ካልኣይ ክፋል
Source

ከመይ ቀኒኹም ክቡራት ተኸታተልቲ!!

ሓደ ክፋል ጽሑፍ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣቕሪበልኩም ነይረ፡፡ ነቲ ጽሑፍ ኣንቢብኩም ካብ መላእ ዓለም ሃናጺ ርእይቶታትኩም ዝሃብኩምኒ ዜጋታትን፡ ብተራ ረብሓ ብፍላጥን ዘይፍላጥን ኣብ ደምበ ህግደፍ ተዓስኪርኩም ዝተፈላለየ ኣሉታዊ ርእይቶታት ንዝሃብኩምኒ ሰዓብቲ መገዲ ጥፍኣትን፡ ልዑል ምስገና ከቕርበልኩም ይደሊ፡፡ ኣቱም ወግሐ ጸብሐ ንመጻኢት ርህውቲ ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ ከይተሓለልኩም ትጽዕሩን ትሰርሑን ምዑታት ዜጋታት ኣብ ዘዘለኹምዎ ኮይንኩም ሕጂ ውን ተስፋ ከይቆረጽኩም በቢዓቕምኹም ክትጽዕሩ እንዳተላበኹ፡ ነቶም ብፍላጥን ብረብሓን ተዓስኪሮም ህዝቢ ዘደናግሩ ሰብ ዕዳ ምስሉያት ዜጋታት ድማ ጽሑፋተይ ብምንባብኩም እንዳመስገንኩ ነቲ ኣብ ሓቂ ዝተደረኸ ሓበሬታን ጭብጥታትን ድማ ዕረ እንዳጠዓመኩም መዓጉዎ ክብል ይደሊ

እወ ሕጂ ውን ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራን ጠለማት ህግደፋውያንን ዕረ እንዳጠዓሞም…ናይ ኣፍሞት ጸለመታት እንዳገዓሩ፡ እቲ ሓቂ ናብ ህዝቢ ምፍናው ክቕጽሎ’የ፡፡ ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ዝገለጸኩዎ ስርሒት ፎርቶ ኣብ ታሪኽ ድሕሪ ናጽነት ኣንጻር ህግደፍ ኣንቂዶም ብኣግኡ ካብ ዝተቖጸዩ ፍጻመታት ሓደ እዩ፡፡ ፈጽምቱ ድማ ኣብ ውሽጢ’ቲ ገባቲ ስርዓት ኣብ ዝተፋላለዩ ጽፍሒታት ተመዲቦም ዝነበሩ ፖለቲካውያንን ወትሃደራውያንን ሓለፍቲ ብምንባሮም ህግደፍ ኣብ ምጥርጣርን ራዕድን ተሸሚሙ ኔሩ ኢዩ፡፡ ነቲ ስርሒት ዝወጠኑን ዝመርሑን ቀንዲ ሓለፍቲ ከኣ ሓላፊ ውድባዊ ጉዳያት ህግደፍ ዓብደላ ጃብር፡ ኣዛዚ ማእከላይ እዚ ሜ/ጀነራል ዑሞር ሓሰን ሑመድ ጠዊልን ኣማሓዳሪ ዞባ ደቡብ ሙስጠፋ ኑርሑሴን ምንባሮም ብምግላጽ ቀዳማይ ክፋል ጽሑፈይ ዛዚመ ኔረ፡፡ እቶም ቀንዲ ወጠንቲ ስርሒት ፎርቶ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፈጸምዎ ግፍዒን ዘሕደርዎ በሰላታትን ንኹሉ ግሁድ እዩ፡፡ ከም ሳክቲዝም ኣብ ሃገርና ዝተፈጸሙ ኩሎም ዘስካሕክሑ ግፍዒታት ብዘይኣፍልጦ ኢሳይያስ ከምዘይተፈጸሙ ይኣምን፡፡ እዞም ሓለፍትን ድሒሮም ዝግለጹ ሰዓብቶምን ድሕረ ባይቶኦም ብዘየግድስ ኣብቲ እዋን ዘልዓልዎ ሕቶታት ግን እዋናዊ ጠለብ ውጽዕ ህዝቢ ኤርትራ ብምንባሩን፡ ብምኽንያት 4ይ ዓመት ፍጻመ ስርሒት ፎርቶ ዘዳለኹዎ ካልኣይ ክፋል ጽሑፍ ድማ እንሆ፡፡

