ብተስፋሚካኤል ኣብራሃ፡ 13.07.2018

እቶም “ኢሳይያስ ብዓንተቦኡ ኣይናትናን ኢዩ። ክሳብ ምስ ጸላኢና መንግስቱ ሃይለማሪያም ከይተረፈ ይማሳጠር ከምዝነ በረ” ንትብል ሓበሬታ ብሰበብ ጭብጥን ጓላን ዝጓኖኹማ ተቓወምትን ተደናገጽትን መንግስቲ ህግደፍ፡ ተደናጊርኩም እንተጸኒሕኩም ኣብ ደምበ ሓቅነት ክትጽንበሩ ሓንቲ ደረት ጥራይ ኢያ ተሪፋትኩም ዘላ። ንሳ ድማ ስለምንታይ ኢሳይያስ ንመንግስቱ ሃይለማሪያም ክቐትል ሰባት ከምዝላኣኸ እነተገሚትኩም፡ ብዛዕባ ታሪኽ እቶም ኣብ ውሽጢ ኢቲዮጲያ ኮይኖም ንናጽነት እናተዋደቑ፡ ብሰንኪ ኢሰያስ “ብዘምሎቐ ምስጢር ተታሒዞም፣ ብፓላሶ ጸዲፎም“ . . . እናተባህለ ብደርጊ ዝተታሕዙ ወይ ዝሓቐቑ ሰብና ብዕምቆት ከምትሓስቡሉ ስለዝድርኸኩም ሽዑ መንነት ኢሳይያስ ከይተዃተኾኩም ኣይተ ርፍን። እቲ ግናይ ነገር ገሊኡ ኣገዳሲ ዝመስለኩም ሓቅታት ፈሊጥኩሞ እንተጥዒምኩም፡ ወይ ትፈልጥዎ ከምዝነበርኩም ከተውርዩ፣ ወይ’ውን ንኩሉ ዘዝተወርየ ከምሓቂ ወሲድኩም ዳግማይ ከምትጋገዩ ብነብሱ ፍሉጥ’ዩ’ሞ ሓደራኹም። ነዚ ዘጥቅሰኒ ዘሎ ግና ብኣውራኡ ንዳህሳስ እዚ ሎሚ ዝኸውን ዘሎ ፖለቲካና ክንመኽረሉ ሓጋዚ ስለዝመሰለኒ ኢዩ።

ኣብዛ እዋን’ዚኣ ህዝብና፣ እንኮላይ መብዛሕትኦም ሰበስልጣናት ህግደፍ፣ እንተ ብደጋፍነት እንተ ብመንጽሩ፣ ወይ’ውን ኣማራጺ ስኢኖምን ከናድዩን ብሙሉእና ኣብ ቁራዕ ፖለቲካ ተሰኽቲትና ክንውዕል እዋናዊ ናብራና ኮይኑ እንሆ። ኣብዚ ድማ እንሀ ብሃገራዊ ራኢ ምድማር ማለት! ከምሓቂ’ውን ኤርትራዊ ንሰላማዊ ጻውዒት ብእምነት ምተቐበሎ። ግናስ ወጻ ኢ ካብ ቁጽጽሩ ንዝፈሰሰ ኣይሂ ማይ ሰላም ኣዘናንባኡን ኣወሓሕዛኡን ክፍለጥ ግድነት ይኾኖ’ሎ።

