ኣቦጓይላ ጥፍኣት ኢሳይያስ ን25 ዓመታት ዝሰርሖ ተዋስኦ ብመጽብዓታትን ሓደስቲ ሜላታትን ተሰንዩ ሎሚ’ውን ከይሓነኸ ደጊምዎ እዩ።

“ንብዙሓት ተኸታተልቲ ኣዝዩ ዘስሓቐን ዘደንጸወን ቃለ መሕትት 2017፡ ሓዲግዎ ዝሓለፈ መልእኽቲ እንተሎ ኢሳይያስ ዝተረፈ ዕድሜኡ ከምት ልሙድ ብመጽብዓ ክሕልፎ ምምራጹን፣ ኣብቲ መወዳእታ ድርኹኺት ዕርበቱ ምብጽሑን እዩ፡፡ ኣብ ትሕዝቶታት ቃለ መሕትት ኢሳይያስ ኩሉ ስለዝተዓዘቦ ብዙሕ ክዛረብ ኣይደልን፣ ድሕሪ ቃለ መሕተትን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተርኣዩ ህዝብና ክፈልጦም ዝግብኦም ጉዳያት ዝምልከት ገለ ክብለኩም”፡፡

ከመይ ቀኒኹም ክቡራት ተኸታተልቲ!

ፈለማ ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ስለሰዝተፈለኽኹም ይቕሬታ ይሓትት፡፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኹርናዓት ዓለም ኮይንኩም ድሃይ ዝሓተትኹምንን ሻቕሎትኩም ዝገለጽኩምለይ ዜጋታት ልዑል ምስጋናን ኣኽብሮትን ይብጻሕኹም፡፡

ብዝኾነ ዝጠፋእኩሉ ምኽንያት ከምቶም ገለ ዑሱባት ዝብልዎ “ሓለንጋ ሰውራ. . .” ኣርኪባትኒ ወይ ድማ ካብ ቃልሲ ስለዝተፈለኹ ዘይኮነስ ብናይ ውልቂ ምኽንያት እዩ፡፡ ብወገነይ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንዓመታት ወይ ድማ ንኣዋርሕ ተዋዓዊዑ ዝቅህም ዘይኮነስ ብቐጻልነት ብሓባራዊ ትብዓትን ተወፋይነትን ናብ ዓወት ዝወስድ ነዊሕ መስርሕ ምዃኑ ስለዝኣምን ክሳብ እታ ንትምነያ ዲሞክራሲያዊት ሃገር እንፈጥር ካብዚ መስርሕ ብዝኾነ ምኽንያት ክእለ ኣይደልን፡፡

ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ከይትኣለዩ ድነ ጥልመትን ጥፍኣትን ከይተቐንጠጠ ዘቋርጾ ቃልሲ የልቦን፡፡ እታ ቀደም ንፈልጣ “ሓለንጊ ሰውራ. . . “ ድማ ጥልመት ሳዕሪሩ ህዝቢን መንግስትን ከብድን ሕቆን ምስኮነ ቀደም ተበቲኻ እያ፡፡ እቲ ዝገርም ግን ዕሱባት ሰዓብቲ ህግደፍ ሕጂውን ብሓለንጊ ሰውራ ከጉባዕብዑን ህዝቢ ከፈራርሁን ምርኣይና እዩ፡፡

ብምስምስ “እስላማዊ ጥሩፍነት. . .” ተሳቢቡ ንመብዛሕትኡ ህዝቢ ኤርትራ “ሚስጥር” ኮይኑ ዝጸንሐ ጉዳይ ስርሒት ፈርቶ ዝምልከት ሓበሬታ ብክልተ ክፋላት ኣቕሪበልኩም ምንባረይ ዝዝከር እዩ፡፡ ንህልው ኩነታት ተሳተፍቲ ስርሒት ፈርቶን ዝርዝር ኣፈጻጽምኡን ዝምልከት ሓበሬታ ኣብ ሳልሳይ ክፋል ኣብ ቀረባ ከቕርበልኩም እየ፡፡ ንሎሚ ግን ድሕሪ ቃለ መሕተት ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣብ ውሽጢ ሃገርና ዝተርኣዩ እዋናዊ ኩነታት ዝምልከት ገለ ሓበሬታ ይፍንወልኩም፡፡