ውዳቤታት መፋርቕ 2012

ካብ ስሜን ኣፍሪቃዊት ሃገረ ቱኒዝያ ዝተበገሰ ኣዚዩ ተላባዒ ናዕብታት ሃገራት ዓረብ (Arab Spring)፡ ናብ ኤርትራ ከይልሕም ኣብ ሓያል ሻቕሎት ዝተሸመመ ኣባጓይላ ኢሳይያስ፡ ኣብ 2012 ካብ ዘተግበሮም መጻንሒ ውሳነታት፡ መጽብዓ ውህሉል 50 ሺሕ ናቕፋ፡ ዓይነታዊ ደገፍ ንስድራቤት ሰራዊት፡ ሃንደበታዊ ተኽሊጥ ሃማመተኤ፡ ተኸታታሊ ኣኼባ ኣዘዝቲ ኣሃዱታትን ብተወሳኺ እቲ ዝዓበየ ካልእ ጉዳይ ከኣ ብኣልማማ ዝተኻየደ ታዕሊምን ምዕጣቕን “ህዝባዊ ሰራዊት”ን ኔሩ፡፡ ኣብቲ እዋን ምስ ዝኾነ ሓላፊ ከይዘተየን ከይተማኸረን ሃንደበት ካብ ኣፍልጦ ሚ/ሪ ምክልኻል ወጻኢ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2012 ኢሳይያስ ኣብ መላእ ሃገር ንዝርከቡ ኣማሓደርቲ ዞባታትን ንኡሳን ዞባታትን “መደባት ምዕጣቕ ህዝብን ሓለዋ ከባቢታትን” ዝብል ሰርኩላር ኣውሪዱ፡፡ ነቲ ሰርኩላር ናብ ኩሎም ኣመሓደርቲ ብመልክዕ ድብዳቤ ዘዝርገሐ ድማ ኮሎኔል ተስፋልደት ኮይኑ፡ ኣብ ትሕዝቶኡ “ዓይነት ሞያን ምድብ ስራሕን ብዘየግድስ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ካብ ሃገራዊ ኣገልግት ዝተፈለዩ፣ ዝተጣየሱ፣ ዝተፋነው፣ ዝኾብለሉን ዝተኸወሉን ፣ ዕድሚኦም ካብ 40 ክሳብ 65 ዘለው ኩሎም ዜጋታት ኣብ ኩለን ምምሕዳር ዓድታት ተመዝጊቦም ብህጹጽ ብረት ክዓጥቁን ክዕለሙን ኣለዎም” ይብል፡፡ ከምቲ ድሒሩ ኣብ ቃለ መሕተት ኢሳይያስ “…እዚ ሓድሽ ነገር ኣይኮነን፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ቀደሙ ዕጡቕ ኢዩ” ኢሉ ዝገለጾ ዘይኮነስ ካብ 2012 ጀሚሩ ብኣልማማ ዝተተግበረ ምዕጣቕ ህዝባዊ ሰራዊት ንመላእ ኣቦታት ኤርትራ ንሕማም፣ ሞትን ምክልባትን ዝዳረገ፡ ሃገር ብምልእታ ክትድስክል ዝገበረ፣ ታሪኽ ዘይርስዖ ኣዚዩ ግዕዙይ መደብ ‘ዩ፡፡

ሓለፍቲ ኣሃዱታት ዕቑር ሰራዊት ምስ ኣማሓዳርቲ ዞባታት ብምውህሃድ ኣብ ከከባቢኦም ዝርከቡ ኣባላት ዕቑር ሰራዊት እንዳዋፈሩ ኣካላዊን ጥዕናዊን ኩነታቶም ብዘየግድስ ኣብ መላእ ሃገር ደው ኢሉ ዝሸይን ዘበለ ሰብ ኣብ መሳርዖም ኣሰሊፎም ኣብ ኩሎም ዞባታት ምዕጣቕ ብረትን ጽዑቕ ታዕሊማትን ተጀሚሩ፡፡ “ብሓደ ኢድካ ዕርፊ ብካልእ ኢድካ ብረት” ተባሂሉ ካብ መፋርቕ 90ታት ጀሚሩ ኣብ ኩለን ዞባታት ዝተወደበ “እዚ ዕቑር ሰራዊት” ልዕሊ ካልኦት እዚታት ጎብለል ኮይኑ ሃገር ከጨንቕ ህዝቢ ከከላብት ጀመረ፡፡

