እስከ ነዛ ኣብ ታሕቲ ቀሪባ ብኣባላት ህግደፍ ዝቐረበት ርእይቶ ምስቲ መስከረም ኔት ዝፍንዎ ዘሎ ኣንድነታዊ ሓሳብት ነወዳድሮ።

ካብ ኣባላት ህግደፍ ኤውሮፓ ንሕና ኣብ ኤውሮፓ ንነብር ኤርትራውያን፡ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዝና ኣባላት ህግደፍ ብምዃን፡ብላዕለዎትሓለፍቲ ዝተዋህበና መምርሒታትን፡ንቁጠባን ንሕብረተሰብን ብፍላይ ንፖለቲካን ዝምልከት መግለጺታትን፡ብዘይ ምምርማርን ሰጋእ ምባልን ኣብ ግብሪ ክንትርጉም ጸኒሕና። ዝያዳእኳድኣ፡ኣብ ልዕሊ ካልኦት ተቓወምቲ ተባሂሎም ዝፍለጡ ኤርትራዊያን፡ንዝህብዎ ፖለቲካዊ ርእይቶን ሓበሬታን ኣኼባታትን፡ ብቕሉዕ ይኹን ብሕቡእ ብዘይ ንሕስያ ክንቃወምን፡ተሰማዕነት ክህልዎ ይኽእል ዘበለ ኩሉ ዘመተታትን፡ኣውራጃዊ ይኹን ሃይማኖታዊ ከምኡው ንውልቃዊ መናፍሓትን ጸለመን፡ኣንጻሩ ከነካይድን ጸኒሕና።ይኹን እምበር፡ድሕሪ ነዊሕ ናይ ጸኒሐ-ጸልማት እዋን፡ ኣብዚግዜእዚ ብጋህዲ ንርእዮ ከምዘለና፡መሰረታዊ ዕላማ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ሃገርን ምምሕዳር ዘይኮነ፡ንሃገረ ኤርትራን ህዝባን፡ኣብ ዝተናውሐ እዋን በታቲኑ፡ካብ ካርታ ዓለም ምድምሳስ፡ኮይኑ ስለ ዝረኸብናዮ፡ንሕናውን ነዚ ድጉል ዕላማ ከይስተብሃልና ክሳብ ሎሚ ኣብ ጎድኒ ኢሰያስ ተሰሊፍና ንሃገርናን ህዝብናን ስለዝበደልና፡ ንኹሉ ህዝቢ ኤርትራ ይቕረታ ንሓትት። ይቕረታና ድሕሪ ማይ ኣብ በዓቲ ከይከውን ተስፋ እናገበርና: ንዳግማይ ትንሳኤ ኤርትራ፡ብሓባር ክንሰርሕ ንላቦ።

ውሳኔታት

1. ጸይቀ-ዕሉል ኢሰያስ ኣፈወርቂ፡ንሃገረ ኤርትራን ህዝባን ካብ ዝተናውሓ እዋን ኣትሒዙ ንምምሕዳር ዘይኮነ፡ ነበረያ ነበረን ምግባር፡ዝዓለመ ከምዝኾነ ብምእማን፡ብጀካ ሓንሳብን ንሓዋሩን ንዕኡምእላይ፡ካልእ ዝኾነ ይኹን ፍታሕ ኣድማዒ ከምዘይኮነምፍላጥ፡፡

2.መራሒ ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ፡ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘለዎ ወግሐ-ጸብሐ ዝገላበጥ መርገጺ ብዘየገድስ፡ዶብ ኤርትራ ከይተሓንጸጸዘ ብቃላት ንህዝቢ ኤርትራ ንምድህላል ከምዝኾነ ምልልላይ። ቅድሚ ሎሚ በቦታትና ዝተኻየደ ጌጋ “ኢትዮጵያ ወይ ሞት ኢልና ኣቲና፡ኢትዮጵያ ንሞትን ብሓባር መጺኤናና“ ዝብል ታሪኻዊ በሰላ ካብ ሓንጎልና ከምዘይሃሰሰ ምርዳእን ካብታሪኽ ምምሃርን።

3. መንግስቲ ትግራይ ኣብ ነጻነት ኤርትራ ዘለዎም ዘይቅየር ርእይቶእና ሞጎስና፡ነዚ ርእይቶ እዚ ክሳብ ዶብ ምሕንጻጽ ክደፍኣሉ ከምዘለዎም እናተላቦና፡ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ዘርእይዎ ዘለው ስብኣዊ ርሕራሔን ሓልዮትን ብኣኽብሮት ንንኣድ። መንጸፍ ናይ ነባሪ ሕውነትን፡ጭዋ ባህሊን ከምዝኾነ ድማን ኣምን።

4. ትምክሕተኛታት ኢትዮጵያውያን ብፍላይ ነገደ ኣምሓራ፡ ብኸዳዕ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ተተባቢዖም፡ ሕዱር ሕማም ኣቦታቶም ተኣፊፍዎም ነቲ “ትግሬ ተእግሬ“ ዝብል ሕልምታቶም ዳግማይ ንምብርባር፡ካርታ ኤርትራ ደምሲሶም ኣብ ኢትዮጵያ ንምሕዋስ ዘካይድዎ ዘለው ፈኸራን ዳንኬራን ኣትሪርና ንኹንን።