ከምትተዓዘብኩሞ ኣቦጓይላ ጥፍኣት ኢሳይያስ ን25 ዓመታት ዝሰርሖ ተዋስኦ ብመጽብዓታትን ሓደስቲ ሜላታትን ተሰንዩ ሎሚ ውን ከይሓነኸ ደጊምዎ እዩ፡፡ ወረ! ሎሚዘበንሲ ኣብ ኢሮጳ እቲ ዝልዓለ ቁጠባ ዝሃነጸት ንመራሒት ሃገረ ጀርመን ኣንጌላ መርክል ከይሓፈረ ክዘልፍን ክነቕፍን ሰሚዕናዮ፡፡ ኣታ ሎምስ መን ክሓፍረሉ እዩ?. . . ዓሚ “ብጋዓት ምሸላ” ሎምዘበን ድማ ብኣንጌላ መርክል ዝተሰነዩ ትንታነታት ኣቦጓይላና እናሓደረ ክንደየናይ እንዳፈኾሰ ምምጽኡን ፡እታ ዝተረፈት ናይ መወዳእታ እስትንፋሱ እንዳተንፈሰ ንምኳኑ እኹል መርኣያ እዩ፡፡ ንብዙሓት ተኸታተልቲ ኣዝዩ ዘስሓቐን ዘደንጸወን ቃለ መሕትት 2017፡ ሓዲግዎ ዝሓለፈ መልዕኽቲ እንተሎ ኢሳይያስ ዝተረፈ ዕድሚዑ ከምት ልሙድ ብመጽብዓ ክሕልፎ ምምራጹን ኣብ ናይ መወዳእታ ድርኹኺት ዕርበት ምብጽሑን እዩ፡፡ ኣብ ትሕዝቶታት ቃለ መሕትት ኢሳይያስ ኩሉ ስለዝተዓዘቦ ብዙሕ ክዛረብ ኣይደልን ድሕሪ ቃለ መሕተትን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተርኣዩ ህዝብና ክፈልጦም ዝግብኦም ጉዳያት ዝምልከት ገለ ክብለኩም፡፡

ሀ. ሓዱሽ ውጥን ምሕያል ግንባር

ኢሳይያስ ከምቲ ኣብ ቃለ መሕተት ዘተምብሆ ኣብ 2017፡ ካብ ዝተትሓዙ “ዓበይቲ መደባት“ ሓደ “ምሕያል ግንባርን ምጥያስ መኸተ ግንባራትን” ዝብል መደብ እዩ፡፡ ኣብ ባጽዕ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ካቢኔ ሚኒስትራት ውን፡ ኢሳይያስ ሰፊሕ መግለጺ ካብ ዝሀበሎም ጉዳያት ሓደ እዚ መደብ ኮይኑ “ብዝተፈላለየ ዘቤታዊን ግዳማዊን ጸገማት ንኣስታት 23 ዓመታት ኣብ ሰንከልከል ዝጸንሐ ህግደፍ ከም ብሓዱሽ ንምሕያል ሓደስቲ እስትራቴጂካዊ መደባት ብምትእትታው ብዓቕሚ ሰብ ብትሕዝቶን ብቕርጺን ብምሕያል ቀጻልነቱ ምርግጋጽ ዝብል ዕላማ ዘለዎ እዩ፡፡

ኢሳይያስ ኣብ 2017 ብውሕዱ ካብ ዘርኣዮም ሓደስቲ ባህርታት ሓደ ንገለ ጸገማቱ ብዘይ ንጹር ኣገባብ ምእማን ኮይኑ ኣብ ኣኼባ ካቢኔ ሚኒስትራት እውን ጎኒ ንጎኒ ምጽራፍ ንሚኒስትራት ብግልጺ “ህግደፍ ዝብሃል ውድብ የለን፡ ህግደፍ ፈሪሱ እዩ፡ ህግደፍ ስማዊ ካብ ዝኸውን ዓመታት ኣቑጺሩ እዩ፡ ስሩዕ ኣኼባን ውድን ባይቶን ዘየብሉ ውዳቤ ኣይሰርሕን፡፡” ክብል ተሰሚዑ እዩ፡፡