ብርጋዴር ጀነራል ተኽለ ክፍላይ (ማንጁስ)፣ ብርጋዴር ጀነራል ገብረሂወት ዘሚካኤል (ወዲ ሊቀን) ሓላቓ ስታፍ ሓይሊ ባሕሪ ነበር ብርጋዴር ጀነራል ፍጹም ገብረሂወት (ወዲ መምህር) ድማ እቶም ቀንዲ ሓለፍቲ ኮይኖም ብኢሳይያስ ተመዘዙ፡፡ “እዚ ዕቑር ሰራዊት” ስሙ ተለዊጡ “እዚ ዕቑርን ህዝባዊ ሰራዊትን” ተባሂሉ ማእከላይ ቤ/ጽሕፈቱ ኣብ ከረንን ኣስመራን ብምቋም ካብ መላእ ሃገር ብወለንታን ብግዴታን ዝተውጻእጽኡ ኣቦታትናን ኣያታትናን ኣብ ትሕቲ ክፍላተ ሰራዊት 53፡ 55፡ 57፡ 59፡ 61፡ 63፡ 65፡ 67 ክውዝዑ ጀሚሮም፡፡ ንኣብነት ኣብ ኣስመራ ጥራይ ኣብ ከባቢ ሕምብርቲ፣ ቆላቑል፣ ጋሕተላይን ካልኦትን ዝተዓለሙ ኣቦታት፣ ሰራሕተኛታት መንግስትን ነጋዶን ኣብ ትሕቲ ክ/ሰ 59 ተወዚዖም፡፡

እዚን ቁጽጽርን ሚ/ሪ ምክልኻል ምስተዛብዐ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ግንባራት ከይተረፉ እድቡ ጠፊእዎም ነዚ ሓድሽ ውዳቤ “እዚ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ” እንዳበሉ ክጫረቑ ተሰሚዖም፡፡ ምዱብ ሰራዊት ካብ ኣዶ ኣሃዱታቱ ኮብሊሉ ናብ ዞባታት ብምህዳም ኣብ ትሕቲ ዕቑርን ህዝባዊን ሰራዊት እንዳተሰለፈ ስለዝኸደ ኣብ ድፋዕ ዝርከብ ሓይልታት ብሕጽረት ዓቕሚ ሰብ ጸሪሩ ኣዘዝቲ ነንባዕሎም ክባልዑ ጀመሩ፡፡ ኣብ ሕድሕድ ቤት ናይ ሓንቲ መስርዕ ብረት ተኸዚኑ፡ ኣንስቲ ናይ ዝኾብለሉ ሰብኡትን ብረት ክወስዳ እንዳተገደዳ ብተወሳኺ ኣብ ቋሕ ሰም ቤት ኣልቦ ዝገብር “ምፍራስ ኣባይቲ” ዝበሃል ስጊንጢር ኢሳይያሳዊ መስርሕ ቀስብቐስ ተጋህደ፡፡

ሃገር ኣብ እዋን እቶ እቶ ዘላ ክትመስል ዘዝተዓለመ ኣብ መሳርዕ ተወዚዑ፡ ቀትርን ለይትን ከባቢታቱ ክሕሉ ዘግድድ ተወሳኺ ሰርኩላር ናብ እዚ ዕቑርን ህዝባዊ ሰራዊትን ምስ ወረደ ድማ ኩለን ትካላት መንግስቲ ዚያዳ ክድስክላ ጀሚረን፡፡ ሓካይም፣ መማህራን ዳይሬክተራትን ካልኦት ሰራሕተኛታት መንግስትን ቀትርን ለይትን በብእብረ ከባቢኦም ክሕልው ስለዝተገደዱ ንምግላጹ ዘጸግም ምቁርራጽ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ተፈጥረ፡፡ ኣብ ኩለን ዞባዊ መደበር ታዕሊማት ቁጽሪ ኣብ ታዕሊም ዝሞቱ ኣቦታት ክብ እንዳበለ ከደ፡፡ (ክቡራት ኣንበብቲ ኣብ ዘዘለኹምዎ ኮይንኩም ኣብ ታዕሊም ህይወቶም ናይ ዝሰኣኑ ትፈልጥዎም ኣቦታት ኣስማትን ድሕሪ ባይታን ብኮሜንት ክትጽሕፉ ተስፋ ይገብር፡፡)

ብሓፈሻ ኣልማማዊ ምዕጣቕ “ህዝባዊ ሰራዊት” ከም ሳክቲዝም ኣብዚ ሕጂ ኮይነ ክሓስቦ እንከለኹ ኣዚዩ የደንጽወኒ፡፡ ሓድነቱ ኣጥፊኡ ብቂምን ቅርሕንትን ክምላእን ክተፋንን ዝገበሮ ህዝቢ ኢሳይያስ ኣኣብ ገዝኡ ሓዊ ከቕብሎ እንከሎ ኣብ ታሪኽ ዓለም ካብቶም ተራኢዮም ዘይፈልጡ ዘይሓላፍነታዊ ተግባራት ሓደ ብምኻኑ ክሳብ ሕጂ ይገርመኒ፡፡ ከምቲ ልሙድ ድማ በዓል ተኽለ ማንጁስ ጎባልል ሰብ ግዜ ኮይኖም ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝተፈላለዩ ቤት ማእስርታት ኣቑሞም “ኣይተዓለምካን፡ ኣይዓጠቕካን” ብዝብል ቆልዓ ሰበይቲ ከይፈለዩ ህዝቢ ከፈራርሑን ክኣስሩን ጉቦ ክበልዑን ጀሚሮም፡፡ ብፍላይ ኣብ ኣስመራ ኣብ ከባቢ ፊንላንድ ሚሲዮን ብተኽለ ማንጁስ ዝተደኮነት ትሕቲ ምድሪ ቤት ማእሰርቲ ብድሆ ብዙሓት ዜጋታት ብምስምስ “ህዝባዊ ሰራዊት” ዘሕቐቑላ ቦታ እያ፡፡ (በዛ ቤት ማእሰርቲ ዝሓለፍኩም ዜጋታት ሓበሬታ ኣብ ኮሜንት ክትውስኹ ተስፋ ይገብር)

ብኹሉ መለኪዒታት መስርሕ ምዕጣቕ ህዝባዊ ሰራዊት ዝፈጠሮ መኽሰብ እንተሎ ሞትን ማእሰርትን ኣቦታትን፡ ምክልባት ስድራቤታትን ምድስካል ቁጠባ ሃገርን ጥራይ ኢዩ፡፡ ኣብ ቀደማይ ክፋል ዝገለጽኩዎምን ሃገር ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ዕንወት ህሞት ጢሒላ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ብበዓል ዓብደላ ጃብር ዝተሃንደሰ “ዕልዋ መንግስቲ” ብስም “ስርሒት ፎርቶ” ብ21 ጥሪ 2013 ተኸስተ፡፡

ዝርዝር ኣፈጻጽማ ስርሒት ፎርቶ

ብዙሓት ዜጋታትን ገለ ተበለጽትን ንስርሒት ፎርቶ መሰረት ጌሮም ኣብ ዝህብዎም ትንታነታት፡ መንግስቲ ነቲ ስርሒት ኣቐዲሙ ይፈልጦ ምንባሩ ክገልጹ እንከለው፡ ገሊኦም ድማ ባዕሉ ኢሳይያስ ዝፈጠሮ ተዋስኦ ምንባሩ ይዛረቡ፡፡ ብዓይኒ ሓቂ ግን እዞም ክልተ ትንታነታት ቅኑዕ ሓበሬታ ካብ ዘይምህላውን ዘይውዱዕ ጭብጥታት ኣተኣሳሲርካ ካብ ምርኣይ ዝብገሱ ብምኻኖም ንሰማዒ ምኽኑያት ክመስሉ ይኽእሉ፡፡ ብዝኾነ ስርሒት ፎርቶ ብኽልተ መሰረታዊ ምኽንያታት ክሳብ ዝተፈጸመሉ ዕለት መንግስቲ ዝኾነ ዓይነት ሓበሬታ ከምዘይነበሮ ክገልጸልኩም እደሊ፡፡ መጀመሪያ በቲ እዋን መንግስቲ ኣብ ሃገራት ዓረብ ዝተፈጠረ ናዕቢ ናብ ኤርትራ ከይልሕም ንምትእኽኻብ መንእሰያትን ምዕጣቕ ህዝባዊ ሰራዊትን ኣድሂቡ ይሰርሕ ምንባሩ ኢዩ፡፡ ብካልእ ሸነኽ ድማ እቲ ስርሒት ብዓይኒ ጥርጣረ ብዘይጥመቱ ምክትታል ብዘይግበረሎም ዉሑዳት ሓለፍቲ ኣብ ሓጺር ግዜ ዝተወጠነ ብምንባሩ ኢዩ፡፡

ፕረሲዳንት ኢሳይያስን ሓለፍቲ ጸጥታን ብዛዕባ ስርሒት ፎርቶ ሓበሬታ ዝሰምዕሉ በመገዲ ጀነራል ስብሓት ኢፍሬም ኣቢሉ በቲ ዕለት ዳርጋ ማዕረ ህዝቢ ኣስመራ ኢዩ፡፡ ድሕሪ ምቕያድን መርመራን ፈጽምቲ ስርሒት ፎርቶ ግን ኩሎም ዝምልከቶም ሓለፍቲ ብዛዕባ ዝርዝር ኣፈጻጽማ እቲ ስርሒት ሓበሬታ ክረኽቡ ኪኢሎም ኢዮም፡፡ ምስቲ ዝነበረ ሸበድበድ ፈለማ ኣብ መርመራን ምጽራይን ብኢሳይያስ ሓላፍነት ዝተውሃቦም ኣካላት 4 ሓለፍቲ ቤ/ጽ ፕረሲዳንት፡ 6 ሓለፍቲ ወኪል ሃ/ድሕነትን ገለ ኣባላት መኮነን መራኸቢታት ሚ/ሪ ምክልኻል (ክፍሊ ወትሃደራዊ ጠለፋ) እዮም፡፡ ካብዞም ኣካላት ብዝተፋለለዩ መገድታት ዝተረኸበ ሓበሬታ ድማ ዝስዕብ ኢዩ፡፡ ( ክቡራት ተኸታልቲ ብሰንኪ ተኣፋፍነቱ ንገለ ዜጋታትን ሓለፍትን ኣብ ሓደጋ ንዘይምእታው ኣብ ዝርዝራቱ ገለ ሓበሬታ ካብ ምጽሓፍ ከም ዝተቖጠብኩ ክገልጸልኩም እደሊ)

ዓብደላ ጃብር ዝወደቦም ሓለፍቲ ኣብ መፋርቕ 2012

ብ1952 ካብ ኣቦኡ መሓመድ ማሕሙድ ጃብር ካብ ኣዲኡ ወ/ሮ ፋጡማ ዑሞር ኣብ ኣፍ ዓበት ከተማ ተወሊዱ፡፡ ካብ 1ይ ክሳብ 11 ክፍሊ ኣብ ኣፍ ዓበትን ባጽዕን ተማሂሩ፡፡ ኣብ 1970ታት ብሱዳን ኣቢሉ ናብ ወጻእ ብምኻድ ብኡንብኡ ናብ ህዝባዊ ግንባር ተሰሊፉ፡፡ ኣብ ሜዳ ኣብ ክፍሊ ሕክምና፡ ባህላዊ ጉዳያትን ጋራዣትን ድሕሪ ምግልጋሉ ድሕሪ ናጽነት ፈለማ ኣማሓዳሪ ኣውራጃ ኣቑርደት ቀጺሉ ከኣ ሓላፊ ውድባዊ ጉዳያት ህግደፍ ብምኻን ኣገልጊሉ፡፡ ጸብጻባት መርመራ ሃገራዊ ድሕነት ከምዝሕብርዎ ብዕለት 21 ጥሪ 2013 ኣብ ዝተገብረ ስርሒት ፎርቶ ቀንዲ ቀላሲን ሃንዳሲን ተባሂሉ ኣብ ቀይዲ ካብ ዝውዕል ዛጊት 4 ዓመታት ሓሊፍዎ… ብልማዳዊ ኣጸዋውዓ ዓብደላ ጃብር ተባሂሉ ዝጽዋዕ ካብቶም ቀንዲ 5 ላዕለዎት ሓለፍቲ ማእከላይ ቤ/ጽ ህግደፍ ዝነበረ ዓብደላ መሓመድ ማሕሙድ ጃብር፡፡