እቲ ተጓናጺ ውሕጅ ኢሉ-ኢሉ ኣብ ጎደና ኮምብሽታቶ ምስበጽሐ ምስ ‘በዚ መጺአን’ ዘይበለን ዋሕዚ ጎራዙ ተሓወሰ’ሞ ብኡ ንብኡድማ ንሳተን ‘ተደሚርና ኢና’ ብዝብል ጭርሖ ተጨዲደን ክእድማ ዝራኣኹም ኤርትራዊ ሕልናኹም ከምተ ረበሸን ተረበጸን ኣየጠራጥርን። ግናስ ዝግ ጥራይ፡ እተን ቆልዑ ከኣ ኣይኮናን ኣበሰኛታት። ንሳተን’ሞ ብዘይካ “እልልታ” ብዝብል ዘዕለላ ተኸፈልቲ ዝፈልጥኦ’ውን የብለንን። ስርዓት ኢሳይያስ እንታይ ይገብር ከምዘሎ ኢዩ’ቲ ኣገዳሲ ሕቶ።

መራሒ ህግደፍ መቸም ነገር ማዕሰብቲ ኮይኑዎ ንሃገርና ካብ እዋን ናጽነት ብግዜያውነት ኣእሪግዋን ኣጽኒትዋን ኣሎ። ኩ ሉ ብግዜያውነት ኢየ ዝብለኩም። ግዜያዊ ፕረሲደንት፣ ግዜያዊ መንግስታዊ ምሕደራ፣ ግዜያዊ መንነት፣ ግዜያዊ ፓስፖ ርት፣ ግዚያዊ ናብራ፣ ግዜያዊ ህላወ፣ ግዜያዊ ቁጠባ።. . . .

“ስለምንታይ ብግዜያውነት?” እንተበልኩም መልሱ ቀሊል። ከምዛ ኣብ ቅድሜኹም ትርእዩዋ ንርእሱ ናይ ንጉሰ-ነገስትነ ት ዘውዲ ክደፍእ ሕልሚ ስለዝነበሮ ሃገርና ድማ ናብ ዞባዊ ምሕደራኣ ከተንቆልቁል’ዩ’ቲ ራኢ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ። ም ኽንያቱ ብሕልናኡ ወያ ብዘይድሌቱ ዝመጸት ናጽነት ባዕሉ ከምዘምጻኣስ ከምታ ‘ዘምጻኣ’ ድማ ክድምስሳ ስለዘለዎ!

ድሕሪ ናጽነት ጥራይ’ኳ ናይ ምስግጋር ግዜ ከይሰልጥ ተተናዂሉ ከምቲ ብበረኻኡ ዝለመዶ ስዉር ውልቃዊ ቅትለት ጥ ራይ ዘይኮነ መራሕቲ ሃገርን ሽማግለ ዕርቂ ዓበይቲ ዓድን ብጅምላ ኣሲሩ ኣጽነትዎም’ዩ። እንኮላይ ብተኸታታሊ ዘይም ኽኑይ ውግኣት ምስ ኣሰልከየና ንዝተፈጥረ ክፍተት መራሕቲ ብዝግባእ ተጠቒሙሉ ኢዩ። እዚ ማለት “ጓሳ’ሞ ሓዞ ጥሪ ት ናትካ’የን” ዝዓይነቱ ማኪያቨሊያዊ ጥበብ ምዃኑ ኢዩ። ናይናቱ ድማ ደለ ምኾነ። ከፍአ ናይ’ቶም ብኢሳይያስ ጥራይ ፍታሕ ከምትመጽእ ዝምጉቱ ተመጽወቲ!

ኢሳይያስ ካብ ቅድሙ ኣንጻር ወያነ ወይ ኣምሓራ ዓሊሙ ኣይኮነን ዝወፈረ። ባዕሉ ከምዝብሎ’ውን (እቲ ስዉር ተልእኾ ገዲፍና) ኣንጻር ኢቲዮጲያዊ ሃገርነትን ህዝባን ተበጊሱ ከምዘይፈልጥ ክምሕል ክጥሕል ሰሚዕኩሞ ኣለኹም። ስለዚ ምስ ‘ዚ ከሕቅቐና ምጽንሑን ምህላዉን ብምዝማድ ቀንዲ ጸላእቱ ኤርትራን ህዝባን ጥራይ’ምበር ትግራይን ኢቲዮጲያን ኢል ካ ምሕሳብ ነብስኻ ምቕሻሽ’ዩ። ሎሚ’ውን ሃገራዊ ድሕነት ኢቲዮዒያ ዓጢጥዎ እናኽመስመሰ ምብጋሱ መርኣያኡ ኢዩ።

