ምዕራባውያን ዝተቛጻጸሩዋ ኣፍሪቃ ጀጋኑኣ ኣይነብሩንዮም!

ጀነራል ኣማን ዓንዶም
ስድራ ጀነራል ኣማን ዓንዶም ሚካኤል ኣብ ዓዶም ጸዓዘጋ ደቀተሽም ሻሙናዮም ሙሳ ዝተወልዱ እዮም። ጀነራል እማን ዓንዶም፣ ኣብ ሱዳን ዓብዩ ትምህርቱ ድማ ኣብ ካርቱም ዩኒቨርሲቲ እዩ ተማሂሩ። ንጉስ ሃይለስላሴ ካብ ሃገር ዓባይ ብሪጣንያ ንኢትዮጵያ ክምለስ ከሎ፣ ብካርቱም ኣቢሉ ስለይተመልሰ፣ ምስ እቶ ዓንዶም ሚካኤል ኣቡኡ ንጀነራል ኣማን ተፋለጠሞ፣ ንኣማንን ንኣቶ ሚላኤልን ሒዚዎም ንኣዲስ ኣበባ ኣተው። ካባኡ ጀሚሩ ኣማን ኣብ ሚሊታሪ ሞያ ኣቶ። ካብኡ ሓደ ብሉጽ ጀነራል ኮነ። ኣብ ኲናት ስሜንን ድቡብን ኮርያ ብምክፋል መዘና ዘይብሉ ጅግንነት ፈጺሙዩ። ኣብ ኮንጎ ሰራዊቱ ሒዙ ድማ ከቲቱ እዩ። ኣብ ኮንጎውን ጅግንነት ኣርእዩ እዩ። ኣብ ኲናት ሶማልን ኢትዮጵያን ድማ መዘና ዘይብሉ ጅግንነት ዝፈጸመ ጅግና እዩ። እቲ “ጃንሆይ” ንጉስ ሃይለስላሴ ከም ሓደ መልኣኽ’ምበር ከም ሰብ ዘይርአ ዝነበረ ግና ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር መንግስቲ እንግሊዝ ስለዝነበረ፣ ብምኽሪ ስለላ መርበብ እንግሊዝ ተመዊሉ ከኣ መስፍናዊ ንግስነቱ ተዓቂቡሉ ዝገዝእ ዝነበረ። ንጉስ ሃይለስላሴ ብምኽሪ እንግሊዝ ኣማን ዓንዶም ምስቲ ኲሉ ጅንነቱ ድሕሪ ኲናት ሶማል ከምዝድስኪል ገበረ።
ድሓር ግን 
ብ1974 ዓ.ም.ፈ. ብተማሃሮ ዩኒቨርሲቲን ህዝብን ዝተባርዐ ሰውራ፣ ተምሃሮን ሰብ-ታክሲ ጥራይ ዘይኰኑ ኣብ መዓስከር ነገሌ-ቦረና ዝነበሩ ወትሃደራት “ደሞዝ ይወሰኸና” ብምባል ኣደሙ፣ ኣብ ሓይሊ ኣየር’ውን ተመሳሳሊ ተርእዮታት ተኸሰቱ። መምህራን ብግዲኦም ኣደሙ … ሃገር ሕንፍሽፍሽ ኣተዋ።  ሰውራ ኤርትራ ድማ ፍርቂ ሰውራ ኢትዮጵያ ኮይኑ ዓቢ እጃም ተጻዊቱ እዩ። ከምኡውን ኣብ ወሎን ትግራይን ብዘጋጠመ ጥሜትን ዓጸቦን ተወሲኹዎ ቊጣዐ ህዝቢ ሰማይ ዓረገ። ሽዑ ንጉስ ሃይለስላሴ ነቲ ኵነታት ንከህድኡ ፈተኑ – “ወሰኽ ዋጋ በንዚና ኣይክህሉን’ዩ” በሉ፡ ንመምህራን ከህድኡ ድማ ድልየቶም ከማልኡሎም ምዃኖም ሓበሩ። ቃል ንጉስ ግን እኹል ኣይነበረን። ከምኡውን ኣብ መወዳእታ 1973 ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ኣባላት 2ይ-ክፍለ-ጦር ኣብ ሳሕል ብህዝባዊ ሓይልታት ብርቱዕ ማህሰይቲ ስለ ዝወረዶም፡ ካብ መዓስከራቶም ወጺኦም ንሜዳ ክወፍሩ ኣብ ዘይክእሉሉ፡ ብ’ኮሎኛ”ምበር ከምድላዮም ኣብ ዘይንቀሳቕሰሉ ደረጃ ወዲቖም ስለ ዝነበሩ፡ እቶም ወተሃደራት ብምእዳሞም ነቲ ረብሻ መሊሱ ከም ዘጓሃሮ መጻሕፍቲ ታሪኽ ነቲ ናይ ሽዑ ኵነታት ይገልጹዎ’ዮም።