ብፍላይ ካብ 2011 ጀሚሩ ኣብ ማእከላይ ቤ/ጽሕፈት ህግደፍ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ምስ ዋና ጸሓፊ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድን ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት የማነ ገብረኣብን ክሰሓሓብ ጀመረ፡፡ ምስሕሓቦም እንዳተጋደደ ምስ ከደ ክሳብ ኢሳይያስ በጺሑ ኣብ ሓደ እዋን ኢሳይያስ ውን ከተዓርቖም ፈቲኑ ነይሩ፡፡ ብፍላይ ካብ ፈለማ 2012 ጀሚሩ ምስ ኢሳይያስን ኩሎም ሓለፍቲ ህግደፍን ብንእሽቶን ብዓቢን ክበኣስ ዝጀመረ ዓብደላ ጃብር ካብ ቤ/ጽሕፈቱ ምብኳር፡ ኣብ ኣኼባታት ንዘይምስታፍ ምሕንጋድ፡ ኣልኮላዊ መስተን ሽጋራን ምብዛሕ ምጅማሩ ቅድሚ ፎርቶ ዝተረኣየ ፍሉይ ተርእዮታት ነይሩ፡፡ ምስ ጀነራል ፍሊጶስን ሚ/ር ዜና ዓሊ ዓብዱ እውን ሕዱር ጽልኢ ነይርዎም፡፡ ካብ ኩሎም ላዕለዎት ሓለፍቲ ምስ ጀነራል ስብሓት፡ ኣምባሳዶር ዑስማን እድሪስ ጅምዕ፡ ምስ ጸሓፊ ህግደፍ ዞባ ማእከል ነበር ኣሮን ታደሰ ጽቡቕ ምቅርራብ ነይርዎ፡፡

ድሕሪ ማእሰርቱ እውን ብሓላፊ ኣካል መርመራን ምጽራይን ውሽጣዊ ጸጥታ መጀር ካሕሳይ በየነን ብጾቱን ኣብ ዝተገብረሉ መርመራ ከምዝገለጾ ንዓመታት ንባዕሉ ኣካል ዕንወትን ጥልመትን ኮይኑ ምጽንሑ ብምእማን ካብ ሎሚ ጽባሕ እንዳበለ ተጸሚሙ ምንባሩን ድሕሪ ናጽነት ህዝቢ ኤርትራ ናጽነቱ ተጨውዩ ብቕዋም ዘይምምርሑ፡ ወናኒ ፖለቲካዊ ስልጣን ዘይምኻኑ፡ ልምዓት ዘይምርግጋጹ፡ ብኩናትን ወረ ኩናትን ብምስቓዩን ግዳይ ስደትን ውርደትን ምኻኑ ብምግላጽ ካልእ ይትረፍ ኣብ ኣጋ እርጋኑን ቅድሚ ምሟቱን ገለ ታሪኽ ሰሪሑ ክሓልፍ ምምራጹ ከምዝወሰነ ሓቢሩ ኢዩ፡፡

ብውጽኢቱ ከኣ ንኣስታት 9 ኣዋርሕ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ብሕቡእ ረኺቡ ክጉስጉስን ክውድብን ከምዝጸንሐ ጠቒሱ፡ ቀንዲ ኣበጋጋሲን ሃንዳሲን እቲ ስርሒት ብምኻኑ ንበይኑ ሓላፍነት ክወስድ ከምዝኽእል ብድፍረት ተዛሪቡ፡፡ ኣብ ውሽጢ 9 ወርሒ “ዕልዋ መንግስቲ” ከካይዱ ዝወደቦምን ዝኣመነሎምን ሓለፍቲ ድማ ብቑጽሪ ክሳብ 27 ኮይኖም ኣብ መወዳእታ ምቹእ ኣጋጣሚታት እንዳተጸበዩ ብጻውዒት ኢሳይያስ ኣብ ዝተጠለበ “ስሉሳዊ ኣኼባ” ንምፍጻሙ ተሰማሚዖም ምንባሮም ገሊጹ እዩ፡፡