ኣብ መወዳእታ ኢሳይያስ ንህግደፍ ከምብሓዱሽ ንምህናጽ መደባት ከምታሓንጸጸ ብምትንታን ብኣወዳድብኡ ቅርጹን ኪኢላዊ ዓቕሚ ሰቡን ዝተፈለየ ሓዱሽ ሰልፊ ክንሃንጽ ኢና ኢሉ ተዛሪቡ እዩ፡፡ ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ ሚኒስትራት ብድፍረት ተቓውሞ ዋላ ኣየስምዑ እምበር ዳርጋ ኩሎም ተደርቢሾም ኔሮም፡፡

ንኣስታት 23 ዓመታት ኩሉ መሓውራት ሰልፊ ብሒቱ ከምድላዩ ክእዝዞን ከደስክሎን ዝጸንሐ ሰልፊ ሕጂ ሓዱሽ ውዳቤ ንምንታይ ኣድለዮ? ዝዓይነቶም ስምዒታት ኣብቶም ተኣከብቲ ተርኣዮም እዮም፡፡ ድሕሪ ኣኼባ ካቢኔ ሚኒስትራት ‘ውን እቲ ሓበሬታ እንዳለሓዂ ካብ ማዕኸላይ ቤት ጽሕፈት ክሳብ ሓለፍቲ ንዑሳን ዞባታት ህግደፍ ተባጺሑ መዘራረቢ ኮይኑ ኣሎ፡፡

ምስ ዝኾነ ሓላፊ ከይዘተየ ኣብ ቃለ መሕተትን ኣኼባ ካቢኔ ሚኒስትራትን ኢሳይያስ ዘልዓሎ “መደብ ሓዱሽ ውዳቤ ህግደፍ” ገና በኣግኡ “እዛ ብርኩታ እምኒ ኣላታ” ከምዝብሃል ኣብ መንጎ እቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ ምትፍናን ፈጢሩ እዚ ሰብኣይ “ሕጂ ክኣ ብውዳቤ ኣሳቢቡ ንገሌና ክበልዕ ይሓስብ ኣሎ” ይብሉ ኣለው፡፡ ብፍላይ እቶም ኣርባዕተ ገባብል ሓለፍቲ ህግደፍ ነቲ ሓዱሽ መደብ ናይ ምንጻግ ዝንባለታት የርእዩ ኣለው፡፡ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም እውን ምስኣቶም ክጸጋጋዕን “23 ዓመታት ኣበይ ዝነበርና ሰባት ኢና ሕጂ ሓዱሽ ህግደፍ ክንፈጥር?” ክብል ይስማዕ ኣሎ፡፡ የማነ ገብረኣብ (ማንኪ)፡ ሓጎስ ገብረሂወት(ክሻ)ን ዘምህረት የውሃንስን ንሓደስቲ መደባት ኢሳይያስ ከም ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ዝትግበሩ መደባት ተኽሊጥን ድስከላን ዓይነት ቆጺሮም “ከየርክበልና” ብምባል የዕዘምዝሙ ኣለው፡፡

ብሓጺሩ ዝርዝር ትሕዝትኡን ኣፈጻጽምኡን ብዙሕ ዘይተነገረሉ “መደብ ምሕዳስ ሰልፍ ህግደፍ ኣብ መንጎ ኢሳይያስን እሙናቱን ዝነበረ ሃጓፍ ብምግፋሕ ብኣግኡ ናብ ምትፍናንን ምስሕሓብን ክዛርዩ ይገብሮም ኣሎ፡፡