ማለተይ ምስ ኢቲዮጲያ ዝግበር ርክብ ጌጋ ኣይወጸንን። ጥራይ ኢቲዮጲያ ትማሊ፣ ሎምን ጽባሕን ጸላኢትና ምዃና ዝፈ ሰሰ ድምና ምስክር ብህያዉ ስለዘሎ፡ እዚ ሓጽብታት ደምና ክነቅጽን ምስታ ናይ ኩሉሳዕ ጸላኢትና ክንታዓረቕን እንተኾ ይኑ ከምቲ ኢቲዮጲያ ካብ ጣልያን ብዝተኸፍላ ካሕሳ ዲጋ ዝሃነጸትሉ’ሞ ሰላም ዝሰፈነ፡ ንሕና’ውን ኣቐዲምና ካሕሳን ጋ ርን ክንሓትት ይግባእ። ካሕሳን ጋርን ማለት ድማ ብቀዳምነት እቲ ብቀይሕ ደምና ዝተወቀጠ ዶብና ምምልካቱ ምዃኑ ክፍለጥ ኣለዎ። እዚ ከይተገብረ “ናይ ዶብ ጉዳይ ይጽናሓልና፡ ንጸጥታ ኢቲዮጲያ ከነውሕስ ኢዩ ቀዳምነትና” ብዝብል ሃ በስ-ቀደስ ዝተሸብድዐ ኢሳይያስ ናይ “ንደመር” ወደኽደኹ እናረኣና ከነስቅጥ ሞት-ክናና ምትእንጋድ ጥራይ ኢዩ።

ኢሳይያስ ከምቲ ዝብሎ ንቅድሚት ዲዩ ዝሃድም ዘሎ ንድሕሪት ከየገደሰ፣ ህድማ፡ ህድማ ጥራይ ብምዃኑ ሕጂ’ውን ናይ ኢቲዮጲያ ጸጥታ ኣይኮነን ዓጢጥዎ። ንሱ’ሞ “ዕድል ተረኺባ” ካብ ዝብል ነብሱ ከናግፍ፣ ብኡ ኣቢሉ’ውን ኣሸበሸብ እን ተኾነሉ ጸበቐ፣ እንተዘይኮነሉ ድማ ከም መፋነዊ ዓለማዊ ተቖጻርነቱ ክጽንበል ክብል’ዩ ክንድኡ ዘይንቡር ግዪጽምዪጽ።

ምስልና ምስእንጥምት ንሱ ንዓሰርተው ሽዱሽተ ዓመታት ሰባውን ቁጠባውን ነገራትና ክሓስየና ድሕሪ ምጽናሕ እንሆ ወ ያ ብግዜያዊነት ጥራይ ሒዝዋ ዝጸንሐ ሃገር ሕቖኣ ከምተጎዘዘት ስለዘረጋገጸ ቁዋሙ፣ ሰቡ፣ ቁጠባኡ ከምዝሞተ ብምእዋ ጅ “ተደሚርና” ይብለና ኣሎ። ተደሚርና ጥራይ ዘይኮነ እቲ ን20 ዓመታት ብግዳምን ብውሽጥን ዝመትናዮ ከም ደመ-ከ

