ክጽሕፉላ ምስ ጸንሑ፣ ከምቲ ልማዶም ብከናፍሮም ነኸሱዋ፣ ድሕሪኡ  ከኣ በቲ ኣብታ ፒሮ ዝተገብረ ስሚ ተመሪዞም ሞቱ። ምስማም ካብ ሎሚ ዝተጀመረ ኣይኮነን፣ ካብ ንግስቲ ዘውዲቱ ዝነበረትሉን ቅድሚኡ ዝነበረ ዘመናት እዩ ተጀሚሩ። መለስ ዜናዊ እንተኾነውን ብስሚ ተሰሚሙ እዩ ሞይቱ። ንግስቲ ዘውዲቱ ብንጉስ ሃይለስላሴ ተሰሚማ እያ ሞይታ እዩ ዝብሃል። ሎሚ ኣብ ኤርትራ እሞ ማእለያ ዘይብሎም ንኢሰያስ ዘሰምብዱዎን፣ ዘርዕዱዎን ጀጋኑን ገዳይምን ተጋደልቲ፣ ብመሃንድሳት ስለላ መርበብ ሞሳድ ዝተዋህቦ ቀዛፊ ስሚ ብስዉር እንዳኣስተዮም እዩ ዝቐዝፎም ዘሎ። እቲ ገርሀኛ ህዝቢ ድማ “እዚ ጅግና መስኪን ጀነራል ገረዝጊሄር ውጩስ ብሕማም ልቢ ተሰዊኡ” እንዳበለ ይዛረበሉ።

ዘርኣይ ደረስ ኣብ ከተማ ሮማ ሞይቱ ምስተባህለ ኣብ ከተማ ኣስመራ ቀብሪ ተገብረልሙ ንታሪኹን ጅግንነቱን ዘንጸባርቕ ግጥምታትን፣ መልቀሳትን፣ መደራታትን ተገብረሉብኣቶ ተስፋጽዮን ብዓል ሃዘጋ ከምዚ aiሎም ኣልቀሱሉ፣

ዘርኣይ ክንዲ ኣንበሳ መዅሲ ወዲ ድግሳ
ነዛ ዓባይ ሞያኻ ብየን ክቕልሳ ኣብ ሮማ ክነሳ
ከላግጹ መጹ ጓሳ! ወዲ-ጓሳ! ኣብ ሮማ ብያሳ
ወዮ ሓየት ረባዕ መሲሉዎም ሬሳ
ኣፉ ትም እንተበለ ኣዒንቱ እንተደቀሳ
ተበራበረምበር ዘርኣይ ክንዲንበሳ
ጒራደ መዘዘ ገበሮም ኮልሰሳ
ኣብ ማእከሎም ኣትዩ ኣብ ገበሮም ረስንሬሳ
ጥሒሻ ወዲ ማይፈለጋ ኣይገደፍካን ጣዕሳ
ሺምካ ክተርፍያ ዘለኣለም ሓዲሳ

ኣንታዝወዲባ ክንደይከ ይደፍር
ወይ ንመኳንንቶም ወይ ንንጉሶም ዘይፈርሕ ዘይሓፍር
ንዱቸ (ንጉስ ጣልያ) ዘይፈርሕ ንህዝቦም ዝደፍር
ንዓዱ ምስ ጸረፉ ብብዙሕ ከናፍር
ኣብቲ ማእከሎም ኣብ  ሮማ ብጒራደ ዝጭፍር
ኣብ ማእከሎም የኹድድ ሰባኡት የንፈርፍር
ወዲ ተስፋንድርያስ ሓርማዝ ጒርጉር
ካልኦት ክድሃሉ ንሱ ይስዕር
ጽምዲ ውዓልካሎም ከም ኣብዑር
ወዲ ሓየት ኢኻ ሰቢሩ ዝግዕር

ነዲኡን ነሕዋቱን ከይዝክር
ጸርፊ (ብቶም ኢጣልያውያን) ምስ መረሮ ገበረ መስተንክር
ኣንታ ሕነ ዓዱ መንጕዱ ዘብኵር
ናትካ ሞያስ ዘገርም ዘስተንክር