ለ. እዋናዊ ኩነታት ጀነራል ስብሓት ኢፍሬም

ኣብ መራኽቦ ብዙሃን ጎስጓሳትን ውልቃዊ መነባብሩኡን ኣዝዩ ጥንቑቕን በሊሕን ዝመስል ጀነራል ስብሓት ኢፍሬም፡ ከምቲ መብዛሕትና ንፈልጦ ኣብ ቅድሚ ኢሳይያስ ግን ሞራሉ ክኸድዖን ሸበድበድ ክብል ዝርአ ምስሉይ ሓላፊ እዩ፡፡ ንስብሓት ኢፍሬም ዝምልከት ብሰነዳት ዝተሰነየ ሰፊሕ ሓበሬታ ኣብዚ ዓመት ብዘውጻኽዎ ናይ ጊዜ ሰደቓ መሰረት ኣብ ጊዚኡ ዘቕርበልኩም ኮይኑ ንሎሚ ግን ንእዋናዊን ዘይልሙድ ተርእዮታት ጀነራል ስብሓት ዝምልከት ሓደ ሓበሬታ ስለዘሎ ከቕርበልኩም፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብኢሳይያስ ካብ ዝተወጠኑ መደባት “ምሕዳስ ግንባርን ምጥያስ መኸተ ግንባራትን” ንዝብል መደብ ብዘይልሙድ ኣገባብ ስብሓት ኣብ ምቕዋም ይርከብ፡፡ ብመሰረት ትንተናታት ኢሳያስ፡ መደብ ምጥያስ መኸተ ግንባራት ብኹሎም ኣካላት መንግስቲን ብመሓውራት ጸጥታን ዝትግበር መቐጸልታ ኣንጻር ውሽጣውያን ተበለጽትን ግዳማዊ ብድሆታትን ኮይኑ ንመላእ ሃገር ናብ ኣርባዕተ ግንባራት ብምኽፋል ካብ ሓበሬታ ምእካብ ክሳብ ተግባራዊ ስጉምትታት ዝወስድ ሓደ ምእኹል ሓይሊ ዕማም ምጥያስ እዩ፡፡

ብዙሕ ብዘይተነጸረ ምኽንያት ነዚ መደብ ገና በኣግኡ ብወግዒ ዝቃወም ዘሎ ሓላፊ ጀነራል ስብሓት ኢፍሬም እዩ፡፡ ጀነራል ስብሓት ኣብ ሓደ ኣኼባ “መላእ ሃገር ዘንቐሳቕስን ሕንፍሽፍሽ ዘስዕብ ሓደስቲ ውዳቤታት ካብ ምፍጣር ነቲ ዝነበረ መስርሕ ዝተወሰነ ምትዕርራይ ብምግባር Status quo ምሕላው ከምዘዋጽእ” ብምሕባር “ኣብዛ ሃገር ብፍላይ ኣብ ፖለቲካዊ ኣቃውማ ሓዱሽ ነገር ንምምጻእ ጊዜ ሓሊፍዎ እዩ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ውዳቤ ሱር በተኽ ምትዕርራይ ምግባር ነብስኻ ምብላዕ (self cannibalism) እዩ እንዳበለ ምስዝመስልዎ ሓለፍቲ ይዘራረብ ኣሎ፡፡ ብተወሳኺ “እዚ ሰብኣይ ነታ ዝተረፈትና ዕድመ ብሰላም ከይነሕልፋ ኣብ ኣጋ እርጋና ይተነኻኽፈና ኣሎ፡ ኣኼባ ከይገበረ ዝምቡዕ ውሳነታት ይውስን ኣሎ” እንዳበለ ይዛረብ ኣሎ፡፡

ብምስልይነቱን ምህዝኡን ዝልለ ስብሓት፡ ዝሓለፈ ሰሙን ድሕሪ ቃለ መሕተት ኢሳይያስ ምስ ገለ መቅርቡ ኣብ ዝገበሮ ርክባት “ክትትግብሮን ከይትትግብሮን ከይፈለጥካ ብኢድ ዋኒንካ ኣብ መራኽቦ ብዙሃን ተሃንዲድካ ምዝራብ ጌጋ እዩ፡ ትማል ቅዋም ክንነድፍ ኢና ኢልና ተገራጫዊ መግለጽታት ሂብና ሎሚ ድማ ተገምጢልና ካልእ ምዝራብ ንሓለፍትን ንህዝብን ምድንጋር እዩ፡ ናይ ልምዓት ዞባታት ኢልና ኣዊጅና፡ ውጽኢት ከይተጸባጸብናን ሒሳብና ከይገበርናን፡ ሕጂ ድማ መኸተ ግንባራት ዝብል ሓሳብ ይመጽእ ኣሎ፡፡ መኸተ እንዳበልና ንህዝቢ ኣብ ኩናትን ወረ ኩናትን ሸሚምና ዲና ኽንነብር? ንኩናት ዝድርኹ መደባት ክንሕንጽጽ የብልናን፡፡ ጸላእትና ዘቤታዊ ዕዮታቶም ይፍጽሙ ኣለው፡፡ ንሕና ኣብ መኸተ ክሳብ መዓስ?” ኢሉ ተዛሪቡ እዩ፡፡