ልቢ ብምቑጻር ብንዕዑ ዘሐጎሶ እናተፈንጭሕ ኣብ ቅድሚ ልቢ ዘይቆጸሩ ህጻውንትን ተመረቕቲ ሳዋን ተቐልቒሉ ምንም ከምዘይከሰርና ከበስሮምን ጣቕዒት ክዘንበሉን ተዓዘብና። ንሳቶም ገለዶኾን ወያ ሃገራዊ ኣገልግሎ እንተተመሓየሸትሎም ሓሲቦም ከጣቕዑ እንከለዉ ንሱን ብሰናይ መሰል ኣብነት ሕቡእ ልቢ ንጥፍኣቶም እናተተናኾለ ክንሻብ ዘረባ ጥራይ መ ጥዮዎም ከደ። ኢሳይያስ ብፍጥረቱ ክፉእ፡ ንሳቶም ብፍጥረቶም ቅኑዓት ኣበየናይ ናይ መላቐቢ ነጥቢኸ ክራኸቡ?

“ንነገሩ’ንዶ ኢሳይያስ ጉዳይ ዶብን ኤርትራዊ ሃገራውነትን እናጎሰየ ክሳዕ መዓስ’ዩ ክሰርር ዝምነ?” እንተበልኩም ስረትን ክብረትን’ሞ ካብ ደቂ ኤርትራ ቀቢጽዋ ኢዩ። ብከምኡ’ዩ’ኮ ምስ’ቲ ብፍቕሪ ያኢ ክድምረና ዝመጻደቕ ቅያር ዓሊ ዓብዱ ኢቲዮጲያዊ ራዲዮ ኦፐሬትር ነበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ሒዙ ከም ወኪል ወጻኢ ሚኒስተር ኤርትራ ከገልግል ዝተላእክሉ ዝ ተሓኸኽ ዘሎ። ምስኡ’ዩ’ውን ቁንቁኝኦም ዘይፈለጥናዮም ድርዳራት ውዕላት ተፈራሪሙ ዘሎ። እቶም ንይምሰል ዝተራእ ዩ ሓመሽተ ጉሉሓት ቀሪቦም ኣለዉ። እንተኾነ ኢሳይያስ ካብቲ ዝቐረበ እተን “ቑጠባውን ጸጥታውን” ዝብላ ክልተ ጥራ ይ ኢየን ዘገድሳኦ። ስለምንታይ ትብሉ እንተሊኹም ስዓቡኒ፦

1, ናይ ጸጥታ ውዕላት ብዝምልከት ንሱ ኤርትራዊ ናይ ምጽናት ተልእኾኡ ክሰልጦ ምስ ኩለን ምስኡ ክሰርሓ ዝደልያ ዝ ገብሮ ውዕል ሕጊ ኢንተርፖል ከምዘሎ ድሮ ገሊጸዮ ኢየ። ናይ ውሽጥስ ትሑዛት እንድዮም፡ ከምቲ ቁሪ ናብ ሃብታማት ዝወፈሮ ንሱ ድማ ናብቶም ኣብ ወጻኢ ዘለኹም ኣብዘቕናዓሉ እዋን ነብስኹም ናጻ ከምዝወጸት እንተሓሲብኩማ ተጋጊ ኹም። ኣብተን ሓያላት መንግስታት ብስዉር ዝትግበር ሕጊ ጸጥታዊ ምትሕብባር ከምዘሎ እንተትፈልጡ፡ ፖሊስ ናይታ ሃገር ስለምንታይ ብዝኸድኩሞ ከምትጸንሓኩም ምገመትኩማ። ብሓጺሩ ሰብደገ ናይ ተደላይ ቺፕስ ተገጢምልኩም ከ ምዘሎ ፍለጡ። ኣብ ትሕቲ ኤለክሮኒካዊ ቀይዲ ተደርጊምካ ምትዕናን ድማ ባርነት’ምበር ናጽነት ኣይኮነን። ብኡ ዝሸደነ ኢሳይያስ ኣብ ኢቲዮጲያ ድማ ከምቲ ንሱ ንመንግስቱ ከጥፍእ ዝለኣኾም፡ ከጥፍእዎ ንዝላኣኹ ኢቲዮጲያዊያን ይኹኑ ኤ ርትራዊያን ክቐዝፍ ስለዘንቀደ ክጥቀመሉ ክብል ነቲ ውዕል ብታሕጓስ ፈሪሙሉ ኣሎ። ክሳብሎሚ ፈሊጥናዮ ከምዘለና ሰብና ኣብታ ብሕውነት ከምትብጻሓና ዝውረየላ ትግራይ ጸኒቱ ኢዩ። ጸኒቱ ብስዉር ከምቲ ናይ ኮለኔል ወዲምኪኤል ቅ ትለት! ጸኒቱ ብስዉር ሕማም ለበዳ! ከሲሩ ብንዕዑ ዝተመጽወተ ድጎማ ስደት ተጋሩ እናገዓዙሉ! ጸኒቱ እናተዳቐለ ዘርኡ የዕኑ ስለዘሎ! ጸኒቱ ብማእለያ ዘይብሉ ጥበብ ፖለቲከኛታት ተጋሩ! ኣብኡ መቸን ብሳላ ዶላር መሸጣ ሰብ ምሒር ዝተ መሓየሻ ስድራታት ከምዘለዋ ምስኩር ኢዩ። ትግራይ ሓብትኹምዶ ዘመድኩምያ በለ!