ነቶም ቀዳምት ጀጋኑና ከተዘኻኽር ሎሚንዶ ተመለስ ኣብ ዓራት (ንግስነት) ክትሰፍር
ኣብ ማእከል ዓድኻ ክትዝክር ክትመክር

ኣነስ ተዓዊተ ስርሐይ ፈጺመ
ደጊም ይኣኽለኒ እንታይለዮ ዕድመ
ይፋቐሩ ግና ክስታን ምስ ኣስላመ
ብሓይሊ ፈጣሪ ትንቢት ተፈጸመ

ንሓውካ ገዲፍካ ምስ ኣዴኻ
ኣብ ማእከል ከተማ ሮማ ሓየት በረኻ
እሞ ንበይንኻ ብጻይኳ ዘይብልካ
ኣንታ ዘርኣይ ሓወይ እንታይ መእተዊኻ?

ኣርዑት ጸላኢ ምሒር ከቢዱኒ
ልበይ ነዲዱኒ ደመይ ፈሊሑኒ
ምእንቲ’ታ ዓደይ እታ ተኽሊ ወይኒ
ይውግኡኒ ድኣ ይፈላልጹኒ
ዘራፍ ኣቶ ዘርኣይ ወዲ ብተይ ግኒ
ሓመድ ፈሲሱካ ጸቐጠካባ እምኒ
እንከይ ተደሰትካ ብሞት ሞሰሊኒ

ሓዊ ዓዲ ገረድ ኣንበሳዶ’ዋረድ፣ ዓደይ ካብ ትቃለል ኣነኸ ዘይሕረድ
ጥዪት ዘፈሰኒ ከም ዝናብ ከም በረድ ኣብ ዳሕራይ ወለዶ በደለይ ክፍረድ

ወዲ ማይፈለጋ ሓዊ ጸዓዘጋ ወድኺ ሃዘጋ ናተይ ሕነ ኣልጋ
(ኣልጋ = ዓራት ሽመት)
እዚ ገዚፍ መንጋጋ ገፊሕ መሓግሓጋ
ባርያድዩ ገሩኒ ዘይሃበለይ ዋጋ
ምንም ከይበደልኩ ከይፈጸምኩ ጌጋ
ሳላ ብሪጣንያ ሓጋዚት ኢትዮጵያ ዳልጋ
ሎሚ ግን ሰሚዐ ተመሊሳ ኣልጋ (ስልጣ)
ደመይ ዘፍሰስኩላ ኣብ ማእከል ዕዳጋ

ነዛ ዓደይ ደመይ ዘፍሰስኩላ ንዝኽሪ ክኸውን ዓጽመይ ኣምጽኡላ
ኣብ ማእከል ሓማሴን ጨርሒ ጨሩሑላ (ሓውልቲ ስርሑላ)
ዝፈሰሰ ደመይ እትሓፍስ ይግበራ፣ ንነብሰይ ከኣ ኣምላኽ ይቀበላ

ናይ ሰማእታት ኣኽሊል ባዕሉ ይኸልሳ
ዓድኻውን ትብለካላ ወይ ኣነ
ናትካ ሞትስ እንብዛ እሕቆንቆነ
ወልደምበሳ ኩሩዕ ዝገነነ  ወዲኺ ሃዘጋ ምስ ዓደመነ
ሓየት በረኻ ዘይዳነ

ይበኽያልካለዋ ዓንሰብ ምስ ዓድንኣምን
ብብረት ዝሰብር ብፋረ ዝፍንፍን

ይበኽያልካለዋ መራሒዝ ምስ ዓዲሓዪስ
ንማእከል ሮማ ንስኻ ክትገይሽ
ካብን ናይ ካልኦትሲ ስረኻ ይሓይሽ
ዘይትምለስድኣ ዓራት ከተጣዪስ