ብመንጸር ተኣማንነቱን ምስሉይነቱን ከምኡ ‘ውን ብዘፍሸሎም ገለ ገለ ምንቕስቓሳት ከም ሳክቲዝም፡ ኣብ ልዕሊ ስብሓት ዘለኒ እምነት ኣዝዩ ድሩት እዩ፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ስብሓት ብድፍረት ዝገልጾም ዘለው ሓሳባትን ብጭቅ ዝብሉ ዘይተለመዱ ወረታት ውጽኢቶም እንታይ ከምዝኸውን ብሓባር ክንዕዘብ ካብ ዝብል ብመልክዕ እዋናዊ ዛዕባ ኣቕሪበልኩም ኣለኹ፡፡

ሐ. ብምኽንያት ሓዱሽ “ወሰኽ ደሞዝ” ፈኸም ዝብሉ ዘለው ምትፍናናት

ብዙሕ ተጎስጊስሉን ተሃውቲትሉን ከብቅዕ፡ ብሽም ወሰኽ ደሞዝ ዝተጋሃደ ምቕናስ ደሞዝ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል፡ ሕጂ ውን ኣብ ሓይልታት እቲ ዝዓበየ መዘራረቢ ኣጀንዳ ኮይኑ ኣሎ፡፡ ስምዒት ሰራዊት ዝያዳ እንዳተላብዐ ንላዕለዎት ሓለፍቲ እውን ክጸሉ ኣብ ዝጀመረሉ ኣብዚ እዋን እዚ፡ ንርኢቶታት ሓለፍቲ ክፍላተ ሰራዊት ነጺጉ ኢሳይያስ ኣብ መርገጺኡ ሰጢሙ “ሕጂውን እቲ ዝወጸ ኣዋጅ ብዘይ ቅድመ ኩነት ክትግበር” ከምዘለዎ ብምእዛዙ እታ ናይ 272 ናቕፋ ደሞዝ ትወሃብ ኣላ፡፡ ዳርጋ ኩሎም ኣዘዝቲ ክፍላተ ሰራዊት ኣብ ዝኣከብዎ ወርሓዊ ሓበሬታ ምዕዝምዛማት ሰራዊት “ኣባላት ሓ/ም/ኤ በቲ ዝተገበረ ወሰኽ ከምዝተቖጥዑ ብምግላጽ ንሕና ካብ ላዕሊ ዘዝመጸና መጽብዓ ናብ ታሕቲ እንዳውረድና ሕጂ ዘይንምልሶም ሕቶታት ይበዝሐና ኣሎ፡፡ ሰራዊት በብዕለቱ ፋሕ ይብለና ኣሎ፡፡” ኢሎም ገሊጾም ኢዮም፡፡

