ኣናፍራ ቆቛሕ ዘይፈለጠስ ኣይሃዳናይን!!

እዚ ካብ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ከኣ ኣብ ኤርትራ፣ ዝርአ ዘሎ ሓዲሽ ተርእዮ ዝመስል፣ ግንከኣ ብቕልጡፍ ጒያ ክኸይድ ንዕዘቦ ዘሎና፣ ብዘይተኣደነ ተስፋታት ዝተሰነየ እሞከኣ ብቅድመ ግንባርነት ሓደ መንእሰይ ወዲ 43 ዓመት፣ 1ይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ዶር ኣቢዪ ኣሕመድ ወፍሪ፣ ብሃንደበት ኣብሓደ ረፋድ ዱብ ኢሉ ዝወረደ ዘይኮነስ፣ መቐጸልታ እቲ ቅድሚ 66 ዓመታት፣ ኣብ 1952 ዓ.ም.ፈ. ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣቦ-መምበር ፍሉፍ ወኪል መንስቲ ኣሜሪካ፣ ኣብ ውድብ ሕብራት መንፍስታት ዓለም፣ ኣቶ ፎርስተር ዱለስ ዝተለሞ ስትራተጂካዊ ፖሊሲ ከባቢ ቀዪሕ ባሕሪን፣ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምኡውን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እዩ።

(The United States point of view was expressed by its then chief foreign policy advisor John Foster Dulles who said: “From the point of view of justice, the opinions of the Eritrean people must receive consideration. Nevertheless, the strategic interests of the United States in the Red Sea Basin and considerations of security and world peace make it necessary that the country [Eritrea] be linked with our ally, Ethiopia.” John Foster Dulles, 1952)

እወ፣እዚ መስርሕ እዚ፣ ካብ 1952 ዓ.ም.ፈ. ጀሚሩ ንኣስታት 66 ዓመታት ብስዉርን ብግሁድን ክስረሓሉ ዝጸንሐ ፕሮጀክት’ዩ። ኩሎም ዝልዓሉ ኣካላት መንግስቲ ኣመሪካ ካብ ፎርስተር ዱለስ ጀሚሮም ክሳብ ድሕሪ ዱለስ ዝስዓበ (ካብ January 26, 1953 – April 22, 1959 ሴክሬታሪ ኦፍ ሥቴት Chief Foreign Policy Advisor) ሄንሪ ኪሲንጀር (September 22, 1973 – January 20, 1977 ሴክሬታሪ ኦፍ ሥቴት Chief Foreign Policy Advisor)) ፣ ድሕሪኡ፣ ጆርጅ ሲንዮር ቡሽ፣ ቅድሚ 1981 ዓ.ም.ፌ. ሓለቓ ማእከላይ ስለላ መርበብ ኣሜሪካ ዝነበረ፣ ካብ 1981 ክሳብ 1989 ዓ.ም.ፈ. ኣማኻሪ ፕረሲደንት ሮላንድ  ሬጋን፣ ካብ 1989 ክሳብ 1993 ዓ.ም.ፈ. ፕረሲደንት ኣሜሪካ ዝነበረን፣ ካብኡ ቀጺሉ ፕረሲደንት ካርተር፣ ድሕሪኡ ድማ ሄርማን ኮሀን ኣባል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ብፍላይ ንጉዳይ ኣፍሪቃ ንዝምልክት ሓላፊ ምስ ኣባል ሲኣይኤ ፓውል ሂንዘ በብተራ ንጉዳይ ኤርትራ ሒዞሞ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ሎሚ ድማ ከም ዋርሳይ ሓላፊ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ብፍላይ ድማ ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዝምልከት፣ ኣማሳደር ዶናልድ ያማማቶ፣ ነቲ 66 ዓመታት ሰለይ ክብል ዝጸንሐ ስትራተጂካዊ ፖሊሲ ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ መፈጸምኡ ንምብጻሕ ተታሕሒዙዎ ንርእዮ ኣሎና።

ስለዚ ኣብ’ዚ እዋን ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ (State Department) ኣቦ-መምበር ጠረጴዛ (Round Table on the Horn of Aafrica Issue) ጉዳያት ኣፍሪቃ ኮይኑ ዝሰርሕ ዘሎ ኣማሳደር Donald Yukio Yamamoto፣ the Acting Assistant Secretary of State for African Affairs)። ድሕሪ ንሱ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ጅቡትን ምብጽሑ፣ ከይውዓለ ከይሓደረ እቲ ሕጽኖት ኣቢዪ ኣሕመድን ኢሰያስ ኣፈወርቅን ተጀመረ። እወ እዚ ንዶባዊ ፍታሕ ረሲዑ ብሰላምን ብፍቕርን ብይቕሬታን ምድማርን ዝብሉ ጽውጽዋያት ዝሃልኽ ዘሎ ከይዲ ፣ ጸረ ልዑላውነት ኤርትራን፣ ሓርነትን ፍትሕን ሰላምን ህዝቢ ኤርትራስለዝኾነ፣ እንዳጸንሐ ዝትኮስ ቦምባ እምበር ምስራት መሰረታዊ ፍታሕ ኣይኮነን።

U.S. Department of State official seal.svgሎሚ ከኣ ምስ ዋርሳይ ፎርስተር ዱለስ  Donald Yukio Yamamoto  ንኤርትራን ኢትዮጵያን በጺሑ። ግና  መሰረታዊ ፍታሕ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንክርከብ ዘይኮነስ፣ ብሓዲሽ መስርሕ ነቲ ጉዳይ ኮለል ንምባል  ጥራይ እዩ።


ድሕሪ Donald Yukio Yamamoto  ንኤርትራን ኢትዮጵያን ምብጻሕ ሕጽኖት ውልቀ-መላኺ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ, ኢሰያስ ኣፈወርቅን 1ይ ሚንስተር ዶር. ኣቢዪ ኣሕመድን።

ብድፍኢት መንግስቲ ኣሜሪካ፣ መራሒ እታ ብሕገ መንግስቲ እትምራሕ ኢትዮጵያ፣ 1ይ ሚንስተር ኣቢዪ ኣሕመድ፣ ምስቲ ውልቀ መላኺ እታ  ን27 ዓመታት ብዘይ ሕገመንግስቲ እትምራሕ ዘላ ኤርትራ  ውዕል ተዋዓዒሉ።

[/button] እንብኣር ኣብዚ ብንቕሓት ከነስተብህለሉ ዘሎና፣ እዚ ሎሚ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያ ዶር. ኣቢዪ ዝዋናጨፈሉ ዘሎ ጉዳይ፣ ካብ ሰማይ ብሃንደበት ዱብ ኢሉ ዝነጠበ ዘይኮነስ፣ ወይድማ ንዶር. ኣቢዪ ከምቲ ገርሀኛታት “ካብ ኣምላኽ ዝተላእከ መሲሕ” ዝብሉዎ፣ ዘይኮነስ፣ ነቲ ን66 ዓመታት ሰለይ እንዳበለ ክጉዓዝ ዝጸንሐ መስርሕ፣ ግንከኣ ሚልዮናት ኤርትራውያንን ኢትጵያውያንን ዝበልዐ ፖሊሲ መንግስቲ ኣሜሪካ ንምትግባር፣ ብውዲት ተመልሚሉ ብመደብ ዘይ ፍጸሙ ተስፋታት እንዳጨርሐ፣ ንሕልናን ስምዒትን ገርሀኛ ህዝቢ ሰሊቡ፣ ንመደብ ዕዮ ጽዮናውያን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንኸተግብር ተዋፊሩ ዘሎ ኣገልጋሊ ስትራተጂካዊ ፕሮጀክት ጽዮናውያን እዩ።

Isaias Afwerki was born on February 2, 1946 in Asmara, Eritrea. He was sent to the elite prince Makonnen secondary high school in Asmara, where he graduated in 1965. He went on to attend Haile Selassie University in Addis Ababa to study engineering from 1965-66. In late 1966, he abandoned his engineering studies and headed for Kassala, Sudan, where he joined the Eritrean Liberation Front (ELF) in exile.

እቲ ፕሮጀችት ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ክልተ ገጀፍትን ወሰንትን መንግስታዊ ትካላት መንግስቲ ኣሜሪካ ፔንታጎንን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ (The Pentagon and the State Department)

ተስፋሚካኤል ግራዝማች ጆርጆ፣ኢሰያስ ኣፈወርቂ ሰላዪ ኣሜሪካ ምዃኑ ታሪኻዊ ምስክር


ቓኘው ስተሽን ኣስመራን ንኢሰያስ ኣፈወርቅን።

ንቓኘውስተሽን ኣስመራ መእተዊ ፍቓድ፣ ብስለላ መርበብ ኣሜሪካ ብ30 ሓምለ 1979 ዓ.ም.ፈ. ንኢሰያስ ኣፈወርቂ ዝተዋህቦ  መንነት ወረቐት።

እዚ ሰብ’ዚ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ብዙሕ ተመክሮ ዘለዎ’ዩ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ከምኡ’ውን የማናይ ኢድ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምዃኑ ዝንገረሉ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ብምስጢር ምስ ኣመሪካዊ ኣምባሳደር ዶናልድ ያማማቶ ብተደጋጋሚ ተራኺቦም ክዘራረቡ ምጽናሖምእቲ ምስጢር ሕጂ ክወጽእ ጀሚሩ ኣሎ። ብዘይካ’ዚ እዞም ክልተ ሰበስልጣን ኤርትራ፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ 2 ነበር ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ብሕቡእ ይራኸቡ

ምንባሮም’ውን እነሆ ምስጢራት ይመሉቕ ዕላማ ናይ’ዚ ሕጂ ዝንጸር ዘሎ ሕቡእ ዝርርባት ከኣ፡ነዚ ንሪኦ ዘለና ዝኸውን ባይታ ምጥጣሕ ከም ዝነበረ ንምግማት ይከኣል።

ምንጪ ሓበሬታ http://www.ehrea.org/issayaship.htm

ኢሰያስ ኣፈወርቂ ምስ ሚንስተር ምክልኻል መንግስቲ ኣሜሪካ Donald Rumsfeld “ንኢራክ ንማናው እየርፖርት ኣብ ኤርትራ ፈቒደ ኣሎኹ”።