ካብ ውጥን ጀሚሩ ክሳብ ፍጻመ ብቐጥታን ብተዘዋዋሪን ኣብቲ ውዳቤ ዝነበሩ ቀንዲ ሓላፍቲ እዞም ዝስዕቡ’ዮም፡፡

1. ሜጀር ጀነራል ዑመር ሓሰን ሑሞድ ጠዊል ኣዛዚ ማእከላይ እዚ
2. ሙስጠፋ ኑርሑሴን ኣማሓዳሪ ዞባ ደቡብ…
3. ኣሕመድ ሓጅ ዓሊ ሚ/ር ጸዓትን መዓድንን
4. ኮሎኔል ስዒድ ዓሊ ሕጃይ ሓለቓ ስታፍ ሜካናይዝድ ክ/ሰ 42
5. ኮሎኔል ሳልሕ ዑስን በኺት ኣዛዚ ክ/ሰ 17
6. ኢብራሂም ቶቲል ገዲም ተጋዳላይ ኣባል ፈጻሚት ሽማግሌ ህዝባዊ ግንባር ነበር
7. ኣልኣሚን ሸኽ ሳልሕ ሓላፊ ዴስክ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ኔሩ ዝደስከለ
8. ኮሎኔል ተስፋማርያም ሃይለ (ወዲ ኣሜሪካ) ኣካያዲ ስራሕ ቤ/ጽ ዞባ ደቡብ
9. ኮሎኔል ሳሊም ዓሊ ኣዛዚ ፖሊስ ዞባ ዓንሰባ
10. ኮሎኔል ሓምድ ኑር ዓሊ ኣዛዚ ፖሊስ ዞባ ደቡብ
11. ሌ/ኮሎኔል ኣለም መንግስትኣብ (ግዝዋ) ክ/ሰ 42 ኣዛዚ 2ይ ብርጌድ
12. ሌ/ኮሎኔል ኣብርሃም ገብረሚካኤል (ግላዋ) ክ/ሰ 49 ኣዛዚ 2ይ ብርጌድ
13. ሌ/ኮሎኔል በርሀ ዕቑባሚካኤል ገረዝጊሄር (ዕንሹ) ክ/ሰ 42 ኣዛዚ 3ይ ብርጌድ
14. መጀር ዑመር ሑሞድ ሓላፊ ክፍሊ ስልጠና ሓይሊ ኣየር
15. ኣሮን ታደሰ ጸሓፊ ህግደፍ ዞባ ማእከል
16. ሃገር ጋንዛይ ሓላፊ ሃማመተኤ ዞባ ደቡብን (ደሓር ዞባ ማእከል)…እዮም፡፡

(ክቡራት ተኸታተልቲ ድሕሪ ፍጻመ ኣብ ቀይዲ ዝወዓሉ ልዕሊ 100 ዝግመቱ ዜጋታት ብተራ ጥርጠራን ዕርክነትን ዝተቐየዱ ኮይኖም በቢወገንኩም እትፈልጥዎም ቅዩዳት ከምቲ ልሙድ ብመልክዕ ኮሜንት ክትጽሕፉ ተስፋ እገብር፡፡)

20 ጥሪ ምሸት ሰዓት 9፡00

ማእከላይ ቤ/ጽሕፈታ ደቂምሓረ፡ መእዘዚኣ ኣብ ጾሮና ዝነበረት ካብ ከባቢታት ገርገራ ክሳብ ኩዶ ወይባ ኣብ ዝርከብ ድፋዕት ኣሲራ ዝነበረት ክ/ሰ 17 ብዕለት 20 ጥሪ ሓድሽ ተርእዮ ኣጓነፈ፡፡ ብትእዛዝ ኣዛዚ ክ/ሰ ኮሎኔል ሳልሕ ዑስማን ኣብ ከባታት ዓዲ ኩቱ ክሳብ ኩዶወይባ ካብ ዝነበረት 3ይ ብርጌድ ብተስፋሂወትን ገሬን ዝበሃሉ ዝእዘዛ ክልተ ቦጦሎኒታትን፡ 7 ኣባላት ስለያ ብርጌድን ከምኡ ውን ብኣዛዚ 4ይ ብርጌድ ሌ/ኮ ዮሴፍ ገብረማርያም (ወዲ ቀሺ) ዝእዘዙ ገለ ኣባላት 1ይን 2ይን ቦጦሎኒ ምስ ሙሉእ ዕጥቆም ካብ ቃላይ በዓልቴት ዝተበገሳ ክልተ በጣሓት ክስቀሉ ተኣዚዞም፡፡

ኣብ ከባቢ ዓዲኳላ ካብ ዝነበረት ብኮሎኔል ኣስመላሽ ገረዝጊሄርን ሓለቓ ስታፍ ኮሎኔል ስዒድ ዓሊ ሕጃይ (ወዲ ዓሊን) ትአዘዝ ሜካናይዝድ ክ/ሰ 42 እውን ተመሳሳሊ ተርእዮ ኣጓነፈ፡፡ ወዲ ዓሊ ንምክትል ኣዛዚ ቦጦሎኒ ሃይሚካኤል ሓጎስ 5 T-55 ዝበሃላ ታንክታት ከዳሉ ኣዘዞ፡፡

——————ሳልሳይ ክፋል ይቕጽል————–