ኣብ ኢቲዮጲያ’ውን ብተመሳሳሊ ንጽንተት ኤርትራዊ ዘይተገተረ መጻወዲያ የለን። ኣብ ኣዲስ-ኣበባ “ኣለና” ትብል ሓንቲ ካብተን ህግደፍ ብዓለሙ ዝፈነወን ሾዋቱ ከምዘላ ርኢኹማ ኣለኹም። ዓላማኣ ዘዝሃደመ ብዘይ ጸገም ኣብ ጸጋን ሽሻይን ከምዝንቆት ኣርእያ መንእሰያትና ብጅምላ ንኢቲዮጲያኦም ከምዝጉኖኹ ምግባር ዝተወጠነ ክፍኣት ኢዩ። ከም ኣብነት ወ ዲ ተስፋይ መሓሪ (ፍሒራ) ኣብኡ ካብዝኣቱ ንጽባሒቱ ኣብ ቃለ-መሕትት ከምዝቐረበ ተዓዚብኩሞ ኣለኹም። መልእ ኽቱ ኢቲዮጲያ ብጽቡቕ ከምተቐበለቶ ከብጽሕ ምዃኑ እንተተረዲእኩሞ በለጸ። እንተዘይዘረዲእኩሞ ግደፍ ካብቲ ሕን ጫል ቆልዓስ፡ ካብቲ ህቡብ ድማጻዊ ወላዲኡ’ውን ክትርድኡዎ ትኽእሉ። ተስፋይ ኣብ ጥርሑ ሂላ “ይኣኽለኻ ውቅያኖ ስ ሃብቲ” ክደርፍ እንከሎ ጉቡኡ ከምዝፈጸመ’ምበር ፖለቲካ ይሰርሕ ምንባሩ ምንም ኣይተሰቆሮን። እንሆ ድማ ሎሚ ኣቡኡ ዘፍለጠ ንኢቲዮጲያ ነቒሉ ክወላደፍ ሰሚዕኩሞ ኣለኹም። እዚ ነቲ ሓውዩ ዝነበረ በሰላኡ ዝፍሑቕ ተወሳኺ ስ ምብራት ምዃኑ ኣይምዘንግዖን። ግናስ ብንጉኡ ኣብ ፈተነ ዝተደቕደቐ ገርሂ ስነ-ጥበባዊ ስለዝኾነ ምሕረቱ የውርደሉ!