ኣብ ሜካናይዝድ ኣሃዱታት ( ብፍላይ ኣብ ክፍለ ሰራዊት 46ን 49ን) ድማ ካብ ማእከልነት ቦጦሎኒ ንላዕሊ ኣብ ዘለው ሓለፍቲ፡ ዝተሰምዐ ርኢቶ “እዚ ሓዱሽ ወሰኽ ደሞዝ ብሓደ ወገን ኣብ መኸተ ኣለና እንዳተበሃለ ውሽጢ ውሽጢ ግን ሰራዊት ፋሕ ክብልን ክበታተንን ዝወጸ መምርሒ እዩ” ዝብል እዩ፡፡ ሓደ ኣዛዚ ብርጌድ ርስራሽ ሌተናል ኮሎኔል (ሽሙ ክገልጾ ዘይደሊ) “እዚ ሓዱሽ ወሰኽ ደሞዝ ሰራዊት ንኽበታተን ዝተሃቀነ መቐጸልታ ናይ 1994/95 ሽርሒ መደብ ምጥያስ እዩ። ከምቲ ብ5000 – 10000 ‘ብር ‘ ብምዕዳል እቶም ምስ ሞራሎምን ፍናኖምን ዝነበሩ በላሕቲ ሓለፍቲ ብሽም ምጥያስ ፡ክበታተኑን ስኒ ኣልቦ ክኾኑን ዝተገበረ፡ ሕጂ ኣብዚ ዘበነ ውራ ውራ ውን ዘይተርፍ ተቃውሞታት ንምትዕንቓፍ፡ ንምትህድዳእን ኣንፈት ሰራዊት ብምጥምዛዝ ንኽበታተን ዝተተግበረ ስውር ሽርሒ እዩ ክብል ገሊጹ እዩ ” ብምባል ገሊጹ፡፡

መደብ ሓዱሽ ወሰኽ ደሞዝ ኣብ መንጎ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ግንባራት ውን ናብ ክልተ ተናሓነሕቲ ጉጅለታት ዘዛርዮም ምትፍናን ፈጢሩ ኣሎ፡፡ ብሓደ ወገን “ንዓመታት ዝተደጎለ ማሕበራዊን ቁጠባዊን ሕቶታት ሰራዊት ዝዓብስ ልዑል ወሰኽ ደሞዝ ክግበር ምዃኑ ንሰራዊት ክንሕብር ጸኒሕና ልዑል ትጽቢት ጌርና መንግስቲ ኣሽኪዕና ዝብሉ ብበዓል ጀነራል ስብሓት፡ ሜጀር ጀነራል ሃይለ ሳሙኤል (ቻይና) ፡ ብር/ጀነራል ተኽለ ክፍላይ (ማንጁስ)፡ ብር/ጀነራል ፍጹም ገብረህይወትን መብዛሕትኦም ኣዘዝቲ ክፍላተ ሰራዊታት ዝርከብዎ ኮይኑ ብኻልእ ወገን ድማ “እዛ ሃገር ኣብ መኸተ እያ ዘላ መንግስቲ ዘውርዶ መምርሒን ትእዛዝን ብዘይ ቅድመ ኩነት ክንትግብሮ ይግባእ” ዝብሉ ብዓል ጀነራል ፊሊጶስ፡ ብር/ጀነራል ሓዱሽ ኢፍሬም፡ ኮሎኔል ሓረጎት ፍርዙን (ኣዛዚ ክ/ሰራዊት 22)ን ብርሃነ ኤልያስ (ኣዛዚ ክፍለ ሰራዊት 525 ኮይኑ ዝተመዘ) ዝርከብዎ ጉጅለ እዩ፡፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣዝዩ ተባራዒ እዋናዊ ሃዋሁ ዝጣሓለ ሓ/ም/ኤ ብዘስደምም ኣገባብ ኣባላቱ ካብ ተራ ክሳብ ሓለፍቲ ካብ መሳርዑ ክሃድምን ክስደድን ይርአ ኣሎ፡፡

መ. ብቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ጎስጓስ ክግበረሎም ዝተመረጹ “እዋናዊ ልምዓታዊ” መደባት

ዓመት ዓመት ህዝቢ ብተስፋ ዘጻንሑ፡ ዕምሪ ስልጣን ዘናውሑ ዝተጀመሩ መደባት ልምዓት እንዳርአኻ፡ ጎስጓሳት ዝግበረሎም መደባት ምውራድ ዘይስልክዮ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ እውን ጎኒ ንጎኒ ጽምብላት ስርሒት ፈንቅል ብኹለን ሚዲያታት ልዑል ትኹረት ተገይሩለን ጎስጓሳት ክግበረሎም ዝግብኦም ዝበሎም “ልምዓታዊ መደባት” ንዳይሬክተር ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንትን ሚኒስትሪ ዜናን የማነ ገብረመስቀል መደባት ዓዲልዎ እዩ፡፡ እዞም መደባት ምስ ትሕዝቶታቶም ዝስዕቡ እዮም፡፡

መንገዲ ኣየር ማሳዋ (MASSAWA air ways):
ሃገርና ብኹሉ ዓይነት ትሕቲ ቅርፂ ክትምዕብልን ክትህነጽን ዝጸልእ ዜጋ የልቦን፡፡ ዘዝተጀመረ ትሕቲ ቅርጺ ከይተዛዘመ ኣብ ሚዲያ ብምቅራብ፡ ዘተሓተ ጽፈት ዘለዎም (Substandard) ስርሓት ትሕቲ ቅርጺ ከም ዓበይቲ መደባት ብመስራዕ ዕምሪ ስልጣን ንምንዋሕ ምጉስጓስ ዝሓለፉ 25 ዓመታት ብአቦጓይላ ዝተመሃዘ ናይ ጎስጓስ ስትራቴጂ እዮ፡፡ ከምቲ ልሙድ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ብሰማያዊ ሕብር ዝተለኸያ ካብ ቻይና ዝመጻ ነፈርቲ ብሽም “MASSAWA air ways” ሓያሎ ጎስጓሳት ይካየደለን ኣሎ፡፡

ድሕሪ መገዲ ኣየር ኤርትራ ዝተሃንጹ መንገዲ ኣየራት ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ በጺሐን ወነንቲ Boeing and Air busን ኣብ ዝኾናሉ እዋን፡ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ግን ሙሉእ ብሙሉእ በዓቅሚ ሰብን ውሽጣዊ ትሕዝቶን ካብ ዝድስክል ዓመታት ኣቁጺሩ እዩ፡፡ ካልእ ይትረፍ ምስ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ስምምዕ ከቲመን ዝነበራ ሃገራት (ቀጠር፡የመን፡ ጀርመን) ኮንትራተን ኣፍሪሰን፡ ባዕሉ ፕ/ት ናይ ካልኦት ሃገራት ነፈርቲ ተኻርዩ ኣብ ዝገሸሉ ደረጃ በጺሕና ኢና፡፡ እታ ዝተመካሕናላ Boeing 767 ንግስቲ ንህቢ ’ውን ጠጠው ካብ ትብል ዓመታት ኣቁጺራ እያ፡፡ ኣገልግሎት መንገዲ ኣየር ንባዕሉ ንኢሳይያስ “ርእሲ ሕማም” ኮይንዎ ከምዝነበረ ኣነ ባዕለይ ብቀረባ ዝፈልጦ’ዩ፡፡ ኣብ 2013 መንገዲ ኣየር ኤርትራ ዳርጋ ሙሉእ ብሙሉእ ክድስክል ምስተቓረበ ኢሳይያስ ንሓጎስ ክሻ ኣማኺሩ ዝተሓተ ጽሬትን ዋጋን ዘለዎን ነፈርቲ ክዕድግ ሓበሮ፡፡

እምበኣር ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ልዑል ጎስጓስ ዝተገበረለን ታሪኽ MA-60 ነፈርቲ ብሓጺሩ ከምዝስዕብ እዩ፡፡

ካብ xi’an air craft industrial corporation ዝተብሃለ ናይ ቻይና ትካል ዝኣተዋ 3 ነፈርቲ ኮይነን 2 MA-60 ዝብሃላ ብጠቕላላ 60 ሰብ ናይ ምጽዓን ዓቕሚ ዘለዎን ከምኡውን ሓንቲ Xi’an Y-7 እትብሃል ክሳብ 27 ሰብ ናይ ምጽዓን ዓቅሚ ዘለዋ እያ፡፡ እታ ሳልሰይቲ እቲ ኣፍራይ ብናጻ ከም ህያብ ዝወሰኻ እያ፡፡