ብድሕሪዚ ጉጅለ መኮንናት ውተሃደራት ደርግ ብሰነ ’74 ካብ ኵሎም ሓይልታት ዝተዋጽኡ 120 ዝኣኽሉ መኰንናት – ካብ መጆር (ሻለቃ) ንታሕቲ ዝመዓርጎም – ተኣኻኺቦም፡ መንነቶም ኣብ ቃልዕ ከየውጽኡ፡ ለውጢ ንኽትኣታቶ ጠለባቶም ከነጽሩ ጀመሩ፣ እዚ ወርሒ’ዚ ደርግ ዝተመስረተሉ ወርሒ ነበረ፣ ኰይኑ ክልተ ካብኣታቶም፡ ሻለቃ መንግስቱ ሃይለማርያምን ሻለቃ ኣጥናፉ ኣባተን፡ ከም ቀዳማይን ካልኣይን መራሕቲ እቲ ጕጅለ ዀይኖም ኣብ ስልጣን ደየቡ። እቲ ብህዝቢ ዝመጸ ለውጢ ግና ብመኮንናት ውተሃደራት ደርግ ተጨውዩ ተረፈ። ደርግ “ኢትዮጵያ ትቅደም” ዝብል ጭርሖ እናጨርሑ በብቑሩብ ንዅሎም ዓንድታት መንግስቲ ሃይለስላሴ ከፍርሱ ጀመሩ። ንኣክሊሉ ሃብተወልድ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር፡ ከምኡ’ውን ኣባላት ካቢኔኡ ዝነበሩ በብሓደ ኣሰሩዎም። እቶም ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ውትህድርና ዝነበሩ መኮነናት ይዅኑ ካልኦት ኣመሓደርቲ ክፍለ-ሃገራትን ሰብ ልዑል መዓርጋትን’ውን ተኣስሩ። ኣገዳሲ ዝተባህለ ንብረት ተሃገረ። ጒጅለ ደርግ ዓቕሚ ስለዝይነበሮም ድማ ነቲ ብንጉስ ሃይለስላሴ ደስኪሉ ዝነበረ ጀነራል ኣማን ዓንዶም እቦ መንበር ደርግ  መረጹዎ።  ብዕለት 12/9/1974 ደበኽ በለት – ጃንሆይ ካብ ስልጣኖም ዝተኣልየላ ዕለት ነበረት። ጉጅለ ደርጊ ዓቕሚ ስለዘይነበሮም። ደርግ ኵነታት ሃገር ጋሕመጥመጥ ኢሉ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ተምሳል መንግስቲ ንኸትሕዝዎ ኢሎም ንሓደ ዘይኣባሎም ግን ስምን ግርማን ተሰማዕነትን ዝነበሮ ኣዛዚ 3ይ ክፍለ-ጦር ዝነበረ ዉሩይ መኰነን ንክመርሖም ጠለቡ – ሌተናንት ጀነራል ኣማን ሚካኤል ዓንዶም። ብመጀመርታ ጃንሆይ ንኣማን ዓንዶም ከም ሓለቓ ስታፍ ክሸምዎ፡ ሓደ ወርሒ ጸኒሑ ኸኣ ኣማን ከም ሚኒስተር ምክልኻል ተሾመ። ጸኒሖም ከኣ ደርጊ ባዕሎም ከም መራሕ መንግስቲ መዘዝዎ። ንጉስ ሃይለስላሴ ድማ ብጅግና ኣማን ዓንዶም ክብሩን መዓርጉን ተቐንጠጠ። እታ መዓልቲ’ቲኣ ጃንሆይ ብወተሃደራት ተኸብኪቡ ካብ ቤተ-መንግስቲ  ኣብ ሓንቲ ቮልክስዋገን መኪና ሰቒሎም ንቤት ማእሰርቲ 4ይ ክፍለጦር ተዳጎነ። እወ፣ ብ12 መስከረም 1974፡ ቅድሚ 45 ዓመታት ማለት’ዩ፡ ኢትዮጵያ ንመጀመርታ ጊዜ ካብ’ቲ ዘመነ መሳፍንትን፣ ዘመነ ነገስታትትን ዝነበረ መዋእል ኣግሊሳ ኣብ ወተሃደራዊ ምሕደራ ኣተወት። እቲ ወተሃደራዊ እኽብካብ ደርግ ኣንተኾነውን ብስዉር ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ስለላ መርበብ እንግሊዝ እዩ ዝነበረ። ብምኽሪ ስለላ መርበብ እንግሊዝ ድማ ብቚዓት ጀነራላት ኢትዮጵያ ከም ብዓል ጀነራል ኣማን ዓንዶምን ጀነራል ተፈሪ ባንትን ተቐንጸሉ።

ጀነራል ኣማን ዓንዶም ስለምንታይ ካብ ስልጣን ወሪዱን ተቐንጺሉን??

