ድሕሪ ኣስታት ክልተ ሰሙናት፣ ኢሃኣደግ ብዛዕባ ውሳኔ ዶብ ዘስደቖ ውሳኔ፣ባዕሉ ኢሰያስ ኣብቲ “መዓልቲ ስውኣት ዝብሃል ብዓል ህግደፍ”  ንጉዳይ ዶብ ዝምልከት “ሃናጺ ዝርርብ ንምክያድ” ልኡኻቱ ንኣዲስ ኣበባ ከምዝልእኽ ኣፍሊጡ።

እወ፣ እቲ ብመኽንያት ጉዳይ ዶብ፣ ሕገ-መንግስቲ የለ፣ምጥያስ ሰራዊት የለ፣ እሱራት ኣይፍትሑ፣ወፍሪ ሳዋ ንሓዋሩ፣እቲ ን18 ዓመታት ድሕሪ ኲናት ባድመ፣ከምጅሆ ሒዙዎ  ዝጸንሐ ህዝቢ ኤርትራ፣ ማይ ጨኒቑና፣ መብራህቲ ስኢና፣ ገንዘብና ወይ ባጤራ ናቕፋ ተሃጊርና፣ ደቅና ስኢና፣ እንዳበለ ከማርር ድሕሪ ምጽናሕ፣ ሎሚ ኣብቲ መዓልቲ ስውኣት ዝብሃል ዕለት 20 ሰነ፣ ኢሰያስ ኣፈወርቂ መልሲ ሂቡሉ።

እዚ ተስፋዚኸ ክትግበር ድዩ? ድሕሪ ዶብከ እሱራትዶ ክፍትሑድዮም? ሕገ-መንግስቲዶ ክጸድቕ እዩ? መንእሰያት ኤርትራኸ ካብ ወፍሪ “ሃገራዊ ኣገልግሎት”ን = ሃገራዊ ባርነትን፣ ካብ ስደትን ንሃገሮም ክምለሱ ድዮም? ዕድል ኢሰያስ ኣብ ስልጣን ምጽናሕከ እንታይ እዩ ክኸው?

ነዚ ኩሉ ብዶብ ኣማሳሚስካ ክካየድ ዝጸንሐ ተዋስኦከ ኣሜሪካ ድዮም ኣዊጆሞ? ወይስ ህግደፍን ኢሰያስ ኣፈቅወርቅን እዮም? ስለምንታይ ድኣ ኣብ ሃገር ኢትዮጵያ፣ ጉዳይ ዶብ ተንጠልጢሉ ከሎ፣ 50 ዩኒቨርስታት ተሃኒጸን?3 ግዜ ምርጫታት ፓርላማ ኣብ ኢትዮጵያ ተኻይዱ? 70 ሽሕ ኪ.ሜ. ጽርግያ ባቡርን መካይን ተሃኒጹ?

ኣብ ኤርትራ ግና፣ መላእ መንእሰይ ኣብ “ሃገራዊ ኣገልግሎት ወፊሩ” እንዳተባህለ፣ብፍላይ ኣውራጃታት ሓምሴንን ሰራየን፣ ኣከለጉዛይን ሰኒሒትን ደቀን ንሃገራዊ ኣገልግሎት ወፊሮም ኣንዳተባህለ ባዲመን? ዛጊት aaብዘን 18 ዓመታት ግና ፍርቂ ሚልዮን መንእሰይ ብስሃራን ማእከላይ ባሕርን ኣቋሪጹ ንስደት ኣምሪሑ። እታ ሓንቲ እንኮ ዩኒቨርሲቲት  ኣብ ኣስመራ ዝነበረት ድማ ተለኲታ፣ ጽርግያታት ኣውራጃታት ኤርትራን፣ ኣብ ማእከል ኣስመራ ዘሎ ጎደናታትን፣ ኣምሆ ዘመን ኮሎንያል ጣልያን ዝሃነጾ፣ ጎደጒዲን ኮርኮንቺን ኮይኑ፣ እዚ ኵሉ ሳዕቤናት ብሰንኪቶም ስካቨንጀርስ ዝብሎም ዘሎ ወያኔን፣ ብሰንኪ ዶብ ዘይምሕንጻጽን ድዩ ተኸሲቱ? ወይስ ኣሜሪካ ከምኡ ንኽኸውን ስለዝኣዘዘት እዩ? እሞ ሕጂኸ፣ ድሕሪ ዶብ ኩሉ በረኸታት ድዩ ኣብ ኤርትራ ክኽሰት? እስከ ክንብርኲት ከይንብርኲት ኣብ ማይ ንብጻሕ።

ንሓባቤሬታ ኣብዚ ዝኽተል ቪድዮ ጠዊቕኩም ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ንንጉሥ ኢህግደፍ ኢሰያስ ኣፈወርቂ፣ ዕድ እዞም = Scavengers ኣረይቲ ጒሓፍ፣ ካብ ጉሓፍ ኣርዩ ድራር ዕለቱ ዝምእርር ሰብ ማለትዩ ትርጉሙ፣ ኢልካ ክትጽውዖም ትኽእል ወያኔ  Game Over ጌም ኦቨር = ን27 ዓመታት ዝተጻወቱዎ ጸወታ ኣብቂዑ እዩ ወይከኣ ብኻልእኣዛራርባ ዕድሜ ወያኔ ድሕሪ ዶብ ኣብቂዑ እዩ ክብል ገሊጹዎ ኢሰያስ ።

ድሕሪ ዑደት ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣማቶ ዛጊት ኣብ ኢትዮጵያ ተስፋታት ዘተስፉ ሓዲሽ ኩነታት ተፈጢሩ። ብወገን እንዳ ህግደፍ ድማ ድሕሪቲ ንኣስታት 18 ዓመታት ዝሽቅጠሉ ዝጸንሐ  ተዋስኦ ዶባዊ ጉዳይ፣ ልእኻቱ ንኣዲስ ኣበባ ክምዝልእኽ ኣፍሊጡ።

እዚ ብጽዮናውያን ተኣሊሙ፣ በቶም ዕሱባቶም መለስ ዜናዊን ኢሰያስ ኣፈወርቅን ዝተወልዐ ኲናት ባዱመ፣ ግንከኣ ካብ 200.000 መንእሰይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘህለቐ፣ ዕድል ምንዋሕ ዕድመ ስልጣኖም ኢሰያስን መራሕቲ ወያኔን እንታይ ኮን ክኸውን ኣዩ። ኣብ ዝቕጽል ብሰፊሑ ብዛዕባ መጻኢ ዕድል ወያኔን ህግደፍን ሓተታ ክንዝርግሕ ኢና።

መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኮም