እቲ ብሰንኪ ውድድር መራሕቲ ጭፍራ ወያያኔ፣ ልኡኽ መላኺ ጭፍራ ህግደፍን ኢሰያስ ኣፈወርቂ፣ ዶባዊ ግርጭት ብዝብል ጒልባብ ዝተወልዐ ደማዊን ግን ከኣ ትርጒም ኣልቦን ኲናት፣ ብድፍኢት ምዕራባውያን ሃገራት ዝተወልዕ እዩ ነይሩ። ብፍላይ እኳድኣ ብመሃንድሳት ስለላ መርበብን ሊቃውንቲ ስነኣእምሮን፣ መሃንድሳት ስትራተጂ መንግስቲ ኣሜሪካን፣ መንግስቲ  እንግሊዝን፣ እስራኤልን፣ ኤውሮጳ ሕብረትን ተላፊኖም ንጂኦስትራተጂካዊ ረብሕእ ቀርኒ ኣፍሪቃ እዩ ተኣሊሙን ተጠሊፉን ተዳልዩ።

እየ ጒድ፣ እቲ ቀንዲ ስትራተጂካዊ ዓላማኦም እምብኣር፣ ጉዳይ ዶብ ባዱመን ጢዖን፣ቡሬን ወዘተ…ዓጂቡዎም ዘይኮነስ ንጉዳይ ረብሓኦም ጥራይ እዩ። እወ፣ ንዝንባሌን ስምዒትን ገርሄኛ ህዝቢ ዘለዓዕል ጭርሖታትን ፕሮፓጋንዳን ነዚሕካ ንህዝቢ ምንቛት። ብርግጽ ህዝቢ አርትራ ይኹን ህዝቢ ትግራይ፣ ኣብ ረብሓኡ ኣድሂቡ መታን ኣብ ልምዓትን ስልጣኔን ከይዋፈር፣ ኣብ PROBLEM > REACTION < SOLUTION ዝብሉ ፎርሙላታት፣ ብስነመጎታዊ ኣገላልጻ ብቋንቋ ትግሪኛ ኣገላልጻ ማለትዩ፣ ሽግር > ዕንቅፋት < ፍታሕ፣ ማለት ክኸውን ከሎ፣ ብቐሊሉ ንምርዳእ ድማ፣ ነቲ መሰረታዊ ፍታሕ ንኸተምጽእ ኣብ ክንዲ ትቃለስ፣ ዕንቅፋት ወይ ጓል ነገር ሚሂዝካ፣ ካብቲ ፍታሕ ዝመጸሉ ጎደና ኣላጊስካ ጸረ ረብሓኻ ምቅላስ እዩ።

እወ፣ ሰላዪ aiሰያስ ኣፈወርቂ ካብ ሳሕል ጀሚሩ ኩሉ ግዜ ዝጥቀመሉ  ዝነበረን ዘሎን፣ እከይ ውዲታዊ ፈልሲፍና PROBLEM > REACTION < SOLUTION እዩ። እቲ ዘሕዝን ግን ብዙሕ ህዝቢ ዘይርድኦም ምዃኑ እዩ።  ክሳብ ብዙሕ ህዝቢ ዝርድኦ ግና ኢሰያስ ንህዝቢ ኤርትራ ገና ክላገጸሉ እዩ። ድልየትን ባህግን ራእዪን ህዝቢ መዝሚዝካ፣ ኣብ ጸረ ረብሓኡ ዝኾነ ኲናት ምጥጣቕ፣ ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ።

https://youtu.be/iLr9b3PzTnE

እቲ በቶም መሃንድሳት ጽዮናውያን ዝተሓንጸጸ ስትራተጂካዊ ውዲት ግን፣ ንጹር ዓላማን ሸቶን ኣለዎ። ንሱ ድማ ንልዑላውነት አርትራ ግሂስካ፣ ነቲ ሓዉ ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ምስ ህዝቢ አርትራ ኣባኢስካ ኲናት ወሊዕካን ኣብ ድኽነትን ግንከኣ ተፋላሊኻ ጥፍኣትን ከምዝወድቕ ጌርካ ስትራተጂካዊ ረብሓኽ ንምሕላው ጥራይ እዩ። ሓቂዶ ሓሶ!!? ምስኡ ዝኸይድ ድማ፣ እቲ ሓይሊ ሰራዊ ትግራይን አርትራን፣ ንሓይሊ ሶቭየት ሕብረትን፣ ንደርግን ዝስዓረ ኣዳኺምካ፣ ሥልጣን ኣብ ኢድ ልኡኽ መላኺ ኢሰያስ ኣውዲቕካ፣ ነዚ ሎሚ ንዕዘቦ ዘሎና፣ ሰለይቲ ምዕራባውያን፣ ኢሰያስ ኣፈወርቅን ዶር. ኣቢዪ ኣሕመድ ዓሊን፣ ዝጻወቱዎ ዘለው ድራማ እንምብጻሕ እዩ። ሓቂዶ ሕእሶ!!? እስከ ነዛ ኣብ ታሕቲ ተዘርጊሓ ዘላ ቪድዮ ከኣ ከምተወሳኺ ተኻታተሉዋ ኢኹም።

ኣይበልናንዶ!!!

ሰላዪ ኢሰያስ ኣፍወርቂ ከይሓነኸ ኣብ ቅድሚ እኩባት ኣምሓራን ኦሮሞን ተገቲሩ “ኣ ይ ከ ሰ ር ና ን!” ክብል ጀላዕላዕ ኢሉ! እወ! ንሱን ማይቤቱን ድኣ መንዶ ተሰዊኡዎም እዩ? ካብ ብዓል ጣፍሲ ብዓል ኣፍ!! ድሓንዩ!! እዚ ኣብዚ እዋንዚ ብኢሰያስ ዝርኤ ዘሎ ዘሕፍር ድራማ፣ “ንሰይቲ ዕዉር ብኾፉ ይስዕምሉ፣ ንሰይቲ ጸማም ድማ ብኾፉ ይጽውዑሉ”: ኮይኑና እይ ዘሎ!!! ግንከኣ ዘይወግሕ መሲሉዋስ ኣብ ቦዅራ ትጽሕጽሕ!ኢልና ጥራይ ክንጽበ ኢና።

እዛ ብሓደ ሃገራዊ ሓውና ፍጹም በራኺ ዝተዳለወት ጽሕፍቲ እዚኣ፣ ንኹሉ ደላይ ሓርነትን ሓድነትን ኤርትራዊ እትምልከት ኮይና ስለዝረኸብናያ። ካብ ፈይስቡክ ቀዲሕና ንተኻታተልቲ መርበብ ደቀባት ኤርትራ እንሆ ነቕርበልኩም ኣሎናሞ ሰናይ ንባብ።

“መሰረት፡ ዉሕስነት ቀጻልነት እዩ”!

ካብቶም ኣብ ፈለማ ምብጋስ ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራ ኣንጻር ንመግዛእቲ ዝነበሩ ዝዓበየ ተቓላሲ ዉድብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ(ተሓኤ) ምንባሩ ይፍለጥ። ብሰንኪ ጽዮንነትን ሃጸይነትን ግና በርዒኑ ተሪፉ። ሃገር ከኣ ብማፍያ ትግዛእ ኣላ

ድሕሪ’ዚ ካብ ትሓኤ፡ ዉሑዳት ኣባላት ብምሓዝ ህዝባዊ ሓይልታት ይፍንጨል፡ ካልኦት ጉጅለታት ከኣ ከም ዑበልን ናይ ኢሰያስ ኣፎወርቂ ጉጅለን በበይነን ብሙኳን፡ ዉሑዳት ተጋደልቲ ሒዘን ይቖማ።
የካቲት 1972 ጉጅለ ዑበል ብተሓኤ ተበቲኑ የብቅዕ።ብድሕሪ’ዚ፡ እዘን በበይነን ዝነበራ ጉጅለታት ህዝባዊ ሓይልታትን, ናይ ኢሰያስ ጉጅለን, ከምኡ ‘ዉን ካብታ ዝተበተነት ጉጅለ ዑበል ብዝመጹ ኣባላትን፡ ብሓደ ብምጥርናፍ፡ ናይ ከባቢ 500 ዓቕሚ ሰብ ዝሓዘት ትረአ ዉድብ ቆመት ። ምስ ግዜ ተሓኤ ዝበሃል ዉድብ ‘ዉን ካብ ሜዳ ኤርትራ ለጊሱ ሓንቲ ዉድብ ተረፈት። ብድሕሪ’ዚ ክጋደል ዝበለ ኤርትራዊ ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ጸኒሑ ስሙ ዝቐየረ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ህግሓኤ) ተጠቕሊሉ ኣንጻር መግዛእቲ ቃልሱ ቐጸለ። ናይ በረኻ ቃልሲ ኣንጻር መግዛእቲ ኣብ 1991 ኣብቂዑ ናጽነት ምስኮነ፡ ህዝባዊ ግንባር ሃገር ንምምስራት ብረፈረንደም ይጅምር። ድሕሪ ረፈረንደም ኸይደንጎየ 1994, እቲ ካብ ፈለማ ኣብ ትዕዝብቲ መቃልስቱ ኣትዩ ዝነበረ ኢሰያስ(ግዝያዊ ዋና ጸሓፊ ህግሓኤ)ሓድሽ ዉድብ ብሙቛም, ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን(ህግደፍ) ሰየሞ።

ህግደፍ ሽሙ ከም ዘመልክቶ “ህዝባዊ ግንባር ንሓርነት ዝነበረ፡ ድሕሪ ነጻነት ንደሞክራስን ፍትሕን ዝቃለስ ዉድብ እዩ ንኽበሃል፡ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ተሰየመ። ንሕቶ ኣባልነት ናብዚ ዉድብ ግን፡ ብዘይካ ዉሑዳት፡ ኩሎም ተራ ይኹኑ ሓለፍቲ ተጋደልቲ ነጸግዎ። ምስቲ ዝተፈላለያ ሰልፍታት ኽቆማ ኣለወን ዝብል ዕላማ ህዝባዊ ግንባር፡ ኢሰያስ ንዕላምኡ ብቕልጡፍ ዝተጠቕመሉ ይመስለኒ, ንህግደፍ እንኮ ሰልፊ ብሙቋም ዝቐጸለ ሸትኡ ዝሃረመ። ህግደፍ እዝዩ ረቂቕ ስትራተጂ ብምሕንጻጽ፡ ነቲ ኣብ መቃልስቱ ዝነበረ ናይ ምትእምማን ኣሰራርሓ መዝሚዙ ዓመጽ ኣብ ርእሲ ዓመጽ፡ ጌጋ ኣብ ርእሲ ጌጋ እናፈጸመ፡ እሞ ኸኣ ንገለ ንጹሃን ተቓለስቲ ብዘይ ርድኢት ኢዶም እናርስሐ ክሳብ 2000 ዓ/ም ቀጺሉ።

ታሕሳስ 2000 ዓ/ም፡ ኣባላት ባይቶ፡ ናይ መወዳእታ ዝጽበይዋ ዝነበሩ ኣኼባ ካብ ዋና ጻሓፊ(ኢሰያስ) እያ ዝነበረት። ግን ከምተን ናይ ነዊሕ ዓመታት ዝሓለፋ, ናይ ምትላል ቆጸራ ኮይና ተረፈት። ብድሕሪ’ዚ, ከምቲ ኣብ ብሕታዉያን ጋዜጣታት ዝተዓዘብናዮ፡ ኽርክር ኣብ መንጎ ህግደፍን ኣባላት ባይቶን ብዛዕባ ቁዋማዊት ሃገር ምምስራት እዩ። G15 ነዚ ሕቶ’ዚ ሒዙ ኽመጽእ እንከሎ፡ ከም ኣብ መሪሕነት ዝነበሩ መጠን ደኣዮም ወከልቲ ብሙዃን, ነዚ ሕቶ ሒዞም ዝቐረቡ እንበር፡ እቲ ሕቶ ወይ ዕላማ’ሲ፡ ናይ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዕላማን ግዚኡ ዘሕለፈ ሕቶን እዩ ዝነበረ።

ህግደፍ ነቲ ዝነበረ ኩነታት ዋላ ህዝቢ ብዓይኑ እናተዓዘቦ፡ ኸታልሎ ግን ኣየጸገሞን፡ ብፍላይ ኣብቲ እዋን ኣብ ስደት ብሙዃን፡ ብኣካል ኣብ ኣኼባ ምኒስተር ናይ ወጻኢ ጉዳያት ነበር ተሳቲፍኩም ብእዝንኹም ዝሰማዕኩሞ ኔሩ እዩ።”ንሕና ነዚ ህዝቢ ንብድሎ ኣሎና፡ ሃገር ነረክበሉ፡ ጌጋና ንናሳሓሉ እዋን ሕጂ እዩ፡ ስለዚ ነዚ ኸነተግብር ሓግዙና፡ ናይ ይተግበር ድምጺ መልእኽቲ ከብጻሓልኩም ሃየ ድምጽኹም ሃቡ” ክብል ዝሰመዐት እዝኒ ኣላ። እንተኾነ ኣብ ንቑሕ ዓለም እናነበርና ምስትዉዓል ኣጥፊእና፡ እናረአና እናሰማዕና ንሓቂ ኽሒድናያ። መራሒ ህግደፍ ህዝቢ ንኸየስተውዕል ኣብቲ እዋን ዝተጠቐመሉ ሓደ ገዚፍ ሜላ ኔሩ።
ሰብ ክቡር እዩ ምንባር ውን ሓንሳብ እያ!!

ግንቦት 6 1998 ብምስምስ ዶባዊ ግርጭት ዝተጀመረ ዘይሓላፍነታዊ ውግእ፡ እንግደዓ ተጋዳላይን ህዝብን ካብ ምስካም ብረት ከየዕረፈ, ዳግማይ ንህልቂት ኣእላፋት ንጹሃን: ንስለ ሃገር እታ ዘይትምለስ ሂወቶም ክውፍዩ ዝድርኽ ድራማ ክልተ መራሕቲ ቀሪቡ: ንክልቲኦም መራሕቲ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዘርብሕ: ብርድኢት ገሊኦም ከምዘይክሳራ ዝርአ ምኻኑ፣ ብልሳን ህሉው ልኡኽ መላኺ ኤርትራ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ዝተመስከረልና ሓቂ እዩ። ኣየናይ ካባና እዩ ግን፣ ትንፉሱ ወይ ትንፉስ ዝፈትዎ ሰብ ምሕላፍ ከምዘይክሳራ ዝርእዮ ? እዛ ሕቶ ኣባኹም የብላ።

ኮይኑ ግን, እቶም ንስለ ሃገርን ህዝብን ዝተቓለሱን ገና ዉን ዕላማ እቲ መሪር ቃልሲ ኣብ ሸትኡ ንምብጻሕ ዝቃለሱ ዝነበሩ ሕሉፋት ሃገራዉያን፡ ከም ሸየጥቲ ሃገር ንጥፍኣት ካብ ገጽ ህዝቦም ብምስዋር፡ ስርዓት ህግደፍ, መንገዲ  ዓመጽ ኸጽሪ ዕድል ረኸበ። ብሓደ ወገን ከኣ ህግደፍ ህዝባዊ ቃልሲ ከም ዝዉክል ተመሲሉ ኽረአ ብዕቱብ ሰሪሑ። ብፍላይ ከኣ ንኣብ ስደት ዝነብር ህዝቢ፡ ኣቐዲሙ ናይ ግዜ ቃልሲ ዉዳቤታቱ ( ከም ሓፋሽ ዉድባት) ኣፍሪሱ፡ ሓድሽ ህግደፋዊ ዉዳቤ ጌሩ ንምትላል ሓኒቑ ሒዝዎ። እዚ ንምትላል ዝተማህዘ ህግደፍ ዝብል ሽም ኣብ ቡዙሓት ዜጋታት ከም ናይ ህግሓኤ ሽም ጌሩ እዩ ዝቑጸር። እንተኾነ ግን ህግደፍ ውድብ ቃልሲ ዘይኮነ ኣብ 1994 ዝመጸ ጒጅለ ማፍያ ዝኾነ ስም ዝተጠመቐ እዩ።

ንድሕሪት ምልስ ምስ’ንብል, እቶም ካብ ፈለማ ብረታዊ ቃልሲ ዝነበሩ ዉድባት ዋላ እኳ ብስነ-ሓሳብ ተፈሓፊሖም እናተፈላለዩ፡ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ እናተተኻኽኡ እንተመጹ፡ እቲ ቃልሲ ግን ክሳብ 1991 ንጹር እዩ ዝነበረ። ኣንጻር መግዛእቲ ንናጽነት ኤርትራ። ኣብ መወዳእታ ናይ ተሓኤ ኣባል ይኹን ናይ ትጋድሎ ሓርነት፡ ኩሉ ብሓደ ሓቢሩ እዩ ዝተቃለሰ። ሓደ ሓቂ ኣሎ፡ ንሱ ኸኣ ዝኾነ ካብ ገዛኡ ንክቃለስ ኽብገስ ከሎ፡ ናብ እከለ ዉድብ ክጽንበር ኢሉ ዘይኮነ፡ ናብ ቃልሲ ኣንጻር መግዛእቲ ኢሉ እዩ ካብ ቤቱ ዝነቅል። ዉጽኢት ናይ ሓደ ዕላማ ቃልሲ ኸኣ፡ ነቲ ዝወድቕ ዘይመስል ገዚፍ ጸላኢ ብምስዓር፡ ኤርትራ ናጻ ሃገር ተባሂላ። ዝተጠልመ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኽድበስ ፈጣሪ ንቕሓት ንመንእሰያት ኣብዚሑ ይሃበና። ስዋኣትን ተቃለስትን ኩለን ዉድባት ሜዳ ኤርትራ, ክኸብሩን ኽዝከሩን ዘልኣለማዊ እዩ።

ኣስተዉኢል!
ኣብዚ ሕጂ መድረኽ ህላዌና፡ ኩልና ኤርትራዉያን፣ ቁቡላት ዝኾኑ ሕሉፍ ጌጋ ታሪኻት እናጸባጸብና ፍልልያትና ኣይነግፍሕ። ጠንቂ ጌጋ ታሪኽ ነለሊ እሞ፡ ሕጂዉን ጠንቂ ጌጋ ህልዊ ከይንኸዉን ንጠንቀቕ። ንዉልቃዊ
ጠለባት ወይዉን፣ ረብሓ ዘይብሉ ወገናዊ ድሌታትና ከነማልእ በይንና ኣይንነጸል። መጀመርያ ብኤርትራ ንሕሰብ፡ ንስለኣ ሓቢርና ደዉ ንበል። ኣብታ ኽንሰርሓ እንምነ ሕጋዊትን ደሞክራሳዊትን ኤርትራ፡ ናይ ነፍስ ወከፍ ዜጋ ሓሳብን ጠለብን፡ ብዉልቂ ይኹን ብእኩብ ኣብ መጋበኣያ ጠጠዉ ኢሉ, ኩሉ ዜጋ መሰሉ ኽሓትት ዕድል ክህልዎ እዩ።እዘን ንሪአን መሰል ዜጋታተን ዝሕልዋ ሃገራት፡ ዜጋታተን እዮም ኣቚሞመን። ቅድሚ ነናይ ዉልቂ፡ ነናይ ዉድባት ጠለባቶም, ብሕጊ እትማሓደር ሃገር እዮም ሃኒጾም። ስለዚ ንሕናዉን ፈለማ ኤርትራ ትበሃል ብሕጊ እትማሓደር፡ ንዜጋታታ መሰል እትህብ ሃገር ንፍጠር። ብድሕሪኡ ነናይ ዉልቂ ይኹን እኩብ መሰልና ክንረክብ ዉሁብ እዩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ንኹሉ ኤርትራዊ ዘየሳትፍ ዉድብ ይኹን ዝኾነ ጉጅለ፣ ንባህግና ዓንቃፊ ኸም ምዃኑ መጠን፡ ሓደራ ኣድቂቕና ንሕሰብ፡ ዉጥን ዓመጽቲ ኣይነሳሲ ይበል፡ ብሓደ ንጠርነፍ፣ ኣይንፈላለ።
ኤርትራና ህዝባን ሓመዳን ባሕራን ይባረኽ!