ይበኽያልካለዋ ተኀላ ድብዛና
ወደ ዓደቦታ ወዲ ጀጋኑ ወዲ ጅግና
ብሕጻኑ ዝወጸ ፈተና ወዳጀይ ሓየት ወዳጀኸ ፋና
ይበኽዩልካለዉ ሹፋ ምስ ዕማሮ ወዲ

ሒላ ኲስቶስ ወዲ ቓንዳ ጽሎ
ወዲ ተስፋንድርያስ ወዲ ቓንዳ ጽሎ
ወዲ ወልደንክኤል ወዲ ቓንዳ ጽሎ
ኣደራሽኩም ሽሻይ ዝዕደሎ
ጠያዪትኩም ዝብል ንዕሎንዕሎ
ጒራዴኹም ዝብል መልዕሶ በሎ
ዘርኣይ ወደንበሳ ብርኪ ሊሎ
ንስኻ ትኽእሎስ መን ይኽእሎ?

ይበኹዩልካለው ሓልሓል ምስ ቤት ተውቀ
ስረ ብድሕሬኻ ዕደ ሰብ ተዓጥቀ

ይበኽዩልካለው ዓዲሕሙኻ ኣክለጒዛይ
ወዲ ጓንጒል ብሹቶል መጋዛይ
ወዲ ራእሲ ከም ማዕበል ውሓዛይ
ዓርከየ በጃኻ ዓርከየ መሓዛይ

ይበኽዩልካ’ለዋ ሃዘጋ ምስሽምድኑቕ
ኤረ ጅግንነትካስ ንዓለም ዝንቕንቕ
በሊሕ ጒራዴኻ ንፋሺስቲ ዝሓንቕ
ኣንታ ናትካ ሞትስ እምብዛ የሕነቕንቕ

ይበኽያልካ’ለዋ ሃዘጋ ምስ ዓዲ-ሽማግለ
ዓጣቕ ልዕለ-ትሕተ ድርብ ስረ
ብልቡ ዝሓሰቦ ዝፍጽም ከም ዘዝመረ
ኣንቆልቍሉ ዝወግኦም ኣርሓ ትግረ

ይበኽያልካ ‘ለዋ’ዘን ተከለ ዓገባ
ወዲ ተስፋንድርያስ ሓየት ሉባ
ወዲ ጐሚዳ ወዲ ሓየት ሉባ
ኩስትር ወዓልካዮም እልፊ ዱባ
ንበይንኻ ኣሕለፍካ ጸበባ

 

ኣባሓጎ ኢሰያስ ንጉስ ሃይለስላሴ ግና፣ ኣስከሬን ዘርኣይ ደረስ ካብ ሮማ ንዓዱ ንኽኣቱ፣  ካብ ኮሎንያል ጣልያን ፍቓድ ከፍቅድ ኣይደለየን፣ መኽንያቱ ንጉስ ሃይለስላሴውን፣ ኣባል እቶም ሓለፍቲ ጽዮናውያን ከም ንግስቲ ኤልሳቤጥን፣ ካልኦት ላዕለዎት ኣባላት ኢሉሚናትን ስለዝኾነ። ኢሰያስ ቅያር ንጉስ ሃይለስላሴ ንክኸውን እዮም መሃንድሳት ጽዮናውያን ንሜዳ ኤርትራ ንኽስሊ ልኢኾሞ። ሎሚ ዝፍጽሞ ዘሎ ውዲታዊ ድራማ ብምርኣይ ከኣ ኢሰያስ መን ምኻኑ ምርዳእ ቀሊል እዩ።

   ንመረዳእታ   Image result for angela merkel
እዚ ንጉስ ሃይለስላሴን መርራሒት ሃገር ጀርመን ኣንጀላ ሜርከልን ብኣጻብዕቶም ዘርእዩዎ ዘለው ምልክት፣
ምልክት ስሉስ ኲርናዕ ኮይኑ፣
ቀንዲ ምስጢራዊ ምልክት ኢሉሚናቲ ወይከኣ ስዉራት ሓይልታት ማለት እዩ።

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ
22.08.2018 ዓ.ም.ፈ.