ሓዳስ ህግደፋዊት ፊልም

ኣብ ባይታ ዘየለ ሓሶታት ኢሰያስ ዘጋልጽ ሓበሬታ።

ስእነት ዝስተማይ ኣብ ኤርትራ ኣብ ጥርዙ በጺሑ ከሎ፣  ቅሬታን ቁጣዐን  መሪሩ እንዳተሰምዐ፣ ልኡኽ መላኺ ኢሰያስ ግና ንጋዜጠኛታት ዓለም ብሽካዕላል መጺእኩም ርኣዩዎ ንሕና ሃገርና ነማዕብል ኣሎና ክብል ይስማዕ።

ጫማ ክትዕድግ ንዕዳጋ ወሪዳ ቁጽሪ ጫማኣን፣ እየናይ ናይ ጸጋም ኣየናይከ ናይ የማን ዘይትፈልጥ ክነስ፣ ሚንስተር ጥዕና ኮይና፣ ምሉእ ጥዕና እዩ ዘሎ ኣብ ኤርትራ ክትብል ትስማስዕ ሚንስተር ጥዕና ኣምና። ድምጺ ህዝቢ፣ “ኣብ ከረን ሓደ ሕሙም ንርእሱ ባዕሉ እዩ ዝኣልያ። ሽቓቕ የልቦ ማይ የልቦ፣ መብራህቲ የልቦ…..” ነዚ እያ ኣምብኣር ኣምና ምሉእ ጥዕና ኣሎ ኣብ ኤርትራ፣ክትሓርስ ትመውት ሰበይቲ የላን”፣ እናበለት ጀላዕላዕ ክትብል ትስማዕ። ልኡል ገብርኣብ ከኣ ጎይተኣ ዝኣዘዛ ጥራይ ንክትዛረብ ስለትግደድ፣ “ደቅንስትዮና ጽቡቕ ኣለዋ” ክትብል ትስማዕ”…..ኤርትራውያን ደቂንስትዮ ግና መጻወቲ ኮረኔላትን ጀነራላትን ኤርትራ ምኻን ከይኣኽለን፣ ካብኡ ሃጽ ኢለን ንሱዳንን ንሊብያን ንሲናይን ኮብሊለን፣ ግዳይ ዓመጽ በደዊን ኮይነን ኣለዋ። ነዚ ግን ገታር ልኡል ክትሰምዖ ኣይትደልን እያ።

ጸወታን ኣሽካዕላልን ልኡኽ ባዕዳውያን መላኺ ኢሰያስን፣ ኮራኹሩን ከብቅዕ እዩ!

 

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ
27 ሚያዝያ 2018 ዓ.ም.ፈ.