1) ደርግ ንጀነራል ኣማን ከም ሓደ ባምቡላ ክጥቀምሉ፡ ብዝኣዘዝዎ ክኸይድ፡ ድልየቶም ከኣ ከማልኣሎም ፍቓደኛ ከምዘይኮነ ስለዘረጋገጹ ጥራይ ዘይኮነ ስለላ መርበብ ሃጸያውያን ኣዝጊቡ ይቆጻጸሮም ስለይነበረ

2) ብዝሕን ተራን ኣባላት ደርግ፣ ቍጽሮም ኣመና በዚሑ ስለዘሎ ክጎድል ኣለዎ ስለዝበለ፣

3) ኣተሓሕዛ ጕዳይ ኤርትራ። ብሓይሊ ዘይኰነስ ብዲፕሎማሲ ክፍታሕ ኣሎዎ ዝብል መርገጽ ስለዝነበሮ።

4) ኣተሓሕዛ ሚኒስተራትን ሰበ-ስልጣናትን፣ ፖለቲካ እሱራትን ፍትሓዊ ክኸውን ኣሎዎ ስለዝበለ።

5) ጀነራል ኣማን፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝተሓተ ማዕርግ ዝነበሮም ኣባላት ደርግ ንዕቅት ስለዝነበሮ

6) ፍጻሜ ወኪ-ዛግርን ንጉዳይ ኤርትራ ንምፍታሕ ዝገበሮ ጻዕርን ጀነራል ኣማን ዓንዶም

 ድሕሪ ሞት ኣማን ዓንዶም ድማ፣ ኣብ ኢትዮጵያ  ኵነታት እናኸፍአ ከደ። እቲ “ኢትዮጵያ ትቕደም ያለ ምን ደም”! “ጠላትዋ ይውደም”! ብውሑድ ክሳብ ክልተ ሚልዮን ሰራዊት ኢትዮጵያን፣ ተጋደልቲ ኤርትራን ፈሰሰ።

 ኣብቲ እዋን’ቲ (1974) እቲ ትካል ሃጸያውያን ዝነበረ ብሰላዪ ኢሰያስ ዝምራሕ “ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ” (ህ.ግ.ሓ.ኤ.) ኣብ “ህዝባዊ ግንባር ባርነት ኤርትራ” ከምተቐየረ ንብዙሓት ኣርሒቖም ዝሓስቡ ደቂ ሃገር ብሩህ ኮነ።

ብ1974 ዓ.ም.ፈ. እቲ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ዝብሃል ውድብ፣ ኣብ ሜዳ ኤርትራ፡ ኣደልዲሉ ዝተመስረተሉ፡ ምስ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተ.ሓ.ኤ) ድማ ኣብ መሪር ሓድሕድ ዉግእ ዝገጠመሉ እዋን ነበረ። እቶም መራሕቲ ህ.ግ.ሓ.ኤ.ን ተ.ሓ.ኤ.ን ግና ኲነታት ኢትዮጵያ ኣብ ቅልውላው ከሎ፣ ብሓባር ሰሚሮም ንሓርነት ኤርትራ ኣብክንዲ ዝምክቱ፣ ሃጸያውያን ዛኣዘዝዎም ትእዛዝ ንኸተግብሩ፣ ንራእዪ ህዝቢ ኤርትራ ዝጻረር ኣዕናዊ ተግባር  ውግእ ሓድሕድ እጎሃሃሩን ኣባርዑን። ኣስታት 30,000 ዝቑጽሩ ህዝቢ ኣስመራ፣ ንጀብሃን ሻዕብያን ክዓርቁ ብታቦትን ብካህናትን ተሰኒዮም፣  ካብ ኣስመራ ብኣውቶቡሳት ተጻዒኖም ንወኪ-ዛግር ወረዱ። ኣብቲ እዋንቲ ኣባ ፍስሓጽዮን ዝተባህሉ ጅግና ቀሺ ካቶሊክ  (ካብ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኪዳነምሕረት ኣስመራ) ንተጋደልቲ ክዓርቁ ምስ ህዝቦም ንወከ-ዛግር ተጓዓዙ። እዚ ግን ንሰላዪ ምዕራባውያን ኢሰያስን ስዉራት ሰለልቲ መራሕቲ ጀብሃን ኣይዓጀቦምን። ካብኡ ክልተ ውድባት ነንሓድሕዶም ክተሃንኾቱ ከለው፣ ደርጊ ድማ ግዜ ከሲቡ፣ ምስ ሩስያን ምዕራባውያንን ኣሻርዩ ማእለያ ዘይብሉ ኣጽዋር ሸሚቱ ንሰውራ ኤርትራ ንኽሸምም ተዳለው።

 ኣብ መወዳእታ ግን እቲ ብማእለያ ዘይብሉ ኣጽዋር ሶቭየት ህብረትን ምዕራባውያንን ተሰኒዩ ክሳብ ዓንቀሩ ዝዓጠቐ ነበርያ ነበረ ኮይኑ ተረፈ። እቲ ንጻነት ኤርትራ ዝብሃል ዝነበረውን ጋህዲ ኮነ። ጸኒሑ ግን ብትዛዝ ምዕራባውያን ኣብ ባርነት ተለዊጡ ይርአ ኣሎ።

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ 01.12.2019 ዓ.ም.ፈ.