5.ትምክሕተኛታት ኢትዮጵያውያን፡ ብፍላይ ነገደኣምሓራ፡ብኸዳዕ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ተተባቢዖም፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ንምሕዋስ ዝዓለመ፡ኢትዮጵያውያን-ለኸ ዘድምጹሉ፡ ረፈረዱም ንምክያድን፡ ከምቲ ሻለቃ ዳዊት ወልደጊዮርጊስ ዝገለጾ፡ንሓወልቲ ስውኣት፡ ብሓወልቲ ኢትዮጵያውያን ወታሃደራት፡ንምትካእ ዘሰላስልዎ ውጥንን፡ ኩናት ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ከምዝኣወጁ ንቖጽሮ። ኣትሪርና ድማ ንኹንን።

6. ኩላትና ኤርትራውያን ምሕንጻጽ ዶብን፡ትግባሬ ቅዋምን፡ይጽናሓለይ ዘይበሃል መዛዘሚ ብረታዊ ቃልሲና ከምዝኾነ ኣስትውዒልና፡ብሙሉእ ሓይልና ክንደፍኣሉን፡እሱራት ክፍትሑ ጸዋዒት ከነቕርብን፡ ኣብ ልዕሊ እሱራት ዝካየድ፡ ዘስካሕክሕ መግረፍቲ፡ኣትሪርና ክንኩንን ንዕድም። ሕጂውን ከምወትሩ፡ ዓወትንሓፋሽ!!! ውድቀት ንኢሳያስን ትምክሕተኛታትን!!! ኤርትራንዘለዓለምትንበር!!!

ካብ መርበብ ሓበሬታ ዝተረኽበ ዝልሕጽጽ ዘረባ ኣደይ ለቱ ግንከኣ ኣየውፍር ኣየእቱ።
ከምዚ እንዳበለ ከኣ ነቲ “ሃገራዊ ክትዕን ጽምዶን ዝኸፍት እዩ” ሃጠውቀጠው ዝኾነ ወረ ይነፍሕ።

“ዝኣኽለን ጥሒነን በዓለ-ማርያም ይብላ”!!

ዘራኽቡና እንታይ እዮም ዝፈልዩናኸ? ጸርፊ ዓንጀባ እዩ!!

መልሲ ህዝቢ፣ ምስ እንዳ ህግደፍ ይኹን ምስ ጋንታ መደመር ኢ.ህ.ኣ.ዴ.ግ. ዘራኽበና እንተልዩ፤ ህዝቢ ኤርትራ ንፍርቂ ዘመን ዝተዋደቐሉ ሓርነታዊ ቃልሲ፣ ልዑላውነቱን፣ ደሙ ዝኸዓወሉ ዶቡን ተፈሊጡሉ፣ ከም ሓራ ሃገር ኮይኑ ንክነብር ጥራይ እዩ። ብድሕሪዚ ጽምዳዊዶ ልፍንታዊዶ ዝብሃል ኩሉ ርኽክባት ንክግበር ጸገም የለን። እዚ ውዲታዊን እንዳጸንሐ ዝነቱግ ዘሎን መስርሕ “መደመር” ግና ንህዝቢ ኤርትራ ግዳይ ጌርካ ንሕልሚ ኣምሓራ ንትግባር ጥራይ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ፣ ብፍላይ ምስቲ ፋሉል መራሒ ሕገኣልቦ መንግስቲ ህግደፍ፣ ኢሰያስ ኣፈወርቅን፣  ዘራኽቦ እንተልዩ ድማ ፣ ሕገ-መንግስቲ ክትግበር፣ እሱራት ክፍትሑ፣ እቶም ብስም “ሃገራዊ ኣገልግሎት” ብቐስብ ንሕልፈታት ኣብ ባርነታዊ ስራሕ ተዋፊሮም ዘለው ወረስቲ ሃገር መንእሰያት፣ ተጣይሶም ምስ ህዝቢ ኤርትራ ተደሚሮም ሕይወቶም ክመርሑ። እቶም ብዘይ ፈራድን ዓቃበ ሕግን ጠበቓን ንሕልፈታት ኣብ ኣስካሕካሒ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝበልዩ ዘለው ደቂ ሃገር ድማ ሓራ ክወጹን ሕይወቶም ክመርሑን። እቲ ብህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ኣውሪዱዎ ዘሎ እገዳ፣ ንመረዳታ፣ ዋንነት መሬት፣ ዋንነት ኣብ ባንክ ዘሎ ገንዘብ፣ ብጠቕላላ ድማ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ክሕሎ።

