ጅግና መጀር ጀነራል ኣማን ሚኪኤል ዓንዶም፡ ንክልተ ወርሓት መራሒ ወተሃደራዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝነበረ
ምዕራባውያን ዝተቛጻጸሩዋ ኣፍሪቃ ጀጋኑኣ ኣይነብሩንዮም!
ጀነራል ኣማን ዓንዶም ስለምንታይ ካብ ስልጣን ወሪዱን ተቐንጺሉን??
1) ደርግ ንጀነራል ኣማን ከም ሓደ ባምቡላ ክጥቀምሉ፡ ብዝኣዘዝዎ ክኸይድ፡ ድልየቶም ከኣ ከማልኣሎም ፍቓደኛ ከምዘይኮነ ስለዘረጋገጹ ጥራይ ዘይኮነ ስለላ መርበብ ሃጸያውያን ኣዝጊቡ ይቆጻጸሮም ስለይነበረ
2) ብዝሕን ተራን ኣባላት ደርግ፣ ቍጽሮም ኣመና በዚሑ ስለዘሎ ክጎድል ኣለዎ ስለዝበለ፣
3) ኣተሓሕዛ ጕዳይ ኤርትራ። ብሓይሊ ዘይኰነስ ብዲፕሎማሲ ክፍታሕ ኣሎዎ ዝብል መርገጽ ስለዝነበሮ።
4) ኣተሓሕዛ ሚኒስተራትን ሰበ-ስልጣናትን፣ ፖለቲካ እሱራትን ፍትሓዊ ክኸውን ኣሎዎ ስለዝበለ።
5) ጀነራል ኣማን፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝተሓተ ማዕርግ ዝነበሮም ኣባላት ደርግ ንዕቅት ስለዝነበሮ
6) ፍጻሜ ወኪ-ዛግርን ንጉዳይ ኤርትራ ንምፍታሕ ዝገበሮ ጻዕርን ጀነራል ኣማን ዓንዶም
ድሕሪ ሞት ኣማን ዓንዶም ድማ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ኵነታት እናኸፍአ ከደ። እቲ “ኢትዮጵያ ትቕደም ያለ ምን ደም”! “ጠላትዋ ይውደም”! ብውሑድ ክሳብ ክልተ ሚልዮን ሰራዊት ኢትዮጵያን፣ ተጋደልቲ ኤርትራን ፈሰሰ።
ኣብቲ እዋን’ቲ (1974) እቲ ትካል ሃጸያውያን ዝነበረ ብሰላዪ ኢሰያስ ዝምራሕ “ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ” (ህ.ግ.ሓ.ኤ.) ኣብ “ህዝባዊ ግንባር ባርነት ኤርትራ” ከምተቐየረ ንብዙሓት ኣርሒቖም ዝሓስቡ ደቂ ሃገር ብሩህ ኮነ።
ብ1974 ዓ.ም.ፈ. እቲ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ዝብሃል ውድብ፣ ኣብ ሜዳ ኤርትራ፡ ኣደልዲሉ ዝተመስረተሉ፡ ምስ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተ.ሓ.ኤ) ድማ ኣብ መሪር ሓድሕድ ዉግእ ዝገጠመሉ እዋን ነበረ። እቶም መራሕቲ ህ.ግ.ሓ.ኤ.ን ተ.ሓ.ኤ.ን ግና ኲነታት ኢትዮጵያ ኣብ ቅልውላው ከሎ፣ ብሓባር ሰሚሮም ንሓርነት ኤርትራ ኣብክንዲ ዝምክቱ፣ ሃጸያውያን ዛኣዘዝዎም ትእዛዝ ንኸተግብሩ፣ ንራእዪ ህዝቢ ኤርትራ ዝጻረር ኣዕናዊ ተግባር ውግእ ሓድሕድ እጎሃሃሩን ኣባርዑን። ኣስታት 30,000 ዝቑጽሩ ህዝቢ ኣስመራ፣ ንጀብሃን ሻዕብያን ክዓርቁ ብታቦትን ብካህናትን ተሰኒዮም፣ ካብ ኣስመራ ብኣውቶቡሳት ተጻዒኖም ንወኪ-ዛግር ወረዱ። ኣብቲ እዋንቲ ኣባ ፍስሓጽዮን ዝተባህሉ ጅግና ቀሺ ካቶሊክ (ካብ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኪዳነምሕረት ኣስመራ) ንተጋደልቲ ክዓርቁ ምስ ህዝቦም ንወከ-ዛግር ተጓዓዙ። እዚ ግን ንሰላዪ ምዕራባውያን ኢሰያስን ስዉራት ሰለልቲ መራሕቲ ጀብሃን ኣይዓጀቦምን። ካብኡ ክልተ ውድባት ነንሓድሕዶም ክተሃንኾቱ ከለው፣ ደርጊ ድማ ግዜ ከሲቡ፣ ምስ ሩስያን ምዕራባውያንን ኣሻርዩ ማእለያ ዘይብሉ ኣጽዋር ሸሚቱ ንሰውራ ኤርትራ ንኽሸምም ተዳለው።
ኣብ መወዳእታ ግን እቲ ብማእለያ ዘይብሉ ኣጽዋር ሶቭየት ህብረትን ምዕራባውያንን ተሰኒዩ ክሳብ ዓንቀሩ ዝዓጠቐ ነበርያ ነበረ ኮይኑ ተረፈ። እቲ ንጻነት ኤርትራ ዝብሃል ዝነበረውን ጋህዲ ኮነ። ጸኒሑ ግን ብትዛዝ ምዕራባውያን ኣብ ባርነት ተለዊጡ ይርአ ኣሎ።
ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ 01.12.2019 ዓ.ም.ፈ.
Recent Comments