እንተ’ቲ ናይ ጸጥታ ውዕል ብከምዞም ዝተጠቕሱ ተሰንዩ ክሳብ ኹሎም ነብሶም ከም ፖለቲካዊያን ተቓወምቲ ሓሲቦም ንኢሳይያስ ዝጻብኡዎ ኤርትራዊያን ኮኑ ኢቲዮጲያዊያን ኣኽረርቲ ከምዘንጽፍ ኣይትተሃመሉሉ። ኢሳይያስን ሃገራውነትን ተቓዲዮም ኣይፈልጡን ኢዮም። ህዝበ-ኣምሕርኛ ግን ኣበይ ኢላቶ’ሞ ክሳብ ዘባድማ ፋም-ጣጥ ትበል ግደፉዋ!

ነገር ጸጥታ ካብተላዕለ ንእሽቶ ክምልእ፡ ኢሳይያስ ዝበለጸት ነብሱ ዘውሕሰላ ኢቲዮጲያዊ ዜግነትን ስልጣንን ካብተጎንዐ ክሳብ መናፍስቲ ዝጽውዕዎ ንግዚኡ ከም መዕቆቢት ክጥቀመላ ኢዩ’ሞ ፍለጡዋ’ምበር ግዲ ኣይትግበሩላ።

2, ኣብ ቁጠባዊ ውዕላትከ? መቸን ተጋሩ እንተዘይዕንቅፉዎ ኢሳይያስ እቲዮጲያ ከምትጋሃጽ ኣንጊሁ ፈሊጥዋ ኢዩ። ይዝ ከረኩም’ዩ ኣብ እዋን ዓመታት ነጻነት ኤርትራ ብኮንትሮባንዳዊ ዕዳጋ ብዘየፍረየቶ ምህርቲ ቡን ካብዓለም ቀዳመይቲ ኣቕ ራቢት ተመዝጊባ ይብሉዋ። ሎሚ ድማ ናይ ወያነ ዕግርግር ዕዳጋ ንኢሳይያስ ጉልቡብ ምርቓ ኮይንሉ ኣሎ። ወይን ቴሌ ኮምን መገዲ ኣየርን ንቻይና በይዓተን ክትብቆጽ ዝሓሰበት ስለተሰናኸላ፡ ንኣውፈርቲ ተዳሊየን ምህላወን እንተፈሊጥኩ ም፡ እቲ ካብ ህዝብን ባህሪያዊ ሃብትን ኣዕለቕሊቑ ዘሎ ዶላር ኢሳይያስ ክንደይ ብርክታት ክዕድግ ከምዝኾነ ባዕልኹም ገምትዎ። እቲ ብርክታት’ቲ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ከይመስለኩም። ኣብቲ ናይ ሓጽቢ ኣባይ ብርክታት ዘይዓደገሉ ምኽንያ ት’ውን መኸተ መለስ ስለዝበርትዖ ምዃኑ ዘዕልሉ ኣለዉ። ዝኾነ ኮይኑ ብርክታቱ ወያነ ከይትምንጥሎ ፖለቲካዊ ስልጣ ን ዝጭብጠሉ ብልሓት ክምህዝ ነይርዎ። ስለኡ ኤርትራውነቱ ኣሕቂቑ ባንዴራ ኢቲዮጲያ እንተምበልበለ እንታይ ግዱ! ኣምሓራ’ውን ጥራይ ትደመር’ምበር ካብ ወያነ እንተገላጊልዋ እንታይግዳ! ወይልኡ ኤርትራዊ!!!!

ኢሳይያስ ብሰሪ ዕሱብነቱ ሃገር ክሸይጥ ድሕር ከምዘይብል ርዱእ ኢዩ። እናሳዕ ከምዚ ኣብ ስፖርት ዝርአ ብውልቂ ኮነ ብጋንታ ካብ ብዓወት፡ ብስዕረት ዝያዳ ስለዝኽሰብ ዘይቅቡል ስዕረት ንርኢ ኢና። ኣብ ፖለቲካዊ ታሪኽና ድማ ንሱ ካብ

ብኤርትራዊ ዓወት ብስዕረት ኤርትራዊ ዝያዳ ከምዝኸስብ ዘረጋገጽናዮ ሓቂ ኢዩ። ስለኡ’ዩ በሉ ኣብ ዕለተ-ናጽነት ኮንፈ ደረሽን ዝተወዓዓለ። ስለ’ቲ ዳግማይ ውዕል’ዩ’ውን ሎሚ ምስእኒ ሻለቃ ዳዊት ብምስምማዕ ናይ ንጉሰ-ነገስትነቱ ዝፋናዊ ከብካብ ክፍጽም ናብ ኢቲዮጲያ ተበጊሱ ዘሎ። ስለዚ እምባኣር ኤርትራውነት ዳዕሚኹ ብባንዴራ ኢቲዮጲያ እንተተቐ ልቀለኩም ክሕድሰኩም የብሉን።

ስለዚ ኢናኸኣ ከምቲ መምስ-ሰኸረ ‘ዓጋመ’ ከምንብሎ ዝወቐሰና፡ ንሕና’ውን ንሱ ብንጉሁኡ ናትና ከምዘይኮነ ዝኣወጅና ን ዘዳረትናዮን። ኣብዛ እዋን’ዚኣ’ውን ኣብ ኢቲዮጲያ ፖለቲካዊ ባዶነት ሰፊኑ ከምዘሎ ዝፍለጥ’ዩ። ኢሳይያስ ስልጣን እን ተሰሚዑ ኣበይ፣ ከመይ፣ ከይበለ ክነጉድ’ዩ። ምስ ፕሮፌሶራት ኢቲዮጲያ ቀሪቡ ክዝነብ ዲዩ ክምድር? እዚ ተርእዮ’ዚኸ ንዑዑ ክጠቕሞ ዲዩ ክጉልዕሞ ቀስ እልና ክንሪኦ ኢና። ጉዳይና ከምዘይኮነ ግና ንብዓለማ ከነቃልሕ ይግባእ እብል ኣነስ።

እሞኸድኣ ንሱስ ደለይግበር። ሎሚ ኣብ ስርዓት ህግደፍ ኮነ ኣብ ስደት ኩላህና ብሓደ ከምዘለና ፍሉጥ ኮይኑ፡ ንሕና’ቶ ም ተረፍ-መረፍ ተጋደልቲ ክልቲኡ ውድባትን ሰበስልጣናት ናይቲ ስርዓትን ኣለናዶ? እንተሊናኸ ከምቲ ሕሉፍ ሎሚ ድ ማ ብጎቦ ኣዒንቲ እናተጠማመትና ዲና ክንገዳዳዕ ወይስ ሃገራዊ እንቢታ ከነርኢ? ኣለዶ እቲ ዘይሕለልን ዘይድለልን ሓፋ ሽ ህዝብናኸ? ብሓጺሩ ብዘይካ’ቶም ነብሶም ከም ገበነኛ ሓሲቦም ኣብ ቱሽቱሽ ህግደፍ ክውሸቡ ዝሓስቡ ዕሉላት፡ ሎሚ ብዛዕባ ጥፍኣት ሃገሩ ኣማዕድዩ ዝርኢ በዓል ስልጣን ኮነ ካልእ ዜጋ የሎን በሃላይ ኢየ። ኤርትራዊ ንሃገሩ ብሓንቲ ቃል ከምዝላዓል ስለዘየጣራጥር ጣቛን ጓልመገድን ገዲፍና ከምታ ናይ 6ይ ወራር ደወል ጻውዒት ሃገር ንደውል!