ብውሑዱ እምብኣር እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ነጥብታት እዮም ንህዝብን ንህግደፍን ዝፈላልዩ ዘለው። እዞም ዝተጠቕሱ ነጥብታት ምዝፍትሑ ግና ምስ ህግደፍ ንኸይንራኸብ ዝኽልክሎ ማዕጾ የልቦን። ካብኡ ሓሊፉ ጭጕራፍሲ ወቒዓ ትእውዪ፣ ከምዝብሃል፣ ብምንታይ እዩ ጽምዶ ልፍንቲዶ፣ ዘራኽቡና እንታዮምዶ፣ ዝፈልዩናኸ እንታይዮም እንዳበልካ ዝዝረብ ሃለውለውሲ እንታይ እዩ? እቲ ብሰንኪ ጭፍራ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ወሪዱ ዘሎ መዓት እኮ ኩሉ ህዝቢ ዓለም ዝፈልጦን፣ ኣብ ማንም ኲርናዓ ዓለም ተፈጺሙ ዘይፈልጥ፣ ህልቀትን ምጽናት ህዝቢ ብተግባር ዝፍጽም ዘሎ እዩ።

“ብ01/31/2019 11:19:38 AM ኤረ እክስፕረስ፡ ከም ትጽቢትና፡ አገዳሲ ርእይቶታትን ክትዓት ካብ ደገፍቲ መንግስቲ ክንከታተል ዕድል ብምኽፋቱ፡ ናይ ምትብባዕ መልእኽቲ ከነመሓላልፍ ንደሊ። ዋላ ገለ ዝልሕጽጽ ዘረባ እንተነበረ፡ መብዝሕትኡ ልዙብ ምንባሩ ምምስካር የድሊ” ይብል። ቀጺሉ ከኣ “እዚ፡ ሃገራዊ ክትዕን ጽምዶን ዝኸፍት እዩ”። አሕዋትናን/አሓትናን ደገፍቲ መንግስቲ፡ አብ ዝተፈላለይ ሃገራዊ አርእስትን አጅንዳን ዘለዎም ርእይቶ ብቕጥታ ካብኦም ክንሰምዕ ክኢልና አለና” ዝብሉዮም። መንዮ እዞም ነዛ “ኤረ እክስፕረስ” እትብሃል መርበብ ዝውክሉዋ? ኣቦታትና ክምስሉ ከለው፣ “ሓጺሩኒ እንተበልኩዎስ ተደቢሩ ይስዕስዕ”፣ ይብሉ። እዚ ኣብ ውሽጢ 6 ወርሓት እቲ መራሕ መንግስቲ ሕገ ኣልቦ መንግስቲ ህግደፍ ዝብሃል፣ ኢሰያስ ኣፈወርቂ እኮ፣ ነቲ ግዛያዊ 1ይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቢዪ ኣሕመድ ዓሊ ዝብሃል፣ ኣብከተማ ኣዋሳንኣዲስ ኣበባን ተጠሊዑ ብቋንቋ ትግሪኛ ገሩ “ንስኻ ኢኻ መራሒና” ክብል ጀላዕላዕ ኢሉ እዩ። ነዚ ጀላዕላዕዚ ህዝቢ ኤርትራ ተሰማሚዑሉዶ ነይሩዩ። ኢሰያስ ኣፈወርቂ ቅድሚ ንኣዲስ ኣበባ ምብጽሑ፣ ንህዝብን ንሰራዊ ትን፣ ንሚንስትራትንዶ ተወኪሱ እዩ ከይዱ? ወኪል ወጻኢ ጕዳይ ስቴት ዲፓርትሜንት ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ።

ልዑል ምክትል ሴክረታሪ ንጕዳይ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ዶናልድ ያ. ያማቶ (Ambassador Donald Y. Yamamoto) ኣብ ኤርትራ በጺሑ ምስተመልሰ እንድዩ ብቕጽበት ፕሮጀክት “መደመር፣ ፍቅር ያሸንፋል፣ ሰላም፣ ዕርቂ ” ዝብሃሉ ስሚዒትን ሕልና ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝሰልቡ፣ ግንከኣ ብመሃንድሳት ጽዮናውያን ተኣሊሞም ዝተጠልፉ ንሕቡእን ውዲታውን ኣጀንዳ ንኸተግብሩ ስርሖም ጀሚሮም። እሞ ነዚ ድዮም እቶም ወነንቲ “ኤረ እክስፕረስ” “ከም ትጽቢትና፡ አገዳሲ ርእይቶታትን ክትዓት ካብ ደገፍቲ መንግስቲ ክንከታተል ዕድል ብምኽፋቱ፡ ናይ ምትብባዕ መልእኽቲ ከነመሓላልፍ ንደሊ”።  “እዚ ንኽትዕ ትንተናን ምስፋሕ አርእስትታትን ይዕድም። እቶም ዝተፈልየ ርእይቶ አለና እንብል፡ ብልዙብ፡ ሳይንሳዊ መንግዲ አብ ክትዕን ጽምዶን ክንአቱ ይግባእ። ዘራኽቡና እንታይ እዮም ዝፈለልዩናኸ? ናይ ትማሊ ናይ ጽልኢ ፖለቲካ ግዚኡ በሊዑ ጠስጢሱ እዩ”፡፡ እንሆ ፈረስ እንሆ ሜዳ ከኣ ንብል ንሕና!

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ
04.02.2019 ዓ.ም.ፈ.