ፍጹም በራኺ።

ገለ ሓቅታት…

“ኣብ 1998 ዝተበገሰ ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ካብቶም ኣብ ሜዳ ዝነበሩ ቀንዲ ናይ ህዝባዊ ግንባር ሃንደስቲ ኲናት ዝተሳተፎ ሓደ’ኳ ኣይነበረን። እቶም ሃገር ኣብ ሓደጋ እንከላ ኣግዲዖም ተባሂሎም ዝተኣሰሩ ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይቲ እዋን ከኣ፡ ነቲ ዂናት ካብ ምጅማሩ ዝተቃወሙ እንበር ኣብ ሞንጎ ዘድሓርሓሩ ኣይኮኑን። “

“ኣብ መንግስቲ ኤርትራ ኽሳብ ሕጂ ትካላዊ ኣሳራርሓ የለን።”

“እቶም ኩሎም ብዘይ ሕማም ሃንደበት ዝተሰዉኡ ዓበይቲ ሓለፍቲ፡ ብዝተፈላለየ ዓይነት መልክዕ፡ ሬሳኦም ንኸይምርመር ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣብ ሆስፒታል መጠንቀቕታ ዉሳነ ከምዚሓልፍ። ገለ ብቐጻሊ ዝቐርብ ምኽንያት (ንሃገሩ ግቡኡ ዘበርከተ ጅግና እዩ ሬስኡ ኽትንከፍ የብሉን) ዝብል እዩ።”

“ታሕተዋይ ሓላፍን ተራን ብዝኾነ ምኽንያት ዕድል ምጋሽ  ዕጹዉ ሙዃኑ፣ ኩሉ ሰብ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ። ካብኡ ብላዕለዎት ሓለፍቲ ዝጸነዐዉን፣ ብተልእኾ እቲ ስርዓት እንተዘይ ኮይኑ፡ ብዉልቃዊ ዝኾነ ይኹን ጉዳይ ምጋሽ ኣይፍቀዶምን። ዋላ ንሕክምና እብ ሃገረ ሱዳንዉን ብኽንደይ ምምልላስ ኣብ ቤት ጽሕፈት ፕረስደንት ትርከብ ዕድል እያ። ኣብ ሱዳን ንዘይ ሓዊ ሕማም ግን ኣብ ኤርትራ ተመሊሶም መስዋእቶም ክጽበዩ እንተተዘይ ኮይኑ፡ ዋላ ዶክተር ጽሒፍሎም፣ ኣብ ኤዉሮጳ ምቕጻል በቲ ስርዓት ወይ ብቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ፍቑድ ኣይኮነን። እዚ ማለት ግን ሓደ ክልተ ካብ ሚእቲ ኣባላት መንግስቲ ህግደፍ ከም ብዓል ጀማነ ማንኪ ዝኣመሰሉ ሓለፋ ተጌርሎም ወይዉን ብዕድል ንኤዉሮጳ መጺኦም ኣይሕከሙን ማለት ኣይኮነን።”

 

ብሓልዮት መርበብ ሕእበሬታ ደቀባት ኤርትራ
25 መጋቢት 2019 ዓ.ም.ፈ.