እዘን ነፈርቲ ብዘይ ኣፍልጦ አቬሽንን መንገዲ ኣየርን ምስኣተዋ ንኣስታት 3 ዓመታት ኣብ ባጽዕ ጠጠው ኢለን ጸኒሐን እየን፡፡ ዳርጋ ኩሎም ምስ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ተሻሪኾም ዝሰርሑ ዝነበሩ መንገዲ ኣየራት ሓደ ብሓደ ምስወጹ ኢሳይያስ 12 ኣባላት ሓይሊ ኣየር ናብ ቻይና ተላኢኾም ስልጠና ኽወስዱ ብምግባር እተን ነፈርቲ ስራሕ ኽጅምራ ኣዚዙ፡፡ ናብ ቻይና ተላኢኾም ናይ 6 ወርሒ ስልጠና ዝወሰዱ ኣብረርቲ ነፈርቲ ውግእን ቴክኒሻናትን ዝስዕቡ እዮም፡

ሜጀር ዮናታን ኣብርሃ
ሜጀር እዮብ ስእላይ
ሜጀር ኢሳይያስ ብርሃነ
ሜጀር ዮናስ ወልዳይ
ተለንተ መንደር ኣብርሃ ከምኡውን
ካፕቴን ሙሴ ዝተብሃሉ ኣብረርትን ፒናስ ነጋሽ፡ ፍጹም ሓድጉ፡ ኣሚነ ፍስሃየን ኣሌክስን ዝተብሃሉ ቴክኒሻናት እዮም፡፡
ነዞም ሰልጠንቲ ክከታተሉን ነተን ነፈርቲ ኣብ ባጽዕ ክኣልዩ ዝተመዘዙ ሓለፍቲ ኮሎኔል ፍጹም በላይን ሜጀር ተወልደ ኢሳቕን ዝተብሃሉ ኣባላት ሓይሊ ኣየር እዩም፡፡ ካብ ኣመጻጽእአን ጀሚሩ ጸገም ዘይተፈለየን እዘን ነፈርቲ ብዓለም ለኸ ሕግታት ኣዝዩ ዝተሓተ ደረጃ ዝተውሃበን ኣብ ልዕሊ ምኳነን

FAA (USA) ን EASA (Europe) ደረጃ ዘይተውሃበን ማለት ኣብ ኣሜሪካን ኤሮጳን ክበራ ዘይተፈቐደለን
ኢንሹራንሽ ዘይተገበረለን ማለት ነተን ነፈርቲ ይኹን ንተጓዓዝቲ ሓደጋ ምስዘጋጥም ዝኾነ ዓይነት ኢንሹራንስ ዘይኽፈለን
ኣብ ኣውስትራሊያ፡ ኒውዝላንድ ብዝበጽሐ ሓደጋ ከይበራ ዝተኸልከላ እየን፡፡
እምበኣር እዘን ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ጸገማት ዝተሰከማ ነፈርቲ እዩ ኣቦጓይላ ኢሳይያስ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ልዑል ጎስጓስ ክግበረለን ብምእዛዙ ኣብ ኩለን ሚዲያታት ክንጸምም ዝቐነና፡፡

ዝኸበርኩም ተኸታተልቲ!

. . . . . . . ድሕሪ ንሓደ ወርሒ ምጥፋአይ ዘቅረብክዋ እዋናዊ ሓበሬታ ብዝተፈላለዩ መልክዕ ንቆሓትኩም ኣብ ምብራኽ ገለ ኣበርክቶ ከምዝህልዎ እኣምን፡፡ ገና ብኣግኡ ብህግደፋዊ ተዋስኦታት ዝፈለመት ሓዳስ ዓመት 2017 ፡ከምቲ ልሙድ ብብእዋኑ ዝካየዱ ተዋስኦታት ኣቦጓይላ ኣነ ውን እግሪ እግሪ እንዳስዓብኩ ብመልክዕ “እዋናዊ ዘዓባ” ከቅርበልኩም እየ፡፡ በዚ አጋጣሚ በቐጻልነት ከይተሓላለኹም እዋናዊ ሓበሬታታት እተስንቑኒ ሓለፍትን ግዱሳት ዜጋታት ከመስግን እፈቱ፡፡

ኣብ ቀጻሊ ብሰነዳት ዝተሰነየ ህልው ኩነታት ተሳተፍቲ ስርሒትን 3ይ ክፋል “ዛንታ ስርሒት ፎርቶ” ከቅርበልኩም’የ፡፡ ወዳሓንኩም!!

SHARE Facebook Twitter
ምንጪ ሓበሬታ