ዝኾነ ድማ ይኹንን ብዙሕ ውዕላት ይደርደርን ይጋዋሕን ሕቶ ኣለኒ ሕጂ ናብቶም ዕዋኖ-ዝዋኖን ዛህላይ-ማህላይን። ከምዚ ትብል ሕቶ፦

“ኢሳይያስ ሎሚ ንሳልሳይ ግዚኡ መንግስቱ ይግልብጥ ኣሎ። ናይ ሎሚ ዝፈልዮ እቲ ብውሽጢ-ውሽጢ ክገብሮ ዝጸንሐ ኢቲዮጲያውነቱ ኣውጊዑ ናይ ‘ኣንድነት’ ጻውዒት ከጽድቕ ምብጋሱ ጥራይ ኢዩ። እዚስ ካብቲ ምፍራስ ፈደረሽን ጥራይ ዘይኮነ ካብ ዳግማይ ጎበጣ ኢቲዮጲያ ብምንታዩ’ዩ ዝፍለየኩም?”

ኣቱም ሰብ ሽርሕን ጉርሕን’ውን ንጸባጸበላ መዓልቲ ኣይክትርሕቕን ኢያ። ሽዑ ማዓጹ ካርሸልታት ንዘልኣለም ክልኮት እናተመነና ብሰንክኹም ክኽፈት ምዃኑ ካብ ሎሚ ሕሰቡሉ።

እንተ’ቶም ሎሚ’ውን ኢሳይያስ ከም ኤርትራዊ ፖለቲካዊ መራሒኹም ጸብጺብኩም ገለ ትንግርቲ ከምዝገብር ትጽበዩዎ ዝጸናሕኩም ግሩሃት፡ ከምቲ ንሳቶም፡ “የኛ ሰው በኤርትራ” ክብሉዎ ዝጸንሑ፡ ንሱ ትርፎ ብጉልባብ ጉርብትና ሰላም ኢ ቲዮጲያ ከረጋግኣ’ሞ ኣብታ ኢቲዮጲያዊት ዝፋን ክኹየጥ ዝራኣዮ ዕሱብ’ምበር፡ ብኩሉ እንትንኡ ኣይናህናን ምዃኑ ተደ ጋጋሚ እዋን ተነጊሩ ክንሱ ተሃሚልኩሙሉ እንተጸኒሕኩም፡ ሎሚኸ ካብዛ ዘላ ኩነታት ተገሊህልኩምዶ ጋና ኢኹም? ማለት “መንግስትና’ኮ ለባም’ዩ፡ ጥራይ ጽንሕ ንበል’ምበር” ዝዓይነታ መጣልዒት ኣላትኩም ዲያ ወይስ ገጥ ተበጺሓ?

እንተ ነቲ ንጹህ ሃገራዊ፡ እዚ ተበጺሑ ዘሎ ናይ ምጽራይ ኣዋጅ ንዝጸንሐ ፍልልያቱ ዘትርር፣ ናብ ዝሓሸን ዝበለጸን ውህ ደት ዝመርሕ ተርእዮ ብምዃኑ ይጥርንፈና’ምበር ፍጹም ኣይፈላልየናን!

ግድን ኣይኮነን ክትኣምኑ። እንተኾነ ሎሚ መዓልቲ ምጽራይ’ምበር፣ መዓልቲ ምርጫ ኣይኮነትን’ሞ፣ ንዝማናቶ ግዜ የለን። ማለት ኤርትራ ሃገረ-ዜግነት ስለዝኾነት፣ ድሕሪ’ዛ እዋን ምጽራይ’ዚኣ፣ ካልእ ናይ ምርጫ ግዜን ኣጋጣምን የለን’ሞ፣ ጽባሕ  ማዕበል ኤርትራ ከይጸርገኩም፣ ሃየ እቲ ብመስዋእቲ ዝቐለምኩሞ መንነትኩም ኣፍልጡን ኣውሕሱን። ብዝተረፈ እቲ ማይ ከምዝዓሙኽ ዝሓስቡዎ ዜጋ እንተ ብውሽጢ ኣንተ ድማ ብግዳም ማይ ዓሚኹ እንተተሪፉ ጽባሕ ባዕላ ክትምስክር ኢያ!

ስዉኣትና ዘልኣለም ይዘከሩ! ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ!